ሃገራዊ ምኽክር ንዘላቒ መፍትሒ

ከም ሃገርን ህዝብን ኣብ ኩሉ ጉዳይ ተመሳሳሊ ርዲኢትን ስምምዕነት ክህለው ግድን ኣይኮነን። ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ግና ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ግድን ይኸውን። ስለዚ ዘተ፣ምኽክርን ምይይጥን ከም መፍትሒ ምውሳድ ኣድላይ ይኸውን።ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብዘተን ምኽክርን ናይ ምፍታሕ ባህሊ ምዕቡል ብዘይ ምዃኑ ብዓመፅን ብዕጥቃዊ ቓልስን ፖለቲካዊ ዕላማ ንምዕዋት ከም ኣማራፂ ይውሰድ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታትን ልዕሊኡን ብዓመፅን ዕጥቃዊ ቓልሲን ፖለቲካዊ ዕላማ ንምዕዋት ምንቅስቓሳት ተገይሮም ‘ዮም። ሐዚ’ውን ኣለው። ኮይኑ ግና ዘላቂ መፍትሔ ከምፅኡ ኣይከኣሉን። ሐዚ ህዝብታትን ፖለቲከኛታትን ኢትዮጵያ ዘይስማምዑሎም ታሪኻትን ተረኻትን፤ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝሰፈሩ ሓሳባትን ካልኦትን ሐዚ ‘ውን ንጎንፂ መሰረት እናኾኑ ይርከቡ።

ኣብ ሃገርና ንጎንፂ ምኽንያት ዝኾኑ ታሪኻትን ተረኻትን ከምኡ ‘ውን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትን ኣብ ህገ መንግስቲ ዝሰፈሩ ሓሳባት ናይ ጎንፂ መበገሲ ከይኾኑ ብሃገራዊ ምኽክር ዘላቒ መፍትሒ ንምሃብ ሃገርና ኣብ ስራሕ ትርከብ። ንዚ ድማ ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ተጣይሹ ኣብ ምእካብ ኣጀንዳ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሐዚ ብዘይካ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ካልኦት ክልላት ኣጀንዳ ናይ ምእካብ ስራሕቲ ሰሪሑ ኣሎ። ናይዚ ኣጀንዳ ምእካብ ዋና ዕላማ ኣብ ኸይዲ ሃገራዊ ምኽክር ዜጋታት ብመልክዕ ኣጀንዳ ዘቕርብዎም ሓሳባት ኣዝዮም ኣድለይቲ ስለዝኾኑ ‘ዩ።

ኣብ ኸይዲ ሃገራዊ ምኽክር ካብ ዜጋታት ዝእከቡ ኣጀንዳታት ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ማዕረ ተሳተፍቲ ንክኾኑ ይገብር። ኣፍቲ ኸይዲ ኹሉ ሓሳብ ብምቕራብ ብንቕሓት ብምስታፍን እቲ ኸይዲ ዕውት ካብ ምግባር ዝሓለፈ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ግደ ምሃብ ውሳነ ንምፅዋት ኣፍደገ ዝኸፍት ዩ።

ኣብ ኸይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብዜጋታን መዳርግቲ ኣካላትን ዝቐርቡ ኣጀንዳታት ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዘለዎም ስምዒትን ድሌትን ንኸንፀባርቑ ዕድል ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ንዝተፈጠሩ ፀገማት ናይ መፍትሒ ስጉምቲ ንምውሳድ መገዲ ዝኸፍት ‘ውን ‘ዩ።

ሃገራዊ ምኽክር ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ኣብ ውሽጢ ማሕበራውን ፖለቲካውን መስተጋብር ድምፆም ዓርዩ ዘይተሰምዐ ክፋላት ማሕበረሰብ ሓሳቦም ንኽድመፅ መደላድል ዝፈጥር ‘ውን ‘ዩ። እዞም ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ጉዳይ ሃገሮም በዓል ዋና ምዃኖም ተሰሚዕዎም ሓሳቦም ምቕራቦም ኣብ ልምምድ ዲሞክራሲ ሃገርና ኣወንታዊ ፅ ዕንቶ ይህልዎ።

ኣብ ኸይዲ ሃገራዊ ምኽክር ህዝቢ በዓል ቤት ከም ምዃኑ ኣብ ኸይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ዜጋታት ሓሳቦም ብቀጥታ ይኹን ብተወከልቶም እንተቕርቡ ኣፍቲ ኸይዲ ክህልዎም ዝኽእል መሰል ስምዒት በዓል ቤትነት ንኽረጋገፅ መገዲ ይኸፍተሎም። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዝቐርቡ መፍትሒ ሓሳባት ዜጋታት ናይቲ ጉዳይ ማእኸል ኮይኖም ኣፍቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝጠቕሙ መፍትሒ ሓሳባት ብሓባር ከመንጭዉ ይኽእሉ።

ኣብ ኸይዲ ሃገራዊ ምኽክር ዜጋታት ብሓቅን ብግልፅን ሓሳባት ኣጀንዳ ምቕራቦም ሓበራዊ ምትእምማን ንምህናፅ ዕድል ይፈጥረሎም። ኣቲ ኸይዲ ድማ ኹሎም ኣካላት ካብ ሕሉፍ ተማሂሮም ብዛዕባ ናይ ፅባሕ ሓበራዊት ሃገሮም ተማኺሮም ማሕበራዊ ውዕሎም ይሕድሱ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ መፃኢ ተስፋ ሃገርና ዓብዪ ግደ ኣብ ዘለዎ ኸይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ተሳተፍቲ ብምዃን ንዘለቔታዊ ፍታሕ ዝጠቕሙ ሓሳባት ብሓባር ንምምፃእ ክሳተፉ ይግባእ።

ህዝቢን ፖለቲካዊ ልሂቃን ክልል ትግራይ ‘ውን ከም ካልኦት ህዝብታት ሃገርና ኣጀንዳታት ኣለዎም። ናይ ባዕሎም ፖለቲካዊ ባህግን ድሌትን ኣለዎም። ስለዚኾነ ኣብዚ ሃገራዊ ምኽክር ድሌታቶምን ሓሳባቶምን ዘንፀባርቑ ኣጃንዳታት ኣልዒሎም ክመያየጡ ግድን ይኸውን።

ህዝቢን ሊህቅን ትግራይ ቅድሚ ኹናት ኾነ ድሕሪ ኹናት ዝተፈጠሩ ምዕባለታት መሰረት ዝገበሩ ኣጀንዳታት ናብ ምኽክር ንምምፃእ ኣብ ትግራይ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽከር ስራሕቲ ዝጅምረሉ ምችው ኹነታት ምፍጣር ኣድላይ ይኸውን። ንዚ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ፓርቲታትን፣ሲቪክ ማሕበረሰብ፣ትካላት ሃይማኖት፣ዝተፈላለዩ ውዳበታት ሓፋሽን መላእ ህዝብን ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክገብሩ ይግባእ።

ብሓፈሻ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፀገም ብዘላቒነት ንምፍታሕ ዘተን ምኽክርን ወሳንን መሰረታዊን ስለዝኾነ፤ንዘላቒ መፍትሒ ፀገማትና’ውን ስለዝጠቅም ከይዲ ምእካብ ኣጀንዳ ኮነ ስራሕቲን ዕላማታትን ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ምዕዋት ግድን ይኸውን።

ወጋሕታ 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You