ዝተዋደደ ፅዕንቶ ወፃኢ ብሓድነት ንመክት

 ትርሓስ ፍቃዱ

ብግብረ ራዕዲ ዝተፈረጀ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ፤ መንግስቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንሉኣላውነት ሃገር ኣካይዱ እዩ፡፡ እቲ ጉጅለ ልዕሊ 20 ዓመታት ንትግራይ ካብ መጥቃዕቲ እናሓለወ ዝፀንሐ መከላኸሊ ሰራዊት ከም ወራሪ ቖፂሩ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብፂሕሉ እዩ፡፡ ዕላምኡ ድማ ናፍቲ ዝነበሮ ስልጣን ተመሊሱ ንምምፃእ ወይ ድማ ሃገር ንምትርማስ እዩ፡፡ እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እናተዛረቦ ዝፀንሐ እንተኾነ ‘ውን ኣብ ቐረባ እዋን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ‹‹ዋና ዕላማና ዓቕሚ ፀላኢ ምድኻም እዩ፤ ናይ መወዳእታ ድማ ኢትዮጵያ ምፍራስ እዩ፡፡ ኣድላዪ እንተኾይ ‘ውን ኢትዮጵያ ንምፍራስ ሲኦል በፂሕና ምምላስ ክንገብሮ ኢና›› ብምባል ዝተዛረብዎ መራኸብቲ ሓፋሽ ከምዝፀብፀበዎ ዝዝከር እዩ፡፡

ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ኣሜሪካን ኣውሮፓ ሕብረትን ካብ ፈለማ ጀሚሩ ታሪኽ ህወሓት እንተፈለጥዎ ‘ውን ባህርያቱ ካብ ምቅላዕ ተቖጢቦም እዮም፡፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ዝፀንሐሎም 27 ዓመታት ዓብዪ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝፈፀመ ሂዉማን ራይትስ ዎች፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ በብዓመቱ እናውፅእዎም ዝነበሩ ዓመታዊ ፀብፃባት ምርኣይ ይከኣል እዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ እናሃለወ ምስ ሰብኣዊ ረድኤት ዝተተሓሓዘ እናፈፀሞም ዝነበሩ ጥሕሰታት ቢቢሲ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዓለምለኸ ትካላት ንዓለም ዕላዊ ገይረን እዮም፡፡ ማርቲን ፕላውት ‹‹Ethiopia Famine aid spent on weapens›› ብዝብል ርእሲ ኣብ ቢቢሲ ዘቕረቦ ሰፊሕ ፀብፀብ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ እናሃለወ ብሱዳን እናኣተወ ዝነበረ ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ካብ ወፃኢ ዝተልኣኸ ረድኤት 100 ሚሊዮን ዶላር 95 ሚሊዮን ዶላር ንመዐደጊ ኣፅዋር ኲናት ክውዕል ከምዝገበሮ ምግላፁ ዝዝከር እዩ፡፡ እዚ ጉዳይ ትካል ስለላ ኣሜሪካ ከምዘረጋገፆ ኣብ ፀብፃቡ ኣስፊሩ፡፡ ኣፍቲ እዋን ድጋፍ ብምትእኽኻብ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ዝገበረ ቦብ ጊልድፎም ነቲ ድርጊት ምፍፃሙ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ምግላፁ ዝዝከር እዩ፡፡

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጎንፂ ንኸይጋድድ፣ ህዝቢ ናብ ማሕረስ ንኽኣትውን ከምኡ ‘ውን ቀረብ ረድኤት ተበፃሒ ንምግባር ብዝብል ካብ 21 ሰነ2013 ዓ.ም ጀሚሩ ዝትግበር ኣብ ሰብኣውነት ዝተደረኸ ናይ ውልቃዊ ጠጠው ምባል ተኹሲ እንተኣወጀ ‘ውን እቲ ጉጅለ ግና ውግእ ከምዝቕፅል ዕላዊ ገይሩ እዩ፡፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ውግእ እናሃለወ ህዝቢ ብጥምየት እናተወደአ እዩ ዝብል ፕሮፖጋንዳ እናጋወሐ ዝነበረ እንትኸውን ጠጠው ምባል ተኹሲ እንትእወጅ ድማ ናይ ጥምየት ኣጀንዳ ናብ ድሕሪት ገዲፉ ነጋሪት ኲናት ምህራም ጀሚሩ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ህፃናትን መናእሰይን እናሰለፈን መዐወኒ እፅ እናተጠቐመ ናብ ኲናት ምእታዉ ቐፂሉሉ እዩ፡፡ ብመሰረት ሕጊ ዓለምለኸ ህፃናት ንኲናት ምጥቃም ዝተኸልኸለ እንትኸውን ከም ገበን ዝቑፀር እዩ፡፡ ይኹን ‘ምበር ምዕራባውያን እዚ ጉዳይ ብመልክዕ ዜና ብምስርጫው ነቲ ጉጅለ ከም መነቓቕሒ ካብ ምጥቃም ዝሓለፈ ገበን ከምዝኾነ ኣይጠቐሱን፡፡

ምዕራባውያን ነዚኦም ዝመስሉ ሕልኽላኽ ፀገማት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መከላኸሊ ንዝፈፀሞ ተግባር ጭካነ፤ ኣብ ማይካድራን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታትን ንዝተፈፀሙ ናይ ጅምላ ጨፍጫፋት ካብዚ ሓሊፉ ድማ ምስቲ ናይ ሎሚ ቕነ ኣብ ልዕሊ ህልውና ኢትዮጵያ ዕላዊ ኣዋጅ ኲናት እንትዛረቡ፤ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ብምግዳፍ ሕቡእ ኣጀንደኦም ንምስኻዕ እናሰርሑ ይርኣዩ፡፡ እኳድኣስ እቲ ጉጅለ ዘውፀኦ ፕሮፖጋንዳ ብምግዋሕ ማሕበረሰብ ዓለም ግጉይ ግንዛበ ንኽህልዎ እናሰርሑ ይርከቡ፡ ፡ ሃገራት ምዕራብን መራኸብቲ ሓፋሽን ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣዝዩ ብዝተዋደደ መገዲ ‹‹ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፣ዘርኢ ምጥፋእ፣ ገበን ኲናት፣ ምኽልኻል ረድኤት ወዘተ ዝብሉ ቃላታት ብምድርዳር እቲ ጉዳይ ከምዘሕስቦም ብምግላፅ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፅዕንቶ ንምሕዳር ዘይፈንቀልዎ እምኒ የለን፡፡ ናይ ወፃኢ መንግስታት ምስ ብገበን ግብረ ራዕዲ ዝተፈረጀ ጉጅለ ህወሓት ‹‹ዘተ ክገብር ኣለዎ›› ብዝብል ተደጋጋሚ ድፍኢት ምግባሮም ኣጠናኺሮም ቐፂሎምሉ እዮም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንውሕ ዝበሉ ትንታነታት ብምፅሓፍ ዝፍለጡ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገብረመድህን ‹‹THE WESTERN CONSPIRACY TO WEAPONIZE FAMINE FOR REGIME CHANGE IN ETHIOPIA›› ብዝብል ርእሲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝፀሓፍዎ ፅሑፍ ሃገራት ምዕራብ ብዝተዋደደ መልክዑ ሓዱሽ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ከምዝኸፈታ ኣስፊሮም፡፡ እዘን ሃገራት መንግስቲ ኣብ ትግራይ ንዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ብሽፋን ሰብኣዊ መሰል ተደጋጋሚ መግለፅታት ብምውፃእ ዓብዪ ፅዕንቶ ንምዕራፍ እናሰርሑ ከምዝፀንሑ ኣብ ፅሑፎም ኣመልኪቶም እዮም፡፡ ድሕሪ ቐረባ እዋን መልክዑ ብምቕያር ‹‹ጥምየት ከም ዕላማ ኲናት››ብዝብል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሓዱሽ ወፍሪ ከምዝኸፈቱ የረድኡ፡፡ እቲ ቐንዲ ዕላምኦም ድማ ለውጢ መንግስቲ ምግባር ወይ ድማ ህወሓት ናብ ስልጣን ምምላስ ከምዝኾነ ኣብ ፅሑፎም ኣብሪሆም፡፡ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገብረማሪያም ኣብ ትንታነኦም ኣሜሪካ፣ሕብረት ኣውሮፓን ዩናይትድ ኪንግደም ብሽፋን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ቃላታት ብምምሃዝን ብመራኸብቲ ሓፋሽ ብምስርጫው ኣብ ኢትዮጵያ ብጥምየት ሽም ድሌቶም ንምግባር ለይትን ቐትርን ከምዝሰርሑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቐረባ እዋን ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ‹‹መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ ክፋል ሕገ መንግስቲ ክነክእ ኣይኽእልን፤ ሐዚ ካብ ዘሎ ወሰን ክልላት ‘ውን ምንካይ ይኹን ምውሳኽ ኣይኽእልን ኢሎም፡፡ ኢትዮጵያ ምምሕዳር ውሽጣዊ ወሰንን ድንበራት ምልዋጥ ከምዘይትኽእል ገሊፁ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ‘ውን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ንኽወፅእ ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ እዩ፡፡

እዚ ቀጥታዊ ኢድ ኣእታውነት ጥራሕ ዘይኮነስ ምድፋእ ሉኣላውነት እዩ፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዝርከቡ ሓይልታት ፀጥታ ናብ ዝኾነ ከባቢ ናይ ምውፋር ሙሉእ ስልጣን ኣለዎ፡፡ መንግስቲ እዚ ሓሳብ ጉዳይ ሉኣላውነት ምዃኑ ብምጥቃስ እገዳ ጉዕዞ ማዕቐብ ምግባሮም ናይ ቐረባ እዋን ተዘክሮ እዩ፡፡

መምህር ፍልስፍና ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ዮናስ ዘውዴ ከበደ ምስ ግዜኢ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝገለፅዎ፤ ምዕራባውያን ብፍላይ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምዕራፍ እናፈተኑ ዘለዉሉ ምኽንያት፤ ሓደ ካብ ኢዶም ክሸቱኽ ዝደሊ ነገር ንኸይስእንወ ናይ ምጉያይ ኣንደምታ ዘለዎ ዝመስል ፅዕንቶ ከምዝኾነ እዮም ዝገለፁ፡፡

ምዕራባውያን ብሽፋን ሰብኣዊ መሰል ናብ ሃገራት ብቐጥታ ብምእታው ድላዮም ከምዘሳኽዑ ዝተፈላለያ ሃገራት ምርኣይ ይከኣል፡፡ ምዕራባውያን ኣብ ሶሪያ ዘጉሃርዎ ሓዊ ልዕሊ 10 ዓመታት ዘቑፀረ እንትኸውን እታ ሃገር ፈሪሳ ዜጋታታ ንሞትን ስደትን ተዳሪጎም እዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ሊብያ፣ የመን፣ ሊባኖስ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ኢራቅ፣ ኢራን፣ ሶማሊያ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝኣመሰላን ብሽም ሰብኣዊ መሰል ኢዶም ብምእታው ናብ ዘየቋርፅ ኲናት ከምዘእተውዎም ዝፍለጥ እዩ፡፡ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀመርዎ ወፍሪ ‘ውን ካብዚ ዝተፈለየ ዕላማን ድሌትን ዘለዎ ኣይኮነን፡፡ ምዕራባውያን ብሓቂ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ዝጭነቑ ተዝኾኑ ነይሮም ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ንሰራዊት መከላኸሊ ይኹን ንኻልኦት ንፁሃን ሰባት ቅትለት እንትፍፅም ተሓታቲ ክኸውን ምግባር ወይ ድማ ምውጋዝ ምኸኣሉ ነይሮም፡፡

ናይ ኢንግሊዝ ፀሓፊ ግራሃም ፔብልስ ‹‹Stop Interfering Ethiopia‘s Opportunity after the Election›› ብዝብል ርእሲ ኣብ ቐረባ ምስ መረፃ ኣተሓሒዞም ኣብ ዝፀሓፍዎ ትንታነ ምዕራባውን ን27 ዓመታት ህወሓት ብገንዘብ እናደገፍዎ ከምዝነበሩ ብምዝካር ሐዚ ‘ውን መሊሶም ናብ ስልጣን ንምምፃእ ውዲት እናፈሓሱ ከምዝኾኑ ይዝርዝር፡፡ እቶም ፀሓፊ ኣሜሪካ፣ሕብረት ኣውሮፓ፣ ተንተንቲ ፖለቲካ፣ ኣክቲቪስታት ከምኡ ‘ውን መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያን ይኹኑ ሃገራት ዓረብ ነቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣታውነት እናርአዩ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ግብፂ ከይትኹሪ ከምኡ ‘ውን ቻይና ኣብ ኣፍሪካ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እናፈጠረት ምምፅኣ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅልዋ ንምሕዳር ከምዝደልዩ ብምጥቃስ እዛ ሃገር ብብሄር ንኽትመቓቐል ‘ምበር ብልምዓት ክትዕምብብ ከምዘይደልዩ ብግልፂ ኣርእዮም እዮም፡፡

ሃገራት ምዕራብ ዋና ዕላምኦም ኢትዮጵያ ምድኻምን ንሳቶም ብዝደልይዎ ቕርፂ ዝሰርሕ ድኹም መንግስቲ ምፍጣር እዩ ኢሎም፡፡ ነዚ ድማ ህዝቢ ንኽመቓቐል ብምግባርን ብሽፋን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፅዕንቶ ብምፍጣር ምስ ብግብረ ራዕዲ ዝተፈረጀ ጉጅለ ዘተ ንኽገብርን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ድፍኢት እናገበረ ይርከብ፡፡ እዚ ፅዕንቶ ክሰዓር ዝኽእል ህዝቢ ብሓድነት ጠጠው ብምባል እንትኽእል ጥራሕ እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ መላእ ህዝቢ ካብ ዝኾነ እዋን ዝበለፀ ኣብ ሓድነት ትኹረት ክገብር ኣለዎ፡፡ (ፍልፍል፣ግዜኢ)

ወጋሕታ 29 ሓምለ 2013

Recommended For You