
ወርሒ ጥሪ ካብ ካልኦት ኣዋርሕ ብዝበለፀ ዕልልታ፣ ሓጎስን ደስታን ጓይላን ዝበዝሐላ ፍልይቲ ወርሒ ‘ያ እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይከውንን። ብተወሳኺ ኣብዚ ወርሒ ዓበይቲ ካብ ዝብሃሉ በዓላት ሓደ ዝኾነ በዓል ጥምቀት ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ብድመቀት ዝኸበረሉን ዝተፈላላዩ ባህልታት ሃገርና ካብ ባህሊ ኣከዳድና ጀሚሩ ኣመጋግባን ፀወታትን ኣብ ጎዳናታት ነፍሲ ዘሪኦም ዝርኣይሉን ወርሒ ‘ዩ።
ምስዚ ወርሒ ተተሓሒዙ ዝመፅእ መርዓ ‘ዩ። ጥሪ ማለት እዋን መርዓ ‘ዩ እንተተባሂሉ ገላፂ ‘ዩ ምባል ይክኣል። መርዓ ድማ ጓይላን ዕልልታን ዘይፍለዮ እዋን ታሕጓስን ፀወታን ጥራሕ ዘይኮነስ ጥበብን ኪነትን ከምኡ ‘ውን ባህልታት ሕብረተሰብ ወቂቦም ደሚቆም ዝርኣዩሉን ‘ዩ። ጥበብ ክንብል ከለና ካብ ምፅብባቕ መርዓት ብባህላዊ እታወታት ከም ኩሕሊ፣ ጡሽ፣ ሳስላን ኣሰራርሓ ፀጉሪን ኣከዳድናን ዝሓወስን ከምኡ ‘ውን ጥበባት ኣሰራርሓ ባሕላዊ ምግብታትን መስተታን ዝርኣየሉ ‘ዩ።
ብኪነ ጥበብ ወገን እንትርአ ድማ ካብ ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ ጀሚሩ ጭራ ዋጣ፣ ክራርን ፋፃን ዝኣምሰሉ ዝነግስሉን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብቕብብል ዘመፅኡ ዜማታት እቲ ማሕበረሰብ ዝድመፀሉ፤ ብኣቦ ጎይላ (መመሓዳሪ ፀወታ) ስርዓት ሒዙ ኩሉ ዝፅወተሉን ብሓፈሻ ደስ ዝብል ባህሊ ዝኽወነሉ ኹነት ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዝግበር መርዓ ስርዓት ወራድ መርዓ፣ ኣብ ቤተ ሕፅኖት ኣብ ዝግበር ፃንሒት ድማ ከም ሸተታ፣ ገበጣ፣ ጎይላ ፣ ወዘተ ዝበሉ ባህላዊ ፀወታታት ዝደምቑሉ ‘ዩ።
ኣብዚ እዋን ዝንፀባረቁ ዝተፈላላዩ ባህልታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ባህልታት ትግራይ ብግቡእ እናተፀንዑን እናተሰነዱን እንተተፋሊጦም፣ እንተተላልዮም ብጣዕሚ ብዙሕ ረብሓ ክህቡ ዝኽእሉን ፍልፍል መስሕብ ቱሪዝም ኣብ ምዃን ዓብይ ግደ ክፃወት ከምዝኽእል ጥርጥር የብሉን። እዞም ነቲ ማሕበረሰብ ብዙሕ ረብሓታት ዘለዎም ክዋነታት ከምዘለው ኮይኖም፤ ብግቡእ እንተዘይተጠቂምናሎም ድማ ብፍላይ ምስ ምብኻን እኽለማይ ተተሓሒዙ ብኡ መጠን ናይ ባዕሉ ጉድኣት ከስዕበሉ ዝኽእል ኩነታት ኣሎ ‘ዩ።
ካሊእ ምስዚ ወርሒ ተተሓሒዙ ባህልታት ደሚቆም ዝርኣይሉ በዓል ጥምቀት ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ብደረጃ ክልል ኣብ ከተማ ማይጨው ከባቢኡን ብፍሉይ ምድላው ዝኽበር በዓል ጥምቀት ካብቲ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ብተወሳኺ ኣብቲ በዓል ግድል ወይ ቅልስ እናተብሃለ ዝፍለጥ ባህላዊ ስፖርቲ ‘ውን ጎሊሁ ዝርኣየሉ ‘ዩ።
ግድል ወይ ቅልስ ካፍቶም ባህላዊ መግለፅታትን ዘይድህሰሱ ሓድግታትይ ትግራይ ኮይኑ ኣብ ከባቢ ራያ ድማ ብፍሉይ ደሚቁ ካብ ዝርኣዩ ሓደ ‘ዩ፡፡ ደቂ እቲ ከባቢ (ራያ) ከምዝሕብርዎ መበገሲ ግድል፤ ቐደም ወለዲ ቕድሚ ናብ ኵናት ምእታዎም ከም ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲዶም ነኒባዕሎም ልምምድ ዝገብርሉ ዓይነት (ባህላዊ ዓይነት ስፖርቲ) ምዃኑ ዓበይቲ ዓዲ ይገልፁ፡፡ ግድል ኣብ ሞንጎ ኽልተ ማዕረ ቑመናን ኽብደትን (ብግምት) ዘለዎም ኣወዳት ዝግበር ናይ ምዉድዳቕ ፀዋታ ‘ዩ፡፡
ግድል ካብ ዝፅወተሉ እዋናት መብዛሕትኡ እዋን ቐውዒ ኣብ ዝተወደኣሉ ብፍላይ ካብ ቕነ ጥምቀት ጀሚርኻ ኣብቲ እዋን ዘለው ሃይማኖታዊ በዓላት ከሳብ ዝውደኡ ከምዝፅወት ደቂ እቲ ኸባቢ ይሕብሩ ፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብዝሓ መንእሰይ ተኣኪቡ “ወሰደ በለ” ባዓል ድየ ላዕሊ ወይ ለለ “ወሰደ በለ ባዓል ድየ ታሕቲ” ዝብሃለሉ ፀባ ፀገብን ጦሮሾ ፀገብን ዝነሓነሕሉ ጡዑም መግለፂ ባህሊ ራየቶት ‘ዩ፡፡
ኣብ እዋን ፀወታ ግድል ኩሉ ተሳታፊ ብዘይ ትእዛዝ ኽቢ ይሰርሕ፡፡ ግድል እትጅምር ምዝርራብ የለን። ኣብ ኣዋን ፀወታ ግድል መናእሰይ፣ ዓበይቲ ዓዲ ኣቦታትን ግርማ ናይቲ ፀወታ ‘ዮም፡፡ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ግዜ ፀዋታ ግድል ዘይምርድዳእ እተተፈጢሩ ኣለይትን ገሰፅትን ነቲ ግድልን ኣጀሚሮም ዘውድኡ ‘ውን እዞም ዓበይቲ ወለዲ ‘ዮም ከም ሓበሬታ ነጣፋይ ማሕበራዊ ሚድያ ጋዜጠኛ ደስየ ኣሸናፊ።
እዚን ካልኦትን ባህልታት ዝሓዘ ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ ማይጨውን ከባቢኡን ብድሙቕ ንምኽባር ምድላዋት ጀሚሮም ኣለዉ። በዓል ጥምቀት ኣብ 2017 ዓ/ም ‘ውን ሃይማኖታዊን ባህላዊን ትሕዝቶኡ ሓሊዩ ንክበዓል ምድላዋት ከም ዝተጀመሩን ኹሉ ነባራይ ከተማን ፈታዊ ዕብየትን ልምዓትን ህዝብን ብዝከኣሎ ኹሉ ንምድጋፍን እቲ በዓል ደሚቑ ንክበዓልን ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ንክገብር ምምሕዳር ከተማ ማይጨው ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ ርሕቀት ርእሰ ከተማ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ማይጨው ንመስሕብ ቱሪዝም ዘገልግሉ ከም ገዳም ተኽለሃይማኖት ፣ ናይ ጀጋኑ ኣቦታትና ታሪካዊ ሓወልቲ ሰማእታት፣ፍሉይ ባህላዊ ኣከዳድና ራያ፣ ባህላዊ ሳዕስዒት ፣ እምባ ፅበት ፣ ቀላይ ሓሸንገ፣ገዳም ኣባ ጉባን ገዳም ማህበረ በኩርን ዝበሉ… ተፈጥሮአዊ፣ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊን ታሪካዊን ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሓድጊታት ኣብ ዙርያኣ ኣለው ።
እቲ ምምሕዳር ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለዉ ተወለድትን ፈተውትን ማይጨውን ከባቢኣን በዓል ጥምቀት 2017 ዓ/ም ሓቢሮም ንምውዓል ዓዲሙ ኣሎ ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 8 ጥሪ 2017 ዓ.ም