“ኣብ ቕልጡፍ ቑጠባዊ ዕብየት ትርከብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋይኹም ኣፍስሱ” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ዕዳጋ ማለት ዝተፈላለዩ ፍርያታት ንዝሸየጥን ንዝዕድግን ዋጋ ዝፈልጠሉን ዝተዓዳደግሉን ማእኸል ‘ዩ። ካፒታል ዕዳጋ ‘ውን ብተመሳሳሊ ሰብ ሃፍቲ ዘራኽብ ሓደ ማእኸል ኮይኑ ናይ ሓደ ካፒታል ዋጋ መወሰኒ መድረኽ ኮይኑ ዘግልግል ከምዝኾነ ናይቲ ዓወዲ ሰባት ይገልፁ።

ዕዳጋ መዋእለ ንዋያት ሰነድ ኢትዮጵያ ምስ ምጅማሩ ተተሓሒዙ ናይ ሎሚ እዋናዊ ዓምድና ኣብዚ ጉዳይ ትኹረት ዝገብር ኮይኑ፤ እዚ ዕዳጋ ንቑጠባውን ፋይናንሳውን ምህዳር ታሪኻዊ ‘ዩ ዝተበሃለሉን ቕልጡፍ ቑጠባዊ ዕብየት ኣብ ዘለዋ፣ ንብልፅግና ሰፊሕ ዓሚቕ ዓቕምን ምችው መገድን እናተነፀፈላን ኣብ ትርከብ ኢትዮጵያ ሰብ ሃፍቲ መዋእለ ንዋዮም ንከፍስሱ ዘተፀወዐሉን ‘ዩ።

ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር ኣብዚ ዕዳጋ መዋእለ ንዋያት ሰነድ ጉዳይ ዘሕለፍዎ መልእኽትን ብተመሳሳሊ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ሃና ተኸልኩ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃብኦ መብርሂን መልእኽትን ዝተኻተቶ ከምዚ ዝስዕ ዝቀርብ ይኸውን፡-

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዕዳጋ መዋእለ ንዋያት ሰነድ ኢትዮጵ ብዕሊ ስራሕ ምጅምሩ ደወል ደዊሎም ኣብ ዘብሰሩሉ ዝሓለፈ ዓርቢ፤ ዕዳጋ መዋእለ ንዋያት ሰነድ ኢትዮጵያ ልክዕ ከም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኢትዮ ቴሌኮምን ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት ኣብ ውሽጢ ሓፂር ግዘ ስም ዘለዎ ተፀዋዒ ኩባንያ ከምዝኸውን ዝኾነ ዘጠራጥር የብሉን ኢሎም ‘ዮም።

ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዓብይ መንገዲ ኣየርን ኢትዮ ቴሌኮምን ዘንቀሳቅስ ‘ዩ፡፡ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምኡ ‘ውን ኣብ ኣፍሪካ ናይ መጀመሪያ ዓብይ ዝኾነ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ እናሃነፀ ‘ዩ፡፡

ከምዚኦም ዝበሉ ኩባንያታት ዝሃነፀ ኢኮኖሚ ዕዳጋ መዋእለ ንዋያት ሰነድ ኢትዮጵያ ‘ውን ኣብ ሓፂር እዋን ውሽጢ ሽም ዘለዎ ተፀዋዒ ኩባንያ ከምዝገብር ዘጠራጥር የብሉን ክብሉ ብምርግጋፅ፤ እቲ ዕዳጋ መዋእለ ንዋያት ሰነድ ነቲ ኢኮኖሚ ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ናይ ኩባንያታት፣ ኢንቨስተራትን ስራሕ ፈጠርትን ፀገም ገንዘብ ዝፈትሕ ‘ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝፍለጥ ዋጋ ንምትዕድዳግ ዕድል ዝህብን፣ ብሕፅረት ገንዘብ ምኽንያት ሓሳብ እናሃለዎም ንምስራሕ ዝፅገሙ መናእሰይ ብልዑል ብርኪ ፍልፍል ገንዘብ ከምዝኸውን ብኣብነት ዝፅራሕ ከምዝኾነ ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም።

ድሕሪ እቲ ናይ ለውጢ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዘለዉ ዋና ዋና ስብራታት ምፅጋን ንከኽእሉን ነቲ ኢኮኖሚ ንከማሓይሾ ናይ ሰባት ኩነታት ናብራ ንክልወጥ፣ ኣታዊኡ ምዕባይ ንክከኣል ሓደ ብትኹረት ዝሰራሕናሉ ዘፈር ምህናፅ ዲጂታል ኢትዮጵያ ‘ዩ ዝብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር)፤ በዚ ዲጂታል ኣቢልካ ዘፈር ግብርና፤ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም፣ ማዕድንና ካልኦት ሴክተራትን ባዕሉ ናይ ዕብየት ዓምዲ ኮይኑ ነዚኦም ዓውዲ ስራሕ እናተኣሳሰረ ኢኮኖሚና ምዕባይን ዝነበሩ ዋና ዋና ስብራታት ምምሕያሽ ንክክኣል ተሓሳቢ ዝገበሩ ስራሕቲ ምስርሖም ገሊፆም ‘ዮም፡፡

በዞም ስራሕቲ ዘበረታትዕ ውፅኢት ምርኣይ ምጅማሩ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር)፤ ብዕድል ስራሕ ፈጠራ ዜጋታት ኣብ ኢትዮጵያ ኾይኖም ኣብ ወፃኢ ሃገር ስራሕ ተቆፂሮም ንክሰርሑ ብዘጀመርናዮ ፃዕሪ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ 35 ሽሕ መናእሰይ ኢትዮጵያውያን ክልተ ሽሕን ልዕሊዑን ዶላር ደመወዝ እናረኸቡ ምግልጋል ጀሚሮም’ዮም፡፡ በዚ ድማ ዲጂታል ኢትዮጵያ ልዑል ብፅሒት ከምዝተዋፅአ ‘ዩ ዝገልፁ፡፡

ቅድሚ እቲ ለውጢ ሞባይል ዝጥቀሙ ሰባት 37 ሚሊዮን ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ፤ እዚ ክቅየር ኣለዎ ኢልና ብዝሰራሕናዮ ስራሕ 80 ነጥቢ ሓሙሽተ ሚሊዮን ሰባት ብኢትዮ ቴሌኮም ጥራሕ ናይ ሞባይል ተጠቃሚ ምዃን ምኽኣሎም ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ተጠቃማይ ምፍራይ ጥራሕ ከይኮነስ ኢትዮ ቴሌኮምን ኣብ ኣፍሪካ ናይ መጀመሪያ ዓብይ ትካል ምግባር ምኽኣሉን፤ እዚ ለውጢ ንምምፃእ ዝኸኣልናዮ ኣብ ዝሓለፉ ሓሚሽተን ሽዱሽተን ዓመታት ኣብ ዝሰራሕናዮ ዲጂታል ኢትዮጵያ ንምፍጣርን ናይ ምልምማድ ስራሕ ንምስራሕን ‘ዩ ምባሎም ተፀብፂቡ ‘ዩ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ከምዚ ሎሚ ኣቢሉ ኣብ ዝተጀመረ ሞባይል ባንኪንግን ሎሚ 51 ሚሊዮን ሰባት ተረባሕቲ ምግባር ምኽኣሉ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር)፤ እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ግልጋሎት ሞባይል ባንኪንግ ዝህብ ምዃኑ ገሊፆም ‘ዮም፡፡

ሰለስተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ውሽጢ ‘ውን በቴሌ ብር 3 ነጥቢ ሓሙሽተ ትሪሊዮን ብር ምትዕድዳግ ዝተፈፀመ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዓቢ ሃፍቲ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ንክንቀሳቀስ ገይረና ኢና ኢሎም፡፡ እዚ ዓወት ድማ ኣብ ዕዳጋ መዋእለ ንዋያት ሰነድ ኢትዮጵያ ክድገም ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ መንግስቲ ቁርፀኛ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡ እዚ ንምስኻዕ ውልቀ ሴክተር ብህልኽን ብሕራነን ክስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ንኢኮኖሚን ፋይናንስ ምሕደራና ታሪኻዊ ብዝኾነ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ዕዳጋ መዋእለ ንዋያት ሰነድ ኢትዮጵያ ብዕሊ ስራሕ ምጅምሩ ደወል ደዊልና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፤ ቅልጡፍ ዕብየት ኢኮኖሚ ኣብ ዘለዋ፣ ንብልፅግና ሰፊሕን ዓሚቕን ዓቅሚን ምችው መንገዲ እናተነፀፈላ ዘላ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም የፍስሱ ክብሉ ፃውዒት ኣቅሪቦም ‘ዮም።

ምስዚ ተተሓሒዙ ዕዳጋ ካፒታል ናብራ ዜጋታት ዝቕይር ዓውዲ ንክኸውን ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ ክብላ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ሃና ተኸልኩ ገሊፀን ‘የን።

ከም ገለፃ እተን ዋና ዳይሬክተር፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ካብ መንግስቲ ኣንፈታት ፖሊሲ፣ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚን ሓፈሻዊ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ማዕቐፋትን ብምብጋስ ዕዳጋ ካፒታል ናይ ምውዳብ ስራሕ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ብምሕባር፤ብመሰረት እዚ ዝለዓለ ጠመተ ዝተውሃቦ ግልፂ ዝኾነ ዕዳጋ ካፒታል ዝመርሕን ዝቆፃፀረን ማዕቐፍ ሕጊ ምስንዳእ ከምዝነበረን ኣዋጅ ዕዳጋ ካፒታል ቁፅሪ 1248 ብምፅዳቕ ናብ ስራሕ ምእታዉ እውን ተዛሪበን።

እቲ ማዕቐፍ ሕጊ በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ፣ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያን እቲ ዕዳጋ ዘራኽቡ ትካላት ንክፋለጡ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ እቲ ኣዋጅ ዕዳጋ ንምስላጥ ዝጥዕሙ ትካላትን ቴክኖሎጂታትን ንክፍጠሩ ዘኽአል ማዕቐፍ ኣሰራርሓ ምዝርጉሑ እውን ኣብሪሀን።

ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ኢንቨስተራት ብኣካል ዝግበር ዝነበረ ዕድጊት ሰነዳት መዋእለ ንዋይ ብቴክኖሎጂ ንክኸውን ምግባር ምኽኣሉ ብኣብነት ብምልዓል፤ ብተወሳኺ ነቲ ኣዋጅ ተኸቲሎም ዝወፅኡ መምርሕታት ኢንቨስተራት ይጎድኡ ዝነበሩ ፀገማት ንምቕራፍን ንምውሳን ዝሕግዞም እኹልን ፅርየቶም ዝሓለውን መረዳእታታት ንክረኸቡ ዘኽእሉ ማዕቀፍ ኣሰራርሓ ምፍጣሩን ኣረዲአን ‘የን።

እቲ በዓል ስልጣን ብዋናነት ኣብ ሓለዋ ኢንቨስትመንት ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ብምልዓል፤ ብተወሳኺ ንመዳርግቲ ኣካላት ብዛዕባ ዕዳጋ ካፒታል ሰፊሕ ስራሕቲ ግንዛበ ምፍጣርን ምምሃርን ምኽዋኑ ‘ውን ሓቢረን ‘የን።

ከም ገለፃ እተን ዋና ዳይሬክተር፤ በዓል ስልጣን ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ኣቅራቢ ሰነድ መዋእለ ንዋይ ዋና እቲ ኢንቨስተር ዝእመን ዕዳጋ ካፒታል ንምህናፅ ብትኹረት ክሰርሕ ‘ዩ። መዳርግቲ ኣካላት እቲ ዕዳጋ ካፒታል ዝነቕሐ ተሳትፎ ንክህልው፣ ብዙሓት ፍርያታትን ግልጋሎታተትን ናብቲ ዕዳጋ ንክቀርቡን ንኹሉ ኣሳታፊ ንምግባርን ከምዝስራሕ ኣመልኪተን ‘የን።

ዕዳጋ ካፒታል ናይ ኩሉን ንኹሉን ‘ዩ ዝበላ እተን ዋና ዳይሬክተር ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛትን ውለቀ ዘፈራትን ሓዊሱ ኩሉ ሰብ ንክሳተፍ ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ምህላዎም ብምልዓል፤ ብሓፈሻ ዕዳጋ ካፒታል ብሓፈሻ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ዝድግፍን ሂወት ዜጋታት ዝቕይር ዘፈር ንክኸውን ብትኹረት ይሰርሕ ኢለን።

ዕዳጋ መዋእለ ንዋያት ሰነድ ኢትዮጵያ ዝተፈላላዩ ዓይነታት ንግዲ ተሓሳቢ ብምግባር ሰለስተ ዝተፈላላዩ ዓይነት ዕዳጋ ዘቅርብ ‘ዩ። እዚኦም ድማ ዕዳጋ ኣክሲዮን፣ ዕዳጋ ሰነድ ዕዳን ዕዳጋ ኣማራፂን ‘ዮም።

ኣብርሃ ሓጎስ

 

ወጋሕታ 8 ጥሪ 2017 .

Recommended For You