ዘላቒ ጥዑይ ምሕደራን ሰላማዊ ናብራን-ንህዝቢ

ካብ መንጎ መመዘኒ ሕድሕድ ኹነታት ግዘ እቲ ፈላማይ ክንብሎ ንኽእል ኢና፡፡ ግዘ ድማ ዕድመ ̒ዩ፡፡ ዕድመ እንትቑፀር ድማ በቢብእዋኑ ዝፍጠሩ ሓደሽቲ ለውጥታት ምፍጣሮም ናይ ግድን ̒ዩ፡፡ሓረስታይ ከምቲ ናይ ጥንቲ ብብዕራይ ጥራሕ ኣይሓርስን፡፡መምህር ̒ውን ቾክ ሒዙ መፅሓፍ እናቐልዐ ጠጠው ኢሉ ክምህር ናይ ግድን ኣይኮነን ፤ምኽንያቱ ግዘ እናወሰኸ እንትኸይድ ለውጢ ኣወንታዊ ዘበናውነት ምቕባል ረብሕኡ ዕዙዝ ̒ዩ፡፡

ኾይኑ ግና ዕድመን ለውጥን ዝበሃሉ ነገራት ፈፂሙ ዘይፈልጥ፤ከም ዝተበላሸወ ሰዓት ጠጠው ኢሉ ዝተረፈ ፖለቲካ ትግራይ ንምስማዕ ይኹን ሪኢቶ ንምሃብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ካብ ዝኸውን ውዒሉ ሓዲሩ ̒ዩ፡፡ምኽንያቱ ድማ ኣብዚ ክፍለዘበን እዚ ክግበር ̒ዩ ተባሂሉ ዘይሕሰብ፣ ካብ ሓደ ምሕደራ ትፅቢት ዘይግበር፣ካብ ሰብኣውነት ዝወፀ ድሑር ኣተሓሳስባ ወሪስዎ ይርከብ፡፡

ኣብ ትግራይ ድሕሪ እቲ መስካሕክሒ ኲናት ሰላም ኣዝዩ ዝተፀምአ ህዝቢ ብኽንደይ ፀሎትን ምህላን ተሳኺዕሉ እፎይ ኢሉ ምንባር እንትጅምር መራሕቲ እቲ ክልል ድማ ከም ቆልዓ ንዓይ ንዓይ እናተበሃሃሉ ክበኣሱን ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን ̒ዩ፡፡

ህዝቢ ዝነበሮ ሃንቀውታ ፈፂሙ ብዘይገመቶን ማይ ብዘየእቱ ሓሳብን እንትሟጎቱ ምስማዕ፤ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቲ ተመሊሱ ዘይርከብ ኽቡር ሃፍቲ ወዲ ሰብ ዕድመ እናመንጠሉ ክጣልዑሉ ምርኣይ፤ ነዚ እናርኣየ ህዝቢ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዓቕሚ ከም ዝሓፀሮ እንትርድኦ ካብ ምርጋም ሓሊፉ ዝገብሮ ስኢኑ ይርከብ፡፡

ኣብ ክንዲ ካብ ሕሉፍ ብምጥዓስ ሙሁሮ ምውሳድ፤ ሓደሽቲ ምዕባለታት ውድቀት እናፈጠሩ ህዝቢ ክጠምይን ክስደትን ምግባር ብዓይኒ ፖለቲካ ይኹን ብምሕደራ ሳይንስ ውፅኢቱ ጥፍኣት ጥራሕ ከም ዝኾነ ጠፊእዎም ኣይኮነን፤እንታይ ድኣ ኾይኖም እንተይልና ስልጣን ንውልቃዊ ረብሕኦም ብምቕዳም ህዝቢ መገልገሊ ገይሮም ናታቶም ዕድመ ጥራሕ በቲ ዝደልይዎ ኣቆፃፅራን ኣተሓሳስባን ጠጠው ኣቢሎም ምቕፃል ጥራሕ ስለዝደልዩ ̒ዩ፡፡

እቲ ናታቶም ድሌት ድማ ምስቲ ናይ ሐዚ ዘበን ኣካይዳ ዘይምዕሩይ ኮይኑ ይርከብ፤ምኽንያቱ ብብዕራይ ጥራሕ ኣይሕረስን ዘበናዊ ትራክተርን ኣወንታዊ ለውጢ ዝጠልብ ሓረስታይን ብርክት ዝበለ ̒ዩ፡፡ኮይኑ ግና ጠጠው ኢሉ ንዝተረፈ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ ለውጢ ይኹን ዕድመ ቑፅሪ ጥራሕ ካብ ምዃን ዝሓለፈ ጭቡጥ ለውጢ ኣየምፅእን፤እኳድኣስ ካብ ዚሮ ወሪዱ ናብ ኣሉታ ምእታዉ ዘይተርፍ ዩ፤ኣትዩ ድማ ሪኢናዮ ኢና፡፡

ህዝቢ ትግራይ ጥዑይ ምሕደራ ሰላማዊ ናብራ፣ ቕሳነትን ልምዓትን ክረክብ መሰሉ ኮይኑ እናሃለወ ንምንታይ ድኣ ንዓማውቲ ምስ ብርክት ዝበለ እሴቱን መንነቱን ዝጣረስ ኲናት፣ጥምየት፣ስደትን መስካሕካሓይ ናብራ ክነብር ተፈሪድዎ?ማዕረ ኹሉ ሰብ ጥዑይ መነባብሮ ንምውናን ዘለዎ ንቕሓት፣ ድሌት ስራሕን ለውጥን በብእዋኑ እናተኾላሸየ ኣብ መከራ ንኽነብር ዝግበር ንምንታይ ̒ዩ?

ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሪኢቶታት ይስምዑ ̒ዮም፡፡ኾይኑ ግና ህዝቢ ፎትዩ መከራን ጥምየት ከምዘይመርፅ ዘሰማምዕ ̒ኳ እንተኾነ ዓቕሙን ድሌቱን ግና ብሰላማዊ መገዲ ምግላፅ እቲ ፈላማይ ስጉምቲ ናብራ ̒ዩ፡፡ምኽንያቱ ከምቲ እንሪኦ ዘለና ዕድመ ጥራሕ እናቑፀሩ ህዝቢ ካብ መዝገብ ጥዑይ ናብራ ክወፅእ እናተገበረ ከም ዝርከብ ጎዳናታትን ቤተእምነታትን ኣዲስ ኣበባን መሰኻኽር ናይቶም ዝጠመዩ ስደተኛታት ህዝቢ ትግራይ ̒ዮም፡፡

ንህዝቡ ዘይሓስብ ምሕደራ ረብሓኡ ኣብ ምንታይ ዩ?ካብ ምሕደራ ዘይርባሕ ህዝቢ ኸ ትርጉም ናብርኡ እንታይ ዩ? ህዝቢ ትግራይ ካብ መንጎ እቲ ተጠቃሲ ዝኾነ እሴቱ እኽለ ማይ ተማቒሉ ዝበልዕን ‹‹ስጋኻ ንዓኻ›› ዝብል ብመሓላ ዝተዓጀበ ምትሕስሳብ ዝውንን ህዝቢ ነይሩ፡፤ኾይኑ ግና ‹‹ስጋኻ ንዓኻ ዘይብሉ›› መራሕቲ ገጢሞሞ ካብ ሰብነት ተራ ወፂኡ ኣደዳ ስደትን ከርፋሕ ናብራን ኮይኑ ይርከብ፤እቲ ኣብ ዓዱ ዘሎ ድማ ልምዓትን ቕሳነትን ናፊቑ ሕልማዊ ናብራ ይደፍእ ኣሎ፡፡

ኣብ ትግራይ ሐዚ ዘሎ ኹነታት ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ቀዳምነት ንህዝቢ ሂብካ ስራሕቲ ዝስርሑሉ መድረኸ ‘ዩ ክኸውን ዝግብኦ፡፡በተግባር ግና ከምኡ ኣይኮንን፡፡እዚ ፍፁም ጌጋን ንህዝቢ ቀዳምነት ዘይምሃብ ዝፈጠሮ ፀገም ‘ዩ፡፡ኹነ ነገር ትሕቲ ባህግን ድሌትን ህዝቢ’ዩ ክኸውን ዝግብኦ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ኣብ ቅልውላው ይርከብ፡፡እዚ ምፍታት ድማ ልዕሊ ስልጣን ውልቀሰባትን ውድባትን ቀዳምነት ዝውሃቦ ዛዕባ ‘ዩ፡፡ከም ህዝብን ክልልን ሐዚ ዘሎ ኹነታት ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ማእኸል ብምግባርን ኩሎም ዓቕምታት እቲ ክልል ብምጥቃምን ጭቡጥ ስራሕቲ ምስራሕ ይጠልብ፡፡ብተግባር ግና ከምኡ ኣይኮነን ዘሎ፡፡

ኣብ ትግራይ በብእዋኑ ዝርአ ናይ ፀጥታ ፀገም ኣሎ፡ ፡መንግስታዊ ግልጋሎት ብግቡእ ኣይረክብን፡፡ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂን ምጥቃም ከሚካልን ኣሎ፡፡ኣመራርሓታት ዝበዝሕ ግዜኦም ኣብ ኣኼባን ንህዝቢ ረብሓ ኣብ ዘይህብን ለውጢ ኣብ ዘየምፅኡን ተመሳሳሊ መፅበዓታትን መግለፅታት ኣብ ምሃብን ምውፃእን ተፀሚዶም ይርከቡ፡ ፡ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ዝብርዎ ፃዕሪ ማእኸሉ ህዝቢ ዘይኮንስ ስልጣን ‘ዩ፡፡ከም ህዝቢን ክልልን ካብዚ ንምውፃእ ምስራሕን ባህግን ድሌትን ህዝቢ ምድማፅን ምምላእን ግድን ይኸውን፡፡

ኣብቲ ክልል ብዝተፈላላየ መገዲ ኣብ ዝዳለው ህዝባዊ መድረኻት ብህዝቢ ዝልዓሉ ሕቶታት ባህጉን ድሌቱን ዝገልፁ’ዩም፡፡ሰላም ይብል ኣሎ፡፡ሰናይ ምምሕዳር ይብል ኣሎ፡፡መሰረታዊ መንግስታዊ ግልጋሎት ሃቡና ይብል ኣሎ፡፡ልምዓትን ማህበራዊ ተጠቃሚነት ብቕልጡፍ ይደሊ ኣሎ፡፡ሕቶን ድሌትን ህዝቢ እዚ ኮይኑ እናሃለው ካብ ፖለቲከኛታት ዝውሃብ መልሲ ድማ ማእኸሉ ሕቶ ህዝቢ ዘይኮነስ ስልጣንን ወንበርን’ዩ፡፡እዚ ፍፁም ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥንን ፍሽለት ፖለቲካ ሓይልታት ትግራይ ዘመላኽት ስለዝኾነ ክእረምን ይስተኻኸልን ኣለዎ፡፡ህዝቢ ክድመፅ ይግባእ፡፡ፖለቲካዊ ድሌት ውልቀሰባት ኾነ ውድባት ትሕቲ ህዝቢ ‘ዮም፡፡

እሞ ዕድመ ጥራሕ ዘቑፅር ዘሎ ኣልቦ ኣወንታዊ ለውጢ ዝኾነ ምሕደራ መወዳእትኡ እንታይ ̒ዩ?ስደትን ሕሱም ናብራን ህዝቢ ኸ መዓዝ ̒ዩ ከብቅዕ?ንመንእሰይ ትግራይ ዘይምጥን ጠጠው ኢሉ ዝተረፈ ፖለቲካዊ ኣካይዳ መዓዝ ̒ዩ መዕለቢ ዝረክብ?ምሁርን ተመራማርን ክፋል ማሕበረሰብ ትግራይ ኸ እስካዕ መዓዝ ̒ዩ ብሱቕታ ዝነብር?ሰብ ዓቕምን ወነንቲ ሙሉእ ስብእናን ኸ መኣዝ ̒ዮም ንህዝቦም ዝሕግዙ? መፅበዓታት ካብ ቃል ዝሓለፈ ተግባራዊ ክኸውን ናይ ግድን ̒ዩ፡፡

ምኽንያቱ ድማ ዓለም ብሓደሽቲ ምዕባለታት ልምዓትን ፈጠራታትን ናብ ዝሐሸ መነባብሮ እንትኸይድ ህዝቢ ትግራይ ናብ ቁልቁል ዝወርደሉ ምንም ዓይነት ምኽንያት የለን፡፡ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ድሌቱ ዘማልእ ምሕደራ ይጠልብ ኣሎ፡፡

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 8 ጥሪ 2017 .

Recommended For You