በዓል ጥምቀትን ሰላምን

በዓል ጥምቀት ብእምነት ተኸተልቲ ክርስትና በቢዓመቱ ብድምቀት ዝኽበር በዓል እንትኸውን፤ ብፍላይ ብሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣከባብርኡ ካብ ከተራ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ድሮ እቲ በዓል መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ናብ ዮርዳኖስ ሩባ ዝወረደሉ ተምሳሌት ብምግባር ታቦታት ብፍሉይን ድሙቅን ተዓጀቦም ናብ ሩባ ወይ መይዳ ወሪዶም ዝሓድሩሉ ‘ዩ። ብፅባሒቱ ድማ ስርዓት ጥምቀት ብምክንዋን እቶም ታቦታት ነናብ መንበሪኦም ዝመለስሉ ስነ ስርዓትን ዝካየደሉ በዓል’ዩ፡፡

በዓል ጥምቀት ብዙሕ ትርጉም ሒዙ ዝኽበር ‘ዩ፡፡ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ትሕትና ዝመሃሩሉ፣ ብእግዚኣብሄር ከምዝኣምኑ ዝእውጁሉ፣ ንሰሃን ድሕነትን ዝረኽቡሉ ምልክት ኮይኑ ዘገልግል’ዩ፡፡ከም ሃገር መልክዕ ክብረ በዓል ብዙሓት ዝኾንና ኢትዮጵያውያን ሕብሪ ፈጢርና ንደምቀሉ ዕለት ብምዃኑ ዓብዩ ቦታ ሂብና ነኽብሮ በዓል ‘ዩ።በዓል ጥምቀትን ትሕትናን ድማ ተፈላሊዮም ኣይረአዩን፡፡መላእ ህዝቢ ሃገርና በዚ መንፈስ ከኽብሮ ኣለዎ፡፡

ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ሓሊፉ ሓድነት ህዝቢታት ዘድንፍዕን ህዝባዊ ምትእስሳር ዘጠናክርን በዓል እንትኾን፣ ኣብቲ በዓል ብዙሓት ባህላዊ ክብሪታት ዝንፀባረቑሉ ስለዝኾነ ሰሰናዩን ንሓድነት ህዝቢ ዝጠቕሙን ክብሪታቱ ምሕላውን ምልማዕን ዘድልዮ በዓል ‘ዩ፡፡ ኣብ በዓል ጥምቀት ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ናብ ሃገር ዝስሕብ ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ብዙሓት ኣታዊታት ክትረክብ ዘኽእላ በዓል እንትኾን፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ኣሎ፡፡

እዚ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ብድምቀት ዝኽበር በዓል’ዩ፡፡ ኣብ ትግራይ’ውን ኣብ መላእ ትግራይ ብድምቀት ይኽበር እንትኾን ብፍላይ ድማ በደረጃ ክልል ኣብ ከባብታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ማይጨዉ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተሰንዩ ብዝለዓለ ድምቀት ይኽበር።

ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ጥምቀት ኣብ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ከምዝኽበር ግልፂ’ዩ፡፡ ምኽን ያቱ ድማ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ብዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብቲ ክልል ሰላማዊ ሃዋህው ክፍጠር ኣኺኢሉ ኣሎ፡፡፡፡ንፋስ ሰላም ኣብ ትግራይ ምንፋስ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ፡፡ህዝቢ’ውን ሰ ላም ምስትምቓር ጀሚሩ ኣሎ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ብዝነበረ ኹናት ኣሽምባይ’ዶ ናይ ኣደባባይ በዓላት ከኽብር ብሰንኪ እቲ ኹናት ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ይነብር ነይሩ፡፡ኣብ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገም ይነብር ምንባሩ’ውን ይፍለጥ፡፡ ሐዚ ግና ኣብ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ሰላም ተበሊፁ ኹናት ጠጠው ስለዝበለ ካብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገም እናወፅአ ይርከብ፡፡ኮይኑ ግና ሐዚ እውን ኣብ ጉዳይ ሰላም ሻቕሎት ኣለዎ፡፡

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአኵስም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘመሓለለፍዎ መልእኽቲ ሰላም ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ናይ ኣመሓደርቲ ዘይምርድዳእ ንህዝቢ ተወሳኺ ፀገምን ጭንቀትን ይፈጥር ከምዘሎ ኣመልኪቶም።ሰላሙ ዝሰኣነ ህዝቢ ሰላም ምእንቲ ክረክብ፣ ብትሕትናን ብምክብባርን ክንተሓሓዝ ግቡእና’ዩ ኢሎም።

ኣብ ክልል ትግራይ ጉዳይ መራሕቲ ሃይማኖት እውን “ተበዲልኩም ከም ዘለኹም ንፈልጥ ኢና፣ ኣብ ናይ ሓዘን ሰዓትኩም ሓቢርና ደው ክንብል ስለ ዘይንኽእል ክትሓዝኑ ሓቅን ቅኑዕን እዩ ፤ግን ኩሉ ብዕርቂ ይከሓስ፣ ንሕና ዝነፀግናዮ ዕርቂ ዓለም ክቅበሎ ስለ ዘይትኽእል።

ልብኹም ንሰላምን ሓድነትን ከተዳልዉ ንልምነኩም፣ ምኽንያቱ እቲ ኣብ ኢድና ሒዝናዮ ዘለና መስቀል ክርስቶስ ምልክት ሰላም እዩ።” ክብሉ ፃዊዒት ሰላም ኣቕርቦም ኣለዎ፡፡እዚ ፃዊዒት ቅቡል ንክኸውን መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ቅኑዕ ምላሽ ክህቡ ትፅቢት ይግባር፡፡ምኽንያቱ ጥምቀት እንትነኽብር በዓል ሰላም እውን ስለዝኾነ፡፡

ኣብ ቐፃሊ ሰንበት እነኽብሮ በዓል ጥምቀት ድማ ሰላምና ዝያዳ እነስተማቕረሉ’ዩ ክኸውን ይግባእ፡፡እዚ በዓል ድማ ናይ ኣደባባይ በዓል ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ተረጋገዐ ኩነታት ኮይኑ ንከኽብሮ ትፅቢት ይግባር፡፡ ረብሓ ሰላም ዝያዳ ዘስተማቕረሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ፡፡እዚ ሐዚ ዘሎ ሰላም ዘላቂ ክኸውን ድማ ፖለቲከኛታት ኾነ ኣቦታት ሃይማኖት ንሰላም ክሰርሑ ኣለዎ፡፡ሰናይ በዓል ጥምቀት፡፡

ወጋሕታ 8 ጥሪ 2017 .

 

Recommended For You