ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገር ኢድ ኣእታውነት ቕቡልነት የብሉን

ምዕራባውያን ብሽፋን ሰብኣዊ መሰል ናብ ሃገራት ብቐጥታ ብምእታው ድላዮም ከምዘሳኽዑ ዝተፈላለያ ሃገራት ምርኣይ ይከኣል። ኣብ ሶሪያ ዘጉሃርዎ ሓዊ ልዕሊ 10 ዓመታት ዘቑፀረ እንትኸውን እታ ሃገር ፈሪሳ ዜጋታታ ንሞትን ስደትን ተዳሪጎም እዮም። ብተመሳሳሊ ኣብ ሊብቢያ፣የመን፣ሊባኖስ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ኢራቅ፣ ኢራን፣ ሶማሊያ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝኣመሰላን ብሽም ሰብኣዊ መሰል ኢዶም ብምእታው ናብ ዘየቋርፅ ኲናት ከምዘእተውዎም ዝፍለጥ እዩ።


ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፀኦ ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ ክፋል ሕገ መንግስቲ ክነክእ ኣይኽእልን፤ሐዚ ካብ ዘሎ ወሰን ክልላት ‘ውን ምንካይ ይኹን ምውሳኽ ኣይኽእልን። ኢትዮጵያ ምምሕዳር ውሽጣዊ ወሰንን ዶባት ምልዋጥ ከምዘይትኽእል ። ካብዚ ሓሊፉ ‘ውን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ንኽወፅእ ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ እዩ።እዚ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገር ኢድ ምእታው እዩ። ሉኣላውነት ሃገር ዝፃባእ’ውን እዩ። እዚ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገር ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን።


ምዕራባውያን ብፍላይ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምዕራፍ እናፈተኑ ዘለዉሉ ምኽንያት፤ ሓደ ካብ ኢዶም ክሸቱኽ ዘይደልይዎ ነገር ንኸይስእንዎ ናይ ምጉያይ ድሌት ዘለዎ ዝመስል ፅዕንቶ እዩ። ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀመርዎ ወፍሪ ‘ውን ካብዚ ዝተፈለየ ዕላማን ድሌትን ዘለዎ ኣይኮነን።


ምዕራባውያን ብሓቂ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ዝጭነቑ ተዝኾኑ ነይሮም ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይኹን ንኻልኦት ንፁሃን ሰባት ቅትለት እንትፍፅም፣ ህፃውን ናብ ኲናት እንተሰልፍ፣ ኣብ ስደተኛታት ኤርትራ መጥቓዕቲ እንትፍፅም፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምይኣትዋ እንተተኣጓጉል ተሓታቲ ክኸውን ምግባር ወይ ድማ ምውጋዝ ምኸኣሉ ነይሮም። ኮይኑ ግና ዘገድሶም ብሄራዊ ረብሓኦን ንዕዖም ዝምችው መንግስቲ ንክህሉ ስለዝኾነ ነዚ ኣይገበሩን።


ምዕራባዊያን ብፍላይ ኣሜሪካ ሰላም ከነስፍን ኢሎም ኣብ ዝኣተወትሎም ሶርያ፣ የመን፣ ሊቢያን ካልኦት ሃገራትን ኹለን ፈሪሰን እየን። ልዑል ዝኾነ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብስፍሓት ተስተውዒሎም እዮም። ንምዕራባዊያን ሓሳብ ዝምቸው መንግስታትን ሃገራትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ክፍፅሙ እንተለዉ ዝኾነ ምዕራባዊ ሃገር ንቲ ተግባር ክኹንኑ ኣይተረኣዩን።


ምዕራባዊያን ኣብ ዒራቕ ዝነበረ መንግስቲ ንምልዋጥ ክብሉ ናይ ሓሶት ክሲ ፈጢሮም ‹‹ኣዕናዊ ኒክለር ኣፅዋር ዓጢቓ እያ›› ኢሎም ብሓሶት መረዳእታ ወታደራዊ ወፍሪ ኣካይዶም እዮም።እዚ ሓሶቶም ግና ዓለም ዝፈለጦ ኣብ ዒራቕ ከቢድ ጉድኣት ምስበፀሐ እዩ። ንረብሓኦም ክብሉ ኣብ ጉዳይ ዒራቕ ኢዶም ኣእቲዮም ንታ ሃገር ናብ ቅልቅላው ኣእቲዮማ እዮም።


ኣብ ቱኒዝያ ዝተጀመረ ናዕቢ ጠሊፎም ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝኸፍአ ፀገም ንክኣትዉ ገይሮሞም ።ኣብ ህዝብታት ሶሪያ፣ የሊቢያ ፣ የመንን’ውን ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልቅላው ንክበፅሕ ገይሮም እዮም።
እዚ ሐቂ ሐዚው መልክዕ ከይቀየረ ኣብ ሉኣዊነት ሃገርናን ተስፋ ህዝብናን ብዘጨናግፍ መገዲ ፈተና ኮይኑ ተደቂኑ እዩ። ኣብ ሃገርና ድሌቶም ክፅዕኑ ዝደልዩ ዓለምለኸ ትካላትን መራኸቢ ሓፋሻት ተዋዲዶም ናይ ሓሶት ታሪኽ እናፈጠሩ ሉኣላዊነት ሃገርናን ሰላም ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቁ ወፍርታት እናገበሩ እዮም።


መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕግ ናይ ምኽባር ስራሕ ክሰርሕ ኣለዎ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዜጋታት ኢትዮጵያዊያን ስለዝኾኑ መሰል ህዝብታት ክሕሉን ከኽብርን ኣለዎ። ኣብቲ ከልል ዜጋታት ብምጭናቕ ዝፍፀም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ዝኹንኖ እዩ። መፍትሒ ንክህልዎ’ውን ክሰርሕ ኣለዎ።እዚ ናይ ውሽጢ ሃገር ጉዳይ እዩ። ናይ ካሊእ ኢድ ኣእታውነት ኣየድልዮን።


ራዕዳዊ ህወሓት ስግኣት እዛ ሃገር ምዃኑ እናተፈለጠ፣ኣብዛ ሃገር ጎንፂ ንክህልው ዝሰርሕን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ጥቕዓት ብምፍፃም ሉኣላዊነት ሃገር ናብ ሓደጋ ዘእተወ እዩ። ምዕራባዊያን ግና ንዚ ዘይኮነኑ ሉኣላዊነት ሃገር ዝፃባእ ተግባር ይፍፅሙ ኣለው። በሽም ሰብኣዊ ሓገዝን መሰል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እናገበሩ እዮም። እዚ ግቡእ ኣይኮነን። ቕቡል’ውን ኣይኮነን።


መንግስቲ ጥሜት ከም መሳሪሒ ኲናት እናተጠቐመ ዝብል ናይ ሓሶት ታሪኽ መሰረት ገይሮም ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮሪደር በምዕራብ ትግራይ ንክኽፈት ዝገብርዎ ዘለው ፅዕንቶ ሉኣላዊነት ሃገር ዝፃረር ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን። ግቡእ’ውን ኣይኮነን።
ወጋሕታ 29 ሓምለ 2013

Recommended For You