ሰናይ ሓዱሽ ዓመት

ሓዱሽ ዓመት ብዝመፅአ ቑፅሪ ከም ሃገርን ከም ውልቀ ሰብን ሰናይ ዘበን ፣ዘመነ ራህዋና ቅሳነትን ከምኡ’ውን ዘመነ ዕቤትን ብልፅግናን ንክኾን ተመኒና ሓዱሽ ዓመት ንቕበል ኢና፡፡ከም ሃገርን ውልቀ ሰብን ትልሚ ተልሚና ብታሕጓስን ብተስፋን’ዩ ንሓዱሽ ዓመት ንቕበል፡፡

ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ኮይንና ኣብ ወርሓ ጳጉሜን ዝነበራ ሓሙሽተ መዓልትታት ቐፃሊ ዓመት ሰናይ ንክኾን፣ሰላምን ራሕዋን ንክዓስሎ፣ብልፅግና ሃገር ንክመፅእ ዘለና ትምኒት ዘመልክቱ ስያሜታት ብምሃብ ብዝተፈላለየ ምድላው ፅምብል ድሮ ሓዱሽ ዓመት ኣኺቢርና፡፡ሓዱሽ ዓመት’ውን ተቐቢልና፡፡

ዓሚ ብተስፋ ዝተቐበልናዮ 2016 ዓ.ም ከም ሃገር ዓበይቲ ጉዳያት ተልሚና ንምስኻዕ ሰሪሒናሉ ኢና፡ ፡መንግስቲ ዓብይ ዋኒኑ ዝነበሩ ስራሕቲ ሓምለዋይ ዓሻራ፤ክልተ ተርባይን ምጅማር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓብይ ግድብ ህዳሴ፤ናይ ሌማት ቱሩፋት፣መስኖ ሓጋይ፣ልምዓት ኮሪደርን ምምይሓሽ ስርዓት ፋይናንስን ከምኡ’ውን ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ሓኒፁን ኣመሪቑን’ዩ፡፡

ብኻሊእ ወገን ድማ ድህንነትን ፀጥታ ሃገር ብምሕላው ሰብ ብሰላም ኣትዩ ክወፅእ ብምግባርን ከም ሃገር ዝተረጋገዐ ሰላም ንክህልው ፃዕሪ ገይሩ’ዩ፡፡ይገብር’ውን ኣሎ፡፡ ኣብ ሃገርና ዝፈጠሩ ፖለቲካዊ ኣፈላላያትን ቅርሕንቲን፤ኹሉ ብማዕረ ዘይተስማመዐሎም ጉዳያት ሕገ መንግስትን ካልኦትን መሰረታዊ ፍታሕ ንምሃብ’ውን ሃገራዊ ምኽኽር ኮሚሽን ኣጀንዳታት ናይ ምፍላይ ስራሕቲ ሰሪሑ፤እናሰርሐ’ውን ይርከብ፡፡

ንነዊሕ ዓመታት ሕቶ ህዝቢ ዝነበረ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መዘራረቢ ዓለምን ኣጀንዳን ህዝብን ክኸውን ዘኽእሉ ስራሕቲ ተሰርሖም’ዮም፡፡ሃገርና ኣባል ብሪክስ ብምዃንን ኣብ ካልኦት ዲፕሎማሲያዊ ዓውድታት ውፅኢታዊ ስራሕ ብምስራሕ ካብ ዓለምለኸ ፋይናንስ ትካላት ሓገዝን ደገፍን ረኺባ’ያ፡፡ከም ሃገር፣ህዝብነ መንግስትን ዓበይቲ ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ዝሓፈስናሉ ዓመት’ዩ፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ’ውን ዝተረጋገዐ ሰላም ዓሲሉ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቓስ እቲ ክልል እናተመሓየሸ ይርከብ፡፡ሃይማኖታዊን ህዝባዊን በዓላት ድሙቕ ብዝኾነ ኹነታት ምብዓል ዝተኸኣለሉ ኹነታት ሓደ መርኣያ’ዩ፡፡ሓዱሽን ዓመት’ውን ብተመሳሳሊ ኹነታት ተኸቢሩ ኣሎ፡፡ኣብ ፍርቂ መስከረም ዝኽበር በዓል መስቀል’ውን ብተመሳሳሊ ድምቀት ከምዝኽበር ትፅቢት ይግበር፡፡

ትማሊ ዝተቐበልናዮ ሓዱሽ ዓመት’ውን ከምዝሓለፉ ዓመታት ብተስፋ ኢና ተቐቢልናዮ፡፡ ሰላምን ብልፅግናን ዝዓሰላ ሃገር ንክትህልወና ኩላትና ካብ ተስፋን ትምኒትን ዝሓለፈ በቢዝተዋፈርናሉ ዘፈር ዓበይቲ ስራሕቲ ክንሰርሕ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንክምለሱን ሰላማዊ ናብራኦም ንክቕፅሉን ዘኽእሉ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምትሕብባር ብቐፃላይነት ክሰራሕ ይግባእ፡፡ከም ውልቀ፣ ህዝብን ሃገርን እዚ ሓዱሽ ዓመት ናይ ዓወትን ውፅኢትን ንክኾን ክንፅዕር ግድን ይኸውን፡፡

እቲ ሐዚ ኣብ መንጎ መራሕቲን ሊሂቃንን ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ’ውን ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ መዕለቢ ንክርከበሉ ኩሉ ሰብ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ሰላም ህዝቢ ትግራይ ናብ ድሕሪት ዝመልስ ዝኾነ ተግባርን ተርእዮን ህዝቢ ክቕበሎ የብሉን፡፡ሰላሙን ተስፋኡን ክሕልው ይግባእ፡፡

ልክዕ ከም ዓሚ 2017 ዓ.ም’ውን ናይ ተስፋን ራህዋን ፣ናይ ቅሳነትን ዕቤትን ከምኡ’ውን ብልፅግና ንክኾን ተስፋ ገይርና ተቐቢልናዩ ኢና፡፡ንዚ’ውን ወርሓ ጳጉሜን ዘለዋ ሓሙሽተ መዓልትታት መዓልቲ ምስጋር፣ግልጋሎትን ሪፎርም፣ ሉኣላዊነት፣ሕብር፣ ፅባሕ ብዝብል ስያመ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ፅቡቕ ንክኾንን ሓዱሽ ዓመት ድማ ናይ ተስፋን ራህዋን ሓድነትን ንክኾን ትምኒት ዝገልፁ መድረኻት ተኻይዶም’ዮም፡፡ስለዚ እዚ ተስፋዚ ናብ ተግባር ክቕየር ክንሰርሕ ይግባእ፡፡ሰላምናን ሓድነትናን ክነፅንዕ ግድን’ዩ፡፡

ከም ውልቀሰብ ፣ህዝብን ሃገርን ኣብ 2016 ዓ.ም ዘጋጠሙና ፀገማት ኣብ 2017 ዓ.ም ክድገሙ የብሎምን፡፡ተስፋ ህዝብን ሃገርን ዘፀልምትን ብዝኾነ ሓይሊ ዝፍፀም ተግባር ኩሉ ወዲ ሰብ ክኹንኖ ይግባእ፡፡በዚ’ውን ኣብ ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ ተስፋ ሒዝና ስራሕና ንጀምር፡፡ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰናይ ሓዱሽ ዓመት ንክኾን ንምነ፡፡

ወጋሕታ 2 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You