ባህሊ ማለት መግለፅን መንነትን ሓደ ማሕበረሰብ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ ‘ዩ። ባህሊ ኣብ ማሕበረሰብ ዝግለፀሉ መገዲ ብዙሕ ‘ዩ፤ባህሊ ብዙሕ ኣወንታዊ ጎኒ እንተሃለዎ ‘ኳ ኣሉታዊ ወይ ድማ ብሰንኪ ድሑር ዘበናውነት ዘስዕቦ ጉድኣት ልማድ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ።
ብፍላይ ድማ ዘይተበረዘን ቱባ ዝበሃል ባህሊ መግለፂኡን ውፅኢቱን ከምኡ ‘ውን ዘይጠቅም ወይ ድማ ጎዳኢ ጎኑ ንምምዕርራይ ብቐሊሉ ምስ ማሕበረሰብ ብምዝታይ ዝፍታሕ ‘ዩ። ብኣንፃሩ ድማ ንምምዕርራዩ ዘፀግም ኣጓጉል ዘበናውነት ዝመስል ካብ ኻልኦት ዝቕዳሕን ምስ ባህሊ ተፀጊዑ ባህሊ ዘበላሽው ሰብኣውነት ዝጎደሎ ልማድ ድማ ንምዕራዩ ኣፀጋሚ ‘ዩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ብፍላይ ወርሒ ጥሪ ካብ መንጎ መግለፅታት ባህሊ ደስታን ሓጎስን መርዓ ብሰፊሑ ዝግበረሉ ወርሒ ‘ዩ። መርዓ ወይ ድማ ሓዳር ብባህልን ብሃይማኖትን ከምኡ ‘ውን ብሙሁራት ስነ ልቦና ኣወንታዊ ሓሳብን ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦን ጉዳይ ‘ዩ። ምኽንያቱ ማሕበረሰባዊ ዓቕሚ ሓንቲ ሃገር ዝህነፅ ካብ ሕድሕድ ስድራ ስለዝኾነን ቤተሰብ ወይ ድማ ስድራ ዝምስረት ካብ ተመራዓውቲ ስለዝኾነ ‘ዩ።
ኣብ ሃገርና መርዓ ብባህላውን ብሃይማኖታውን መገዲ ስርዓቱ ሓልዩ እናተገበረ ፀኒሑ ‘ዩ። ኾይኑ ግና ትርጉም መርዓን ሓዳርን ፈፂሙ ዘስሓተ ኣካይዳታት ካብ እንርኢ ቐኒና ኢና። መርዓ ዓርሱ ዝኽኣለ ስርዓት ኣልባሳትን ኣከዳድናን ከምኡ ‘ውን ድግስ ኣመጋግባን መስተን ዘለዎ ክቡር ባህሊ ‘ዩ።
መርዓን ተስካርን ብዓይኒ ኣቦታት ሃይማኖት ይኹን ብዓይኒ ስርዓቱ ዝሓለወ ባህሊ ዘለዎም ትርጉም ካፍቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝግበር ዘሎ ርኣዩኒ ዝዓይነቱ ድግስ ኣዝዩ ዝተፈለየ ‘ዩ። መርዓ ዝግበረሉ ምኽንያት ተመራዓውቲ ከም ዝተመርዐዉ ስድራን ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ማሕበረሰብን ዘፍልጥሉን ምርቓት ዓበይቲ ተቐቢሎም ሓላፍነት ናብራ ዝጅምርሉ ምዕራፍ ምዃኑ ብምዝንጋዕ ንዕለት ደሚቕካን ብኣጓጉል ዘበናውነት ተጎልቢቡ ዝሓልፍ ጥራሕ ክመስል እናተገበረ ‘ዩ።
ትርጉም ተስካር ‘ውን እንተኾነ ኣብ ቤተ እምነት ፀሎተ ፍትሓት ተገይሩ ብቐሊሉ ክሓልፍ ከም ዘለዎ ኣቦታት በብእዋኑ የምህሩ ‘ዮም፤ኾይኑ ግና ልዕሊ ዓቐን ድግስ ብምግባር ምስቲ ጉዳይ ብቀጥታ ዘይራኸብ እኳድኣስ ዘየድልይ ብኽነት እኽለማይ ንኽግበር ዘገድድ ባህሊ ዝመስል ድሕረት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሕውስዋስ ድሑር ልማድን አጓጉል ዘበናውነትን እናተጋፈሐ ይርከብ። ሕውስዋስ ድሑር ባህሊ ማለት ልዕሊ ዓቐን ድግስ ምግባርን ዓቕሚ ዘየገናዘበ ወፃኢ ብኽነት ሃፍቲ ፤ካብ ሰብ ውራይ ሓሊፉ ንሃገር ‘ውን ጎዳኢ ከም ዝኾነ ብዘይምረዳእ ይቕፅል ከም ዘሎ ዝርኣይ ጋህዲ ‘ዩ።
ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ድግስ መርዓን ተስካርን ዝወፅእ ብኽነት ሃፍቲ ብፍላይ ብዝተፈላለየ ፀገማት ንዝተዳኸመት ክልል ትግራይ ወሲኹ ብቑጠባ ናብ ቁልቁል ዘውርድ ተግባር ‘ዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቑፅሩ ዘይንዓቕ ማሕበረሰብ ብሰንኪ ዝሓለፈ ኲናትን ምስኡ ስዒቡ ዝመፀ ማሕበረሰባዊ ፀገማትን ሓገዝ ዘድልዮ ሰብ ብዙሕ ‘ዩ።
ብተመሳሳሊ ዳርጋ መብዛሕትኦም ሰገናት ብትኹረት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ኣትዮም ውፅኢት ንኸምፅኡ መሰረታዊ ካብ መንጎ ዝበሃሉ ነገራት ዝተመጣጠነ ምግቢ ክረኽቡ ይግበኦም። ኾይኑ ግና ሃፍቲ ኣተአኻኺቡ ኣብ መዓልኡ ዘውዕል ግዱስ ማሕበረሰብን ውልቀ ሰብን፤ነዚ ከምዚ ዝበለ ዘየድልይ ድሑር ባህሊ ብምንቃፍ ዓዲ ናብ ዘዕብይን ተረከብቲ ዓዲ ዝኾኑ ቖልዑት ብኣተሓሳስባ ከሰጋገር እንተኽኢሉ ጥራሕ ‘ዩ።
ኣብ መንጎ ብቑጠባን ብማሕበራዊ ፀገምን ዝተዳኸመ ማሕበረሰብ ኾይንካ ልዕሊ ዓቐን ደጊስካ ንብዙሕ ዝጠመየ ሰብ ብማሕበራዊ ሚዲያ ከይተረፈ ሃፎፋይ ምባል ዘየኹርዕን ካብ ሰብአውነት ዝወፀ ዘሕፍርን ተግባር ‘ዩ። ምኽንያቱ ወገንኻ ካብ ጉስቁልና ከይተናገፈ ዝግበር ዓቐኑ ዝሓለፈ ሓጎስን ፍስሃን ፅባሕ ደጊምኻ ዘይትኾርዐሉ መሰከፊ ተግባር ‘ ዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ሕውስዋስ ዘበናውነት ዘጥቅዖ ስርዓት መርዓ ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ ሚዲያ እናርአና ኢና፤ኣዳራሽ ካብ ምግያፅ ጀሚሩ ኽባር ዋጋ ዘውፅኡ አልባሳትን ህልው ኹነታት ሃገርና ዘየገናዘበ ዘይምዕሩይ ኣካይዳ ሽምግልናን ንትርኢት ጥራሕ ዝግበር መርዓ ዓርስኻ ልዕሊ ዓቐን ምፍታው ዝመስል ውልቃውነት ዘጥቅዖ ኣካይዳ ቐሊል ኣይኮነን።
ውፅኢት ናይዚ ዘይምዕሩይን ሕውስዋስ ዘበናውነትን ድማ ኣብ ርኣዩኒ ጥራሕ ዘትኮረ ካብ ምዃን ሓሊፉ እቲ ቐንዲ ናይ መርዓን ሓዳርን ጉዳይ ምምስራት ቤተሰብን ማሕበረሰብን ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ዕለታዊ ደስታ ጥራሕ ተሓፂሩ ዝተርፍ ይመስል፤ምኽንያቱ ካብ መሰረቱ ማሕበረሰባዊ ኹነታት ዘየገናዘበ ኣካይዳ ዝፍጠር ስድራ ፅባሕ ከመይ ዝበለ ኣተሓሳስባ ከም ዝውንን ዘተሓሳስብ ‘ዩ፤ ማሕበረሰባዊ ፍቕሪ ዘጠናኽር ‘ውን ኣይኮነን።
እዚ ዘይምዕሩይ ኣካይዳ ድማ ዘስዕቦ ፀገም ከቢድ ‘ዮ፤ንበይኖም ዝሕጎሱን ጉስቁልና ህዝቢ ምንም ዘይመስሎም ውልቀ ሰባት እንትበራኸቱ፤ብወገኖም ዘይኾርዑ ብማሕበረሰቦም ዝሓፍሩ ብሕፅረት እቶት ናብራ ዝሳቐዩ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ልዕሊ ዓቐን ዝሕጎሱ ቂምን ፅልእን ምጥንሳሶም ዘይተርፍ ‘ዩ፤ብዓይኒ ሰብኣውነት ድማ ዝኹነን ተግባር ‘ዩ።
ስለዝኾነ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝጠፍእ እኽሊ ኣብ ልዕሊ ብቑጠባ ዝደኸመት ክልል ዘስዕቦ ፅልዋ ቐሊል ኣይኮነን። ዕለታዊ ምግቢ ዝሓፀሮ ሸመታ ዝኸበዶ ማሕበረሰብ ኣብ ጥቓኻ እናሃለወ እንተንኣሰ እቲ ዝግበር ድግስ መጠኑ ዝሓለወ ብምግባር ሕልፊ ዝጠፍእ ድማ ንዝተፀገመ ወገን ብምልጋስ እቲ ዝፀንሐ ባህላው ሰብኣውን ምትሕዝዛን ወለድና ኣይንዘንግዕ።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
ሔርሞን ፍቃዱ
ወጋሕታ 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም