ባህግን ድሌትን ህዝቢ ቀዳምነት ይውሃቦ

ኣብ ዝኾነ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ሰላም፤ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ቅልጡፍ ግልጋሎት መንግስትን ይጠልብ። እዚ ጠለብ ንክማላእ ድማ መንግስታት ምምሕዳራዊ መሓወሮም ህዝቢ ማእኸል ገይሮም ንክሰርሕ ይገብሩ። በዚ ድማ ህዝቢ ዝተረጋገዐ ናብራ ይነብር። ድሕሪ ኹናት ወይ ቕልውላው ዝነብር ህዝቢ ድማ ሰላም፤ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ቅልጡፍ ግልጋሎት መንግስትን ይደሊ። ይግብኦ’ውን።

ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝነበረ ኹናት ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ምዝዛሙ ይፍለጥ። ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ድማ ኣብቲ ውዕሊ ዝሰፈሩ ተግባራት ንምፍፃም ዘኽእል በቲ ስምምዕነት መሰረት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ስራሕ ጀሚሩ ‘ዩ። ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ድማ መሰረታዊ ግልጋሎት ኣብ ምምላስ ዘድልዩ ስራሕቲ ሰሪሑ፤ንቲ ክልል ዘድሊ በጀት በቢ ዓመቱ ይምደብ ኣሎ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ዋላ ይሃልው ብዝተፈላላየ ምኽንያት ዘይተሰርሖም ስራሕቲ ‘ውን ኣለው። ሐዚ ድማ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ህዝቢ ግቡእ ግልጋሎት ኣይረክብን ዘሎ። ኣንፃራዊ ሰላሙ ‘ውን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእትው ኹነታት ኣብቲ ክልል ይፍጠሩ ኣለው። እዚ ግቡእ ዘይኮነን ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን እዩ።

ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ከም ኣብ ካሊእ ዓለምን ሃገርን ዘሎ ህዝቢ ሰላም፤ልምዓት፣ሰናይ ምምሕዳርን ቅልጡፍ ግልጋሎትን ‘ዩ። ኮይኑ ግና ንዚ ባህጉን ድሌቱን ኣብ ፀገም ዘእትው ኹነታት ኣብ ትግራይ ይረአ ኣሎ። እዚ ክኸውን ዘይግቡኦን ንክልተ ዓመታት ኣብ ኹናት ንዝነበረ ህዝቢ ዘይምጥንን ‘ዩ። ስለዚ ፖለቲከኛታትን ሊሂቃንን ትግራይ ግድን ንዚ ሕማቕ ኹነታት ዝቕይር ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ።

ኣብ ትግራይ ሐዚ ዘሎ ኹነታት ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ቀዳምነት ንህዝቢ ሂብካ ስራሕቲ ዝስርሑሉ መድረኸ ‘ዩ ክኸውን ዝግብኦ። በተግባር ግና ከምኡ ኣይኮንን። እዚ ፍፁም ጌጋን ንህዝቢ ቀዳምነት ዘይምሃብ ዝፈጠሮ ፀገም ‘ዩ። ኹነ ነገር ትሕቲ ባህግን ድሌትን ህዝቢ’ዩ ክኸውን ዝግብኦ።

ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ኣብ ቅልውላው ይርከብ። እዚ ምፍታት ድማ ልዕሊ ስልጣን ውልቀሰባትን ውድባትን ቀዳምነት ዝውሃቦ ዛዕባ ‘ዩ። ከም ህዝብን ክልልን ሐዚ ዘሎ ኹነታት ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ማእኸል ብምግባርን ኩሎም ዓቕምታት እቲ ክልል ብምጥቃምን ጭቡጥ ስራሕቲ ምስራሕ ይጠልብ። ብተግባር ግና ከምኡ ኣይኮነን ዘሎ።

ኣብ ትግራይ በብእዋኑ ዝርአ ናይ ፀጥታ ፀገም ኣሎ። መንግስታዊ ግልጋሎት ብግቡእ ኣይረክብን። ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂን ምጥቃም ከሚካልን ኣሎ። ኣመራርሓታት ዝበዝሕ ግዜኦም ኣብ ኣኼባን ንህዝቢ ረብሓ ኣብ ዘይህብን ለውጢ ኣብ ዘየምፅኡን ተመሳሳሊ መፅበዓታትን መግለፅታት ኣብ ምሃብን ምውፃእን ተፀሚዶም ይርከቡ። ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ዝብርዎ ፃዕሪ ማእኸሉ ህዝቢ ዘይኮንስ ስልጣን ‘ዩ። ከም ህዝቢን ክልልን ካብዚ ንምውፃእ ምስራሕን ባህግን ድሌትን ህዝቢ ምድማፅን ምምላእን ግድን ይኸውን።

ኣብቲ ክልል ብዝተፈላላየ መገዲ ኣብ ዝዳለው ህዝባዊ መድረኻት ብህዝቢ ዝልዓሉ ሕቶታት ባህጉን ድሌቱን ዝገልፁ’ዩም። ሰላም ይብል ኣሎ። ሰናይ ምምሕዳር ይብል ኣሎ። መሰረታዊ መንግስታዊ ግልጋሎት ሃቡና ይብል ኣሎ። ልምዓትን ማህበራዊ ተጠቃሚነት ብቕልጡፍ ይደሊ ኣሎ።

ሕቶን ድሌትን ህዝቢ እዚ ኮይኑ እናሃለው ካብ ፖለቲከኛታት ዝውሃብ መልሲ ድማ ማእኸሉ ሕቶ ህዝቢ ዘይኮነስ ስልጣንን ወንበርን’ዩ። እዚ ፍፁም ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥንን ፍሽለት ፖለቲካ ሓይልታት ትግራይ ዘመላኽት ስለዝኾነ ክእረምን ይስተኻኸልን ኣለዎ። ህዝቢ ክድመፅ ይግባእ። ፖለቲካዊ ድሌት ውልቀሰባት ኾነ ውድባት ትሕቲ ህዝቢ ‘ዮም።

ብሓፈሻ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ። ዝተመዛሉ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስ ‘ዩ። ሰናይ ምምሕዳርን መንግስታዊ ግልጋሎት ብቕልጡፍ ምርካ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብፍላይ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ስዒቡ ንቲ ፀገም ወይከዓ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ዝኸየዶ ዘሎ ክያዱ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ዘየማልእ ስለዝኾነ ህዝቢ ኣብ ፀገም ይርከብ። ስለዚ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ክውሃቦ ይግባእ።

ወጋሕታ 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You