ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዕወት ኣፈፃፅማ ስራሕ የመዝግብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካት እቲ ክልልን ፌዴራልን ተናቢቡ ብምስርሑ ዕወት ኣፈፃፅማ ስራሕ የመዝግብ ከምዘሎ ምኽትል ቢሮ ሓላፊ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ገሊፆም።

ኣይተ ሃይላይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ መሰረት ዕወት ኣፈፃፅማ ትልሚ ስራሕ እቲ ቢሮ ምስ ኣብቲ ከልል ዝርከቡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሓዊሱ ክሳብ ጣብያ ዘለዉ ኩሎም መዳርግቲ ኣካትን ከምኡ ‘ውን ብብርኪ ሃገር ምስ ኣብ ፌዴራል ዝርከቡ ከም በዓል መዚ ሓድግታት ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ዓለም ለኸ ትካላትን ተናቢቡ ዝስርሐሉ ኩነታት ብምህላው ‘ዩ።

ኣብዚ በጀት ዓመት ብዝተትሓዙ ትልሚን ኣንፈትን መሰረት ብምግባር ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዕውት ኣፈፃፅማ ክርኣይ ከሎ ኣብ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ትግራይ ፅቡቕ ምንቕስቃስን ምንቕቃሕን ዝተርእየሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ ኢሎም።

እቲ ሴክተር ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ኣብቲ ቁጠባ እታ ክልል ‘ውን ፅቡቕ ኣበርክቶ እናገበረ ዝመፅአሉ ኩነታት ከም ዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምኽትል ሓላፊ፤ ብፍላይ ምስ ዝተፈላለዩ በዓላት፣ ፅገና ሓድግታት፣ ኣብ ምፍላጥን ምልላይን መስሕብ ቱሪዝም ትግራይን ከምኡ ‘ውን ምስ ምስሓብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ቱሪስታት ተተሓሒዙ፣ ፅብቕ ዝበሃል ምንቕስቃስ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ብርክት ዝበሉ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ቱሪስታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ መስሕባት ቱሪዝም ትግራይ ጎብንዮም ‘ዮም ዝበሉ ኣይተ ሃይላይ፤ ብፍላይ ምስ ሃይማኖታዊ፣ ታሪኻዊን ባህላዊን በዓላት ተተሓሒዙ ካብ ኣሸንዳ ጀሚሩ ትግራይ ከም ትግራይ ዘነቃቕሐን ገዚፍ ዝኾነ ምንቕስቃስ ኢኮኖምን ዝተርኣየሉን ‘ዩ ነይሩ።

ኣንፍት ቱሪዝም ናይታ ክልል ‘ውን ዝቀየረ ከምዝነበረ ኣብሪሆም። ከም ገለፃ ኣይተ ሃይላይ፤ ብፍላይ ኣብ ዘቤታዊ (Domestic) ቱሪዝም ቱኽረት ብምግባር ቅድሚ ሐዚ ብዝግባእ ዘይተላለዩ ዝነበሩ መስሕብ ቱሪዝማት፤ ገዳማት፣ ባህላዊ ፍፃመታት ዝበሉ ንረብሓ ቱሪዝም ንክውዕሉ ይግበር ኣሎ።

ምስ ፅገና ሓድግታት ትግራይ ተኣሳሲሩ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ፅቡቃት ምንቕስቓሳት ከም ዝተገበሩ ዝሓበሩ ኣይተ ሃይላይ፤ ብዙሕ ግዘ ፅገናታት ሓድጊ ብዝሕ ዓቐምን ኢንቨስትምንትን ዝሓትት ብምዃኑ ብዓቕሚ እቲ ክልል ወይ እታ ሃገር ዝስርሑ ስለዘይኮኑ ምስ ዓለምለኸ ተሓባበርቲ ትካላት ዝስርሐሉ ኩነታት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

በዚ መሰረት ፅገና ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ብሓደ ዓለምለኸ ትካል ፅቡቕ ዝበሃል ናይ ፅገና ሰራሕቲ እናተሰርሐ ከምዘሎን ናብ ምዝዛም ይኸይድ ከምዘሎ ‘ውን ሓቢሮም። ኣብ ኣኽሱም ዝርከቡ ሓድግታት ‘ውን ምስ በዓል መዚ ሓድግታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንምፅጋን ኣብ ኽይዲ ዘለሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ ኢሎም።

ሎሚ ዘበን ጥንክር ዝበለ ዝናብ ምስ ምንባሩ ተተሓሒዙ ከም ማርያም ቆረቆር ዝበሉ ዓበይቲ ሓድግታት ሓደጋ ዝበፅሖም ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፤ ካብዚኦም ናብ ሰለስተ ኣርባዕተ ዝኾኑ ሓድግታት ድማ ብዓቕሚ እቲ ቢሮ ከምዝተፀገኑ እዚ ድማ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

መንግስቲ ፌደራል ይኹን እቲ ክልል ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ንምንቕቃሕ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ከምዘተባብዕ ዝሓበሩ ኣይተ ሃይላይ፤ እዚ ድማ ኣብ መሰረተ ልመዓት ቱሪዝም ብፍላይ ኣብ ኢንቨስትመንት ልምዓት ሆቴላትን ሎጃትን ፅቡቕ ምንቅስቃሳት ንክህልው ምትብባዓት ይግበር ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ገርዓልታ ዝስራሕ ዘሎ ፕሮጀክት ኣካል ገበታ ንሃገር ኣብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ብርኪ ከምዘሎ ዝተዛረቡ ኣይተ ሃይላይ፤ ዛጊድ ዳርጋ ህንፀቱ ናብ 50 ሚእታዊ ይበፅሕ ከምዘሎን ገሊፆም። እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዕብየት ኢንዳስትሪ ቱሪዝም ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ስለዝኽእል እቲ ቢሮ ፅቡቕ ክትትል ድጋፍን ከምዝገብረሉ ‘ውን ሓቢሮም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You