ኣዲስ ኣበባ፡-ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ቅድሚ 3 ለካቲት 2017 ዓ.ም ንከካይድ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ቦርድ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮን 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ንህወሓት ኣብዝፀሓፎ ደብዳቤ፣ ህወሓት ብመሰረት ምዝገባን ስነ ምግባር መረፃን ፓርቲታት ፖለቲካ ንምምሕያሽ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ብፍሉይ ኩነታት ምምዝጋቡ ኣፍሊጡ።
ህወሓት ብፍሉይ ኩነታት ዝተመዝገበሉ 3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ብምዃኑ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ክሳብ 3 ለካቲት 2017 ዓ.ም ንከካየድ ትፅቢት ይግበር። ብኻሊእ መዳይ ነቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምድላው ዘድሊዮ ቅድመ ምድላው ጉባኤ ዝጥምቱ ስራሕቲ እቲ ቦርድ ምክትታል ምእንታ ክኽእል ቅድሚ 21 መዓልታት ኣቐዲሙ እቲ ጉባኤ ዝግበረሉ ዕለት ነቲ ቦርድ ንከፍልጥ ትፅቢት ይግበር ኢሉ። ይኹን’ምበር እዚ ደብዳበ ክሳብ ዝተፅሓፈሉ ዕለት ህወሓት ካብ ዝምዝገብ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምግባር ዘኽእሎ ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ እቲ ቦርድ ኣይፈልጥን ኢሉ።
ስለዝኾነ እቲ ፓርቲ ብፍሉይ ኩነታት ካብ ዝተመዝገበሉ 3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምግባር ዝግበኦ እዋን ንክዛዘም ትሕቲ ክልተ ኣዋርሕ ዝተረፎ ብምዃኑ እቲ ፓርቲ ነቲ ጉዳይ ጠመተ ብምሃብ ብፍሉይ ኩነታት ብመሰረት ዝተመዝገበሉ ኣዋጅ፣ እቲ ኣዋጅ ንምፍፃም ዝወፅአ መምርሒን እቲ ቦርድ ካብ 3 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ነቲ ፓርቲ ብመሰረት ዝፀሓፎ ደብዳቤታትን ዝተውሃቡ ውሳነታት ብምኽባር ኣብ ዝተረፈ ሓፂር እዋን ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንክገብር እቲ ቦርድ ብጥብቂ የፍልጥ ክብል ኣተሓሳሲቡ። እዚ ብመሰረት ሕጊ ፓርቲ ዝተቐመጠ ግዴታ ኣብ እዋኑ ከተይተፈፀመ እንተተሪፉ እቲ ቦርድ ሕጊ መሰረት ብምግባር ግቡእ ኢዩ ዝበሎ ውሳነ ዝህብ ምዃኑ’ውን ኣፍሊጡ፡፡
ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ዓንቀፅ 3 ብፍሉይ ኩነታት ዝተመዝገበ ፓርቲ ካብ ዝተመዝገበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ 6 ኣዋርሕ ውሽጢ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንክገብር ከምዝእዝዝ ዘመልከተ እቲ ቦርዲ፣ ንህወሓት ብፍሉይ ኩነታት ምምዝጋብ ኣብ ዘፍለጠሉ 3 ሰነ 2016 ዓ.ም ብዝተፅሐፈ ደብዳቤ ቁፅሪ አ1162/11/15180 ብግልፂ ከምዘቐመጦ እቲ ፓርቲ እቲ ደብዳበን ናይ ምዝገባ ሰርተፊኬትን ካብ ዝበፅሖ ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ተዓዘብቲ ቦርዲ ኣብ ዝተረኸብሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክገብር ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ‘ዩ ኢሉ።
ብኻሊእ መዳይ ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ዓ.ም ንምፍፃም ኣብ ዝወፅአ መምርሒ ቁፅሪ 25/2016 ዓንቀፅ 12 መሰረት በቲ ዝተጠቐሰ ኣዋጅ መሰረት ብፍሉይ ኩነታት ዝተመዝገበ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ምዝገብኡ ካብ ዝረኸበሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ምግባር ከምዘለዎ ይእዝዝ ክብል ዘመልክተ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፣ እቲ ፓርቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ናይቲ ኣዋጅን መምርሒን ድንጋገታትን እቲ ቦርድ ፍሉይ ምዝገባ ሰርተፊኬት እንትህቦ ብመሰረት ዝፀሓፎ ደብዳበ ዝተገለፀ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ነክገብር ዝብል ግቡእ ብዘይተወሳኺ መተሓሳሰቢ ክፍፅም ከምዘለዎ ዝእመን እኳ እንተኾነ፤ እቲ ቦርድ ነቲ ፓርቲ 3 ነሓሰ ብቑፅሪ 1162/11/15180፣ 20 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ብቑፅሪ አ1162/11/15209ን 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ብቑፅሪ አ1162/11/15278 ብዝፀሓፎም ደብዳበታት ኣድላይ ቅድመ ምድላው ብምግባር ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንክገብር ኣፍሊጡ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም