በዓል ልደት ብምትሕጋዝን ብሰላምን ነኽብሮ

ኣብ ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓላት ይኽበሩ’ዮም::እዞም በዓላት ሓድነት ህዝቢ ዘጠናኽሩ፤ሓልዮትን ምትህግጋዝን ዝረኣየሎም ካብ ምዃን ሓሊፎም መስሕብ ቱሪዝም ‘ውን ‘ዮም::

ሃይማኖታዊ ኮነ ባህላዊ በዓላት ህዝቢ ብሓባር ዘብዕሎም ስለዝኾኑ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎም::ኣብ እዋን በዓላት ዝተረሓሓቑ ወይከዓ ዝተበኣሱ ሰባት ንቲ በዓል ከም ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ዝራኸቡሉን ዝዕረቑሉን ከምኡ’ውን ንዝተፀገመ ወገናት ዝኽግዙሉን ‘ውን ‘ዩ::

ብመዳይ ኢኮኖሚ ድማ ኣብ እዋን በዓላት ዕደጋ ዝዕምረሉ፤ነጋዶ ‘ውን ንመኽሰብ ዝሰርሑሉ ዕድል ይፍጠር::በዚ ድማ እቲ ኢኮኖሚ ‘ውን ብዝተወሰነ መልክዑ ይነቓቓሕ::ኮይኑ ግና ኣብ እዋን በዓል ኩሉ ነገር ዋጋኡ ይወስኽ ‘ዩ::ዓቕሚ ዘለዎ ንቲ በዓል ዘድልዮ ገዚኡ በዓል ይውዕል፤ዓቕሚ ዘይብሎምን ዘሕታማትን ግና ንቲ በዓል ምስ ፀገሞም ‘ዮም ዘብዕልዎ::ስለዚህ ክሕገዙ ይግባእ::

ኣብ ቐፃሊ ሰሉስ በዓል ልደት ሃይማኖታዊን ባህላዊን ስርዓቱ ብዝሓለወ መልክዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ብድምቀት ክኽበር ‘ዩ:: በዓል ልደተ እየሱስ ክርስቶስ ብሰዓብቲ እምነት ክርስትና ፈላማይ ዕርቂ ተገይሩ ዝሕሰብ እንትኾን ቅድሚ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ፤ ኣብ መንጎ ፈጣሪን ፍጡርን፣ ሰማይን ምድርን፣ እግዚኣብሄርን ሰብን ተሃኒፁ ዝፀንሐ ፅልኢ ኣብ እዋን ልደት ‹‹ካብ ደቂ ደቂኻ ተወሊደ ከድሕነካ ‘የ›› ዝብል ቃል ፈጣሪ ብተግባር ዝጀመረሉ፤ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቂ ሰባትን ዕርቂ ዝተወጠነሉ ‘ዩ::

ስለዝኾነ እቲ በዓል ምፍልላይ ዝተሰረዘሉ፣ ሕብረትን ሓድነትን ዝፀንዐሉ፣ መለኮትን ስጋን፣ ህያውን መዋቲን፣ ዘለኣለማዊን ግዚያዊን፣ ፈጣሪን ፍጡርን፣ ሰማያዊን ምድራዊን፣ ሙሉእን ዉሱንን፣ ሓደ ኮይኖም ብስራት ዝተደመፀሉ በዓል ‘ዩ:: በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ፤ በዓል ፍቅሪን መሰረት ትሕትናን ስለዝኾነ ህዝበ ክርስቲያን ንቲ በዓል እንተኽብር ሕድ ሕዱ ብምፍቕቓር፣ ብምፍታውን ብምትሕግጋዝን ክኸውን ይግባእ::

ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ልደት እንትኽበር ባህላዊን ሃይማኖታውን ትውፊት እቲ በዓል መሰረት ብምግባር ክበዓል ኣለዎ::ዝተበኣሱ ዝተዓረቑሉ፤ዝጠመዩ ዝፀግብሉ፤ዝተመዘባሉ ናብ መረበቶም ከምዝምለሱ ተስፋ ዝስንቑሉ በዓል ክኸውን ኣለዎ::

ንዝተፀገሙ ምሕግጋዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ‘ውን ተግባራዊ ዝግበር ‘ዩ:: ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ዝተፈላለዩ በዓላት ምኽንያት ብምግባር “መኣዲ ምክፋል” ተባሂሉ ብዝፍለጥ ተግባር ምሕጋዝ ዓቅሚ ዘይብሎም ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት እናተለመደ ዝመፅኣሉ ኩነታት ኣሎ::ኩሉ በቢዘለዎ ዓቕሚ ንዝሰኣኑን ሓታቲ ንዘይብሎምን እናሓሰበ ነቲ በዓል ብፍቕሪን ብሓድነትን ክሓልፍ ግድን ይኸውን::

ስለዝኾነ ኩሉ በቢከባቢኡ ኣብ ፀገም ዘሎ ሕብረተሰቡ ንምሕጋዝ ካብዚ እዋን ንላዕሊ ትኽክለኛ ግዜ ስለዘየሎ ብዝተኽኣሎ ምሕጋዝ ግድን ይኸውን። ምኽንያቱ ኣብ ተግባራት ምሕጋዝ ብዙሓት ረብሓታት ‘ውን ኣለው። ማሕበረሰብ ክተገልግልን ክትሕግዝን ከለኻ፤ ህይወት ካልኦት ሰባት ትቕይር ጥራይ ዘይኮነስ ንህይወትካ’ውን ከምትቕይር ምፍላጥ ይግባእ::

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገርና ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ከሳብ ሐዚ ናብ መረበቶም ዘይተመለሱ ኣብ ፀሓይ፣ ንፋስን ጥምየትን ሕማምን ዘለው ወገናት ስቓዮምን መከረኦምን ከብቕዕ ኩሉ ናይ ባዕሉ እጃም ክፃወት ይግባእ::ኣብ በዓል ልደት ድማ ኣብቲ በዓል ዝፍጠር ታሕጓስ ተኻፈልቲ ንክኾኑ ኣብ ወፃእን ውሽጢ ዓዲን ዝረከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይ፣ ሰብ ሃፍትን ውልቀሰባትን ግዴኦም ክዋፅኡ ኣለዎም።

ብሓፈሻ በዓል ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰብዓ ሰገል ውህብቶ እንትቀርበሉ ተምሳሌት ምሃብ ‘ዩ::ከምኡ ‘ውን ኣብ ቅነ በዓላት ዝግበሩ ምትሕግጋዛት ኣካል ሓደ ባህላዊ ፀጋታትና ‘ዮም።እዚ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ’ውን ቐፃልነት ክህልዎ ኣለዎ።

 

ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You