ኣዲስ ኣበባ፡– መራሕቲ ህወሓት ንናይ በዓሎም ስልጣንን ረብሓን ካብ ምሕሳብ ወፂኦም ናይ ህዝቢ ድሌትን ረብሓን ማእኸል ገይሮም ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ ነበር ተጋዳላይ ህወሓትን ኣቦ ወንበር ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲን (ትዴፓ) ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝበልዎ፣ መራሕቲ ህወሓት ሓቕነት ሃልይዎም ንህዝቢ ዝሓስቡ እንተኾይኖም ረብሓ ህዝቢ ‘ዮም ማእኽል ክገብሩ ዘለዎም፡፡ ኣብ መንጎ እቶም መራሕቲ ብዝፍጠር ዘሎ ፀገም ህዝቢ ‘ዩ ዝጉዳእ ዘሎ፡፡
ስለዚ ንህዝቢ ዝሓስቡ እንተኾይኖም ወይ ተስመዓሚዖም ንህዝቢ ክኽሕሱ ኣለዎም ተዘይኮይኑ ድማ ካብ ናተይ ስልጣንን ረብሓን ናይ ህዝቢ ረብሓ ይዓቢ ኢሎም ስልጣኖም ንህዝቢ ከረክቡ ይግባእ፡፡ ስልጣን ንህዝቢ ብምርካብ ብህዝበ ውሳነ ክኸዱ ይግባእ፤ ዳኛና ህዝቢ ‘ዩ ኢሎም ክሓስቡ ኣለዎም፡፡ ሙሉእ ስልጣንን ናፃነትን ንህዝቢ ተዘይሂብካ እቲ ፀገም ክፍታሕ ኣይኽእልን፡፡
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም