ካብ ልምዓት መስኖ ሓጋይ 13 ሚልዮን ኩንታል ንምርካብ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ብደረጃ ክልል ኣብ ምህርቲ 2017 ዓ.ም በጀት ዓመት መስኖ ሓጋይ፣ 13 ሚልዮን ኩንታል ዝኣክል ምህርቲ ንምርካብ ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ልምዓት ዘፈር ሆርቲካልቸር ኣይተ ሃይለ ታድለ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዝነበሮም ፃኒሕት ከምዝገለፅዎ፤ 69ሽሕን 551 ሄክታር መሬት ብኣሕምልቲን ፍራምረን ዝመሳሰሉ ንምልማዕ ትልሚ ተታሒዙ ካብዚ 13 ሚልዮን ኩንታል ዝኣክል ንምርካብ ተተሊሙ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ከም ገለፃ እቶም ዳይሪክተር፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 106ፐር ሄክታር ተረኺቡ ነይሩ፤ ሎሚ ዓመት ግና ናብ 30 ኩንታል ካብ ሓደ ሄክታር ብማእኸላይ ዝርከቦ መንገዲ እናተሰርሐ ‘ዩ፡፡

ካብቲ ብክልል ደረጃ 69 ሺሕን 551 ሄክታር መሬት ንምልማዕ ተሓሲቡ ዘሎ ናብ 228 ሺሕን 906 መራሕቲ ስድራ ተጠቐምቲ ንምግባር ዝተሓሰበ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፤ ነቲ ዝተተለመ ንምፍፃም ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተፈላላዩ ዓቕሚ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ  እናተሰርሑ ዝመፁ ኮይኖም እዚ ድማ ናብቲ ዝሕሰብ ዘሎ ናይ መስኖ ስግግር ንምውሳድ ተሓሲቡ ዝስራሕ ዘሎ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ናይ ሎሚ ዓመት ምንቕስቓሳት መስኖ ለውጢ እነምፀአሉ ኢና ኢልና ንሓስብ፤ ክሳብ ሕዚ እቲ መደብ ኦሬንቴሽን ብደረጃ ክልል ናብ 503 ዝኣኽሉ ኣማራርሓን ሰብ ሞያን መደብ ኦሬቴሽን ናይ ትልሚ ምፅዳቕ ሂብና ኢና፤ ቐፂሉ ‘ውን ኣብ ክልተ ዙር ገይርና ሞያዊ ስልጠና ሂብና ኢና፤ ፓኬጃት ልምዓት ኣሕምልቲ፣ ፍራምረን ቕመማ ቕመምን በለስ፣ ኣጣቓቕማ ማይ ፣ ኣብ ናይ ክላስተር መፍረይቲ ሓረስቶት፣ ድህረ ምህርቲ፣ ናይ ልሙዑነት ሓመድ ስራሕቲ ዝመሳሰሉ ስራሕቲ ስልጠና ኣካይድና ኢና ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ናይ ሓረስታይ ናይ መስኖ ተጠቐምቲ ‘ውን ዕውት ስልጠና ተዋሂቡ ተዛዚሙ ኣሎ፤ ካሊእ እቲ ናይ እታዎታት ናይ ምክፍፋል፣ ኣብ እታዎታት መዳበርያ፣ ሙሩፅ ዘርኢ ናይ ምክፍፋል ስራሕቲ ተሰሪሑ ‘ዩ፤ ኣብቲ ናይ መዳበርያ ንመስኖ ዝኣክል ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረፈ ናብ ከባቢ 8ሽሕ ዝኣክል መዳበርያ ናብ ገባራት በፂሑ ‘ዩ፤ ክበፅሕ ተሓሲቡ ዝነበረ 150ሽሕ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ብተፈላላዩ ምኽንያታት ክሳብ ሕዚ ናብቲ ከባቢ 80 ሽሕ ዝኣክል ‘ዩ ናብቲ ገባር በፂሑ ዘሎ ክብሉ ኣረዲኦም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You