ኢትዮጵያ ስፖርት ሚሊታሪ ኣፍሪካ ሜዳልያታት ኣኪባ

ኣብ ዋና ከተማ ናይጀሪያ ኣቢጃን ኣዳላውነት ንኻልኣይ እዋን ኣብ ምክያድ ዝርከብ ኣፍሪካ ሓይሊ ጦር (ሚሊታሪ) ፌስቲቫል ስፖርት ኢትዮጵያ ናይ መጀመሪያ ሜዳልያ ወርቂ ኣመዝጊባ። ሓለቃ ሓምሳ ወርቅውሃ ጌታቸው እቲ ሜዳልያ ዘሸነፈት አትሌት ‘ያ። ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃፅኡ ናይ ሓይሊ ጦር እናተሳተፉ እንትኾን ኢትዮጵያ ብክለብ ስፖርት መቻል ተወኪላ ‘ያ።

እቲ ውድድር ካብ ሕዳር 11 ጀሚሩ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ሃገር ናይጀሪያ እናተኻየደ እንትኾን፤ ኣብ ዋና ከተማኣ ኣቢጃን ኣብ ዝርከብ ናሽናል ስታድየም ሞሾድ ኣብዮላ ውድድሩ እናተኻየደ ይርከብ። ኢትዮጵያ ብክለብ ስፖርት መቻል ብምውካል ጠንካራ ተፎኻኻሪ ምዃን ዝኻኣለት እንትኾን ክሳብ ሶኑይ ኣርባዕተ ሜዳልያ ኣኪባ ‘ያ። ኣብ ኣትሌቲክስ ስፖርት እናተሳተፈ ዝርከብ መቻል ብኣትሌት ሓለቃ ሓምሳ ወርቅውሃ ጌታቸው ናይ መጀመርያ ሜዳልያ ወርቂ ኣሳኺዓ ‘ያ።

ኣትሌት ሓለቃ ሓምሳ ወርቅውሃ ጌታቸው ብ5ሽሕ ሜትሮ ውድድር ተዓዋቲት ዝኾነት በቲ ውድድር ጠንካራ ንሕንሕ ብምግባርን ተወዳደርታ ብምስዓርን ‘ያ፡፡ ካልኣይቲ ኣትሌት ሓለቃ ሓምሳ ኣያልፍም ዳኛቸው ኣብዚ ውድድር ሜዳልያ ነሓስ ምስኻዕ ክኢላ ‘ያ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ተግባራት ሜዳ ውድድራ ኣትሌቲክስ ዝተሳተፉ ኽልተ ኣትሌታት ኽልተ ሜዳልያ ብሩር ኣመዝጊቦም ‘ዮም፡፡ ብደቂ ኣንስትዮ ዝላ ምክትል ሓለቃ ዓሰርተ በፀሎት ኣለማየሁ ሜዳልያ ብሩር እንተተመዝግብ ብተመሳሳሊ ብዲስከስ ውርወራ ሓለቃ ዓሰርተ ዙርጋ ዑስማን ሜዳልያ ብሩር ወሲዳ ‘ያ፡፡ መቻል ክለብ ስፖርት ክሳብ ኸዚ ኣብ ዝተሳተፈሉ ውድድር ኣትሌቲክስ ሓደ ናይ ወርቂን ሰለስተ ናይ ብሩር ሜዳልያ ምእካብ ክኢሉ ‘ዩ፡፡

መቻል ክለብ ስፖርት ኣብቲ ውድድር ብስፖርት ኣትሌቲክስ እናተሳተፈ ዝርከብ እንትኾን ብሓፂር ርሕቐት፣ ማእኸላይ ርሕቐት፣ ብተግባራት ሜዳ ፣ ብነዊሕ ርሕቐትን ብውድድር ማራቶን ከምዝናሕናሕር ተፈሊጡ ‘ዩ፡፡ እቲ ክለብ ኣብ ሃገር ውሽጢ ጠንካራ ምድላው ብምግባር፣ ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን ሓዊሱ ኣርባዓ ዝበፅሑ ልእኻት ጉጅለ ኣባላት ኣካቲቱ ናብቲ ስፍራ ከምዝኸደ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ‘ዩ፡፡

ናይ ኣፍሪካ ሓይሊ ጦር (ሚሊታሪ) ስፖርታዊ ውድድር ብዙሓት ስፖርትታት ብምክታት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃፅኡ ኣትሌታት ሚሊታሪ ዝካየድ ውድድር ‘ዩ፡፡ ናይ መጀመርያ ናይ ኣፍሪካ ሚሊታሪ ውድድር ስፖርት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2002 ካብ ዓለምለኸ ሚሊታሪ ካውንስልን ካብ ኣፍሪካ ሚሊታሪ ትካል ብምትሕብባር ኣብ ኬንያ ናይ ሮቢ ኣታኣናጋድነት ተኻይዱ ‘ዩ፡፡

ኣብ መጀመርያ ናይ ሚሊታሪ ስፖርት ውድድር 32 ሃገራት እናተሳተፉ እንትኾን እቶም ኣርባዕተ ብተዓዛቢነት ቀሪቦም ነይሮም፡፡ ኣፍሪካ ሚሊታሪ ውድድር ስፖርት ዝተፈላለዩ ስፖርት ብምትእንጋድ ናይ መጀመርያ ኣህጉር ብምዃና ንመጀመርያ ተኻይዱ ዝነበረ ውድድር ብዙሓት ናይ ፖለቲካን ናይ ስፖርት ሰባትን ከምዝተኸታታልዎ ሓበሬታ ይሕብር፡፡

ናይቲ ውድድር ዓላማ ኣብ ኣህጉርና ዝርከብ ስፖርተኛታት ሚሊታሪ ዕድል ውድድር ምፍጣር እንትኾን፣ኣትሌቲክስ ሓዊሱ፣ ቅርጫት ኩዕሶ፣ ቦክሲ፣ ኩዕሶ እግሪ ፣ ሓመሳ ማይ፣ ቴኳንዶ፣ መረብ ኩዕሶን ካልኦት ስፖርትታት ክግበሩ ‘ዮም፡፡ ብናይጀርያ ኣዳላውነት ኣብ ዝካየድ ስፖርት ፌስቲቫል ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብሓፈሻ 25 ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃፅኡ 1ሽሕ 625 ስፖርተኛታት ብ19 ዓይነታት ስፖርት ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም ‘ዮም፡፡  እቲ ፌስቲቫል ስፖርት ልዕሊ ሓደ ሰሙን ዘቑፀረ እንትኾን ኣብ ዝመፅእ ቀዳም ፍፃሚኡ ክረክብ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡ እቲ ፌስቲቫል ንመጀመርያ እዋን ብኬንያ ኣዳላውነት ምስተኻየደ ድሕሪ ዒስራ ዓመታት ሎሚ ክካየድ ኽኢሉ ‘ዩ፡፡

እቲ ውድድር ኣብ ኣፍሪካ ንዝርከቡ ጉጅለ ሚሊታሪ ዘለዎም ብቅዓት ንምርኣይ ዕድል ከምዝፈጥር ዝተኣመነሉ እንትኾን እቲ መድረኽ ንስፖርተኛታት ብብርኪ ዓለምለኸ ብምንሕናሕ ምስ ዝተረፉ ሃገራት ኣፍሪካ ልውውጥ ልምዲ ንምግባር ምችው ኩነታት ከምዝፈጥር ተገሊፁ ‘ዩ፡፡ ኣብ ናይ ሎሚ ሓይሊ ጦር (ሚሊታሪ)ፀወታታት ኣልጀርያ፣ ካሜሮን፣ግብፂ፣ ኢትዮጵያ፣ ጋና፣ ኬንያ፣ ሞሮኮ፣ደቡብ ኣፍሪካ ከምኡ ‘ውን ኣዳላዊት ዝኾነት ሃገር ናይጀርያ ካብ ዝተሳተፉ ሃገራት ዝጥቀሱ ‘ዮም፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You