“ምኽክር ኩሉ ተዓዋቲ ዝኾነሉ መስርሕ ‘ዩ “-መስፍን ኣርኣያ (ፕሮፌሰር) ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን

ኣዲስ ኣበባ፡-ምኽክር ሓደ ተሳዓሪ እቲ ሓደ ተዓዋቲ ዝኾነሉ መስርሕ ዘይኮነስ ኩሉ ሰብ ተዓዋቲ ዝኾነሉ መስረሕ ምዃኑ ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ ገሊፆም።

ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን መስፈን ኣርኣያ (ፕሮፌሰር) ኣብ ምዝዛም ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ኦሮምያ ኣመልኪቶም ብቕድሚ ትማሊ ኣብዝሃብዎ መግለፂ፣ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከቡ ወገናት እንተዝመፁ እቲ ኮሚሽን ክሳተፉ ምግባር ድልውነቱ ብተደጋጋሚ እናገለፀ ፀኒሑ ‘ዩ።ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ስምምዕነት ዝበፅሑ መራሕቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተሳትፎኦም ዓብዪ ዓወት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ምኽክር ሓደ ተሳዓሪ እቲ ሓደ ተዓዋቲ ዝኾነሉ መስርሕ ዘይኮነስ ኩሉ ሰብ ተዓዋቲ ዝኾነሉ መድረኽ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ዋና ኮሚሽነር፣ እቲ ምኽክር ብምድምማፅ፣ ኣብ ክንዲ ስምዒታዊ ምዃን ንምኽንያታዊነት ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ምርድዳእ ዝብፃሕ መንገዲ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ከም ገለፃ እቶም ዋና ኮሚሽነር፣ ካብ 7 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐ ናይ ምኽክር ምዕራፍ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ኦሮምያ፣ ልዕሊ 7 ሽሕ ተሳተፍቲ ዘለዎ ታሪኻዊ መድረኽ ኮይኑ ተዛዚሙ። እቲ ምኽክር ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ክላስተራት ተኸፋፊሉ ከምዝተኻየድ ብምግላፅ፣ 5 መዓልቲ ኣብ ዝወሰደ ከይዲ 640 ናይ ምኽክር ጉጅለታት ተጣይሹ ነፃን ግልፅን ዘተ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ኣጀንዳታት ናይ ምልላይ ዕማማት ብግቡእ ከምዝተሰርሑን ብነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ዝተዳለዉ ኣጀንዳታት ተጠርኒፎም ኣብ መወዳእታ ደረጃ ድማ እቲ ኮሚሽን ኣጀንዳታት እቲ ክልል ከምዝተረከበ ገሊፆም። ከም ገለፃ እቶም ዋና ኮሚሽነር፣ ንቐፃሊ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር፣ 320 ወከልቲ ሕብረተሰብ፣ 12 ወከልቲ መራሕቲ ፍሉጣት ውልቀሰባት፣ 31 ወከልቲ መንግስትን ካልኦትን ተመሪፆም ኣለው።

እቲ መረፃ ግልፅን ኣሳታፊን ልዑል ውድድር ዝነበሮ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ሕዚ ዘይወከሉ ከም ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ዝመሳሰሉ ትካላት፣ ብመሰረት ኣሰራርሓ እቲ ኮሚሽን ብትካላቶም ኣቢሎም ከም ዘፍልጡ ጠቚሞም። ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ 30 ሚኢታዊ ክኸውን እቲ ኮሚሽን ብዘቐመጦ ሸቶ ዕዉት ከምዝነበረ ብምግላፅ፣ ተሳትፎ ኣካል ጉድኣት ‘ውን ጠንካራ ከምዝነበረ ኣመልኪቶም።

ኣካላት ሚድያታት ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኦሮሚያ ምኽክር እቲ መድረኽ ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ምስጋነኦም ዘቕረቡ እቶም ዋና ኮሚሽነር፤ ከይዲ እቲ ምኽክር ዕዉት ንኽኸውን ግቡእ ምትሕብባርን ደገፍን ዝገበሩ ካልኦት ወገናት ‘ውን ኣመስጊኖም።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ብደረጃ ሃገር ክሳተፉ ዝተመርፁ ወኪላት ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ነቲ ዝተዋህቦም ሓደራ ብግቡእ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ስምምዕነት ሰላም ዝፈረመ ወኪል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ መድረኽ ምኽክር ኣጀንዳ ኦሮሚያ ዝተሳተፍዎ ተሳትፎ ዓብዪ ዓወት ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You