ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ምስ ኩሉን ሃገራት ኣብ ብሄራዊ ረብሓ ማእኽል ገይሩ ዝሰርሕ እዩ፡፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ጀሚሩ ናብ ኩሉ ዓለም ዝባፃሕን ክልቴኣዊን ዘፈርብዙሕን ርክባት ብምግባር ረብሓ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዝሰርሕ’ዩ፡፡ በዚ መትከል ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ፣ማእኸላይ ምብራቕ፤ሃገራት አፍሪካን ምዕራብን ምብራቕን ዓለማት ምስ ዝርከቡ ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ኣበርቲዓ ትሰርሕ፡፡በዚ ድማ ዓወታት እናመዝገበት ትርከብ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣጀንዳ ገይራ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ሰሪሓ’ያ፡፡ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ታሪክ፤ቕርበት መልከኣ ምድሪን በዝሒ ህዝቢን ገዚፍ ኢኮኖሚ ንዘለዋ ሃገር ግድን ከምዝኾነ መሰረት ገይራ ብዝሰርሐቶ ዲፕሎማሲ ዓወት ኣመዝጊበ ኣላ፡፡ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኣድላይነቱ ተቓውሞ የብሉን፡፡ ብሰላማዊ መገዲን ብዘተን ኣፍደገ ባሕሪ ከምዘድልያ እምነቱ ምዃኑ ይገልፅ ኣሎ፡፡እዚ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት’ዩ፡፡
ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ሃገረ ቱርኪዮ ከተማ ኣንካራ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓመድን ኣብ ቀረባ እዋን ስምምዕነት ምግባሮም ዝዝከር’ዩ፡፡ ዝፀንሐ ክልተኣዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ነኒበዓለን ብምትሕግጋዝ፣ ብምትሕብባርን ብምክብባርን፣ ሓንቲ ናይታ ሓንቲ ሃገር ሉኣላውነትን ረብሓን ብምኽባር ንምንቕስቓስ ተስማዕሚዐን ‘የን፡፡
ኢትዮጵያ ንሰላምን ድሕንነትን ሶማሊያ ብኣሽሓት ዝቑፀር መስዋእቲ እናኸፈለት ዝመፀት ሃገር ‘ያ፡፡ ነዚ ድማ ሶማሊያ ኣብቲ ስምምዕነት፣ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ድሌታ ክማላእ ሶማሊያ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፃ ‘ያ፤ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ንዝኸፈሎን ዝኸፍሎ ዘሎን መስዋእቲ ኣፍልጦ ከምትህብ ‘ውን ኣብቲ ስምምዕነት ሰፊሩ ‘ዩ፡፡
ብምዃኑ እቲ ዝተገብረ ስምምዕነት ንክልቲአን ሃገራት ጥራሕ እንተይኮነስ ንጠቕላላ ምርግጋዕ እቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ‘ውን ወሳኒ ‘ዩ፡፡እዚ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ‘ዩ፡፡
እቲ ዝተገብረ ስምምዕነት ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዞባ ብሓባር ተደጋጊፈን ንምዕባይ ጥራሕ እንተይኮነስ ብመዳይ ፀጥታ ንምርግጋዕ እቲ ዞባ ‘ውን ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ፡፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ህዝቢታት ቑጠባ ክዓቢ ብምግባር መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ንምምላስ ዝሕግዝ ‘ዩ፡፡
ኣፍ ደገ በሪ ባሕሪ ብዝምልከት ኢትዮጵያ እትኸዶ ዘላ ክያዶ ትኽክልን ፍትሓውን ‘ዩ፡፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ከትነብር ኣይትኽእልን፡፡ ምኽንያቱ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ምስ ምዃና ተተሓሒዙ ብዙሕ ድሌት ኣለዋ፤ ስለዚ ድሌታ ንምምላእ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዘድልያ ግልፂ ‘ዩ፡፡ ሃገራት ዓለም ‘ውን እቲ ሕቶ ፍትሓዊ ምዃኑ እናተረደአን ‘ዩ፡፡
ኢትዮጵያ ናይ ዝኾነት ዓዲ ሉኣላውነት ብዘይጎድእ መልክዑ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ብምክብባር፣ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ክኸውን ኣለዎ ኢላ በዚ መንገዲ ‘ውን እያ ትኸየድ ዘላ፤ ፀገማት ከጋጥሙ ይኽእሉ ‘ዮም ኮይኑ ግና ብዘተ ብምፍታሕ ናይ ሓባር ረብሓ ምርግጋፅ ይከኣል ‘ዩ ኢላ ብምእማን ኣበርቲዓ እናሰርሐት ትርከብ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ዘቕመጠቶም ኣንፈታት ንምስኻዕ ዝጀመረቶም ፃዕሪ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ውፅኢት ‘ዩ፡፡ ኢትዮጵያ ነቲ ሓሳብ እንትትገልፅ ብሓይሊ ሃገራት ንምውራር ከይኮነስ፤ ምስ ሃገራት ጎረቤት ብሰላማዊ መንገዲ ብምዝርራብ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ሓቢራ ‘ያ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዕደት ዝገበሩ ፕረዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ፣ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ትኽክል ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም’ዮም፡፡ እቲ ሕቶ መልሲ ክረክብ ፈረንሳይ ብዘለዋ ዓቕሚ ክትገብሮ እትኽእል ከምትግብር ብምግላፅ፤ እቲ ሕቶ ብዝርርብን ዘተን፤ ዓለምለኸ ሕግታትን ጎረባብቲ ሃገራትን ብምኽባር ክስራሕ ከምዘለዎ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊያ ኣብ ቱርኪዮ ዝካየድዎ ዝርርብ ሰላም ዝድገፍ ምዃኑ ‘ውን ‘ዮም ምግላፆም ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት’ዩ፡፡
ኢትዮጵያ 130 ሚልዮን ህዝቢ ሒዛ፣ ቕልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ እናመዝገበት ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ሕጊ ዓለም፣ ብሰላማዊን ዲፕሎማስያዊን መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ከም ፈረንሳይ ዝበሉ ፈተውቲ ሃገራት ጠንካራ ድጋፍ ኣገዳሲ እንትኾን እቶም ፕረዚደንት ነቲ ሕቶ ምቕባሎም ንከይዲ ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ኣወንታዊ ግደ ዘለዎ ብብርቱዕ ፃዕሪ ዝተረኸበ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ስለዝኾነ ተጠናኺሩ ዝቕፅል’ዩ፡፡
ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም