ኮሚሽን ምስረታ ሩባ ናይል ተፋሰስ ንምፍጣን

ትንታነ ዜና

ሩባ ናይል ማዕቀፍ ምትሕብባር ስምምዕነት ናብ ተፈፃሚነተ ካብ ዝኣቱ ኽልተ ኣዋርሕ ኣቁፂሩ። ማዕቀፍ ሕጊ ኾይኑ ምፅዳቑ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብሩባ ማይ ፍትሓዊ ኣጠቃቅማ ዙርያ ሕቶ ንዘለዎም ተፈሳስ ሃገራት ታሪኻዊ ዓወት ከምዝኾነ ይእመን።

እቲ ኮምሽን ኣብ ሓፂር እዋን ተጣይሹ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቐፍ ምትሕብባር ዝነበራ ግደ መሊሳ ንክትፃወት ናይቲ ዘፈር ምሁራን ብስፍሓት ይዛረቡ። ብግብፂ ናይዚ ኮምሽን ምምስራት ንምትዕንቓፍ ዝተጀመረ ሸርሒ ምክልኻል ዝካኣል እዚ ብምግባር ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ኣይተ ፈቂኣሕመድ ነጋሽ በዓል ሞያ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ ‘ዮም። ንሶም ከምዝብልዎ ፤ግብፅን ሱዳንን ኣብቲ መጀመርያ ኣብቲ ድርድር ዝኣተዉ ብባዕዳዊ መግዛቲ ዝደልደልዎ ማይ ኣፍልጦ ከነትርፍ ኢና ብዝብል ‘ዩ ነይሩ። ኣብ ዝተጀመረ ኸባቢ ላዕለዋይ ተፋሰስ ሃገራት ንሶም ናይ ምድጋፍ ኩነታት የሪኡ ስለዝነበሩ ዝተሳኸዐሎም መሲልዎም ነይሩ። ፀኒሑ ግና ናይተን ሃገራት መሰረታዊ ድልየቶም ምስ ኢትዮጵያ ዝጠዓዓም ብምዃኑ ዘይሓሰብዎ ከይተሳኸዐ ተሪፉ ‘ዩ።

ሸውዓቲኦም ላዕለዎት ተፋሰስ ሃገራት ብኢትዮጵያ እናተምርሑ ግብፅን ሱዳንን ድማ ኣብ ሓደ ኾይኖም እቲ ድርድር ናብ ምዝዛም እንትቃረቡ፤ ግብፅን ሱዳንን ዝተለምዎ ስለዘይተሳኸዐሎም እቲ ስምምዕነት ረጊፆም ከምዝወፁ ዝዛረቡ ኣይተ ፈቂኣሕመድ ፤ኣብቲ ስምምዕነት ውሽጢ ዝተኻተቱ ካብ ትሻዓንተ ተደራደር ሃገራት ኽልተ ሰለስተ ሃገራት እንድሕር ፈሪሞም ናይ መፅዳቑ ስለዝፍለጥ በዚ ‘ውን እታ መጀመርያ ፈራሚት ኢትዮጵያ እንትትኾን ቀፂሉ ኡጋንዳ ፣ታንዛንያን ሩዋንዳን ከምዝኾኑ ድሕሪ ምጥቃስ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኬንያ እንትትፍርም ድሕሪ ዓሰርተ ኣዋርሕ ብሩንዲ ከምዝፈረመት የረድኡ።

ኾይኑ ግና እቲ ስምምዕነት ካብ ዝተፈረመ ግዜ ጀሚሩ ግብፃዊያን ድቃስ ኣይወሰደሙን። ዘይፈረሙ ሃገራት ንከይፍርሙ ፤ዝፈረሙ ሃገራት ድማ ንከፅድቑ ብምግባርን ኣብ ዓመት ክሳብ ዓሰርተ ሚልየን ዶላር ወፃኢ ብምውፃእ እቲ ስምምዕነት ንምንሻው እናዓሩ ከምዝነበሩ ይዛረቡ።

ግብፃውያን ኣብዝሓ ዝገብርዎ እቲ ሓደ ነገር እቲ ስምምዕነት ተቐባልነት ክሳብ ዘይረኸበ ሽድሽተ ሃገራት ጥራሕ ዝፈረምዎ ስምምዕነት ዘይሕጋዊ ‘ዩ ዝብል ‘ዩ። ካልእ ድማ ማይ ተፋሰስ ናይል ኣየማሕድርን ዝብል እንትኾን ፤ ሳልሳይ ድማ ንዓና ኣይምልከትን ዝብል ‘ዩ። እዚ ሓሳቦም ንዓለም ማሕበረሰብ ንክድመፀሎም እናተዛረቡ ይርከቡ።

ሚኒስትር ኢነርጂን ማይን ኢንጅነር ሃፍታሙ ኢተፋ( ዶ/ር) ብወገኖም፤ ንዓና እቲ ዓብይ ዓወት ዝባሃል ናይቲ ማዕቐፍ ሕጋዊ ምዃን ዝነበሩ ሕግታት ምጥሓሱ ‘ዩ ይብሉ። ንኣብነት ኣብ 1950 ኽልተ ሃገራት ጥራሕ ወሲኖም ከም ደስ ዝበሎም ዝገብርዎ ኣካይዳ ምቕያሩ ንኢትዮጵያ ዓብይ ዓወት ከምዝኾነ የረድኡ ። ኣብ ቀፃሊ ድማ እቲ ኮምሽን ከምዝመፅእ ድሕሪ ምፍላጥ እቲ ኮምሽን ንኢትዮጵያ ሰላም ዝህብን ንኹሉ ዝጠቅም ከምዝኾነ ይገልፁ።

ኮምሽን ናይል ተፋሰስ ብሕጊ ተጣይሹ ‘ዩ። ኸዚ ዝተርፍ እቲ መሓውር ኣዳሊኻ ተግባርን ሓላፍነትን ወሲኑ ብሓይሊ ሰብ ማተርያል ብፋይናንስ ብምጥንኻር ናይ ምጅማር ስራሕ ‘ዩ ዝብሉ ድማ ኣይተ ፈቂኣሕመድ እንትኾኑ እዚ ንከይሳኻዕ ግና ግብፃውያን ፃዕሪ እናገበሩ ‘ዮም ኢሎም። እዚ ንምጥያሽ ኢትዮጵያ ትፅቢት ዝግበረላ ካብ ላዕለዎት ናይል ተፋሰስ ሃገራት ብሓባር ኮምሽን ብፍጥነት ተጣይሹ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ምግባር ‘ዩ።

እቲ ኮምሽን ናብ ስራሕ ንክኣቱ ንምግባር ብኹለመዳይ ጠንካራ ንክኾን ምግባር ‘ውን ይግባእ። ሃገራት ገንዘብ እንድሕር ዘየቕሪቦም እቲ ኮምሽን ናይ ልምዓት ኣጋራት ገንዘብ ምሕታቶም ክጅምር ‘ዩ። ገንዘብ ምሕታት እንድሕር ተጀሚሩ ድማ እተን ልምዓት ኣጋራት ኣጀንዳ እንበር ናይቲ ተፋሰስ ሃገራት ኣጀንዳ ምፍፃም ኣይኽእሉን።

ስለዝኾነ ድማ እኹል ሓገዝ ፖለቲካ ዝተውሃበን ልዑል ናይ ዲፕሎማሲ ዓቕሚ ንክህልዎም እናተገበረ እቲ ኮምሽን ምጥያሽን ምስ ኮምሽን ድማ ጠንኪርካ ምስራሕ የድሊ። ናይ ተፋሰስ ሃገራት ፤እቲ ኮምሽን ዘውፅኦም ትልምታት ተግባራዊ እንተገይሮምን ናብ ልምዓት እንድሕር ኣትዮም ግብፂ ባዕላ ናይቲ ስምምዕነት ተመሊሳ ንክመፅእ ዝገብራ ‘ዩ።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጅነር ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር) ብወገኖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዙሕ ሃገራት ስለ ማዕቐፍ ኾነ ስለ ኮምሽን ግንዛበ ስለዝረኸቡ ተፈፃሚነቱ ንክፋጠን ኣብ ምግባር ከምዝኾኑ ይዛቡ። ኢትዮጵያ እትደልዮ እዚ ብምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ፤ ቅድም ክብል ብዛዕባ ፍትሓዊነት እናተዛረብና በይንና ነይርና ክብሉ ኣዘኪሮም። ስለዚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓገዚ ምርካባ ኣረዲኦም ‘ዮም።

በዚ ልክዕ ድማ ፈተናታት ኣለዉና። ታሕተዋት ሃገራት ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ኹሉ ሚድያ ብምጥቃም እቲ ኮምሽን ውፅኢታዊ ንከይኾን ይፅዕሩ። ብፍላይ ግብፃውያን ናይቲ ምትሕብባር ማዕቐፍ ምንሻው ስረሐይ ኢሎም ተደሓሒዞምዎ ‘ዮም ። በዚ ተደሓሒዙ ምንም ዓይነት ገንዘብ ኾነ ሓገዝ ንከይርከብ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምንቅስቃስ ብምክልኻል ስራሕ እናሰርሑ ይርከቡ። ብምዃኑ ንሕና ኢትዮጵያውያን እቲ ጉዳይ ብኣግባቡ ምግላፅን ግንዛበ ምሃብ ትፅቢት ይግበረልና ክብሉ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ኣይተ ፈቂኣሕመድ ብወገኖም ፤ ግብፅ ተንኮላ ምርማዳ ትቕፅል ‘ያ፤ እቲ ዋና ነገር ሃገራት እቲ ናይ ግብፂ ፅዕንቶ ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ምዕባይ ምኽኣል ኣለዎም ይብሉ። እተን ሃገራት ናይ ግብፂ ፅዕንቶ ምፅዋር እንተኺኢለን ናይ ግብፂ ጉያ ትርጉም ኣይህልዮን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You