ንሕቶ ኣፍደገ ባህሪ ኣፍልጦ ብምሃብ ዝተዓጀበ ዑደት

ትንታነ- ዜና

ንልዕሊ ሚኢቲ ዓመት ዝፀንሐ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትምህርቲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ሓለዋ ባህልን ቅርስታትን፣ ኣብ ቀረብ ሓይሊ፣ ሓለዋ ከባብን ወተሃደራዊ ጉዳያትን እናተጠናኸረ መፂኡ ‘ዩ።

ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዘሎ ርክብ ካብቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ዘሎ ርክብ ሓሊፉ ኣብ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ልዑል ቦታ ኣለዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ፈረንሳውያን ዜጋታት ኣለዉ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ‘ውን ኣብ ፈረንሳይ ይነብሩ፤ ይመሃሩ፤ ይሰርሑ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ፈላመይቲ ዝኾነት መጎዓዝያ ሰብ ዓባይ ነፋሪት ኤርባስ ኤ350-1000 ኢትዮጵያ ካብ ፈረንሳይ ኩባንያ ተቐቢላ ‘ያ። ካልኦት ብርክት ዝበላ ነፈርቲ ኤርባስ ‘ውን ኣዚዛ ኣላ። ልምዓት ከተማ፣ ትምህርቲ፣ ኩነታት ቅርስታት ክለዓሉ እንከለዉ ብቐዳምነት ካብ ዝፅርሑ ሃገራ ሓንቲ ‘ያ። ብመንፅር ቅርሲ፣ ምሕዳስ ኣብያተ ክርስቲያናት ላሊበላ ብናይ መንግስቲ ፈረንሳይ ወፃኢ ‘ዩ ዝካየድ ዘሎ። ካልኦት ተመሳሳሊ ደገጋፋት ‘ውን እናገበረት ትርከብ።

ፕረዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብዝሓለፈ 12 ታሕሳስ ዕላዊ ዑደት ኣመልኪቶም ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሃብሉ መግለፂ፤ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፤ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌታ ምስቶም ፕረዚዳንት ብዝርዝር ምዝታዮም ኣፍሊጦም ‘ዮም።

130 ሚልዮን ህዝቢ ሒዛ፣ ቕልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ እናመዝገበት ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ሕጊ ዓለም፣ ብሰላማዊን ዲፕሎማስያዊን መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ከም ፈረንሳይ ዝበሉ ፈተውቲ ሃገራት ጠንካራ ድጋፍ የድልያ ‘ዩ፤ ሕቶና ፕረዚዳንት ኢማኑኤል ብኽብሪ ተቐቢሎሞ ‘ዮም ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም ‘ዮም።

ፕረዚደንት ማክሮን ነቲ ሕቶ ብምቕባሎም ምስጋና ዘቕረቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፣ መላእ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ፈረንሳይን ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮንን ዝጭበጥ ውፅኢት ከም ዝፅበዩ ብምጥቋም፤ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ምሕዳስ ቤተ መንግስቲ ብፅሒት ኣንበሳ ዝወስዱ ምዃኖም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ጠቒሶም ‘ዮም፣

ኣብቲ እዋን እቲ ንዕኦም ዘለዎም ዓብዪ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዝገለፁ ኮይኖም፤ ኢትዮጵያ ንእተካይዶም ኢኮኖሚያዊ ለውጥታት ንምስኻዕ ብዓቢይኡ ከምዝደገፉ ብምጥቃስ፤ ነቶም ፕረዚደንት ልዑል ምስጋና ብምቕራብ ንቀፃሊ ‘ውን ደገፎም ከይፍለዮም ፀዊዖም ‘ዮም።

“ብዙሓት ክልተኣዊ ጉዳያት ተዘራሪብና ኢና። በዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪካን ኣውሮፓን ብሓባር ክንሰርሕ ተሰማሚዕና ኣለና። ኣብ ዝነበረና ናይ 127 ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናና ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ክመሓላለፍ ብዝግባእ ከምንሰርሕ ተረዳዲእና ኢና ይብሉ።

ፕረዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ብግዲኦም፣ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ትኽክል ‘ዩ፤ እቲ ሕቶ መልሲ ክረክብ ፈረንሳይ ብዘለዋ ዓቕሚ ክትገብሮ እትኽእል ከምትግብር ብምግላፅ፤ እቲ ሕቶ ብዝርርብን ዘተን፤ ዓለምለኸ ሕግታትን ጎረባብቲ ሃገራትን ብምኽባር ክስራሕ ከምዘለዎ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊያ ኣብ ቱርኪዮ ዝካየድዎ ዝርርብ ሰላም ዝድገፍ ምዃኑ ‘ውን ‘ዮም ዝገልፁ።

ፈረንሳውያን ንባህልን ቅርስታትን ዓቢዪ ቦታ ከም ዝህቡ ዘመልከቱ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፤ ኣብ ቀረባ እዋን ባርዕ ዘጋጠማ ቤተክርስትያንና ኖተራንዳም ከም ብሓዱሽ ተሓዲሳ ንህዝቢ ክፍቲ ምዃኑ፤ በዚ ፈረንሳውያን ብጣዕሚ ከም ዝኾርዑ ኣፍሊጦም።

ኣብ ምሕዳስ እቲ ቤተ መንግስቲ ፈላጣት ኢልና ንሓስቦም ወለዶ ፈረንሳይን ፈረንሳውያን ኣርክቴክትታት፣ ናይ ሙዜየም ሕድሳት ክኢላታትን ዝተፈላላየ ፍልጠት ዘለዎም ልኢኽና ኢና፤ ዓቅሞም ዝፈቀዶ ከብርክቱ ክኢሎም ‘ዮም። በዚ ንኾርዕ ኢና፤ እቲ ስራሕ ንዓና ብጠዓሚ ኩርዓት ‘ዩ ክብሉ ‘ዮም ገሊፆም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰላም ንምስፋን ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዓብዪ ስጉምቲ ምዃኑ፤ ፈረንሳይ ናይቲ ስምምዕነት ተግባራዊነት ከምትድግፍ ብምግላፅ፤ ስራሕቲ ሕርሻ ምብርትታዕ፣ ዝተጎድኡ ሆስፒታላት ዳግም ምህናፅ፣ ብተወሳኺ ስግግር ፍትሒ ተግባራዊ ዝኾነሉን ልዕልነት ሕጊ ዝኽበረሉ ኩነታት ምርኣይ ንደሊ ኢና፤ ነዚ ድማ ከምናይ ቕድሚ ሕዚ ዘድሊ ድጋፍ ከምዝቕፅል ‘ዮም ኣፍሊጦም።

ንሕና ዘራኽበና ናይ መናእሰይ ናይ መፃኢ ትኽክለኛ ዕጫ ‘ዩ። ነዙይ ድማ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ምኽኣሎም ከመስግን እፈቱ። ንመፃኢ እቲ ዞባ ሰላማዊን ዝበልፀገን ክኸውን ኢትዮጵያ ዝህልዋ ኣስተዋፀኦ ልዑል ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ብምግላፅ፤ ኣብ ኢትዮ- ፈረንሳይ ዘሎ ርክብ ኣብ ከይዲ ታሪኽ ኣብ ዓበይቲ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ዝተመስረተ ‘ዩ ኢሎም።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ቀፃሊ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ንምግባር ኣብምድጋፍን፤ ኣብ ትግራይ መሰረት ሰላምን ምርግጋዕን ዝኾነ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንምትግባር ክንተሓባበር ኢና ኢሎም። ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ክልቲኦም ወገናት ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ዘላቒ መፍትሒ ንምርካብ ብሓባር ክሰርሑ ዘለዎም ቆራፅነት ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You