ከተማ ዓዲግራት 1 ነጥቢ 1 ቢልዮን ብር ብምምዳብ ዝተፈላላዩ መሰረተ ልምዓት እናካየደ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፡ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ንምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት እታ ከተማ ሓደ ነጥቢ ሓደ ቢልዮን ብር መዲቡ ዝተፈላላዩ መሰረተ ልምዓታት እናተሳለጠ ከምዝርከቡ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ:: እቲ ምምሕዳር ነዚ ዘፍለጠ ብ700 ሚልዮን ብር ዝተጀመሩ መሰረተልምዓታት ዑደት ኣብዝገበረሉ እዋን ‘ዩ::

ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ መሰረተ ልምዓት ዝኾኑ ኣይተ ይርጋኣለም ሓዱሽ ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብታ ከተማ ብልዕሊ 700 ሚልዮን ብር ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ተጀሚሮም ይስርሑ ከምዘለዉ ነቶም ዑደተኛታት ገሊፆም።

ኣብቲ ዝስራሕ ዘሎ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝኾኑ ግልጋሎት ማይን ፈሳስን፣ሓይሊ መብራህትን ተዛመድትን ኣብያተ ዕዮ ተዋዲዶም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ወሲኾም ገሊፆም:: ብሓፈሻ ግን ንምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት እታ ከተማ ተባሂሉ 1 ነጥቢ 1 ቢልዮን ብር ከም ዝተመደበ ገሊፆም።

ኣብቲ ዝተሳለጠ ዑደት ተረኺበን መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ሓላፊት ቢሮ ከተማ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ወይዘሮ ኣልማዝ ገ/ፃድቕ ብግዲአን ከም ዝገለፅኦ፣ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብልዕሊ 700 ሚልዮን ብር ዝተጀመሩ ስራሕቲን ፅገና መንገዲ ዘለዉዎም ፀገማትን ንምዕዛብ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ኣገንዚበን።

ከም ሓበሬታ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ትግራይ፣ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ እቲ ክልል ይሳለጡ ኣብ ዘለዉ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ተዓዚቦም:: ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን ትኩእ ብግዲኦም ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ትኹረት ተገይሮም ይስርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ማለት ‘ውን ገራዓልታ- ገለበዳ፣ ገራዓልታ-ሃገረሰላም፣ ውቕሮ-ኣፅቢ፣ ቀርሰበር- ደብረ ዳሞ፣ ቀርሰበር-ሰበያን ካልኦትን ዘራኽብ መንገዲ ፅገና ክግበር ከምዝግባእ ኣረዲኦም። ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ኣለም ኣረጋዊ ብግዲኦም ኣብታ ከተማ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝተነፀረሎም ግዜ ተዛዚሞም ንግልጋሎት ክፍቲ ክኾኑ ኣገዳሲ ደገፍ ከም ዝገብሩ ሓቢሮም::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 10 ታሕሳስ  2017 ዓ.ም

Recommended For You