“ሕርሻና ድሕሪ ሕዚ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ምባሉ ቐርዩ ናብ ኮመርሻል እናተሰጋገረ ‘ዩ ˝ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ሚኒስትር ሕርሻ

ኢትዮጵያ ዓብዪ ዓወት እናመዝገበት ካብ እትርከበሎም ዘፈራት እቲ ሓደ ሕርሻ ‘ዩ። ኣብቲ ዓውዲ ኣገደስቲ ናይ ፖሊሲ ሪፎርሙታት ብምትግባርን ስርሓቲ ለውጢ ብምግባርን ርኡይ ለውጢ ምምዝጋብ ተኻኢሉ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብዝተኻየደ ናይ ስርናይ መካናይዜሽን ስራሕቲ ሓዊሱ፣ ልምዓታዊ ሓምለዋይ ኣሰር ልምዓት ትሩፋትን ብቐንዱ ነቲ ዓውዲ ንቕድሚት ዘሰጉሙ ዓበይቲ ስራሕቲ ‘ዮም::

ትፕኢ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብፍላይ ድማ መንግስቲ ንዕውትነት እቲ ዓውዲ ዝወሰዶም ስጉምትታትን ዝተረኸበ ውፅኢትን ከምኡ ‘ውን ንመፃኢ ዝተሓሰበ ስራሕቲ ኣመልኪቱ ምስ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንተ(ዶ/ር) ዝገበሮ ቓለ ምሕትት ጋዜጣ ወጋሕታ ከምዚስዕብ ኣቅሪ ብዎ ኣሎ።

ትፕኢ፡- ድሕሪ እቲ ለውጢ ዘሎ ኣፍራይነት ሕርሻ ብኸመይ ይግለፅ?

ግርማ(ዶ/ር)፦ ኣብቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ንዘፈር ሕርሻ ቆላሕታ ዘይወሃበሉ እዋን ብዙሕ ኣይነበረን። ሕርሻ ዝመርሖ ቁጠባ፣ ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዱስትርያላይዜሽን ኣንፈት ትኹረት ምዃኑ እናተገለፀ ነይሩ ‘ዩ:: እቲ ቀንዲ ፖሊሲ እንታይ ‘ዩ? እንታይ ተበግሶታት ነይርዎ? ብሓቂ እንታይ ‘ዩ ተሰሪሑ? ዝብል ‘ዩ።

ብመንፅር እዚ ኣብዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ዝተረኸበ ለውጢ እንታይ ‘ዩ? ኣብዝብል ክረአ እንተሎ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ናይ ሕርሻና ኣሰራርሓ ዝስራሕ ዝነበረ ኣብዝተበታተኸ ናይ ግራውቲ ምዝራእ ‘ዩ ነይሩ:: ምኽንያቱ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ሕርሻና ኣብ ዝተበጣጠሰ ግራውቲ ‘ዩ ዝስራሕ ነይሩ። ከም ውፅኢቱ ድማ ናብ ዝድለ ውፅኢት ምብፃሕ ኣይተኻኣለን። ሕርሻ ዝዝምን ኣብ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ ሕርሻ ብሰብ ሃፍቲ ምስ ዝሰርሑ ‘ዩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ኣለዉ።

እዚ ስርዓት እዚ ብኸመይ ክመሓየሽ ይኽእል? ኣብ ዝብል እንትፅናዕ ኣብ ዝተበጣጠሰ ግራውቲ ዘፍሪ ሓረስታይ ህይወት ምርኣይ ግቡእ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህይወት ሓረስቶት ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ከምዝነበረ እቲ ጭቡጥ ክውንነት ዘርእየና ‘ዩ። ሓረስቶት ዘፍረይዎ ፍርያት በሊዖም ንምሕዳር እምበር ንኢንዱስትሪ እታዎት ወይ ንዕዳጋ ሰደድ ዕላማ ገይሮም ክሰርሑ ኣይስትውዐልን ነይሩ።

የምናልባሽ ልዕሊ ስድርኡ ዝኸውን መግቢ እንተሃልይዎ ናብቲ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ዕዳጋ ወሲዱ ክሸጦ ይኽእል እምበር ካብዚ ሓሊፉ ካሊእ ኣይነበረን:: እቲ ልሙድ እዙይ ‘ዩ ነይሩ። ካብዚ ልሙድ ኣሰራርሓ ወፂእኻ ኣብ ዕዳጋ፣ ኢንዱስትሪን ተካእቲ ምህርቲን ምትኳር ኣፍራይነት ከም ዝውስኽ ይሕሰብ። ሕርሻ ሃገርና ክቕየር ዝኽእል እቲ ኣብ ዝተበታተነ መሬት ዘፍሪ ሓረስታይ ኣገባብ ምፍራይ ክቕይር ምስ ዝኽእል ጥራይ ‘ዩ።

ስለዚ እቲ ኣሰራርሓ ክቕየር ኣለዎ። ክቕየር ኣለዎ ክንብል እንከለና እቲ ክቕየር ዘለዎ ነገር እቲ ብብዕራይ ዝካየድ ዘሎ ሕርሻ ዘመናዊ ክኸውን ኣለዎ:: ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ተመኩሮ ከም ዘመልክቶ ሕርሻ ክዝምን ዝኽእል ብመካናይዜሽን ምስ ዝኸውን ‘ዩ:: ስለዚ ብፖሊሲ ተደጊፉን ትኹረት ተዋሂብዎን ክፍታሕ ዘለዎ ነገር እቲ ሓደ ሕርሻ መካናይዜሽን ምግባር ‘ዩ።

ነዚ ክውን ንምግባር ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተወሰዱ ስጉምትታት ፖሊሲ ‘ዩ። ዝኾነ ይኹን መሳርሒ መካናይዜሽንን መስኖን ካብ ቀረፅ ነፃ ኮይኑ ካብ ወፃኢ ዝኣተወ ‘ዩ። ብናተይ ኣረኣእያ እቲ ውሳነ ሕርሻ ዘመናዊ ንምግባርን ንምስጓምን ካብ ዝተወሰዱ ዓበይቲ ስጉምትታት ሓደ ተባሂሉ ይውሰድ። ምኽንያቱ መንግስቲ ልዕሊ 500 መካናይዝድ ኣቑሑት ካብ ቀረፅ ነፃ ክነእትዎም ስለዝፈቐደልና ‘ዩ።

ትፕኢ፡- እዚ ናይ መንግስቲ ውሳነ ንዘፈር ሕርሻ ዘምፀኦ ነገር እንታይ ‘ዩ?

ግርማ (ዶ/ር)፡- እዚ እንታይ ኣምፂኡ እንተተባሂሉ፣ ሓደ ዘማላኽት ነገር ጥራሕ ምልዓል ይከኣል ‘ዩ:: ንኣብነት ንእኽሊ ፍርያት ሕርሻ ናብ 20 ሚልዮን ሄክታር ‘ዩ:: እዚ ናይ ሕርሻን መስኖን ከምኡ ‘ውን ናይ በልጊ እንትንድምር ኣስታት 30 ሚልዮን ሄክታር መሬት ክኸውን ከምዝኽእል ‘ዩ። ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተርና ቅድሚ ሕዚ ንፓርላማ ይገልፁ ከምዝነበሩ ዝዝከር ‘ዩ::

ቀውዒ ጥራይ በበይኑ እንተወሲድናዮ ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ 20 ነጥቢ 4 ሚልዮን ሄክታር መሬት ክንበፅሕ ክኢልና ኢና። ካብዚ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሄክታር መሬት ብመካናይዜሽን ዝለምዕ ‘ዩ። እዚ ማለት ብመካናይዜሽን ዝለምዕ መሬት ኣስታት 25 ሚኢታዊ በፂሑ ማለት ‘ዩ። እዚ ዓብዪ ምዕባለ ማሽነሪታት ካብ ቀረፅ ነፃ ናብ ሃገር ብምምፃእን ሓረስቶትን መናእሰይን፣ ሕብረት ስራሕ ማሽነሪታት ክረኽባ ብምኽኣለን ዓቕሚ ዘይብሎም ‘ውን ማሽነሪ ክካረዩ ዘኽእሎም ስርዓት ብምምዕባል ‘ዩ።

በዚ ድማ ንዘመናዊነት ሕርሻ መሰረት ንምንፃፍ ተኻኢሉ ‘ዩ። እዚ ዝከኣል ድማ ሓረስቶት ንኣሽቱ ግራውቲ ይጥቀሙ ብምህላዎም እዩ። እዚ ብዝበለፀ ክሳኻዕ ዝኸኣለ እቶም ሓረስቶት ዘፍረይዎ ዝነኣሰ ሕርሻ ብምጥቓም ‘ዩ:: እቶም ሓረስቶም ዘፍረይዎ ኣብ ሓደ ኣግሮኢኮሎጂ ውሽጢ ‘ዩ:: ዝጥቐሙ ሓመድ ሓደ ዓይነት ‘ዩ:: ነባሪ ኣየር ‘ውን ተማሳሳሊ ‘ዩ:: ይኹን እምበር እቶም ሓረስቶት ዝፈልዮም ናይ ግራውቶም ዳገት ጥራሕ ‘ዩ::

እዚ ኣብ ክላስተር ዘሎ ኩነታት ሕርሻ ንምትግባር ዝሓሸ ዕድል ፈጢሩ ‘ዩ። ንኣብነት ኩነታት ነባሪ ኣየር ንፍርያት ዕፉን ምቹው ኩነታት ኣየር ኮነ ኣብቲ መሬት ዘሎ ሓረስታይ፤ እቲ ሓደ ጣፍ፣ እቲ ካሊእ ድማ ስርናይ ካብዝዘርእ ኩሎም ብሓደ ኮይኖም ሓደ ዓይነት ዘርእን ሓደ ዓይነት እታዎትን ብምጥቓም ኣብተመሳሳሊ ግዜ ዕፉን እንተዘሪኦም ፍርያቶም ልዑል ይኸውን።

ከም ስርናይን ዕፉን ብኩታ ገጠም ክንብል ከለና ሓረስታይ ነቲ ዕድል ተጠቒሙ ምሉእ ብምሉእ ክጥቀመሉ ይግባእ። ሓረስቶት ከም መሪሕ፣ ማእኸለዎትን ንኣሽቱን ክንምድቦም ከለና። ኣብ ኩታገጠም ነዞም ኣብ ዝተፈላለየ ምድብ ዝተመደቡ ሓረስቶት ናብ ሓደ ዓቕሚ ምፍራይ ንምስሓብ ብምሓሳብ ‘ዩ። እዚ ድማ ናይ ባዕሉ ብልጫታት ስለዘለዎ ነቲ መሬት ንምእካብ ሓጊዙና ‘ዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ስፍሓት እቲ ንእሽተይ ኩታገጠም ዝበሃል መሬት ዓሰርተ ሄክታር ‘ዩ። ማእከላይ ስፍሓት ግራት ሓደ ሓረስታይ ሓደ ሄክታር ወይ ትሕቲኡ ምዃኑ ይግመት። ሓረስቶት ብምትእኽኻብ ብውሑዱ ዓሰርተ ሄክታር ኣብ ሓደ ምምፃእ ይክኣል ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣሎ።

እቲ ዓቢዪ ኩታገጠም ንብሎ ግን ኣብዝሓለፈ እዋን ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተርና ምስ ቢልጌት ኣብ መቒ ከባቢ ተዛዋዊሮም ዝጎብነይዎ ናይ ስርናይ ኩታገጠም ‘ዩ:: ብመሰረት እቶም ሓረስቶት ዕስራ ሽሕ ሄክታር መሬት ‘ዩ። ኣብ ሓደ ሰፈራ ኩታገጠም ኣስታት ክልተ ሽሕ ሓረስቶት ይነጥፉ። እዛ መሬት ካብ ካልእ ቦታ ዝመፀ ኣይኮነን፤ ቀደም ኣትሒዙ ኣብኡ ዝነበረ ‘ዩ:: እቲ ዝተቐየረ ነገር ኣተሓሳስባ ‘ዩ።

ትፕኢ፡- ሴክተር ሕርሻ ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ዘመናዊ ንምግባር ዝካየድ ዘሎ ፃዕሪ ብኸመይ ይግለፅ?

ግርማ (ዶ/ር)፦ ቴክኖሎጂ ክንብል ከለና ሓደ ካብኣቶም መካናይዜሽን ‘ዩ። መካናይዜሽን ብዝተጠቐምና መጠን ድሕሪ ምፍራይ ዝመፅእ ብኽነት ከነቕሪ ንኽእል ኢና።

ኣብ ምእካብ ካብ ዒስራ ክሳብ ሳላሳ ምህርቲ ናይ ምብኻን የጋጥም ‘ዩ:: እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓፈሻ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ‘ውን እዩ ዘጋጥም። ኣብ ቀውዒ ቴክኖሎጂታት ብምጥቓም ነቲ ፍርያት ብቕልጡፍ ብማሽን ዓፂድና ብማሽን ከንዘብጦ እንተለና ክባኽን ዝነበረ ፍርያት ይቐሪ:: ነዚ ኣሰራርሓ ኣጠናኺርና ንቕፅለሉ ድማ ይኸውን።

ካልእ ዝተመሓየሸን ፅቡቕ ፍርያት ዝህቡ ዘርኢ ንሓረስቶት ምቕራብ ‘ዩ። ዝበለፀ ዘርኢ ምጥቃም ጥራይ ኣብ ኣፍራይነት ካብ 30 ክሳብ 50 ሚኢታዊት ኣወንታዊ ፅልዋ ከምዘለዎ ክኢላታት ይገልፁ። ስለዝኾነ ብመንፅር ዝተመሓየሹ ዓይነታት ንሓረስቶት ኣብ ምቕራብ ዓብዪ ስራሕ ንሰርሕ ኣለና። ሓረስታይ ካብ ዘመናዊ ድኹዒ ብምቕፃል ዝሓተና ዘሎ ብሉፅ ዘርኢ ‘ዩ::

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብማእከላይ ገምጋም ከነቕርቦ ዝፀናሕና ዝበለፀ ዘርኢ ኣብ ዓመት ከባቢ ሓደ ሚልዮን ኩንታል ‘ዩ። እዚ ማለት ኩሎም ዝተመሓየሹ ዓይነታት ተደሚሮም ማለት ‘ዩ። ናይ ሰለስተ ዓመት ዝተመሓየሸ ናይ ዘርኢ ቀረብ ፍኖተ ካርታ ኣዳሊና ኣለና። ኣብ ርእሲኡ ድማ ካብ ሎሚ ዓመት ጀሚርና ክልተ ሚልዮን ኩንታል ዝተመሓየሸ ዓይነታት ንሓረስቶት ንምሃብ መደብ ሒዝና ኣለና። እንተነኣሰ ኣብዚ በጀት ዓመት 2017 ክልተ ሚልዮን ኩንታል ክንበፅሕ ኢና ኢልና ንሓስብ።

ኣብ ናይ ወሰንቲ ናይ መግቢ እኽሊ ኢና ኣተኵርና ንሰርሕ ዘለና:: ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት ሓደ ኣብርእሲ ሓሙሽተ ማለት ዕፉን፣ ስርናይ፣ ስገም፣ ስርናይን ጣፍን ጥራሕ ልዕሊ 85 ሚኢታዊ ካብ ምህርቲ እኽሊ መግቢ ኢትዮጵያ ይሕዙ። ካብዞም ዝተመሓየሹ ሓሙሽተ ዓይነታት ዝራእቲ እንተኣቕሪብና ፍርያትና ብኡ ልክዕ ክውስኽ ‘ዩ።

ብድሕሪ እዚ ዝተረፈና መሬት ምስፍሕፋሕ ዘይኮነስ መፍረያይነት ንምዕባይ ‘ዩ። ንኣብነት ዓለም ለኸ ማእኸላይ ምህርቲ ስርናይ ኣብ ሓደ ሄክታር ኣስታት 36 ኩንታል ‘ዩ። ኢትዮጵያ ብማእከላይ ገምጋም ናብ ተመሳሳሊ ትቐርብ ኣላ። እዚ ማለት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ሄክታር 80 ኩንታል ዘፍርዩ ሓረስቶት ከምዘለዉ ኮይኑ ኣብ ሄክታር 60 ኩንታል ዘፍርዩ ‘ውን ኣለው። እንወስዶ ግና ሃገራዊ ማእከላይ ውፅኢት ‘ዩ።

እቲ ካሊእ ዓብዪ ኢንቨስትመንት ‘ዩ ኢለ ዝሓስቦ ሚኒስቴር ሕርሻ ሓሙሽተ ኣውሮፕላናት ምግዝኡ ‘ዩ፡ እዘን ኣውሮፕላናት ብመንፅር ንዕስለ ኣንበጣ፣ ዒፍ ዋጃን(ዕስለ ኣዕዋፍ) ካልኦት ተመሳሰልትን ኣብ ምክልኻል ወሰንቲ እየን:: ብፍላይ ዶብ ዘለል ዝኾኑ ባልዓት ንምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ ፈጢረን ‘የን::

ኣብ ሓደ እዋን ብጣዕሚ ልዑል ዕስለ ኣንበጣ ኣብዘጋጠመ ግዜ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ እንተይቐረየ ኣውሮፕላናት ብኽራይ ነምፅእ ከምዝነበርና ዝዝከር ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ትኣክል ዓባይ ሃገር መብዛሕትኡ ኢኮኖሚና ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ ኮይኑ እናሃለወ ብዙሕ ወፃኢ ብምውፃእ ክሳብ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ከንከይድ የብልናን ብዝብል ኣውሮፕላናት ከንገዝእ ክኢልና ኢና::

እተን ዝተገዝኣ ዘመናዊ ዝኾና ሓሙሽተ ኣውሮፕላናት ‘የን። እተን ኣውሮፕላናት ካብዚ ሓሊፉ ንናይ ንግዲ ኣገልግሎት ‘ውን ክውዕላ ክኢለን ‘የን:: ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ እዋን ትካል ምሩፅ ዘርኢ ነፀጋ ኬሚካል የካይደለን ነይሩ ‘ዩ:: ካልኦት ንተዛመድቲ ስራሕቲ ‘ውን እናገልገሉ ‘ዮም::

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ከምቲ ኩነታት ነባሪ ኣየር ዘመላኽቶ፣ ብዙሕ ባልዕ ዝፍጠረሉ ስዝኾነ ኢትዮጵያ ነዚ ዝኸውን ኣዳልያ ‘ያ። ብሓፂሩ ናይ በዓላ ዓቕሚ ፈጢራ ‘ያ። እዚ ሓደ ምጥቓም ቴክኖሎጂ ‘ዩ። ስለዚ ብዓይኒ መካናይዜሽን፣ እታዎታት፣ ቀረብ ብሉፅ ዘርኢ፣ ሓፈሻዊ ምክልኻል ባልዓት ዝራእቲ፣ ሕርሻ ዘመናዊ ንምግባር ዝሕግዙ ቀረብ ቴክኖሎጂ ይስራሕ ኣሎ። እዚ ግን እኹል ኣይኮነን፤ እናዓበየ ክኸይድ ኣለዎ። ኣጀማምርኡ ግና ፅቡቕ ‘ዩ።

ትፕኢ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ሕፅረት ብሉፃት ዘርኢ ከምዝነበረ ይንገር ‘ዩ። ነዚ ፀገም እዚ ንምፍታሕ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣሎ ዶ?

ግርማ (ዶ/ር)፦ ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስተፈረመ ኣብ መኽዘን ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ዝነበረ ዘመናዊ ድኹዒ ንመጀመርያ ግዜ ምፅዓን ዝጀመርናዮ ንሕና ኢና:: ንትግራይ ኣብ 2015 ኣስታት 700 ሽሕ ኩንታል ድኹዒ ኣቕሪብና ኢና።

ከምዚ ክብል እንተለኹ ንኻልኦት ክልላት ዝኸውን ድኹዒ ቐዲሙ ተዓዲጉ ኣሎ። ናብ ክልል ትግራይ ተገዚኡ ክሳብ ዝቐርብ ጊዜ ከይሓልፍ ከምኡ ‘ውን እቲ ሓረስታይ ናብ ስራሕ ክኣቱ ናብ ክልል ትግራይ ዝለኣኽናዮ ቐልጢፍና ኢና:: ዓሚ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ኣስታት 800 ሽሕ ኩንታል ድኹዒ በፂሕዎ ‘ዩ:: ዓሚ ሕፅረት መዳበርያ ኣይነበረን::

ሙሩፅ ዘርኢ ብዝምልከት ግና ኣብ ኩሉ ሕፅረት ኣሎ ‘ዩ:: ነዚ መፍትሒ ኢልና ኣብ ክልል ትግራይ ከም መፍትሒ ዝገበርናዮ ነገር ኣብ ግራት እቲ ሓረስታይ ሙሩፅ ዘርኢ ምብዛሕ ‘ዩ። መንግስታዊ ትካል ይኹን ውልቀ ሴክተር ዘይክህሉ ይኽእል፤ እቲ ዘርኢ ግን ብሓረስታይ ክባዛሕ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ብሰፊሑ እናሰርሑ ፀኒሖም ‘ዮም።

እዚ ፀገም ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብዝያዳ ክቃለል ‘ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።  ክልል ትግራይ ሓዊሱ ናይ ዓሚ በልጊ ናይ ትልምና ሚኢቲ ብሚኢቲ ክንሰርሕ ክኢልና ኢና። ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ቀውዒ ከንርኢ እንተለና ብጣዕሚ ዝሓሸ ‘ዩ:: ናብ ከባቢ ምዕራብ ኦሮሚያ ዘሎ ናይ እታዎታት ተበፃሓይነት ካብ ዝኾነ ከባቢታት ኦሮሚያ ዝመጣጠን እታዎታት ክቀርብ ገይርና ኢና::

ስለዚ ብናተይ ኣረኣእያ እዞም ከባቢታት ብእዎታት ተበፃሒ ንምግባር ብዙሕ ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ። ሓረስታይ ድማ እታዎት ምስ ዝረክብ ከም ካልእ ከባቢ ስርሑ ዝሰርሐሉ ኩነታት ኣሎ። ሕዚ ድማ ነቲ ፍርያት ናይ ምእካብ ስራሕ ዝያዳ ደገፍ ይወሃቦ ኣሎ፤ እቲ ፍርያት ናይ ምእካብ ስራሕ ብሓገዝ ሓይልታት ፀጥታ ከይቐረየ ‘ውን ይስራሕ ኣሎ ‘ዩ።

ኣብ ጎንፂ ዘለዎም ከባቢታት ዘይተሰርሑ ስራሕቲ ሕርሻ ውሑድ ‘ዩ። ከምቲ መደበኛ ግዜ ተበፃሒ ምግባር ሚኢቲ ብሚኢቲ መዕዋት እኳ እንተዘይተኻእለ ተሰሪሑ ‘ዩ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ካሊእ ኣብዚ ወቕቲ ኣብ ከባቢ ራያ ኣብ ልዕሊ ዕስለ ዓዕዋፍ መድሓኒት ንነፅግ ኣለና ኢና።

ንእግረ መንገደይ ንምግላፅ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘመናዊ ድኹዒ ይዝረፍ ነይሩ ‘ዩ። ብሚልዮናት ዝቑፀር ድኹዒ ኣብ መንገዲ ተሰሪቑ ‘ዩ። ይኹን እምበር እቲ ተግባራት ድኹዒ ንምቕራብ ኣይዓገተናን። ምኽንያቱ እቲ እታዎታት ናብ ሓረስቶት ክበፅሕ ስለዘለዎ ክበፅሕ ጌርና ኢና። ብሓይልታት ፀጥታ ተዓጂቡ ክበፅሕ ስለዘለዎ ክበፅሕ ተገይሩ ‘ዩ:: ብምኽንያት እዚ ሎሚ ዓመት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ልዑል ምህርቲ ኢና ንፅበ።

ትፕኢ፡– ንዝነበረና ፃኒሒት የቕንየልና::

ግርማ (ዶ/ር)፦ ኣነ ‘ውን የቕንየለይ::

ወጋሕታ 10 ታሕሳስ  2017 ዓ.ም

Recommended For You