ንቀፃሊ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ርክብ መሰረት ዘንፅፍ ስምምዕነት ኢትዮጵያን ሶማሊያን

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቱረኪ ከተማ ኣንካራ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓመድ ስምምዕነት ገይሮም ‘ዮም። ብብርኪ ሚኒስትራት ወፃኢ ጉዳያት ኣብ ኣንካራ ክካየድ ዝፀንሐ ዘተ ኢትዮ-ሶማሊያ ኣብ መወዳእታ ብብርኪ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብዝተገበረ ምኽክርን ስምምዕን ብዕውት ዝተዛዘመ ኮይኑ፤ ነዚ ተኸቲሉ ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ናይ ሓባር መግለፂ ኣብ ዘውፅእዎ ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ሶማሊያ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ኣማራፂ ወደብ ኣብ እትረኽበሉ ጉዳይ ዘተታት ንምጅማር ምስምዕመዖም ተገሊፁ ‘ዩ።

ቁፅሪ መንእሰይ ዝዓብለሎ፣ እናዓበየ ዘሎ በዝሒ ህዝቢን እናወሰኸ ዘሎ ኢኮኖምያዊ ድልየትን ኢትዮጵያ ድሕንነቱ ዝተረጋገፀን ዘተኣማምንን ሰላማዊ ብዝኾነን ኩለን ጎራብቲ ተረባሕቲ ብዝገብር መንገዲ በሪ ባሕሪ ምርካብ፤ እዋናውን ኣድላይን ከምዝገበሮ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ እናወሰኸ ንዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምንቕስቃስን ድልየትን መደላድል ምፍጣር ብብርኪ እቲ ዞባ ክፍጠር ንዝኽእል ኣሉታዊ ተፅዕኖ ከም መከላኸሊ ዝውሰድን ነዚ ድማ ኣብክንዲ ምጥርጣር ብመንፈስ ምትሕብባር ከፍፀም ከምዝግባእ ተሓቢሩ ‘ዩ።

ብሓፈሻ ንክልቲአን ሃገራት ዝረብሑ ኩነታት ትኹረት ዝገበረ ስምምዕነት ኣንካራ፤ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ነኒባዕለን ብምትሕብባርን ብምክብባርን ሓደ ናይ ካሊእ ሉኣላዊነትን ረብሓን ብምኽባር ንምንቕስቃስ ምርድዳኦም ዘመላኽት ከምዝኾነን፤ ኣብ ዝገበርዎ ስምምዕነት ‘ውን ኢትዮጵያ ኣብ በሪ ባሕሪ ዘለዎ ድልየት ንክማላእ ሶማሊያ ተበግሶ ከምዘለዋ ካብ ምሕባር ብተወሳኺ፤ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ንዝኸፈሎ መስዋእቲ ኣፍልጦ ከምትህብ ተገሊፁ ‘ዩ።

ኣብዚ መራሕቲ ዓበይቲ ትካላት ኣህጉር ኣብዚ ዘለዎም ኣረኣእያ ፅቡቕ ከምዘኾነን እቲ ስምምዕነት ‘ውን ብቕልጡፍ ተግባራዊ ንክኸውን ዝሓትሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። በዚ መሰረት ‘ውን ኣቦወንበር ኮምሽን ኣፍሪካ ሕብረት ሙሳ ፋኪማሃማት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ከምዝበልዎ፤ ብክልቲኦም መራሕቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብምድናቕ፤ ነቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክገብርዎ ሓቲቶም ‘ዮም።

ከምኡ ‘ውን ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ብወገኖም ከምዝበልዎ፤ እቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ክልቲኦም ሃገራት ጉዳዮም ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘለዎም ቁርፀኝነት ዘርአየ ከምዝኾነን፤ ኣብ ሞነጎ ክልቲኣን ኣሕዋት ሃገራት ዝፀንሐ ፅቡቕ ርክብ ዝበለፀ ንምጥንኻር ዝሕግዝ ‘ዩ ክብሉ ኣድናቆቶም ምግላፆም ተፀብፂቡ ‘ዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ናይዚ ስምምዕነት ኩነታትን ረብሕኡን እንታይ ‘ዩ? ክብል ኣዲስ ዘመን ንፖለቲካ ምሁራት ንዘቅረቦ ሕቶ ኣብ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ተመራማሪ ጉዳያት ኣፍሪካ በፍቃዱ ቦጋለ (ፕ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፤ ብቀዳምነት እቲ ስምምነት ኣብቲ ዞባ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ተረእዮ ምዃኑ ይዛረቡ::

በፍቃዱ (ፕ/ሮ) ከምዝተዛረብዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት በሪ ባሕሪ ብዝምልከት ዘቕመጠቶም ኣንፈታት ንምስኻዕ ዝጀመረቶም ፃዕሪ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ ውፅኢት ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ነቲ ሓሳብ እንትትገልፅ በሓይሊ ሃገራት ንምውራር ከይኮነስ፤ ምስ ሃገራት ጎረቤት ብሰላማዊ መንገዲ ብምዝርራብ ድልየታ ከምዝተማልእ ኣብ ግንዛበ ውሽጢ ከምዝኣትው ሓቢራ ነይራ ‘ያ:: ከምዝሓበረቶ ብርግፀኝነት እቲ ስምምነት ከም እትትግብሮ ዘርእይ ‘ዩ::

እቲ ስምምዕነት ከምሃገር ዝተቀመጠ ድልየት ምርካብ በሪ ባሕሪ ዲፕሎማሲዊያ ዓለምለኸ ሓገዛት እናርኸበ ከምዝኾነ ዘርኢ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፤ ኢትዮጵያ ናይ ብሓቒ ብሰላማዊ ዲፕሎማሲያዊን መንገዲ ረብሕኣ ንምኽባር ምስ ኩሉ ንምዝርራብ ፍቃደኛ ምዃና ብጭቡጥ ዘርአየት ምዃና ‘ውን ኣረዲኦም ‘ዮም።

ኢትዮጵያ ቀዲማ ከምዝገለፀቶ፤ ከምዝሓለፉ ልዕሊ ዒስራን ሓሙሽተን ዓመታት ብዘይበሪ ባሕሪ ተዓፊና ክትፀንሕ ኣትኽእልን:: ነዚ ድማ ጎረቤት ሃገራት ክረድኣ ኣለወን ብዝብል ሓሳብ እንትተቅርብ ቅሬታት ነይሮም ‘ዮም። ሐዚ ግና እቲ ስምምዕነት ከምዝርእዮ ሓሳባ ትኽክል ብምዃኑ ተቀባልነት እናረኸበ ምዃኑ ዘመላኽት ‘ዩ ይብሉ::

ከምገለፃ በፍቃዱ (ፕ/ሮ)፤ ኣብቲ ስምምዕነት ሰነድ ዝተቀመጡ ቃላታት ኢትዮጵያ ዘላቂ፣ ዝተረጋገፀ፣ ዘተኣማምን፣ ካብ ባሕርን ናብ ባሕርን ዝወስድ መንገዲ ከምዘድልያን ከምዝግብኣን እዚ ሶማሊያ ኾነት እታ ኣሸማጋሊት ቱርኪ ‘ውን ከምዝርድኡ ይሕብሩ::

ኣብ ልዕሊ እቲ ስምምነዕት ብምዃን ምስ ሶማሊያ ኾነ ምስ ካልኦት ጎረቤት ሃገራት ስራሕቲ ንምስራሕ ምችው ኹነታት ከምዝፈጥር ዝሓበሩ በፍቃዱ (ፕ/ሮ)፤ ከብዚ ብዝሓለፈ ድልየትን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያን ንምምላእ ብዝግበር ፃዕሪ እተን ጎረቤታት ብምትሕብባር ሓላፊነት፤ ከምቱርኪዝበላ ሃገራት ድማ ናይ ምስላጥ ሓላፍነትን ዝህብ ስለዝኾነ ብብዙሕ መልክዑ ንኢትዮጵያ ረብሓ ከምዝህብ የብርሁ::

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብዝምልከት እቲ ስምምነት ዝህልዎ ኣውንታዊ ግደ ዘረድኡ በፍቃዱ (ፕ/ሮ)፤ ቅድም ከብል ብሶማሊያ ወገን ዝኸረሩን ተግባር ፀረ ኢትዮጵያ ነይሩ ‘ዩ:: ንኣብነት ኢትዮጵያ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ንሰላም ሶማሊያ እናኸፈለቶ ዝነበረት ዋጋን መስዋእትነትን ብምዝንጋዕ ዝተፈላለዩ ሓሳባት እናተልዓሉ ፀኒሖም ‘ዮም።

ብፍላይ ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላም ንከይትሳተፍ፤ ብምኽንያት ኢትዮጵያ ኣብ ፀረ ኣልሸባብ ዝግበር ውግእ ናብ ደሓር እናተጎተተ ‘ዩ ዝብሉን ምስ ሶማሌላንድ ዝተፈረመ ስምምዕነት እንተዘይተሪፉ ዝርርብ ኢልካ ነገር የለን ብምባል ናይ ምፅልላዕ መትከላት ተራእዮም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም::

ኣብዝሓ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሌላንድ ዘካየደቶ ስምምዕነት ኣይተልዓለን:: ብኻሊእ ወገን ኢትዮጵያ ንሶማሊያ ሰላምን ደሕንነትን ንዘበረከተቶ ግደ ኣፍልጦ ዝህብ ‘ዩ ነይሩ:: ቀፃሊ ድማ ኣብዚ ወርሒ መወዳእታ ኣብ ሶማሊያ ውሽጢ ዝዋፈር ሓዱሽ ሓይሊ ኣኽባሪ ሰላም ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝገብር መሰረት ኣይህልዎን ማለት ‘ዩ ኢሎም::

በፍቃዱ (ፕ/ሮ) ወሲኾም ከምዝልዎ፤ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሶማሊያ ሰላም ንምስፋን ብኢትዮጵያ ዝሕገዙ ስለዝነበሩ ብምምስጋኖም ኣብ ቀፃላይ ሓገዙ ኣይንደልን ዝበሃለሉ መሠረት ኣይህልውን:: ብኣንፃር ግብፂ ዝግበሩ ዝነበሩ ኣፍራሲ ምንቕስቓሳት ስምምዕነት ንምፍራም ኮነ ወታደር ንምልኣኽ ዝነበሩ ፃዕርታት ከምዝተሓሰቦ ንኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፅዕንቶ ናይ ምእታው ድልየት ፍረ ከምዘይኣፍረየ እቲ ስምምዕነት ዘርኢ ‘ዩ::

ከምቱርኪ ዝበላ ሃገራት ሰላማዊ ድልየት ኢትዮጵያ ብምርዳእ፤ ነቲ ዞባ ምትእስሳር ሰላም ቁልፊ ከምዝኾነ ዝተረድኡሉን ነዚ ንምሕጋዝ ብሓላፊነት ናይ ምንቕስቓስ ስጉምቲ ንምውሳድ ድልዋት ከምዝኾኑ ዘመላኽት ምዃኑ ብምዝራብ፤ ብሓፈሻ እቲ ስምምዕነት ንቀፃላይ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ስራሕቲ ዓብይ መሰረት ከምዘቕምጥ ኣረዲኦም:: ብምውሳኽ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሃገራት ዝተኻየደ ስምምዕነት ካብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብተወሳኺ ነቲ ዞባዊ ምትእስሳር ግደ ክህልዎ ‘ዩ ይብሉ::

ብተወሳኺ ኣፍራሲ ምንቅስቓሳት መሰረት ከምዘይብሎምን ብዘላቂነት ኣብ ኢትዮጵያ ተፅዕኖ ከምፅኡ ከምዘይኽእሉ ዘርኢ ምዃኑ ብምሕባር፤ ብፍላይ ናይ ግብፂ ምንቅስቓስ ዕውት ከምዘይከውን ዘርአየ ‘ዩ ክብሉ ነቲ ስምምዕነት ብዝምልከት ዘለዎም ሓሳብ ሂቦም::

ፀሓፊ ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያን በዓል ሞያ ፖለቲካን ኣቶ ደስታ ዲንቃ ብወገኖም ከምዝተዛረብዎ፤ እቲ ስምምዕነት ምስ ሶማሊያ ዝነበረ ውጥረት ዘህድእን ዓለም ለኻዊ ኣከያይዳ ዲፕሎማሲ ዝተኸተለን ብምዃኑ ብዝኾነ ይኹን ተቀባልነት ዘለዎ ‘ዩ::

ሶማሊያውያን ‘ውን ኢትዮጵያ ሕቶ በሪ ባሕሪ ምልዓላ ግቡእ ‘ዩ ኢሎም ብምቕባሎም፤ እቲ ውጥረታት ንምዝሓል ዝሕግዝ ብምዃኑ ቱርኵት ነዚ ስምምዕነት ብምድላዋ ምስጋና ይግብኣ ‘ዩ ብምባል፤ በቲ ስምምዕነት ምስ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዘተወፃፅአ ኮሚቴ ቴክኒክ ንክምስረት ኣብ ምርድዳእ ምብፅሑ፤ ኢትዮጵያ ተወሳኺ በሪ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ዕድላ ብሓደ ብርኪ ሓፍ ምባሉ ነታ ሃገር ልዑል ረብሓ ከምዘርክብ ይገልፁ::

በዓልሞያ ፖለቲካ ደጉ ኣስረስ (ዶ/ር) ብወገኖም መልሲ እንትህቡ፤ እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ናይ ሶማሊያ ሉኣላዊነት ብዘኽበረ መልክዕ ተረዳዲኦም ብወደባት ሶማሊያ ናይ ምጥቃም ዕድል ዝኸፍት ‘ዩ:: እዚ ድማ ሶማሊያ ‘ውን ንባዕላ ክትብል ዝተመቻችዎ ‘ያ ትኸውን:: ምክንያቱ ድማ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ክትጥቀም ከላ ስለእትኸፍል እቲ ስምምዕነት ንሶማሊያ ይኹን ንኢትዮጵያ ንክልቲአን ረብሓ ዘለዎ ‘ዩ ይብሉ::

‹‹ኢትዮጵያ ኣገዲዳ ክትጥቀም ኣይትኽእልን:: ይኹን እምበር ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምጥቃም ዕድል ኣለዋ::›› ዝብሉ ደጉ (ዶ/ር)፤ ምስ ሶማሊያ ጥራሕ፤ ምስ ኤርትራ ብወገን ምፅዋዕ፤ ምስ ሱዳናት ባዕሎም ኢትዮጵያን ፖርት ኢሎም እናተዳለው ነይሮም ‘ዮም:: እቶም ሃገራት ሉኣላዊ ግዝኣት ብምዃኖም ዘይምርድዳእ እንትህሉ ክቋረፅ ይኽእል ‘ዩ። ብሰላም እነተኾይኑ ግና ኢትዮጵያ ብዘይዝኾነ ፀገም ኣብ ዝተፈላለዩ መልክዕ በሪ ባሕሪ ምጥቃም ትኽእል ‘ያ ይብሉ::

ምስ ጎረቤት ሰላም እንትህልው፤ ሂብካ ናይ ምቕባል ዕድል ሰፊሕ ‘ዩ:: ክጋጫው ከለው ግና ምሃብም ምቕባል ይተርፍ። ሰለዚ እቲ ዘሎ ርከብ ሰላም እንተኾይኑ፤ እቲ ዞባ ‘ውን ሰላም ይኸውን። ናይ ውሽጢ ሃገር ሰላም ‘ውን ዝህልዎ ግደ ልዑል ‘ዩ:: እዚ ኹሉ እንትድህሰስ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጠረ ስምምዕነት ብኹሉ ወገን ፅቡቕ ዝብሃል ምዃኑ የመላኽቱ::

ከም ገለፃ ምሁራት፣ ኣብቲ ዞባ ምስ ዝህልዎ ኣወንታዊ ፅልዋ ብተወሳኺ፤ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምጥቓም ዕድላ ዘስፍሐላን እናኸደትሉ ዘሎ መንገዲ ዲፕሎማሲ ሰላማዊ ምዃኑ ዘረጋግፅ ‘ዩ::

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 10 ታሕሳስ  2017 ዓ.ም

Recommended For You