
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ክፋል ተኸታታሊ ቃለ መሕትት ገይሮም ነይሮም። ኣብዚ ቃለ መሕትት ካብ ዘልዐልዎም ዋና ዋና ስራሕቲ ዲፕሎማስያዊ፣ፖለቲካዊ፣ ሰላምን ፀጥታን ግዕዝይናን ከምኡ እውን ኢኮኖሚያዊ ጉዳያት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ፡፡
ዲፕሎማሲ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ትኽተሎ ዝነበረት ርክብ ወፃእን ዲፕሎማስን ብብርኪ ፖሊሲ ብምቕያርን ብኣንፃር ብሄራዊ ረብሓኣ ብምርኣይን ብጣዕሚ ዝሓሸን ዝማዕበለን ኣካይዳ ዲፕሎማሲ ተኸቲላ እያ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩነታት ዓለም ዝተረድአ፣ዝነቕሐን ዘይሻራውን፣ኣብተን ኣህጉራት ፈታዊ ዘብዝሕ፣ከም ሃገርን መንግስትን ፀገምን ሓጎስን ዝካፈሉ ቀንዲ መሓዙትን ፈተውትን ምፍራይ ዘኽኣለ ኣካይዳ እያ ትኽተል ዘላ። ነዚ ድማ ገቢረ ነቢብ ኣካይዳን ብርእዮተ ዓለም ዘይተቐየደን ዲፕሎማሲ ኢና ንኽተል ዘለና ይብሉ።
ኣጀንዳ ዲፕሎማሲ፣ ኢትዮጵያ ካብ ተቐባሊት ኣጀንዳ ምዃን ወፂኣ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ኣጀንዳ ወሃቢት ክትኸውን ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኢትዮጵያ ትደልዮ ጉዳይ ብኣግባቡ እተርድእ ሃገር እያ፤ እትለማመፀሉ ጉዳይ የለን፤ ዲፕሎማሲና ፈታዊ ዝፈለየን ስትራቴጂክ ምሕዝነት ዘጠናኽርን ኮይኑ ብዝርርብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብምፍርራም ኣብ ዕቤትናን ውድቀትናን ሓቢሮምና ዝኾኑ ፈተውቲ ምፍራይ ክኢልና ኢና ክብሉ ገሊፆም እዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሓት መድረኻት ንኣሸማጋላይነትን ኣብ ውራይ ዓለም ለኸ እትድለ ሃገር ከምዝኾነት ዝሓበሩ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤ ኣባል ብሪክስ ዝኾነት እውን ኣድላይነት ኢትዮጵያ ክነረድእ ስለዝኸኣልና ‘ዩ፤ ኣብ ኩሎም ኣህጉራት ልባዊ ፈተውቲ ብምፍጣርና ኣብ ልውውጥ ሓበሬታ፣ስልጠናን ዕጥቅን ዝድግፉና ኣለዉ ክብሉ እውን ኣብ መግለፂኦም ኣፍሊጦም ‘ዮም።
ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣዝዩ ዝሓሸን ዝማዕበለን ዲፕሎማሲ ኣዐዊትና ኢና፤ እቲ ዲፕሎማሲ ብሄራዊ ረብሓና እናረጋገፅና ንክንኸይድ ኣኽኢሉና ‘ዩ፤ ስለዝኾነ እውን ካብ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኣውሮፓ፣ ርሑቕ ምብራቕ፣ ሰሜን ኣሜሪካ ጠንካራን ዝእመኑን ፈተውቲ ኣፍሪና ኢና፤ እቶም ዘፍረናዮም ፈተውቲ ዘላቒ ንምግባር ተፀባይነትን ዕዳን ምንካይን ዓቕሚ ኤክስፖርትና ምዕባይን ወሳኒ ከምዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፅንኦት ሂቦም ኣረዲኦም ‘ዮም።
ፖለቲካ
ብኻሊእ ወገን መንግስቲ መናእሰይ ኣብ ፖለቲካዊ ኣመራርሓን ውሳነ ወሃብነትን ዘለዎም እጃም ንምዕባይ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም እዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠሩ ዘለዉ ለውጥታት ንምቕፃል ተተካኢ ኣመራርሓ ምፍራይ ተዘይተኻኢሉ እቶም ዝድለዩ ለውጥታት ኣብ ሽቶኦም ምብፃሕ ኣይከኣልን። መለክዒ ሓደ ኣመራርሓ ብቑዓትን እኹላትን ተተካእቲ ምድላውን ምፍጣርን እውን ከምዝሓውስ እዮም ዝሓበሩ።
ኣብዚ መዳይ ፓርቲ ብልፅግና መናእሰይ ኣብ መንግስታውን ፖለቲካውን ጉዳያት ተሳትፎ ንክገብሩ ኢሉ እውን ዓቕሞምን ልምዶምን ብምዕባይ ተተካእቲ ኣመራርሓ ንክኾኑ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ስለዝኾነ እውን ንመናእሰይ ኣመራርሓ ሰፋሕቲ ስልጠናታት እናተውሃበ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ተተካኢ ኣመራርሓ ምፍራይ ብዝተተለመ መልክዑ እናተሳለጠ ዘሎ ስራሕ ‘ዩ ኢሎም።
ኣብ ካቢኔ መንግስቲ ልዕሊ ፍርቂ መንእሰይ ምዃኑ መርኣያ እዚ ስራሕ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዝተውሃቦም ዓብይ ሓላፍነት ብኣግባቡ እናተዋፅኡ ከምዝርከቡን፤ ሕዚ ካብ ዘሎ ኣመራርሓ ብዝሓሸ ኩነታት ለውጢ ምምፃእ ዝኽእሉ ኣመራርሓታት እናተፈጠሩ ከምዝርከቡ እዮም ዘረድኡ።
መናእሰይ ኣመራርሓ ሕልምን ትግሃትን ንክህልዎም ላዕልን ታሕትን ክሓልፉ ከምዘለዎም ብምግላፅ፤ ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ንክህልዎም ስርቂ ምፅያፍን ንምግልጋል ድሉው ምዃንን ይግበኦም ክብሉ ገሊፆም እዮም።
መንግስቲ እዚ ለውጢ ዝተረከቦም ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ፀገማትን ዝተወሰዱ ስጉምትታን ብዝምልከት አንትገልፁ እውን እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ዝነበሮ ደገፍን ተቓውሞን ምድጋፍን ምቅዋምን መግለፂ ባህሊ ጥዕና ዘለዎ ፖለቲካ ‘ዩ። ፖለቲካ ብባሕሪ ከምሽጋር ‘ዩ፤ “እንኸዶ ኣንፈት ማዕበል ናይ ምርዳእ ጉዳይ ‘ዩ” ክብሉ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፀሪሖም እዮም።
እቲ ለውጢ ኣብ ዓለም ልዑል ደገፍን ናእዳን ካብ ዘተኣናገዱ ለውጥታት እቲ ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብቲ እዋን ውጥም ቅልቅል ንዝበሉ ተቓውሞታት ከምዘተኣናገደ፤ ስለዝኾነ እውን ዝደገፉ፣ኣብ ከይዲ ዝተቓወሙ ሓይልታት እውን ብምሕባር፤ እቲ ለውጢ ግና ድገፍን ተቓውሞን ብምክእኣል ሽቶ መርህ ብምግባር ኩሉ ዝመፀ ንፋስ ምሽጋር ከምዝኸኣለ እዮም ዝገልፁ።
መብፂሒና ብልፅግና፣ዝፀንዐትን ካብ ልመና ሓራ ዝወፀትን ኢትዮጵያ ምርኣይ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ናእዳ ይኹን መርገም እንትመፅእ ሚዛን ዘስሕት ኣይኮነን። እቲ ሚዛን ምሕላው ዝተኽኣለ እውን መርህና መልህቕና ስለዝኾነ ‘ዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም እዮም።
ኣብ ውሽጢ ናእዳ ስኻር ኣይተሰመዐናን መርገም እውን ኣይረበሸናን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ካብ ሕድ ሕድ ናእዳን መርገምን ግና ንምንታይ ኢልና ንመሃር ኢና። ምህዳር ፖለቲካ ንምስፋሕን ባህሊ ዲሞክራሲ ንምምዕባልን ብመንግስቲ ዝተወሰዱ ስጉምትታት መብዛሕቲኦም ውፅኢት ተረኺብሎም ‘ዩ።
እዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ናብ ስልጣን እንትመፅእ ዘጋጠምዎ መዋቕራዊ ፀገማትን ፈተናታትን ብሰፊሑ ከምዝነበሩ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብቲ እዋን መንግስቲ ዝተረከባ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዕዳ ዝወደቐት፣ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ስራሕ ጠጠው ዘበሉላ፣ኣሳሪ ሕግታትን ከፋፈልቲ ተረኻትን ዝነገሰላ ከምዝነበረት ኣዘኻኺሮም እዮም።
መራኸብቲ ሓፋሽን ዓውዲ ፖለቲካን ዝተበታተኑ ምዃኑ ነገራት ፈታኒ ከምዝገበሮምን ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ከበድቲ ፈተናታት መንግስቲ ጠንካራን ፈታንን ውሳነታት ንክውስን ከምዘገደድዎ፤ ስራሕ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝነበሮ ኩነታት ንምቕፃል ነቲ ስራሕ ህንፀት ዝወሰደ ልዑል ክፍሊት ሸርፊ ወፃኢ ንክፍፀም ብምግባር እቲ ስራሕ ንክቕፅል ከምዝተገበረን ገሊፆም እዮም።
ዓውዲ ፖለቲካ ንምስፋሕን ልምምድ ዲሞክራሲ ንምምዕባልን ዝተወሰዱ ስጉምትታት ቀለልቲ ኣይኮኑን ኔሮም፤ እሱራት ፖለቲካ ምፍታሕን ኣብ ወፃኢ ዝነበሩ ሓይልታት ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተዉሉን ካብቶም ውሳነታት ምዃኖም ከምኣብነት እዮም ፀሪሖም።
በዚ ውሳነ ድማ ብርክት ዝበሉ ትርፍታት ከምዝተረኸቡ ብምሕባር፤ እዚ ማለት ግና ጉድኣት ኣይነበረን ማለት ከምዘይኮነን መዋቕራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዝተገበሩ ስጉምትታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝሓሸ ቁመና ዘለዋ ኢትዮጵያ ንክትህልው ኣስተዋፀኦ ከምዝገበሩ እውን ኣረዲኦም እዮም።
ሰላምን ፀጥታን
ልኣላዊነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ብዝተማልአ ኩነታት ካብ ዝኾነ ሓይሊ ምሕላው ዘኽእሉ ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ከምተሃነፁ ብምግላፅ፤ ፈተናን ስግኣትን ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ዕቑር ዓቕሚ ብምጥቃም ውፅኢት ምምፃእ ዘኽእሉ ጉዳያት ከምዝኾኑ ሓቢሮም እዮም።
ኣብ ዓውዲ ፀጥታን ድሕንነትን ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ከምዝነበሩ ብምሕባር፤ መንግስቲ ብዝወሰዶም ስጉምትታት ዝነኣዱ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡን በቲ ሪፎርም ቅድሚ እቲ ለውጢ ምስ ዝነበረ ኩነታት ክወዳደር ዘይኽእል ዓቕሚ ፀጥታን ድሕንነትን ከምዝተሃነፀ እዮም ዘብርሁ።
ኣብ ዓውዲ ፀጥታ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት ፀገምን ስግኣትን ብብቕዓት ምሕላፍ ኣብ ዘኽእላ ጠንካራ ቁመና ከምትርከብን ብመዳይ ድሕንነት እውን መጥቃዕትታት ሳይበር ምምካትን ቀዲምካ ምምካንን ዘኽእል ዓቕሚ ከምዝተፈጠረን ልኣላዊነትና ብዝተማልአ ኩነታት ካብ ዝኾነ ሓይሊ ምሕላው ንኽእል ኢና ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም እዮም።
ኢኮኖሚ
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባብታት ቆላን ልምዓት ስርናይን ኣመልኪቶም መብርሂ እንትህቡ፣ ኣብ ከባብታት ቆላ ዘለና ሃፍቲ ናብ ልምዓት ምቕያርና ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ስርናይ ኣፍረይቲ ንክንኸውን ዓብይ ኣስተዋጽኦ ኣበርኪቱ ‘ዩ።
ድሕሪ እቲ ለውጢ ብኣተሓሳስባ መደመር ሃፍቲ ብኣግባቡ ንምጥቃምን ብልፅግና ንምርግጋፅን ንልምዓት ከባብታት ቆላ ትኹረት ከምዝተውሃበ ብምሕባር፤ ከባብታት ቆላ መግለፅታት ወሰንን ፀገምን ገይርካ ናይ ምርኣይ ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ብምቕያር ሓይሊ ሰብ፣ ሃፍቲ ማይን መሬትን ብኣተሓሳስባ መደመር ብኣግባቡ ብምጥቃም ኣብ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንክውዕል እናተሰርሐ ‘ዩ ኢሎም።
ልምዓት ቆላ ኣካል ምፍላጥን ምጥቃምን ሃገርን ሃፍትን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሃፍትን ዓቕምን ኣስሊሕኻ ምጥቃም ተዘይተኻኢሉ ብልፅግና ምርግጋፅ ከምዘይከኣልን ካብ መሬት ኢትዮጵያ እቲ ዝበዝሐ ብፅሒት ዘለዎ መሬት ከባብታት ቆላ፣ሰብን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብምድማር ኣብ ረብሓ ምውዓል ስለዝተኽኣለ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይቲ ኣፍራይት ስርናይ ንክትኸውን ከምዘኽኣላ ተዛሪቦም እዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኣፍራይት ስርናይ ካብ ምዃን ብተወሳኺ ካልኣይ ኣፍራይት ካብ ዝኾነት ግብፂ ብሰለስተ ዕፅፊ ዝበልፅ ፍርያት እናፍረየት እያ ትርከብ፤ እዚ ዓወት ምምዝጋብ ዝተኽኣለ ንነዊሕ ዓመታት ተረሲዖም ዝፀንሑ ከባብታት ቆላ ናብ ልምዓት ምቕያር ስለዝተኽኣለ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም እዮም።
ኣብ መጀመርያ ክልተን ሰለስተን ዓመታት እቲ ለውጢ ስርናይ ካብ ወፃኢ ንምእታው በቢዓመቱ ክሳብ 1 ቢልዮን ዶላር ወፃኢ ይግበር ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ወፃኢ ዝኣትው ስርናይ ሙሉእ ብሙሉእ ምትራፍ ክኢልና ኢና ክብሉ ገሊፆም እዮም። ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ከባብታት ቆላ ሓቛፋይ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ልምዓት ብምጥንኻር ንዝለዓለ ዓወት ክንተግህ ኢና ክብሉ እውን ኣገንዚቦም እዮም።
ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ ካብ ካልኦት ዝተምሃረን ብልክዕና ዝተሰርሐን ሪፎርም ‘ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ድሕሪ ምግላፅ፤ መበገሲ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዓርስኻ ካብ ምርኣይ ዝጀመረ ‘ዩ። እቲ ኢኮኖሚ ምኽፋት ኣድላዪ ምዃኑ ድሕሪ ምእማን ብተመሳሳሊ ኩነታት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ናብ ዝገበራ ሃገራት ልኡኻት ብምልኣኽ ልምዲ ንምውሳድ ሰፊሕ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ ይብሉ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብዛዕባ ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ እዋናዊ ፈተናታትን ቀፃሊ ኣንፈትን ጠሚቶም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ትግበራ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝርዝር ብምርዳእ፤ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘድለየሉ ብዓለም ለኸ ተካል ገንዘብ ወይ ባንኪ ዓለም ፅዕንቶ ዘይኮነስ ኣብ ኢተዮጵያ ዘለዉ ኩነታት እቲ ኢኮኖሚ ክፍቲ ንክግበር ብምግዳዶም ከምዝኾነ ሓቢሮም እዮም።
እቲ መመሓየሺ ተግባራዊ ንምግባር ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ትካል ገንዘብ ዓለም፣ ባንኪ ዓለምን ዝተፈላለያ ማሕበራትን ትካላትን ዓምዩቕ ዘተ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ኣብቶም ዘተታት ዝተረኸቡ ልምዲታትን ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ብምግንዛብ ብሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ 1ን 2ን ኣቢሉ እቲ ኢኮኖሚ ከምዝተኸፈተ ኣዘኻኺሮም እዮም።
ብመሰረት እዚ መሃያ ናይ ምኽፋልን ካልኦት ፀገማትን ንምፍታሕን ፈለማ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ መመሓየሺ 10 ቢሊየን ዶላር ብምትእኽካብ ዕዉት ትግበራ ከምዝተፈፀመ ብምግላፅ፤ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀጥታ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ወይ ካብ ካሊእ ቦታ መፂኡ ዝተፅዓነ ነይ ካልኦት ባህጊ ከምዘይኮነ እዮም ዘረድኡ።
ከም ኣብነት እቲ ትካል ናይ ኢትዮጵያ ሪፎርም ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ ብ7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ክትግበር ይኽእል ‘ዩ ዝብል መከራኸሪ ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ይኹን ‘ምበር ኣብ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ተኸፈልቲ ትሑት መሃያ ከምዝኾኑ ወሰኽ መሃያ እንተዘይተገይሩ እቲ ሪፎርም ሓደጋ ከምዘጋጥሞ ቅዋምና ብምግላፅ ኣፍሊጥና ኢና ይብሉ።
መንግስቲ ብሓፈሻ እናተለቀሐ ፀኒሑ ልቅሑ ምምላስ ዘይኽእለሉ ብርኪ ብምብፅሑ ርክብ መንግስቲን ባንኪን ብሕጊ ምምራሕ እንትጅምር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ክወድቕ ‘ዩ ዝብሉ ስግኣታት ምቕራቦም ‘ውን ብምግላፅ፣ ብመሰረት እዚ ብናይ ኢትዮጵያ ድልየትን ሕቶን ንማክሮ ኢኮኖሚ መመሓየሺ 10 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ንክኸውን ብምስምማዕ ናብ ተግባራ ተኣትዩ ‘ዩ ይብሉ።
10 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር እኹል ኣይኮነን፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ መንግስቲ ንዘበናዊ ዱኽዒ፣ ነዳዲ፣ ሴፍቲኔት፣ መድሓኒት 350 ቢሊየን ብር ድጎማ ገይሩ ‘ዩ። እቲ ድጎማ ንምቕፃል ካብ ኣይ ኤም ኤፍን ባንኪ ዓለምን ካብ ሕድሕዶም 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ከምኡ ‘ውን ካብ ኣለቃሕቲ ኢትዮጵያ ናይ ዕዳ ሽግሽግ ብምግባር እቲ ሪፎርም ተተግቢሩ ‘ዩ።
እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረን ብልክዕና ዝተሰፈየን ሪፎርም ስለዝኾነ ውፅኢት ተረኺብሉ ‘ዩ ድሕሪ ምባል፤ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝተተግብረ ዘይምዃኑ፤ ድልየት ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር፣ ናይ ካልኦት ሃገራት ልምዲ ብምውሳድን ብምምኻርን ብፍልጠት፣ ጥበብን ዓምዩቕ ዘተን ተግባራዊ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም እዮም።
ዘይተደመረ ዓቕሚ፣ ሃፍትን ፍልጠትን እቲ ንሓስቦ ብልፅግና ኣየረጋግፅን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ከባብታት ቆላ ኢትዮጵያ ዝተወሰደ ለውጢ፣ እቲ ሓደ ለውጢ ኣረኣእያ ዝመፀሉ ሰብ፣መሬትን ፍልጠትን ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ክንጥቀመሉ ኣለና፣ክንድመር ኣለና ዝብል ከምዝርከቦ ይሕብሩ።
ስለዝኾነ ‘ውን ኣብ ከባብታት ቆላ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃፍቲ ሰብ፣ መሬትን ማይን ንልምዓት እታዎት ንክኸውን ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነን እዚ ድማ ቀንዲ ኣተሓሳስባ መደመር ከምዝኾነን ብምርዳእ፤ ልምዓት ቆላ ኣካል ምፍላጥ እታ ሃገር፣ምፍላጥ ሃፍትናን ዓቕምናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ምጥቃም ዘለና ድሌት ‘ዩ ኢሎም።
ሃፍቲ ሃገርናን ዓቕምናን ብኣግባቡ ከይፈለጥና ሓሲብና ምድማር ከይኸኣልናን እቲ ንሓስቦ ብልፅግና ምርግጋፅ ኣይንኽእልን፤ ደቡብ ኦሞ መርኣያ እቲ ዘሎ ሃፍቲ ማይን መሬትን ኮይኑ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው 145 ኪሎ ሜትሮ ዓብዬ ካናል ከምዝተሰርሐ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም እዮም።
ማሽን ብምጥቃም ምልማዕ እንተተኻኢሉ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣልን ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅን ኣብ ንገብሮ ፃዕሪ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ልዑል ‘ዩ፤ ብተመሳሳሊ ‘ውን ክልላት ሶማሌ፣ ዓፋርን ከባቢ ቦረና ክልል ኦሮሚያን ተመሳሳሊ ሃፍቲ ዘለዎም ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ከባቢ ቆላ ሰፊሕ ሃፍቲ መሬት ዝርከበሉ ከባቢ ከምዝኾነ ወሲኾም ሓቢሮም እዮም።
ከባብታት ቆላ ብምኽንያት ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣ መሬቶም ሃፍቲ ማይን መሬትን ብማሽን ንምጥቃም ምችው ኩነታት ዘለዎ ‘ዩ፤ስለዝኾነ ‘ውን እዞም ከባብታት ከየልማዕና ልኣላዊነት ምግብን ብልፅግናን ብዝተማልአ መንገዲ ከምዘይመፅእ ኣገንዚቦም።
ኢትዮጵያ ካብ ተፀባይነት ሙሉእ ብሙሉእ ሓራ ብምውፃእ ዓርሳ ንክትኽእል ዝተትሓዘ ሽቶ ንኽዕወት ኢትዮጵያውያን ብዝለዓለ ትግሃት ክሰርሑ ከምዝግባእ ዝተዛረቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ተፀባይነት ሓደገኛ ስምብራት ኢትዮጵያ ‘ዩለ፤ ኢትዮጵያ ትኣክል ዓባይ ሃገር ዓርሳ ምምጋብን ዓርሳ ምኽኣልን ኣብይዋ ንካልኦት ምልማና ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ ጉዳይ ‘ዩ ኢሎም።
ንሕና ተደጊፍና ተፀባይነት ክነውርስ የብልናን፤ ንሕና ለሚንና ልመና ክነሸጋግር የብልናን፤ ተፀባይነት ኣባና ከቋርፅ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መንግስቲ ተፀባይነት ዝፈጠሮ ልዑል ስምብራት ብምፅጋን ካብ ተፀባይነት ምውፃእ ጥራሕ ዘይኮነስ ረዳኢ ወይ ድማ ሓጋዚ ብምዃን ለውጢ ክነምፅእ ኣለና ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ከምዝሓዘ እውን ተዛሪቦም እዮም።
እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ‘ውን ክሳብ ታሕተዋይ ብርኪ ኣመራርሓ ብምውራድ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ህዝቢ ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ካብቲ ህዝቢ ዝተረኸበ ምላሽ እውን ዘሕጉስ ከምዝነበረለ፤ ንቐልጥፍ፣ንፍጠርን ንስራሕን፣ልመና ይኣኽለና ሓባራዊ ድምፂ ኢትዮጵያውያን ‘ዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ሓባራውን መንግስታውን ቅዋም ‘ዩ ኢሎም። መንግስትን ህዝብን ብዘሳለጥዎም ስራሕቲ ዝረኣዩን ዝጭበጡን ለውጥታት መፂኦም ‘ውን እዮም ክብሉ ሓቢሮም።
ነዚ ድማ ኣብ 2013 ዓ/ም ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ 27 ሚልዮን ተመፅዋታይ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ እዚ ቁፅሪ ተመፅዋታይነት ኣብ 2017 ዓ/ም ናብ 3 ነጥቢ 9 ሚልዮን ከምዝወረደ፤ 23 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ተፀባይነት ምውፃእ ሓደ መርኣያ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ፤ እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ዓብይ ዓወት ‘ዩ ኢሎም።
መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ኢትዮጰያ ካብ ተፀባይነት ሙሉእ ብሙሉእ ሓራ ንምውፃእ ትልሚ ኣቐሚጡ እናሰርሐ ከምዝኾነ፤ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ዓርስኻ ንምኽኣልን ከምኡ ‘ውን ንካልኦት ንምሕጋዝ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት እቲ ህዝቢ ዝጀመሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እዮም።
መንግስቲ ብዝሃ ዓውድታት መሰረት ብምግባር ዘሳልጦም ዘሎ ስራሕቲ ኣብ ኢኮኖምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ጭቡጥ ለውጢ እናምፅኡ ከምዝኾኑ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ብልፅግና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥራሕ ፅግዕተኛ ብምግባር ምርግጋፅ ኣይከኣልን፤ መንግስቲ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ነፀላ ናብ ብዝሃ ዓውዲ ስግግር ብምግባር ልምዓት ንምርግጋፅን እቲ ኢኮኖሚ ንምቕያርን እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።
ግብርና፣ ኢንዱስትሪ፣ መዓድን፣ ቱሪዝምን ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽንን ኮሙኒኬሽንን (ኣይሲቲ) ቀንዲ ዓምድታት ልምዓት ተገይሮም ከምዝተፈለዩ፤ ኣብቶም ዝተፈለዩ ዓውድታት ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ዓቕምታት ከምዘለውዋ፤ እቶም ዓውድታት ነንባዕሎም ዝመጋገብ ረብሓ ከምዘለዎም፤ ስለዝኾነ ‘ውን ኣብ ግብርና መፍረያይነት፣ኣብ ኢንዱስትሪ ዕቤት፣ኣብ ቱሪዝም ልምዓት፣ኣብ መዓድን ንግዲ ወፃኢን ኣብ ቴክኖሎጂ ተጠቃምነትን ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ኣረዲኦም።
ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብመርኣያነት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብጎስጓስ ኢትዮጵያ እተፍሪ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልዑል ለውጢ ከምዝተመዝገበ፤ ቅድሚ እቲ ጎስጓስ ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት ኢትዮጵያ ከባቢ 48 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ቁፅሪ 65 ሚኢታዊ ምብፅሑ ሓቢሮም እዮም።
ቅድሚ እቲ ለውጢ 3 ኢንዱስትሪ ፓርክታት ከምዝነበሩ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 13 ከምዝዓበዩ፤ መንግስቲ ሰብ ሃፍቲ ወንነቲ ፓርክታት ኢንዱስትቲ ዝኾንሉ ፓርክታት ብምህናፅን ነፃ ዞባ ንግዲ ብምፍጣርን ስራሕቲ ምንቕቓሕ ኢንዱስትሪ ኣሳሊጡ ‘ዩ ኢሎም።
ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ዓውዲ ኢንዱስትሪ 13 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝግብ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ እቲ ዓውዲ ንዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ቁልፊ እጃም እናበርከት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብዝሃ ዓውድታት ምስ ደገፍቲ ዓውድታት ኣጣሚርካ ብምስራሕ ብዝሃ ውፅኢት እናተረኸበን ዕቤት እናምፅአን ከምዝኾነ ‘ውን ገሊፆም እዮም።
ግዕዝይና
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርቂ ልክዕ ከም ረዳእታ ሓደ ስብራት ‘ዩ፤ እንተዘይተገቲኡ ራእይ ንምዕዋት ዕንቅፋት ‘ዩ። ስርቂ ኣዝዩ ሓደገኛ ፍልፍል ጥፍኣት ‘ዩ። ስርቂ ገንዘብ፤ ስርቂ ግዜ፤ እዚኦም ተጊሂኻ ኣብ ትቃለሰሉ ኩነታት ዕንቅፋት ‘ዩ። ግና ኣብ ኢትዮጵያ ስርቂ ናይ ሓባር ባህሊ ኮይኑ ኣሎ።
ክብርታት፣ ሞራላት፣ እምነታት ተሸርሺሮም እዮም። ከም ንቡር ብምውሳድ ሰባት ሰሪቖም ህንፃ እንተሰሪሖም ይሓይሽ ኢሉ ዝሓስብ ዓቢዪ ማሕበረሰብ ኣሎ። ሓደ እዋን ስብሓት ገብረእግዚኣብሄር እንትዛረብ፣ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዘገርም ‘ዩ። ፤ ፖሊስ ንሌባ እናገጓየየ ንፀጋምን የማንን እናበለ እቲ ሌባ ከምልጥ ይገብር። ንፖሊስ ሓጊዝካ ንሰራቒ ኣብ ክንዲ ምሓዝ ከይተሓዝ ይገብር።
ሎሚ ኣብዛ ከተማ ታክሲ ሕልፊ ፅዒኑ ትኸይድ ተሳፋራይ ካብ ርሑቕ ትራፊክ ምስ ረኣየ እንታይ ይገብር? ኣብ ስርቂ ተሓባባሪ ይኸውን፤ ኣብ ዘይሕጋውነት ተሓባባሪ ኮይኑ እቲ መራሒ ታክሲ ድማ ነቲ ዘይሕጋዊ ንጥፈት ይቕፅሎ። ሕልፊ እንተኽፈለ እውን እቲ ትራፊክ ፖሊስ ነቲ በዓል መኪና ሒዙ ነቶም ተሳፈርቲ ሕልፊ ዝኸፈለ ኣሎ ድዩ ኢሉ እንትጥይቖም ኣይከፈልናን ‘ዩ ዝብል።
ሰራቒ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝሰርቕ እቲ ተሳፋሪ ይተሓባበር ‘ዩ፤ ከምዚ ዓይነት ባህሊ ተሃኒፁ ኣሎ። ስርቂ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ውልቃዊ ግጉይ ኣረኣእያ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሕብረተሰብ እውን ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሱር ዝሰደደ ምፍልላይ ብዘረባ ይኹን ብፖሊሲ ጥራይ ክንፈትሖ እንኽእል ኣይኮነን።
ሱር ሰዲዱ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ኣብ ሰለስተ ዝመቐልናዮ እዚ ጉዳይ እዚ ብኮሚቴታት፤ ብመፅናዕትታት፤ ብፀረ ብልሽውና ወዘተ ብዙሓት ኣሲርና ኢና፤ ብዙሓት ኣባሪርና፤ ብዙሓት ሰባት ቀይርና ኢና፤ ኮይኑ ግና እቲ ባህሊ ክሳብ ዘይተቐየረ ውፅኢት ኣይረኣናን።
መጀመርያ መንግስታዊ ስርቒ፣ ትካላዊ ስርቒ ጠጠው ክብል ምግባር ‘ዩ፤ እዚ መንግስታዊ ስርቒ የለን፤ ጠፊኡ ‘ዩ እንትበሃል ብዙሕ ሰብ ግር ዝብሎ ኣሎ፤ ሕጂ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መንግስቲ ብልሽውና ከምዘየለ ብርግፅኝነት ክዛረብ እኽእል እየ። እንታይ ማለት እዩ? ሓደ ኩባንያ ናይ ብልፅግና ኢለ ፈጢረ ምንም ከምዘይነበረ፣ታሪኽ ከምዘይነበሮ እናተፈለጠ ኩንትራት ሃብዎ፣ ልቓሕ ሃብዎ እናበልኩ ቢልዮነር ዝገብሮ ኩባንያ የለን።
ከምኡ ኣይገብሮን እየ፤ ምስ ከንቲባ፣ ምስ ምምሕዳር ዞባ፣ ምስ ሚኒስተር ብምዝርራብ ዝሰርቖ ወይ ዝሓብኦ ዝኾነ ወርቂ የለን። ብደረጃ መንግስቲ ዝረኸብክዎ ነፍሲ ወከፍ ሳንቲም ንልምዓት ኢትዮጵያ ‘ዩ። እዚ ጉድኣት ቀልጢፉ ዝረአ ኣይኮነን፤ እቲ ጉድኣት ዓቢዪ ‘ዩ። ግን ዝግንዘቦ ሰብ የለን፤ ንሓባራዊ ረብሓናን ሃገራዊ ረብሓናን ኣዝዩ ዝጎድእ ዓቢዪ ብልሽውና ‘ዩ።
ሓደገኛ ነገር ‘ዩ፤ ብዛዕባ ወርቅን ካልኦት ነገራትን እውን ‘ዩ ብዝተወደበ ዘረፋ ዝካየድ፤ ብውልቂ ዘይኮነስ ብጉጅለ እንትስራሕ ንልምዓት ሃገር ብዓቢይኡ የዳኽሞ። በዚ ደረጃ ኣብ ኢትዮጵያ 100 ፐርሰንት ብልሽውና የለን፤ መንግስቲ “መን ይጠቕመኒ መን ይጎድኣኒ” ኢሉ ብምሕሳብ ወጢኑ ኣይሰርሕን ‘ዩ። ። እዚ ርግፀኛ እየ። እዚ ከም ዓቢዪ ዓወት እየ ዝወስዶ፤ እዚ ማለት ግን ውልቀ-ሰረቕቲ የለዉን ማለት ኣይኮነን።
ብውልቂ ዝህብ የለን፤ ዝደራደር የለን ማለት ኣይኮነን፤ ውልቃዊ ውሳነ ‘ዩ። ብዓቢዪኡ እምነትን ሓባራዊ ራእይን ብደረጃ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብዝግበር ዘተን ስልጠናን ሰሪሕና እምበር ብስርቂ ዘይኮነስ ሽግራትና ኣበርቲዕና ምስ እንሰርሕን ንኢትዮጵያ ምስ እንልውጣን ይፍታሕ ‘ዩ ብዝብል እምነት ኣለኒ።
100 ፐርሰንት ሕድሕድ ሰብ ዝኾነዓይነት ፀገም የብሉን ክብል ኣይኽእልን፤ መብዛሕትኡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግን ብርግፅ ኣብስርቂ ገበን ኣይኮነን ዘሎ። ኣብዝለዓለ ደረጃ ዘሎ ኣማራርሓ ኣብዚ ስግኣት እዚ የለን፤ ምኽንያቱ ስርሖም ብቐረባ ስለዘይርእዮ፤ እቲ ኣመራርሓ ግን ሰፊሕ ‘ዩ፤ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ 16 ሚልዮን ኣባላት ኣለውዋ፤ ኣብኡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣለዉ፤ ብዛዕባ ኩሉ ሰብ ክንዛረብ ከለና ክሳብ ክንደይ ራእዩ ተኻፊሉ ኣብ ዝተወደበ ስርቂ ክንደይ ዝኣክል ከምዝነከየ ንምዝራብ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ‘ዩ። ነቶም ኣብ ቐረባይ ዝኾኑ ግን ብዙሕ ስግኣት የብለይን።
ካልኣይ ምዕራፍ ድማ ፒቲ ብልሽውና ዝበሃል፤ ከምቲ ዝተገለፀ ሰብ መንነት ወረቐት ከውፅእ ከሎ ንገለ ኣገልግሎታት ሓደ ዝህብ ወይ ዝኸፍል ኣሎ፤ እቲ ወሃቢ ይኹን እቲ ተቐባሊ ገለ ነገር ኣለዎም፤ እዚ ኣዝዩ ከቢድ ነገር ኮይኑ ንሰባት ዘሕርቕ ‘ዩ። እቲ ሰብ ብዙሕ ኣይፈልጥን ‘ዩ፤ እቲ ጉድኣት ግን ነዊሕ ዝፀንሕን ቀልጢፉ ዘይፍለጥን ‘ዩ። ሰብ ለሚዱ ‘ዩ። ምድርዳርን ኮሚሽን ምውሳድን ልምዲ ገይሩዎ ኣሎ።
ኣነ ባዕለይ ከም ክኢላ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዳማን ጂኦስፓስያላዊ ሓበሬታ ብኣውቶማቲክ ክሰርሕ ፈቲነ እኳ እንተኾንኩ ኣይተዓወትኹን፤ እቲ ሲስተም ፀገም ኣለዎ እናበሉ ኣይተሳኸዐለይን፤ ሕጂ ሕድሕዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣውቶሜትድ ‘ዩ። ኣብ ቢሾፍቱ፣ ኣዳማ፣ ሸገር፣ ቀንዲ ስርቂ ኣለወን ዝተብሃለለን ከባቢታት 100 ፐርሰንት ኣብ ጂኦስፓስያል ሲስተም ኣትዩ ‘ዩ። ኣየናይ መሬት ናይ መንን መዓዝን ምዃኑ ኩሉ ከንቲባ ይፈልጥ ‘ዩ። እዚ ግን ነቲ ስርቂ ዜሮ ኣይገብሮን፤ ስርዓት ክንዝርግሕ ከለና ነቲ ስርዓት ዝሓልፍ ስርዓት ይፈጥር። ነዚ እናተኸታተልካ ምዕፃው የድሊ።
እቲ ካልኣይ መሶብ ‘ዩ። መሶብ ንኢትዮጵያ ንብቕዓት፣ ዕብየት ዓብዪ ኣበርክቶ ዝገብር ስርዓት ‘ዩ። መሶብ ማለት ቐደም ኣብ ወተሃደራዊ ስራሕ ከለኹ ስዊስ ካራ ዝብሃል ነይሩ። ስዊስ ካራ ሓንቲ እያ፤ ንእሽቶ እያ፤ ግን ኣብ ውሽጣ መቑረፂ ኣለዋ፣ ተመዛዚት እያ፤ ኣብ ውሽጣ ብዙሕ ስራሕ ዝሰርሑ ካራታት ኣለውዋ። ንሱ እናመዘዘ እቲ ሓደ እስቓጥላ ይቖርፀላ፤ ገሊኡ ጨርቂ ይቐደላ፤ ዕንጨይቲ ይቖርፀላ፤ ንብዙሕ ዕላማ ዝውዕል ማለት ‘ዩ።
መሶብ ከምኡ ‘ዩ። ሓደ ሰብ ናብ ቀበሌ ከይዱ መለለዪ መንነት ካብዘውፅእ ናብ ኢሚግሬሽን ከይዱ ፓስፖርት ካብዘውፅእ፣ ናብ ኢንቨስትመንት ከይዱ ፍቓድ ካብዘውፅእ፣ ናብ ባንክ ከይዱ ገንዘብ ካብዘውፅእ፣ ናብ ቴለ ከይዱ ሲም ካርድ ካብዘውፅእ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሓደ ናሕሲ ዘሎ ኣገልግሎታት ብግዜን ገንዘብን ዓቢዪ ዋጋ ኣለዎ።
ንነፍሲ ወከፍ ታክሲ ግዜ ስለዝነበረ፣ ካብዚ ወፃኢ ድማ እቲ ስርዓት ካብ A ክሳብ ኣብዚ ኣብ ትሕቲ ስርዓተ ምክትታል ስለዝኾነ ንድርድርን ስርቅን ቀሊል ኣይኮነን፤ ምክትታል ይከኣል ‘ዩ። ብርግፅ ሞሰብ ሓደ ሳምንፕል ‘ዩ።
ክሰፍሕ ኣለዎ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ጀመርና ብደረጃ ፌደራል ብዙሓት ከተማታት ይዳለዋ ኣለዋ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ከተማ ኣዳማ፣ ኣርባ ምንጭ፣ ሃዋሳ፣ ባህርዳር፣ ሻሸመኔ፤ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክጅምሩ እዮም፤ ኣብ ሓደ ከባቢ ኣብ ሓደ ገዛ ክንሰርሕ ምስ ጀመርና ሰባት እናተደራደሩ ዝገብርዎ ነገራት ክንቅንስ ክንጅምር ኢና፤ እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝፍፀም ‘ዩ።
ኣብ ህንዲ ኣጋጢሙ፤ ኣብ ሲንጋፖር እውን ኣጋጢሙ ‘ዩ። ስርዓት ክጥቀሙ እንከለዉ ስርቂ ነክዩ፤ ሓደ ስርዓት ክጥቀሙ ከለዉ ብቕዓት ይውስኽ ነይሩ። ንዕኡ እቲ እንኮ መፍትሒ ስርዓት ምትካል ‘ዩ። ሰባት ክዕሸዉ የብሎምን! ከቢድ ነገር ስለዝኾነ ብስርዓት ክንፈትሖ ኢና።
ሳልሳይ ምዕራፍ ድማ ስርቂ ዝፅየፍ ባህሊ ምህናፅ ‘ዩ። ከም ሰብ መጠን ኣነ ዝተፈጠርኩ ኣገልግሎት ንመሃብ እየ ተፈጢረ። ሰሪሐ ክጥቐም እየ ተፈጢረ፤ ንኻልኦት ሰሪሐ ንምሕጋዝ እየ ተፈጢረ ዝብል ኣብ ውፅኢቱ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ባህሊ ንምህናፅ ነዊሕ ግዜ ይወስድ፣ ንሱ ድማ ውፅኢት ትርክት ‘ዩ።
እቲ ትርክት እናዓበየ ምስ ከደ፣ እቲ ትርክት እናሰረፀ ምስ ከደ፣ ሙሺንግ ታርጌት ስለዝኾነ ትርክት ዋላ ዜሮ ኣይኹን እቶም ነማርረሎም ጉዳያት ግን ብዓቢይኡ እናነከዩ ክመፁ እዮም። ንኣብነት፤ ምዕቡላት ሃገራት፣ ዓበይቲ ኣስማት ከይጠቐሳ፣ እዚ መዓልታዊ ዝፍፀም ብልሽውና የብለንን። ካብኡ ወፂኦም ኣለዉ፤ ንመለለዪ መንንት ወይ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ስርቂ የብሎምን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም