ሕርሻ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ሓደጋታትን ስጋአታትን ክምዘለዉዎ ግቡእ ጥንቃቀታት ንክግበርን በቢእዋኑ ቢሮ ሕረሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ንሕብረተሰብ እንዳገንዘበን እንዳንቀሐን ምምፅኡ ዝፍለጥ ‘ዩ። እዚ ኮይኑ ከም ቢሮ መላእ ህዝቢ ብምልዕዓልን ብዓርሰ ምትሕግጋዝን መንፈስ እቶም በበእዋኑ ዝርአዩ ሓደጋታትን ስጋአታትን ንምክልኻልን ንምቕናስን ፃዕሪ እናተገበረ መፂኡ ‘ዩ።
ብፍላይ ድማ ምምፃእ ወቅቱ ዘይሓለወ ዝናብን ምእካብ ምህርትን ተተሓሒዙ ዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብ ብዝገበሮ ተሳትፎን ምትሕግጋዝ ብፍላይ ክዕፀድ ዝግባኦ እኽሊ መብዛሕታኡ ተዓፂዱን ዓውድታት ‘ውን እናተኻየዱ ይረከቡ። እዚ ከምዚ እንዳሃለወ ብዝግባእ ዘይደረቀ እኽሊ ብፍላይ ማሸላ፣ ስርናይን ዕፉንን ካላኦት ዛጊድ ዘይተዓፀዱ ኣእኻል ኣብ ዘለሉ እዋን ካብ ኮምፖልቻን ሽዋሮቢትን ዝተላዕላ ኣዕዋፍ ዋጃ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝተራኣያ ኮይነን ነዚአን ንምክልኻል ድማ ምስ መንግስቲ ፌደራል ሓላዋ ዝራእቲ ብመትሕብባር ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሓ ‘ውን ይሕበር ኣሎ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ዝተረፋ ውስናትን ወረርቲ ኣዕዋፍን ካሊእ ክፍተሸ ዝግበኦ ከባቢታትን ክትትል እናተገበሮ ይርከብ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ናይ ሎሚ ጋሻ እዚ ዓምድና ዝገበርናም ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዳይሬክተር ሓለዋ ዝራእቲ ምክልኻል ባልዓትን ምቁፅፃርን መራሒ ጉጅለ ዝኾኑ ኣይተ ገብረሂወት ሃይለስላሴ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዝነበሮም ፃኒሒት ምስ ዝተፋላለዩ ባልዓትን ብኸነትን ኣዝርእቲ ተተሓሒዙ ዘለው ስግኣታትን ነዞም ስግኣታት ንምክልኻልን ንምቕናስ ዝተገበረን ዝግበር ዘሎን ተግባራትን መሰል ሓሳባትን መልእኽታትን ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ ሰናይ ንባብ፡-
ወጋሕታ ፡- ሓለዋ ዝራእቲ ክብሃል ከሎ እንታይ ማለት ‘ዩ? ኣዝርእቲ ካብ ምንታይን ብከመይን እዮም ዝሕለዉ?
ኣይተ ገብረሂወት፡- ከምዝፍለጥ ካብ ፃህያይ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ዓይነታት ባልዓት ኣዝርእትን ሕማማትን ኣለው። ከምኡ ‘ውን ወረርትን መደበኛ ባልዓትን ተባሂሎም ‘ውን ይምደቡ ‘ዮም። እዚኦም ካልኦትን ኣብ ልዕሊ ኣዝርእትን እፀዋትን ዘብፅሕዎ ጉድኣት ንምክልኻል ዝስራሕ ስራሕቲ ድማ ኣብ ሓለዋን ምክልኻልን ዘራእቲ ትኹረት ተዋሂብዎ ይስራሕ።
ወጋሕታ ፡- ምስ ባልዓትን ብኽነት ዝራእትን ተተሓሒዙ ኣብ ትግራይ እንታይ ዝርኣዩ ስግኣታት ኣለው? ነዞም ስግኣታት ንምክለኻል ከ እንታይ ምድላዋት ተገይሩ ይስራሕ ኣሎ?
ኣይተ ገብረሂወት፡– ኩሉ ግዘ ኣዝርኣቲ ወይ እፀዋት እንተሃልዮም ምስኦም ተተሓሒዙ ናይ ግድን ባልዓት ከምዝህልው ትፅቢት ዝግበር ‘ዩ። ብፍላይ መደበኛ ባልዓት ክህልው ‘ዮም። መደበኛ ዝተበሃለሉ ምኽንያት ‘ውን ኣብዝሓ ግዘ ካብ ፃህያይ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ባልዓት ዝርኣዩ ስለዝኾኑ ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ወራር ባልዓት ተባሂሎም ዝፍለጡን ብብርኪ ሃገርን ክልልን ከምኡ ‘ውን ካብታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዘለው ሰብ ሞያ ሕርሻን ሓርስታይን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላትን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባትን ንክሳተፍ ዘግድዱ ከም ባልዓት ኣንበጣ፣ ባርኖስ ከምቲ ዝርኣይ ዘሎ ብተለምዶ ወራር ዋጃ ኣዕዋፍ ዝብሃላን ዝኣምሰሉ ‘ዮም።
ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዳርጋ ኩሎም ዓይነታት ባልዓት እናተርኣዩ መፂኦም ‘ዮም። ብፍላይ ባልዓት ዕስለ ኣምበጣ፣ ባርኖስን ወራር ዒፍን ብፍላይ ኣብ ራያ ዓዘቦን ራይ ጨርጨርን ዝነበረሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ሎሚ ዓመት ‘ውን ብተመሳሳሊ ዕስለ ኣምበጣን ዒፍ ዋጃን ክርኣይ ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ተገይሩ ነይሩ ‘ዩ። ነዚ ንምክልኻል ዘድለዩ ‘ውን ምስ ፌደራል ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ናይ ምድላዋት ስራሕቲ እናተሰርሑ ነይሮም ‘ዮም። ካብዚ ናይ ምድልዋት ስራሕቲ ሓደ ሓበሬታ ምእካብ ‘ዩ። ምስ ኣብ ፌደራል ዘለው ክኢላታት ሓለዋ ዝራእቲ ሓበሬታት እናተላዋወጥና ተቀናጂና እናሰራሕና ኢና ነይርና።
በዚ መሰረት’ውን ቅድም ኢሉ ኣብ ከባቢ ዓፋር ኣብ ቀረባ ርሕቀት ዶብ ትግራይ ዝተርኣዩ ዕስለ ባልዕ ነየሮም ‘ዮም። እዞም ባልዓት ዕስለ ኣምበጣ ከምቲ ዝተፀበናዮ እንተዘይኮነ ‘ውን ኦም ኣምበጣ ተራእዩ ነይሩ ‘ዩ። ንሱ ‘ውን እንተኾነ በቲ ናይቲ ክልል ሓይሊ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ተገይርሉ ኣብኡ ንክተርፍ ኮይኑ ‘ዩ። ካብዚ ወፃኢ ቅደሚ ሐዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ማለት ‘ውን ኣብ ክልላት ደቡብን ኣምሓራን ተራእየን ዝነበራ ወራር ኣዕዋፍ ዋላ እኳ ክመፅኣ ይኽእላ ‘የን ኢልና ዝገምትናዮ እንተነበርና ‘ውን እዚ ናዓና ዳርጋ ሓዱሽና ዝነበረ ናይ ወራር ዒፍ ‘ዩ ነይሩ። በዚኣን ወረርቲ ኣዕዋፍ ‘ውን ጉድኣት ዝበፅሐሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።
ወጋሕታ፡- በዘን ወረርቲ ኣዕዋፍ ዋጃ ክሳብ ሐዚ ክንደይ ዝኣክል ጉደኣት ኣብፂሐን ኣለዋ? ነዚ ጉድኣት ደው ንምባል ወይ ንምቕናስ ዝግበር ዘሎ ስራሕቲ ኸ እንታይ ይመስል?
ኣይተ ገብረሂወት፡- ካብ 6 ሚልየን ክሳብ 7 ሚልየን ዝግመታ ወረርቲ ኣዕዋፍ ኣብ ልዕሊ ከባቢ 1ሽሕ ሄክታር ዝሸፋናን ኣብ ልዕሊ 500 ሄክታር ዝሽፍን ድማ ጉድኣት እናብፅሓ ዝነበራ ኮይነን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ 250ን ሄክታር ዝኸውን መሸላ ግና ምሉእ ንሙሉእ ጉደኣት ኣብፂሐን ‘የን። ነዚ ጉደኣት ንምክልኻል ዘተሰርሐ ውፅታዊ ስራሕ ኣሎ ‘ዩ። ገና ዝተረፈ ዝስራሕ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ።
ኣብዚ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምትሕብባርን ብምርድዳእን ኣብ ምክልኻል እተን ወረርቲ ኣዕዋፍ ውፅኢታ ሰራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ። ከም ባርኖስ ብሓይሊ ሰብ ክንከላኸለን እንኽእል ዓይነት ስራሕ ሰለዘይኮነ፤ ዘሎ ኣማራፂ ብኣውሮፕላን ከሚካል ምንፃግ ጥራሕ ‘ዩ። ስለዚ ምስ ሚኒስተር ሕርሻ ሓለዋ ኣዝርእቲ ብምርድዳእ ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ናይ ኣላሙዲን ሳቫናን ዝበሃል ናይ ኢንቨስትመንት ቦታታት ብኣውሮፐላን ሰለስተ ግዜ ነፀጋ ከሚካል ብምግባር ኣብ ልዕሊ 250 ሄክታር ዝነበራ ልዕሊ 6 ሚልዮን ዝግመታ ወራር ኣዕዋፍ ንምቁፅፃር ዝተገበረሉ ውፅኢታዊ ስራሕ ዓብይ ዕድል ‘ዩ ነይሩ።
ኣብ ከባቢ ኣላማጣ ‘ውን ስሌን ውሃ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዘለዋ ዕስለ ወረርቲ ኣዕዋፍ ብከሚካል ንምንፃግ እተን ኣውሮፕላን ካብ መቐለ እናተለዓላ ስለ ዝነፀጋ ከም ባህሪ እተን ኣዕዋፍ ብምብጋስ ‘ውን እተን ኣዕዋፍ ናብ መሕደሪ ቦተአን እንትኣትዋ ኣብ ኣጋ ምሸት ‘ዩ ነፀጋ ዝግበረለን ነይሩ፤ እቲ ኣብ ጨርጨር ዝካየድ ዝነበረ ምንፃግ ከሚካል። ካብ መቐለ ተበጊሰን ናብ ኣላማጣ ዝነፅጋ ኣየራት ግና ብሕጊ ናይቲ ኣቬሽን ድሕሪ 12 ሰዓት ክነፅጋ ስለ ዘይፍቀድ ካብ መቐለ መፂኣን ነፂገን ንምምላስ ዘሎ ርሕቀት ግዜ ስለይኣኸለን በዚ ምኽንያት ኣብዚ ዘለዋ ልዕሊ 5 ሚእቲ ሽሕ ዝግመታ ዘለዋ ኣዕዋፍ ክንፀገለን ኣይተኽኣለን።
ኣብ ዝቅፅል ኣብ ከባቢ ኣላማጣ ቕድም ኢሉ ዝተሰርሐ መዕረፊ ኣየር ስለ ዘሎ ነዚ ንክፅረግ ብምግባር እተን ዝነፅጋ ኣየር ካብዚ እናተለዓላ ንክነፅጋ ክግበር ‘ዩ። ወይ ድማ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምርድዳእ ኣብክንዲ ካብ መቐለ ናብ ላሊበላ ክቀርብ ስለዝኽእል ካብዚ ብምብጋስ ንክነፅጋ ክግበር ‘ዩ ከም ኣማራፂ ተተሓዙ ዘሎ። ብሓፍሻ ግና ምክልኻል ወራር ዕስለ ኣዕዋፍ ዋጃ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ኣሎ። ይኹን እምበር እተን ኣብ ኣላማጣ ዘለዋ ወራር ኣዕዋፍ ገና እቲ ሓበሬታ ‘ውን ድሕር ኢሉ ስለዝበፅሐናን ንቀፃሊ ኣብቲ ከባቢ ‘ውን ናይ መስኖ ዝራእቲ ዝበፅሐሉ ስለ ዘሎ ኣብቲ ሕብረተሰብ ግንዛበ ብምፍጣር ናብ ካሊእ ከባቢ ‘ውን ከይንዘሓ ናይ ፈተሻ ስራሕቲ ይጠናኸር ‘ዩ ዘሎ።
ወጋሕታ ፡- ምስ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ካልኦት ስግኣታትን ተተሓሒዙ ዝግበር ዘሎ ምእካብ ምህርቲ እንታይ ይመስል ኣሎ?
ኣይተ ገብረሂወት፡– ምእካብ ምህርቲ ብዝምልከት መብዛሕትኡ ኣዝርእቲ ዝተኣከበሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ቅድም ኢሉ ኣብዚ ዓመት ኣብ ትግራይ ካብ ትሕዝተኣ ወፃኢ ዘሎ መሬት ከይሓወስካ ክእከብ ትፅቢት ተገይርሉ ዝነበረ ምህርቲ ከባቢ 13 ነጥቢ 4 ሚሊየን ኩንታል ክርከብ ‘ዩ ተባሂሉ ተሓሲቡ ዝነበረ እንተኾነ ‘ውን፤ ብኩሉ ኣንፈታት ብዝበሃል ብርኪ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ማእኸላይን ሰሜናዊ ምዕራብን ዞባታት ብሰንኪ በረድ ዝተሓወሶ ፃዕቂ ዘለዎ ዝናብን ከምኡ ‘ውን ዝተፈላለዩ ባልዓትን ብሓፈሻ ድኽመት ስርዓት ምሕደራን ምኽንያት፤ ናብ 12 ነጥቢ3 ኩንታል ዘኣክል ‘ዩ ክርከብ ትፅቢት ተገይሩ ዘሎ።
ወጋሕታ ፡- ኣብዚ ዓመት ብዝተፈላለዩ ባልዓትን ካልኦት ምኽንያታትን ክእከብ ትፅቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ምህርቲ ዝቀነሰ ንምክሕሓስን ከምኡ ‘ውን እዋኑ ዘሓለወ ዝናብ ናብ ረብሓ ንምቕያር ዝግበር ፃዕርታት እንታይ ይመስል?
ኣይተ ገብረሂወት፡- እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ዘጋጠም ጉድኣት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ረብሓ ‘ውን ስለዘለዎ፤ ዝበፅሑ ዝራእቲ ብቅልጡፍ ንክልዓሉ ብምግባር ጎናጎኒ ድማ ናብ ስራሕቲ መስኖን ቀልጢፎም ክበፅሑ ዝኸእሉ ኣዝርእቲ ንክዝርኡን ብሓፈሻ እቲ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ናብ ረብሓ ንምቕያር በቢብርኩ ክሳብ ጣብያ ዘለው መሓውር ሰብ ሞያ ሕርሻ ዓብይ ርብርብ እናተገበረ ዘሎ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ኣብቲ ዝተፈጠረ ጉድኣት ዝራእቲ ናይ ምክሕሓስ ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ ዘሎ።
ወጋሕታ ፡- ምስ ካብ ዓቀን ንላዕሊ ዝገበሩ ድግሳትን ካልኦትን ተተሓሒዙ ዝፍጠር ብኽነት ንምክልኻል እንታይ ይመስል?
ኣይተ ገብረሂወት፡– ኣብዚ ኮምቴን ግበረ ሓይልን ዘለዎ ኣወዳድባ ተወዲቡ ብኽነት ንምቅናስ እናሰርሐ ‘ዩ ነይሩ። ብሓፈሻ ብኽነት ምህርቲ ምቅናስ ማለት ብባልዓት ይኹን ብእዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ልዕሊ ዓቀን ብዝግበር ድግስን ዝፍጠር ንምቕናስ ክሳብ ታሕቲ ተወዲቡ ግንዛበ እናፈጠን እናሰርሐን ‘ዩ ዘሎ። ኣብዚ ሕርሻ ቢሮ በይኑ ዝገብሮ ነገር ስለዘየሎ ምስ ዝምለከቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ምስ ካልኦት ኣካላትን ብምተሕብባር ዝሓሸ ነገር ክፍጠር ‘ዩ ተባሂሉ ይስራሕ ኣሎ። በቲ ሕብረተሰብ ዝተረኽበ ምህርቲ ብሃበተረኽበ ከይባኽንን መህርቱ ወዲኡ ከኣ ናይ ካሊእ ተፀባይ ከይከውን በቢብርኩ ዘለው ናይ ማሕበረሰብ ኣካላት ግንዛበ ዝፍጠረሉ ኩነታት ‘ዩ ናይ ማሕበረሰብ ኣካላት ግንዛበ ዝፍጠረሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።
ወጋሕታ፡- ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ ሓሳብን ክሓልፍ ዘለዎ መልእኽትን እነተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህቦም?
ኣይተ ገብረሂወት፡- ምስ ባልዓት ተተሓሒዙ ሕብረተሰብና እኹል ግንዛበ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ብእዋኑ ከኣ ናይ ባልዓት ፈተሻ ክገብርን ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾነ ይኹን ባልዕ ይኹን ካሊእ እንተኣጋጢምዎ ናብ ዝኾነ ናይ መንግስቲ መሓውር ብፍላይ ድማ ናብ ሕርሻ መሓውር ከፍልጥ ኣለዎ። ካሊእ ኣብ ስራሕቲ ሕርሽኡ ቅድም ኢሉ ዘይፈልጦ ነገር እንተሪኡ ‘ውን ንኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ናይ ሕርሻ በዓል ሞያ ከማኽርን ቀሊጢፉ ፍታሕ ዝረኽበሉ መንገዲ ከናዲን ይግባእ።
ወጋሕታ፡- ፍቓደኛ ኮይኖም ሓበሬታን መልኽትን ስለዝሃቡኒ የቐንየለይ።
ኣይተ ገብረሂወት፡- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም