ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ን214 ሽሕ መናእሰይ ትግራይ ስልጠና ዲጂታል ክእለት ከምዝወሃብ ተገሊፁ፡፡ እቲ ስልጠና ኣካል እቲ ብብርኪ ሃገር ን 5 ሚሊዮን መናእሰይ ንምሃብ ዝተተሓዘ መደብ ምዃኑ ‘ውን ኣብ መድረኽ ዕላውነት እዚ ፕሮጀክት ተገሊፁ።
ሓላፊት ካቢኔ ሰክሪታርያት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምህዞ፣መጽናዕትን ስልጠናን ትግራይ ዶክተር ኣልጋነሽ ተሰማ፤ ኣብታ ሐዚ ዘላ ዓለም ኣብ ዲጂታል ክእለትን ፍልጠትን ምሓዝ መሰረታዊ ም ዃኑ ኣመላኺተን። መናእሰይ ትግራይ ቴክኖሎጂ ክዕጠቑ ከምዝግባእ ዘመላኸታ ዶክተር ኣልጋነሽ ተሰማ፤ ስልጠና መባእታዊ ፕሮግራሚንግ፣ ሰብ ስራሕ ኣስተብህሎት፣ዳታ ሳይንስን ኮዲንግን ከምዝኾነ ‘ውን ተዛሪበን።
መፃኢ ወለዶ ትግራይ ኣብ ዕዳጋ ዲጂታል ክእለት ብምሓዝ ተወዳዳሪን ዕውትን ክኸውን ምስራሕ ከምዝግባእ ‘ውን ኣመላኺተን። እቲ ስልጠና ተቐባልነት ዘለዎ ወረቐት ምስክር ከምዘለዎ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋድስ፤ ብፍላይ ምስ ቴክኖሎጂ ቅርበት ዘለዎም መናእሰይ ነቲ ስልጠና ንክወስዱ ፀዊዖም።
ብብርኪ ትግራይ ነዚ ስልጠና ዝመርሕ ኣካል ተጣይሹ ናብ ትግበራ ይእቶ ከምዘሎ ዝገለፁ ሓላፊ ኤጀንሲ ዲጂታል ትግራይ ኣይተ ቴድሮስ ሲሳይ፤ ዛጊድ ዝተወሰኑ መናእሰይ ሰልጢኖም ከምዘለው ገለፆም። እቲ ስልጠና ብመስመር ዝወሃብ ስልጠና (online Training) ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ቴድሮስ ሲሳይ፤ በቢ ዓመቱ ልዕሊ 50 ሽሕ መናእሰይ ክስልጥኑ ትፅቢት ከምዝግበር ሓቢሮም።
እቲ ስልጠና ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ኣብ ኮሌጃት ቴክኒክን ምያን ትምህርትን ስልጠናን ትግራይን ውልቀ ትካላትን ከምዝወሃብ ‘ውን ተገሊፁ። ነቲ ስልጠና ዝወሰዱ መናእሰይ፣ ነዚ ዕድል መናእሰይ ክጥቀሙሉ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ተወዳዳሪ ንምዃን ዓቕሚ ዝፈጥር ስልጠና ምዃኑ ገሊፆም። ብተወሳኺ ነቲ ስልጠና ፀገም ዝኸውን ዘሎ ፀገም ኢንተርኔት ኣብ መሰልጠኒ ከባብታት ዘሎ ፀገም ናውቲን ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም