መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ሓድነት ህዝቢ ንክጠናኸር ዝገብር ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ክኽበር ከሎ እቲ ህዝቢ ንነዊሕ እዋን ሒዝዎ ዝፀንሐ ሕብረት ንከጠናኽርን ኣብ ክንዲ ፍልልይ ሓድነት ንከሐይልን ዝገብር ‘ዩ ክብላ ሓላፊት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይን ከምኡ ‘ውን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ዝኾና ወይዘሮ ኣበባ በርሀ ገሊፀን፡፡

ወይዘሮ ኣበባ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝገለፀኦ፤ ሃገርና ኢትዮጵያ ናይ ብዙሕ ፀጋታት ወናኒት ሃገር ከምዝኾነት ዝፍለጥ ‘ዩ፤ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራትን ብሄረሰባትን ኣከዳድና፣ ኣነባብራ፣ ኣዘራርባ ቋንቋ፣ ኣመጋግባ፣ ከምኡ ‘ውን ዝማሓደርሉ ሕጊ ወይ ባህላዊ ብይን ዘለዎም ብሄራት ዝሓቖፈት ሃገር ‘ያ፤ እዚ ድማ እቲ ሓደ ማሕበረሰብ ነቲ ሓደ ማሕበረሰብ መንነቱ ንምፍላጥ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ ኢለን፡፡

መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ኢትዮጵያ ክኽበር ከሎ እቲ ህዝቢ ንነዊሕ እዋን ሒዝዎ ዝፀንሐ ሓባራዊነት ንከጠናኽርን ኣብ ክንዲ ፍልልይ ሓድነት ንከሐይልን ዘኽእል ‘ዩ ዝበላ ወይዘሮ ኣበባ፤ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ባህሊ፣ ቋንቋን እምነትን ንከዕብይ ዘኽአለ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፤ ዜጋታት ፍልልያቶም ኣኽቢሮም ብሓባር ክነብሩ ዘኽእሎም ከምዝኾነን ከም ሃገር ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ባህሊ ምትሕግጋዝን ምቅርራብን ክስፋሕፋሕ ዘኽእል ምዃኑን ኣብሪሀን።

እዚ ዝኽበር መዓልቲ ብሄርን ብሄረሰባትን እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝወፀ ባህልን መንነትን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንዓለም ብምፍላጥ ዓብይ መስሕብ ቱሪስት ክኾን ይኽእል ‘ዩ ዝበላ ወይዘሮ ኣበባ፤ ኣብ ዓለም ዘለዉ በፃሕቲ ቱሪስታት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ዝጓዓዝሉ ምኽንያት ናይ ሓንቲ ሃገር ባህልን ኣነባብራን ንምርኣይ ብምዃኑ እዚ በዓል ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋል ኢትዮጵያ ዝተፈላላዩ ባህልታትን ኣነባብራን ዝንፀባረቐሉ ብምዃኑ ንመስሕብ ቱሪዝም ዓብይ ረብሓ ኣለዎ ኢለን፡፡

ሓድነትና ንመላእ ዓለም እነሪአሉ ኣጋጣሚ ‘ውን ‘ዩ ዝበላ ወይዘሮ ኣበባ፤ እቲ በዓል በቢ ዓመቱ እናተኸበረ ብዝመፀ ቀልቢ ቱሪስት ብምስሓብ ቁፅሪ ቱሪስት ንክውስኽን ስለዝገብር ባዕሉ ዝኸኣለ ኣታዊ ኢኮኖሚ ከምፅእ ዝኽእል ‘ዩ ክብላ ገሊፀን፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You