ትኹረት ዘድልዮ ለበዳ ሕማም ኤች. ኣይ. ቪ

ኤች. ኣይ. ቪ፣ ብፆታዊ ርክብ፣ ብደም፣ ከም’ውን ካብ ኣደ ናብ ህፃን ዝመሓላለፍ ሕማም ቫይረስ ‘ዩ። ናይ ሕክምና ክትትል እንተዘይተገይሩ ነቲ ናይ ኣካላትካ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ከዳኽሞን ውዒሉ ሓዲሩ ንእተፈላለየ ሕማማት ከቃልዓካን ይኽእል ‘ዩ። እዚ ሕማም እዚ ሕክምና እንተዘይረኺቡ ናብ ሞት ከብፅሕ ይኽእል ‘ዩ። ኤች.ኣይ.ቪ. ኣብ ኹሉ ዓለም ዘሎ እኳ እንተዀነ ብፍላይ ድማ ኣብ ዕብየት ዘለዋ ሃገራት ግና ብዝያዳ ተስፋሕፊሑ ይርከብ።

ቫይረስ ኤች.ኣይ.ቪ. ኣብ ናይ ዝሓመመ ሰብ ደምን ካብ ኣካላቱ ዝወፅእ ፈሳስን ይርከብ። እቲ ሕማም መብዛሕትኡ እዋን ብፆታዊ ርክብ ‘ዩ ዝመሓላለፍ፣ ኤች.ኣይ.ቪ ብስሪንጋን ካልኦት ናውትን ‘ውን ክመሓላለፍ ይኽእል ‘ዩ። ደም ዝህቡ ሰባት ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ እንተዘይገይሮም ‘ውን በቲ ንኻልእ ሰብ ዝወሃብ ደም ኣቢሉ ኽመሓላለፍ ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ውሑድ ኣጋጣሚታት ‘ውን ኤች.ኣይ.ቪ ደም ብዘለዎ ኣብ ቈርበት ብዝርከብ ክፉት ቁስሊ ክመሓላለፍ ይኽእል ‘ዩ።

ኣብ ግዜ ጥንሲ፣ ሕርሲ ከም’ውን ኣብ ግዜ ጡብ ምጥባው እቲ ሕማም ካብ ኣደ ናብ ሕፃን ናይ ምምሕልላፍ ኣጋጣሚ ኣስታት 30 ሚእታዊት ‘ዩ። ነታ ጥንስትን ነቲ ሕፃንን ኣብ ክትትልን መጀመርታ ሰሙናት ድሕሪ ሕርሲ ሕክምና ብምሃብን ነቲ ናይ ምምሕልላፍ ኣጋጣሚ ናብ 1 ሚኢታዊት ክንኪ ይከኣል ‘ዩ።

ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ ምግባር ኣገዳሲ ‘ዩ። ሳላ እቲ ሎሚ ዘሎ ዘመናዊ ሕክምና መብዛሕትኦም ሕሙማት ኤች.ኣይ.ቪ ከቢድ ሕማም ከይሓመሙ ንነዊሕ ዓመታት ክነብሩ ይኽእሉ ‘ዮም። ስለዚ ምናልባት ኤች.ኣይ.ቪ እንተ ሃልዩካ ሕክምና ብቕልጡፍ ምእንቲ ኽትጅምር መርመራ ምግባርካ ጠቓሚ ‘ዩ። ኤች.ኣይ.ቪ ከም ዘለካ ምፍላጥካ ናብ ካልኦት ንኸይተመሓላልፍ ‘ውን ይጠቕመካ ‘ዩ።

እቲ በቢ ዓመቱ 22 ሕዳር ዝኽበር መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣመልኪቱ ኣብዚ ዓመት ” ሰብኣዊ መሰል ዘኽበረ ግልጋሎት ንኹሉ” ብዝብል መርሕ ሓሳብ ንመበል 37 ጊዜ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይቪ /ኤድስ ተኸቢሩ ‘ዩ። እዚ መዓልቲ ምኽባር ስዒቡ ኣብ ዝተውሃበ መግለፂ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ተስፋሕፊሑ ከምዝርከብን ትኹረት ከምዘድልዮን ተገሊፁ ‘ዩ።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ 10 ገጠር ወረዳታትን 10 ከተማታትን ብዝገበሮ መፅናዕቲ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ካብ ዝነበረ 1 ነጥቢ 4 ሚልዮን መጠን ዝርገሐ እቲ ሕማም ብዕፅፊ ወሲኹ ‘ዩ። ንምግዳድ እቲ ሕማም ቀንዲ ምኽንያታት ድማ ድኽነት ዝወለዶን ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ኲናትን ስዒቡ ሕፅረት መከላኸሊ ኤች ኣይቪ ኤድስ ስለ ዘጋጠመን ኻልኦት ምኽንያታት ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ብፆታ እንትነፃፀር ቑፅሪ በቲ ሕማም ዝተታሓዙ እንትረአ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ቑፅሪ ከምዝሕዛ ዝፍለጥ ‘ዩ። ቀንዲ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ወገናት እንትረአ ድማ ኣብ ስራሕቲ ፋይቶት ዝተዋፈራ፣ መናእሰይ፣ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ገናሕቲ መኻይን እንትኾኑ ነዙይ ንምቁፅፃር ድማ ዓብይ ስራሕ ክስራሕ ትፅቢት ይግበር።

እዚ ድማ ኣብ ምቁፅፃር ኤች ኣይቪ ኤድስ ልዑል ተራ ዘለዎ ኹሉ ብምውዳድ ዝተጠናኸረ ስራሕ ክስራሕ ይግባእ። ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝርከቡ ኣካላት ነዙይ ተረዲኦም ኣብ ምክልኻል ኤች ኣይቪ/ ኤድስ ትኹረት ክገብሩ ኸዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ንምቕናስ ግደኦም ክፃወቱ ይግባእ። ከምዝፍለጥ ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብርክት ዝበለ ክፋል ሕብረተሰብ በቲ ሕማም ይልከፍ ከም ዘሎ ‘ዩ።

እዚ ንምንካይ ድማ ግድን ኹሉ ብፍላይ ድማ ተቓላዕቲ ዝባሃሉ ማሕበረሰባት ምርመራ ከካይዱ ግድን ‘ዩ። ተመርሚሮም ዓርሶም ዝፈልጥሉ ድማ ኹነታት ተመቻችይሎም ባዕሎም ሓልዮም ንኻሊእ ‘ውን ተንኸባኸብቲ ንክኾኑ ዝተፈላለየ ስልጠናታት ብምሃብ እቲ ፀገም ምንካይ ይካኣል ‘ዩ።

ብሰንኪ ገጢሙ ዝነበረ ኩናት ዝርገሐ ኤች.ኣይ.ቪ.ኤድስ ኣዚዩ ሓደጋ ኾይኑ ከም ዘሎን ብፍላይ ኣብ ከተማታት መኾኒ፣ ማይጨዉ ፣ጨርጨር፣ ኣላጀን ቦራን ሰፊሕ ምስፍሕፋሕ ይርአ ከም ዘሎን ኩሉ ማሕበረሰብ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዉ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ከም ዝግባእ ዓብይ ወፍሪ ምድሓን ከምዘድልዮ ግድን ‘ዩ ።

እዚ ሕማም ሃገር ተረካቢ ኣምራቲ ሓይሊ ተባሂሉ ተስፋ ዝዋሃበሉ መንእሰይ ዘጥቅዕ ስለዝኾነ ዘርኢ፣ ፆታ፣ ዕድመን ሃይማኖትን ከይፈለየ ንኹሉ ዘጥቅዕ ብምዃኑ እዚ ሕማም ትኹረት ተገይርሉ ክስራሕ ከምዝግበኦ ዘርኢ ‘ዩ። መንእሰይ ድማ ንትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣዝዩ ዘድልያን ካብ ዝነበረቶ ፀገም ንኽትላዓል ተስፋ ዝገብረሉ ወለዶ ‘ዩ።

እቲ መንእሰይ ባዕሉ ካብዚ ሕማም ንኽከላኸል ዓብይ ናይ ግንዛበ መፍጠርቲ መድረኻት ዘድልይሉ እዋን ‘ዩ። እዚ ድማ ትፅቢት ዝግበር ካብቲ ዝምልክቶ ኣካል ጥራሕ እንተይኾነስ ካብቲ ማሕበረሰብ ባዕሉ ዓብይ ተሳትፎን ጥንቃቐን ካብ ምግባር ዝጅምር ‘ዩ።

ስለዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዑል ጥንቃቐ ከም ዘድልይን ብፍላይ መናእሰይ ተመርሚሮም ዓርሶም ፈሊጦም መከላኸሊ መንገዲታት ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ከተግብሩ ይግባእ። እዚ ድማ እቲ ፀገም ካብ ዘብፀሖ በሰላ ምንካይ ይካኣል ‘ዩ። እዚ መፍረይ ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ድማ ኣብ ልምዓትን ዕብየት ሃገርን ዓብይ ትፅቢት ስለዝግበረሉ በዚ ሕማም ምኽንያት ዕንቅፋት ከይገጥሞ ናይ ኹላትና ርብርብ የድልዮ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You