ኣብ ሃገርና ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራል ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ስዒቡ ኣብ 24 ቕምቲ 2013 ዓ.ም ኩናት ምውልዑ ዝፍለጥ ‘ዩ:: እቲ ኩናት ብፍላይ ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ፣ ፓለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ዕንወት ኣብፂሑ ‘ዩ:: ኣዝዩ ብዘዳሚ ኩነታት ንኸባቢ ክልተ ዓመታት ምስ ተኻየደ ኣብ 24 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ብዝተገብረ ስምምዕ ሰላም መዕለቢ ረኺቡ ‘ዩ::
እቶም ነጥቢታት ስምምዕ ሰላም ብዙሓት እኳ እንተኾኑ ዝተወሰኑ ንምጥቓስ ዝኣክል፣ ብሰንኪ ተቋሪፆም ዝነበሩ ከም መብራህቲ፣ ባንኪ፣ መጎዓዝያ ወዘተ ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፣ መንግስቲ ፌዴራል ክኽፈት ከምዘለዎ እንትኸውን ብወገን ህወሓት ‘ውን እቲ ሓደ ነጥቢ ስምምዕ ሰላም ዕጥቒ ብምፍታሕ ንፌዴራል ምርካብ ዝብል ይርከብዎም::
ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምክያዱ ድምፂ ጥይት ጠጠው ኢሉ እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ነገራት ክቀርብሉ ዝኸኣለሉ ኩነታት ‘ውን ተፈጢሩ ‘ዩ:: ነዚ ስዒቡ ከበድትን ማእኸለዎትን ኣፅዋር ናይ ምፍታሕ ተግባራት ተኻይዱ ‘ዩ፤ ምቅራብ መሰረታዊ ኣገልግሎታት እናተጣናኸረ ከይዱ:: ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ክልልና ቁጠባዊ ምንቕስቓሳትን ትምህርትን ‘ውን ተጀሚሩ:: ብፍላይ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስተጣየሸ ምትእምማን እናወሰኸ ከይዱ ብዙሓት ናይ ልምዓት ስራሕቲ ተሳሊጦምን እናተሳለጡን ይርከቡ::
ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ጀሚሩ ህወሓት ከበድቲ ዕጥቒ ምስ ምርካቡ ‘ውን ተተሓሒዙ ብዙሓት ናይ ሰላም ለውጥታት ዝተራኣዩ ኮይኖም ሕዚ ‘ውን ነዚ ሰላም ብዝበለፀ ዘጣናኽሩ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ:: ነበር ዕጡቓት ኣብዚ ዓመት እዚ ናብ 75 ሽሕ ዝኾኑ ዕጥቖም ብምፍታሕ ናብ ተሃድሶ ክኣትዉ እቲ ከይዲ ኣብ መቐለ ተጀሚሩ ይርከብ::
እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወግዓዊ ምጅማር መደብ ምፍታሕ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ምጅማሩ ተተሓሒዙ ኣብቲ መደብ ምፍታሕ ዕጥቒ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣቦ መንበር ሃገራዊ ተሃድሶ ጊዴዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላታትን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፣ ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕንነትን ፀጥታን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፣ ግዝያዊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ምክትል ዝኾኑ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፣ ኮሚሽነር ብሄራዊ ተሃድሶ ተመስገን ጥላሁንን ካልኦት ናይ ደገ ተዓዘብትን ኣብዝተረኸብሉ ተጀሚሩ ‘ዩ::
እዚ ድማ ዝያዳ ምትእምማን ሰላም ንምሕያል ዝሕግዝ ‘ዩ:: ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ ሃገራውን ዓለምለኻውን ወከልቲ ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ዝተዳለወ ኤግዚቢሽን ኣብ መለስ ዜናዊ ካምባስ ብምብፃሕ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝነበሩ ዕጡቓት ነበር ናይ ተሃድሶ ስልጠና ንምሃብ ዘካየዶ ምድላዋት ተዘራሪቦም ‘ዮም። እዚ ድማ ሰላም ንምሕያል ዘለዎ ትርጉም ዓብዪ ‘ዩ::
እቲ ክልል ክንዲዚ ዝኣክሉ ዕጡቓት ክሽከም እንተሎ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ዘሕድሮ ፅልዋ ብቐሊሉ ዝረኣይ ኣይኮነን:: ብፍላይ እቲ ክልል ኣብ ኩናት ምስ ምፅንሑ ተተሓሒዙ ብኢኮኖሚ ኣዝዩ ተጎዲኡ ‘ዩ:: መንግስቲ ብዝገብሮ ዘሎ ድጋፍ እቶም ነበር ዕጡቓት ናብ ህዝቦም ተፀምቢሮም ህይወቶም ክመርሑ፣ ወለዶም ክድግፉ እንተለዉ ‘ዩ እቲ እቲ ተመራፂ ዝኸውን::
ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል ዕጥቑ ፈቲሑ ኣብ ልምዓት ክዋፈር እንተሎ ‘ዩ:: ብፍላይ ተሃድሶ ወሲዶም ናብ ህዝቢ ተፀሚሮም ክገብርዎ ዝግበኦም ነገር ክገብሩ እንተለዉ ለውጢ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ:: እዚ እድል እዚ ድማ ብኣግባቡ ከንጥቐመሉ ይግባእ:: በቲ ዝተቐመጠ መደብ መሰረት ኩሉ ተሓባባሪ ክኸውን ‘ውን ኣለዎ:: እዚ ብቐሊሉ ዝረኣይ ጉዳይ ኣይኮነን::
ኣብዝሓለፈ ሓሙስ 12/2017ዓ.ም ከባቢ 320 ነበር ዕጡቓት ዕጥቖም ብምፍታሕ ንመንግስቲ ኣረኪቦም ናብ ናይ መቐለ ናይ ተሃድሶ ስልጠና መውሃቢ ማእከል ኣትዮም ተሃድሶ እናወሰዱ ይርከቡ:: እዚ ዝነኣድ ተግባር ‘ዩ፤ ካልኦት ‘ውን ነዚ ዕድል እዚ ክጥቀምሉ ኣለዎም::
እቶም ኣብ ማእኸላት መቐለ ጥራሕ ዘይኮኑስ ዕዳጋ ሃሙስን ዓድዋን ናይ ምጥያሽ ስልጠና ክወስዱ እንከለዉ እዚ ተሃድሶ እዚ ናብ ሕብረተሰብ ምስተ ፀመሩ ብዝግባእ ክጥቐምሉ ኣለዎም:: እዚ ምርካብ ዕጥቒ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 75 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ኣብተን ሰለስተ ማእኸላት ስልጠና ተሃድሶ ክስልጥኑ እንትግበር ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ዩ:: ምኽንያቱ ዕጥቂ ብምፍታሕ ናብ ሕብረተሰብ ተዋሃሂዶም ንቡር ህይወቶም ንምምራሕ ዝጠቕሞም ስለዝኾነ ብኣግባቡ ክጥቐምሉ ይግባእ::
ስለዚ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምፍታሕ ዕጥቒ ኣብ ሃገርና ሰላም ካብ ምዕዛዝ ብተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ክልልና ኢሉ ‘ውን ሃገርና ንምሕያል ዓብዪ ግደ ኣለዎ:: ብምዃኑ እዚ መደብ እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ተፈፃሚ ኮይኑ ኣብ ክልልና ኢሉ ‘ውን ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንክሰፍን ካብ መንግስቲ ወፃኢ ካልኦት ኣብ መላእ ሃገርና ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ነዚ ኣወንታዊ ተግባር ክኽተልዎን እጃሞም ክዋፅኡን ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ::
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም