ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ 640 ነበር ዕጡቓት ናብ ማሕበረሰብ ተሓዊሶም

ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ማእኸላት ስልጠና መቐለን ዕዳጋ ሓሙስን ዕጥቂ ብምፍታሕ ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ 640 ነበር ዕጡቓት ናብ ማሕበረሰብ ንኽሕወሱ ከምዝተገበረ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣፍሊጡ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኸምኡ ‘ውን ተወከልቲ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ኣብ ዝተረኸብሉ 14 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ መቐለ ነበር ዕጡቓት እግሪ ንምትካል ዕላዊ መጀመሪ ስነ-ስርዓት ምክያዱ ዝፍለጥ ‘ዩ።

በዚ መሰረት ‘ውን እቶም ሰልጠንቲ ነበር ዕጡቓት ውልቃውን ጉጅላውን ኣፅዋር ብምርካብ ስልጠና ተሃድሶ ዛዚሞም ናብ ማሕበረሰብ ተሓዊሶም። ኣብ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ዳይሬክተር ዲሞብላይዜሽን ሌተናል ኮሎኔል ጎሳዬ ጥላሁን፤ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ማእኸላት ስልጠና መቐለን ዕዳጋ ሓሙስን ስልጠና ዝወሰዱ 640 ነበር ዕጡቓት ናብ ማሕበረሰብ ንኽሕወሱ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ኣብቶም ማእኸላት ስልጠና ሓደ ሽሕን 360 ነበር ዕጡቓት ኣብ ኸይዲ ዲሞብላይዜሽን ዝርከቡ እንትኸውን ኣብ ቐፃሊ ናብ ማሕበረሰብ ከምዝሕወሱ ተዛሪቦም። ካብ መትከል ዲሞብላይዜሽንን ዳግማይ እግሪ ምትካልን ብምልዓል ‘ውን ንደቂ ኣንስትዮን ጉዱኣት ኣካልን ቐዳምነት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ ቐፃሊ ዓቕሚ ቕበላ ስልጠና ተሃድሶ ዝህቡ ማእኸላት ብምዕባይ ብዝሓሸ ቕልጣፈ ንነበር ዕጡቓት ስሩዕ ህይወቶም ንኽመርሑ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም። ነበር ዕጡቓት ስሩዕ ህይወቶም ንኽመርሑ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መንግስቲ ፌደራልን ትካላትን ሓለፍቲ ስራሕን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ሃናፂ ግደ እናተዋፅኡ ምዃኑ ገሊፆም፤ ድጋፍን መሻርኽትነትን ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ተጠናኺሩ ንክቕፅል ሓቲቶም።

ካብ መንግስቲ፣ ተሓባበርትን ለገስትን ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ብዝተረኸበ ድጋፍ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 75 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ክልል ትግራይ ስሩዕ ህይወቶም ንኽመርሑ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ኣብ ሸውዓተ ክልላት ኣብ ቐዳማይ ዙር 75 ሽሕ፣ ኻልኣይ ዙር 100 ሽሕ፣ ሳልሳይ ዙር 150 ሽሕ ከምኡ ‘ውን ኣብ ራብዓይ ዙር 46 ሽሕ ብድምር 371 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ዕጥቂ ናይ ምፍታሕን እግሪ ናይ ምትካልን ስራሕ ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You