ብልዕሊ ኣርበዓን ሸሞንተን ሚልዮን ብር ህንፀት ሩባ ንምእላይ ሳይት ርኽክብ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፡ብፕሮግራም ኤስዲጂ ብልዕሊ 48 ሚልዮን ብር በጀት፣ንልዕሊ 36 ሄክታር ዘልምዕን ፀገም ቀረብ መስኖ ማይ ዝፈትሕን ሓድሽ ፕሮጀክት ስራሕቲ ህንፀት ሩባ ምእላይ ማይ ንምጅማር ሳይት ርኽክብ ከምዝተሳለጠ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ከም ዝሓበሮ፣ስራሕቲ ህንፀት ሩባ ምእላይ ማይ ንምጅማር ሳይት ርኽክብ ዝተገብረ ኣብ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ጣብያ ዶክተር ኣታኽልቲ ቁሸት ጭን ቦሰና ‘ዩ።

ኣባል ርኽክብ ኮሚቴ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ኩንትራት ምምሕዳርን ኢንጅነር ክንደያ ሃፍቱ ከምዝገለፅዎ፣ እቲ ስራሕ ኣብ ውሸጢ ሽዱሽተ ወርሒ ተሃኒፁ ናብ ግልጋሎት ዝውዕል ኾይኑ ልዕሊ ክልተ ኪሎ ሜትሮ ስራሕቲ ካናልን ዘካተተ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ሓጋዚ መስኖ ፕሮጀክት ን150 መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ዝገብር ልዕሊ 36 ሄክታር ብመስኖ ከልምዕ ዘኽእል ኾይኑ ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት በቲ ዝወፀ መርሃ ግብሪ ብፅሬትን ሰለጤንን ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ተሰሪሑ ናብ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ክውዕል ተኾይኑ ናይ ኩሉ ኣመራርሓን ሕብረተሰብን ደገፍ፣ክትትልን ተሳትፎን ከምዘድሊ እቶም ኢንጅነር ወሲኾም ገሊፆም።

ከም ሓበሬታ ቢሮ ጉዳይ ኮሚኒኬሽን ትግራይ፣ ኣብቲ ምስ ተኾናታራይ ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ዝተኻየደ ምጅማር ስራሕ ርኽክብ ሳይት፣ ኮሚቴ ርኽክብ ቢሮ ማይን ኢነርጅን፣ ተወከልቲ ወረዳን ጣብያ ኣመራርሓ፣ ተጠቀምቲ ሓረስቶት፣ተወከልቲ ዓበይቲ ዓድን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ሳይት ርኽክብ ተፈፂሙ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You