ኣብ ጎንደር እዩ ተወሊዱ። ይኹን ‘ምበር መዳሕንቱ ዝተቐበረሉ ጎንደር ገዲፉ ናይ 6 ወርሒ ሒንጦ እናሃለወ ኣብ ሕቑፊ ኣዲኡ እናሃለወ እዩ ንጎንደር ዝተሰናበታ።
መዕረፊቱ ድማ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ 50 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣዲስ ኣለም እያ። ኣብዛ ታሪኻዊት ከተማ ዕድመ ቑልዕነቱ ዘሕለፈ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ ካብ ቐዳማይ እስካዕ 6ይ ክፍሊ በቶም ዓብዪ ሊቅ ኣለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ ዝተሰየመ ቤት ትምህርቲ እዩ ተማሂሩ። ድሕሪ እዚ ካብ 9 ክፍሊ ዘሎ ትምህርቱ ኣብ ኣዲስ ኣለም ቐዳማይን ማእኸላይን ቤት ትምህርቲ እዩ ተማሂሩ።
ድሕሪ እዚ ግና ንከተማ ኣዲስ ኣለም ተሰናቢቱ ኣብ ማእኸል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፒያሳ እዩ ኸቲሙ። ኣብ ቤት ትምህርቲ እቴጌ መነን ትምህርቱ ቐፀለ። ብኣቀባብላ ትምህርቱ ቕልጡፍ ዝነበረ ነብዩ፤ ናይ ኻልኣይ ብርኪ ፅቡቕ ውፅኢት ብምምዝጋብ ኣብ ጥቓ እቴጌ መነን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣተወ።
ብተዋሳኣይነት ብዙሕ ኣፍልጦ ዝረኸበ ነብዩ፤ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ እንትኣትው ዝመረፆ ክፍሊ ትምህርቲ ትያትር እዩ ነይሩ። እዚ ምርጭኡ ግና ብሙሉእ ድምፂ ኣይፀደቐሉን ነይሩ። ነብዩ ተዋሳኣይ ክኸውን ይደልይ ነይሩ።
ኣብ ቑልዕነቱ ንዝጀመሮ ምውሳእ ዕድል ዝሃብዎ እንግሊዘኛ መምህር ዝነበሩ ኣቡኡ ባዬ ንጋቱ ድሌት ውላዶም ይድግፉ ነይሮም። ኣዲኡ ግና ካብዚ ዝተፈለየ ትምኒት ነይርወን ውላደን ሕጊ ተማሂሩ ሓዊ ዝለሓሰ ጠበቓ ወይ ድማ ዳኛ ተዝኸውን ትምኒተን እዩ። ብርግፅ ሓቀን እየን። ‹‹ኣፍቲ እዋን እሱ ትያትር ክምሃር እየ ኢልኻ ምምራፅ ዘገርም፣ ዘውቅስ፣ ኣብ ስድራ ሕቶ ዘልዕል ጉዳይ እዩ ነይሩ›› ይብል ነብዩ። ዝኾነ ኾይኑ ነብዩ ናይ ትያትር ተምሃራይ ኾነ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ናይ ትያትር ትምህርቲ እንትጅምር ‘ውን እቶም ዝነበርዎ ናይ ቑልዕነቱ ተሞክሮታትን ድሌትን ሓጊዞሞ ምስቲ ዘለዎ ፅቡቕ ኣቀባብላ ትምህርቲ ተደሚሩ ትምህርቱ ብመዓርግ ተመሪቑ እዩ። ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ድማ ይደልየካ እየ ኣብዚ ፅንሐኒ ኢልዎ። ኣፍቲ ዝተምሃረሉ ዩኒቨርሲቲ ክምህር ጀመረ። ብሓጋዚ መምህር ዝጀመሮ መምህርነት ዩኒቨርስቲ ብዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ቐፂሉ እስካዕ ኣባል ሰኔት ተጓዒዙ እዩ።
ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ መድረኽ ምርሓቕ ዘይደልይ ነብዩ፤ ጎና ጎኒ ይዋሳእ ነይሩ። ተምሃራይ እናሃለወ ዝተዋሰኦ ናይ መፈለምታ ስርሑ ‹‹ማጭድ››ዝብል እንትኸውን፤ ዕድል ምውሳእ ዘጋጠሞ ምስ ዓበይቲ ተዋሳእቲ በዓል ደበሽ ተመስገን፣ኣለምፀሃይ በቀለ፣ኣዳነች ወልደገብርኤል እዮም።
ብሓደ ወገን እናተዋስኡ መምህርነትን ዲን ክፍለ ትምህርቲ እናሃለወ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሰሪሑ፤ ካብ መንጎ እዚኣቶም ድማ እቲ ታሪኻዊ ማእኸል ባህሊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንኽነቓቓሕ፤ ትምህርቲ ቲያትር ብብርኪ ማስተርስ ንኽወሃብ ከምኡ ‘ውን እቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዝህበሉ ሕጊ እንትረቅቕ ምስታፍ ተጠቀስቲ እዮም።
ብተወሳኺ ድማ ኣብ ቤት ትያትር ብዝነበሮ ፃንሒት ኣብ መንጎ ብትያትር ዝተመረቐን ብተሰጥኦ ጥራሕ
ዝዋሳእን ዘሎ ኣፈላላይ ንምድፋን ትምህርቲ ትያትር ብናይ ምሸት ክፍለ ጊዜ ክጅመር ብምግባር ብዙሓት ዓበይቲ ተዋሳእቲ ተማሂሮም ዓርሶም ብቑዓት ንኸብቅዑን ገይሩ እዩ።
ኣብ 1994 ዓ/ም ናይ መጀመሪያ ዲግሪኡ ብክፍሊ ትምህርቲ ትያትር ዝረኸበ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ፤ድሕሪ እዚ ‘ውን እናተምሃረ ኻልኣይ ዲግሪኡ ብስነ ፅሑፍ ቐፂሉ ድማ ዶክትሬቱ ብፅንዓት ኣፍሪካ ተማሂሩ እዩ። ናይ መጀመሪያ ዲግሪኡ ከይወደአ ብዝጀመሮ ምውሳእ ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ትያትራት፣ናይ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ድራማታት ከምኡ ‘ውን ፊልምታት ተዋሲኡ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለለ ዘፈራት ተፈለጥቲ ዝኾኑ ስራሕቲ ተንጠቅስ እኳ ካብ ትያትር ‹‹ነብይ ዤሮን››፣ካብ ቴሌቪዢን ድማ ‹‹ዳና››፣ካብ ሬድዮ ድራማ ‹‹የቀን ቅኝት›› ከምኡ’ውን ካብ ፊልም ‹‹ጤዛ›› ምጥቃስ ይከኣል።
ሃገራዊ ለውጢ እንትመፅእ ‘ውን መካየዲ ስራሕ ብሄራዊ ትያትር ብምዃን ንኣዋርሕ ዝሰርሐ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ነብዩ፤ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ቢሮ ኪነጥበብ ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ብምዃን ተሸይሙ ሰሪሑ እዩ፤ኣብ እዋን መሪሕነቱ ናይ ፊልም ሳንሱር ንኽተርፍ፣ መዋቕር ኪነጥበብ እስካዕ ወረዳ ንኽበፅሕ፣ኣዳራሽ ሃገር ፍቅርን ራስ ትያትርን ንኽሕደስ ሓደሽቲ ህንፃታት ንኽስርሑን ገይሩን እዩ። ኣብ ፒያሳ ዘሎ ማእኸል ዓድዋ ንኽህነፅ ድፍኢት ካብ መንጎ ዝገበሩ ሰባት ሓደ እንትኸውን፣እቶም ታሪኻዊ ቦታታት ‹‹ሰይጣን ቤትን ኣምበሳ ፋርማሲን ከይፈርሱ ዝገበሮ ቃልሲ ኣብ ህይወተይ ዘኹረዐኒ እዩ›› ይብል።
(ፍልፍል፤ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን)
ትርሓስ ፍቃዱ
ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013