ቶኪዮ 2020 ኦሎምፒክ

ቶኪዮ 2020 ኦሎምፒክ ናይ ለይቲ ግርማ ሞገስ ገፊፉ ብብርሃን ተዓጂቡ ተኸፊቱ እዩ ፣ብዙሕ ቢልየን ዶላራት ዝፈሰሰሉ ስታድየም ብዘይ ተመልካቲ ባዶ ኾይኑ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኣታኣናጊዱ እዩ። ስነ ስርዓት መኽፈቲ ካብ ካልኦት ኦሊምፒካት ኣንፃር ብኮቪድ ምኽንያት እንተደብዘዘ’ውን ፣ብሕብርታት ዝደመቐ ፣ ብርችት ዝተፈላለዩ መብራህቲ ዝተኸበበ፣ ብጥበባዊ ምንቅስቓስ ዝፀበቐን ሰማይ ጃፓን ዘብረሀ እዩ ነይሩ። ከም ለንደንን ሪዮን ኦሎምፒካት ህዝባዊ ፌስትቫል ተዘይተርኣየ’ውን ኣብቲ ልዕሊ ስታድየም ዝነበሩ 1ሽሕ 824 ድሮን ናይቲ ኦሊምፒክ ምሉእ ብሙሉእ ኣድመቖምዎ እዮም።

68 ሽሕ ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ብዘለዎ ዓብይን ዘመናዊን ስታድየም ውሽጢ ብጋሻ ዝተዓደሙ 950 ሰባት እንትኾኑ ፤ ካብዚኦም ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ከምኡ’ውን ቀዳማዊት እመቤት ኣሜሪካ ጂል ባይደን ተረኺቦም እዮም።

ዓለም ዝፅበዮን ትኹረት ኹሉ ኣኪቡ ብዝምልከቶ ስነ ስርዓት መኽፈቲ 200 ዝኾኑ ኣትሌታት ናይ ሃገሮም ባንዴራ ዚሖም ኣብቲ ሜዳ ተራእዮም እዮ። ችቦ ኦሎምፒክ ብምውላዕ እቲ ውድድር ብዕሊ ምጅማሩ ዘበሰረት ጃፓናዊት ተፃዋቲት ቴንስ ናኦሚ ኦሳካ እያ። ናይ ኣርባዕተ እዋን ቻምፒዮን ኣሸናፊትን ብሄራዊ ጀግና ጃፓን ዝኾነት ኮኾብ ተፃዋቲት እያ።

እቲ ኦሊምፒክ እንትኽፈት ፕሬዝዳንት ኮምቴ ዓለምለኸ ኦሎምፒክ ቶማስ ባህ ፤ ‹‹እዚ ነፀብራቕ ተስፋ እዩ›› ክብሉ ተዛሪቦም እዮም። ቀፂሎም ድማ ‹‹እዚ ኹላትና ካብ እንሓስቦ ንላዕሊ ዝኾነ ነገር እዩ፤ ኣብ መወዳእታ ኹላትና ኣብዚ ብምርካብና እንኳዕ ደስ በለና፣ እዚ ውድድር ኹላትና ናይ ገፅ መሸፈኒ ገይርና ናይቲ ቫይረስ ተጠቃቲ ውፅኢት እናሰማዕና ደገፍቲ ኣብዘይብሉ ክቕፅል እዩ። ግና ኸዚ’ውን እንተኾነ ናይ ምድርና እቲ ዓብይ ምርኢት ፣ ቕልጡፍን ልዑልን ጠንካራ ኦሎምፒክ እዩ›› ብምባል ተስፋ ወሃቢ መልእኽቲ ከምዘመሓላላፉ ቢቢሲ ገሊፁ እዩ።

ናይ መጀመርያ ኦሎምፒክ ወርቂ ብቻይና ዝተመዝገበ እንትኸውን ፣10 ሜትር ዓሊምኻ ምትኳስ ያንግ ኪያን ባዓልቲ ዋና ወርቂ ኾይና ኢያ፤ ንዓኣ ተኸቲለን ውድድረን ንዝዛዘማ ሩስያዊትን ስዊዘርላዳዊትን ንሃገረን ናይ ብሩርን ነሓስን ብምምዝጋብ ቀደምቲ ኣትሌታት ኾይነን እየን።

 ኢትዮጵያ ብወርልድ ቴኳንዶ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣብ ሜዳልያ ሰንጠረዥ ክትኣቱ እያ ተባሂሉ ተስፋ እንተገበረ’ውን ኣይተሳኸዐን። ቀዳማይን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብሕታዊ ተሳታፊ ዝኾነ ሰለሞን ቱፋ ፣ኣብ መጀመርያ ውድድር ንጃፓን እንተሳዓረ’ውን ኣብ ኻልኣይ ዙር ብቱኒዝያዊው ክሳዓር ክኢሉ እዩ።

ኣብ ኦሎምፒክ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፍለጥ ንሓደ ዓመት ንክናዋሕ ዝገበሮ ዓለምለኸ ኮቪድ19 ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። ቅድሚ ኣዋርሕ ድማ ጃፓን በዚ ሕማም እናተሓመሰትን ዜጋታት እዚ ኦሊምፒክ ንከይካየድ ብዝተፈላለየ መልክዑ ተቃውሞኦም እናገለፁ ብዕሊ ተጀሚሩ እዩ፡ ፡ኾይኑ ግና ልእዃት ሃገራት ናብ ጃፓን እንትኣትዉ ከምኡ’ውን ኣብኡ ኣብ ዝህለዎም ፃንሒት ኣብ ዝግበረሎም ምርመራ ቫይረሱ ዘለዎም ኣትሌታት ቑፅሪ እናወሰኸ እዩ። ተፈለጥቲ ኣትሌታት’ውን በቲ ቫይረስ ብዕሊ ንክፍለዩ ብምግባሮም ሃገሮም ከይወከሉ ተሪፎም እዮም። እዚ ድማ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ናብ 127 ኾይኖም እዮም።

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013

Recommended For You