ቅርስታት ብተፈላላዩ ምኽንያታት ጉድኣት ይበፅሖም ‘ዩ:: ንሳቶም ድማ ብሙቐት፣ ዛሕሊ፣ ማይ፣ ኹናት ካልኦት ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ክኾን ይኽእል ‘ዩ:: ከምዚኦም ዝበሉ ኩነታት ኣብ ቅርስታት ምብስባስ፣ምሽርራፍ ዝመሳሰሉ ኩነታት ስለ ዘስዕቡ እቲ ቅርሲ ናይ መጀመርታ ትሕዝትኡ ይስእን ወይ ከምዘይነበረ ክኾን ይኽእል::
ብምዃኑ በዞም ኩነታት እዚኦም ቕርስታት ከይጠፍኡ እንታይ ክግበር ኣለዎ? እንተይልና ብጥንቓቐ ክታሓዙ ኣለዎም ‘ዩ እቲ መልሲ:: ብጥንቓቐ ክታሓዙ ኣለዎም ከንብል እንተለና ምስ ዘለዎም ረብሓ ተተሓሒዙ ‘ዩ:: ምኽንያቱ ንመፃኢ ወለዶታት ናይ ቐዳሞት ኣቦታት ስራሕቲ ወይ መንነት ንናይ ህልውን ቐፃልን ወለዶ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ሓሊፎም ፍልፍል ቱሪዝም ‘ውን ስለዝኾኑ ‘ዩ:: ንሕሉፍ ታሪኽን ባህልን ሓደ ህዝቢ ዝውክሉ ስለዝኾኑ ‘ውን ክዕቐቡ ኣለዎም::
ክዕቐቡ እንተለዉ ናይ ሕሉፍ ኩነታት ንምርዳእን ንምግላፅን ይሕግዙና:: ቅርሲታት ናይ ሕሉፍ ፖለቲካ፣ ሕብረተሰብ፣ ንግዲን ኣረኣእያ ዓለምናን ንምፍላጥ ዓቢይ ተራ ዝፃወቱ ብምዃኖም ንናይ መፃኢ ኩነታት ንምምሃርን ንምግማትን ዝሕግዙ ‘ዮም:: እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ቅርስታት ብፍላይ ኣብ ሃገርና ከንርኢ እንተለና ብተፈላላዩ ምኽንያታት ማለት ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ዝተፈላላዩ ጉድኣታት ክበፅሖም ንዕዘብ ኢና::
ምስ እዚ ተተሓሒዙ በዓል መዚ ቅርሲ ኢትዮጵያ ኣብዚ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ቅርስታት ኣብ ምፅጋንን ክንክንን ብዝምልከት ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ምስቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናትን ካልኦት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ተተሓሒዙ ዝበፅሖም ጉድኣት ኣብ ምፅጋንን ምሓዝን እንታይ ይመስል ብዝብል ምስ ኣብ በዓል መዚ ቅርሲ ኢትዮጵያ ሓላፊ ስራሕቲ ዴስክ ልምዓት ቅርስታት ዝኾኑ ኣይተ ፋንታ በየነ ከምዝስዕብ ፃኒሒት ገይርና ኣለና:: ሰናይ ንባብ!
ወጋሕታ፡- ኣብዚ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ምስ ምፅጋንን ምሕላውን ቅርሲታት ተተሓሒዙ ክፅገኑ ዝተሓሰቡ፤ እናተፀገኑ ዝርከቡን ከምኡ ‘ውን ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብዚ ርብዒ ዓመት ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንተልዮም ተዝገልፁለይ?
ኣይተ ፋንታ፡- ኣብ ናይ በዓል መዚ ሓለዋ ቅርሲ ኢትዮጵያ ከም ሓላፊ ዴስክ ሓለዋን ልምዓትን ቅርሲ ዘሳልጦም ስራሕቲ ኣለዉ፤ ብመንፅር ኣብዚ ዓመት ዝሓዝናዮ ትልሚ፣ እቲ ሓደ ዓሚ ተፀኒዖም ናብዚ ዓመት እዚ ዝተዘዋወሩ ትልምታት ስራሕቲ ኣለዉ፤ ነዚኦም ንምጥንኻር ጨረታ ወፂእሎም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ዘኽእል ስራሕ ምስራሕ ‘ዩ::
እቲ ካልኣይ ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ክልተ ዓይነት ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና:: እቲ ሓደ ክፅገኑ ዝግበኦም ቕርስታት ናይ ፅንዓት ስራሕቲ ምስራሕ ‘ዩ:: ካሊእ ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ክፅገኑ ዝተፀንዑ ቕርስታት ናይ ምፅጋን ስራሕቲ ምስራሕ ‘ዩ:: ስለዚ ብምንፅር እዚ ንሕና ኣብዚ ዓመት፣ ቐዳማይ ካብ ናይ ዓሚ ናብ ናይ ሎሚ ዘበን ክስርሑ ዝተዛዋወሩ ምፅጋን ቕርሲ ማለት ዓሚ ተጀሚሮም ፅገነኦም ዘይተወድኡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ‘ውን ኣብ ከይዲ ፅገና ይርከቡ::
ከምዚኦም ዝበሉ ፅገነኦም ክውድኡ ናይ ምክትታል ስራሕቲ እናሰራሕና ንርከብ:: እዚ ከም ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐሉ ይርከብ:: ካብዚ እቲ ሓደ ናይ ድሬ ዳዋ ምድሪ ባቡር ተርሚናል ዓሚ ዝተጀመረ ስራሕ ኣሎ እዚ ናይ ምዝዛም ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ::
ካሊእ ኣብ ሃረር ታሪኻዊ ስፍራ ኣሎ እዚ ‘ውን እናተፀገነ ይርከብ:: እዚ ናይ ምዝዛም ስራሕ ንምስራሕ ተተሊሙ እናተሰርሐ ይርከብ:: ከምዚኦም ዝበሉ ዓሚ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ናይ ምዝዛም ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ:: ካሊእ ዓሚ ተፀኒዖም ሎሚዘበን ናብ ስራሕ ክኣትዉ ናይ ምግባር ስራሕ ይስራሕ ኣሎ:: ካብዚኦም እቲ ሓደ ናይ ልጂ እያሱ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምብራቕ ሃረርጌ ዓሚ ፅንዓት ተገይሩ ፅንዓቱ ተዛዚሙ ናብ ናይ ፅገና ስራሕ ክእቶ ሎሚዘበን ጨረታ ወፂእዎ ናብ ተግባር ንምእታው እናተንቐሳቀስና ንርከብ::
ካሊእ ድማ ዓለምለኸ ቕርሲ ዝኾነ ናይ ጌድኦ ዓሚ ፅንዓት ተኻይዱ ብኡ መሰረት ናይ ልምዓት ስራሕ ትልሚ ተሰሪሑ ነይሩ ማለት ናይ ትልሚ ፅንዓት ብኡ መሰረት እቲ ፅንዓት ተዛዚሙ፣ እቲ ቕርሲ ብምንታይ ኣግባብ ክለምዕ ኣለዎ ብዝብል፣ ቐዳማይ ብመንፅር ናይቲ ቕርሲ ከባቢ ምስ ምልማዕ ተተሓሒዙ፤ ካሊእ ናብቲ ቕርሲ ዝወስዱ መንገዲታት ጊልቦርድ ጠጠው ናይ ምባል ስራሕ፣ ናብቲ ቕርሲ ዝወስዱ መንገዲታት ናይ ምስራሕን ከባቢ እቲ ቅርሲ ናይ ምልማዕን ዘድልዩ ነገራት ናይ ምስራሕን ንኣብነት ከም ሽቃቅ ምስራሕ ዝመሳሰሉ ስራሕቲ ንምስራሕ እናተንቐሳቀስና ኢና ንርከብ::
ካሊእ ናይ ኣብ ቤንሻንጉል ዝርከብ ቤተመንግስቲ ኣሎ፣ እዚ ዓሚ ተፀኒዑ ጨረታ ወፂእሉ ናብ ስራሕ ክእቶ ዝተገበረሉ ምንቕስቓስ ወይ ተኣተወሉ ኣሎ፤ ነቲ ጨረታ ዘሸነፈ ኮንትራክተር እናሰርሐ ዝርከብ ኮይኑ፤ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ሰብ ክኢላ ርእዮሞ ዝመፅሉ ኮነታት ኣሎ፤ ስለዚ ናይ ምክትታልን ስራሕቲ እናተሰርሑ ‘ዮም ዝርከቡ:: ኣብዚ ናይ መጀመርያታ ርብዒ ዓመት ከምዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ::
ካሊእ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረማርቆስ፣ ኣብ ደብረማርቆስ ቤተክርስትያን ዝርከቡ ጥንታዊ ናይ ግድግዳ ስእልታት ማለት ታሪኻዊ ስእልታት ምስ ናይ ግዜ ንውሓት ተተሓሒዙ ናይ ምህሳስን ሓደ ሓደ ፀገማትን እናበፅሖም ዘለዉ ብምዃኖም እዚኦም ጨረታ ወፂኡ ሰዓራይ ተፈልዩ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ናይ ስራሕ ርኽክብ ምስ ዝሰዓረ ኮንትራክተር ናይ ስራሕ ርኽክብ ዝተገበረሉ ኮይኑ ኣብ ናይ ግድግዳ ዘለዉ ስእሊታት ናይ ፅገና ስራሕቲ ንምግባር ዝተንቐሳቀስናሉ ኩነታት ኣሎ::
ኣብ ትግራይ ‘ውን ዝተፈለላላዩ ስራሕቲ እናሰራሕና ንርከብ፤ ኣብ ሓወልቲ ኣክሱም ፅንዓት ተኻይዱ ንምፅጋን ኣብ ምንቕስቓስ ንርከብ፤ ኣብ ኣብርሃ ወኣፅብሓ ቤተክርስትያን ናይ ፅንዓት ስራሕቲ እናተሳለጡ ይርከቡ፤ ከምኡ ‘ውን ኣብ ከም ኣቡነ ኣፍፄ ቤተክርስትያን ዝመሳሰሉ ቕርስታት ናይ ፅገናን ልምዓትን ስራሕቲ እናሳለጥና ንርከብ::
ብሓፂሩ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ ብትልሚ ሒዝና እናተንቐሳቐስና ኢና ንርከብ:: ካሊእ ናይ ጎንደር ቤተመንግስቲ ‘ውን እናተፀገነ ይርከብ እዚ ግና ብቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስቴር ዝሳለጥ ኮይኑ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ናይና ስራሕ ምክትታል ስራሕቲ እናሰራሕና ንርከብ:: ኣብ ካልኦት ከም ኮንሶ ዝበሉ ‘ውን ኣብ ትልምና ብምክታት ፅንዓት እናካየድና ኢና ንርከብ::
መጀመርያ ንትልም ማለት ኣብዚ ዓመት እዚ እንታይ እንታይ ስራሕቲ ከንሰርሕ ከምዘለና ምስ ተለምና ካብኡ ናብ ፅንዓት ኢና ንኣቱ:: ፅንዓት ምስተወደአ ኢና ናብ ተግባር ንኣቱ:: ሎሚ ዘበን ብዝተለምናዮ መሰረት ፅንዓት ነካይደሎም ቅርስታት ኣለዉ:: እቲ ሓደ ኣብ ኮንሶ ንገብሮ ፅንዓት ዩ:: ቕድሚ ሕዚ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣለዉ፤ ማለት ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ቅርታት እሴታት ምትንታን ኢንተርፕሬት ምግባር፣ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ንምስራሕ ዝተጀመሩ ናይ ምፅጋን ስራሕቲ ንምክያድ እናተንቐሳቐስና ኢና ንርከብ::
ካሊእ ኣብ ጅግጅጋ ወይ ኣብ ክልል ሱማሌ ጥንታዊ ቕርሲ ኣሎ፣ ኣብዚ ፅንዓት ብምግባር ናይ ምፅጋን ስራሕቲን ልምዓትን ንምግባር ኣብ ምድላው ኢና ንርከብ:: ዝተፈላላዩ መፅናዕቲ እናተኻደሎም ዝርከቡ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ቕርስታት ‘ውን ኣለዉ::
ከምዚኦም ዝበሉ ብትልሚ ተታሒዞም እናተሰርሐሎም ይርከቡ:: ካሊእ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ እናተፀገኑ ዝርከቡ ቕርስታት ኣለዉ:: ካሊእ ‘ውን ኣብ ኢልባውር ኢንግሊዝ ቖንስላ ቤት ፅሕፈት ናይ ፅገና ስራሕ ኣሎ፤ ዳርጋ ናብ ምዝዛም ገፁ ‘ዩ ዝርከብ:: በቢቦትኡ ዝርከቡ ቕርስታት ፈሊና ብምፅናዕ ኣብ ምፅጋንን ምልማዕን ኢና ንርከብ::
ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ክልል ዝርከብ መስጊድ ኣልነጃሽ በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ጉድኣት በፂሕዎ ከምዝነበረ ይፍለጥ ‘ዩ:: ኣብዚ ጉዳይ እዚ እንታይ ዝተሓሰበ ነገር ኣሎ?
ኣይተ ፋንታ፡- ኣብ ቕርሲ ኣልነጃሽ ከም በዓል መዚ ሓለዋ ቅርሲ ኢትዮጵያ ዝተሓሰበ ነገር ይሃሉ ኣይሃሉ ንግዚኡ ኣነ ሓበሬታ የብለይን:: የምናልባሽ ሓለፍቲ ዝፈልጥዎ ነገር ተሃልዩ ምርግጋፅ ይሕሽ፤ ከም ዝመስለኒ ግና ኣብዚ ጉዳይ እዚ የምናልባሽ መንግስቲ ዝሓዞ ጉዳይ ክህሉ ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ::
ወጋሕታ፡- እስቲ እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ቅርስታት ብናይ ተፈጥሮ ይኹን ሰብ ስራሕ ኩነታት ዘጋጠመ ጉድኣት ኣብ ምፅጋን ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ብፍላይ ቅድሚ ሕዚ ናይ ኣክሱም ሓወልቲ ንምፅጋን ቅድሚ ኩናት ምስ ናይ ጣልያን ኩባንያ ውዕል ተኣሲሩ ዝነበረ ኮይኑ ነገር ግን ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ተቋሪፁ ፀኒሑ ‘ዩ፤ እዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?
ኣይተ ፋንታ፡- ትኽክል ‘ዩ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኩናት ተቋሪፁ ፀኒሑ ነይሩ ‘ዩ:: ሕዚ ግና ከም እንደጋና ንምጅማር ኣብ ምንቕስቃስ ንርከብ:: ኣብ 26 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱምን መቓብር ነገስታትን ንምትግባር ስነ-ስርዓት ምፍርራምን ምትሕልላፍን እቲ ቦታ ተኻይዱ ‘ዩ:: በዓል መዚ ቅርሲ ኢትዮጵያ ንመፅናዕቲ ሓወልቲ ኣኽሱም ቁፅሪ 3ን ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ መቓብራት ነገስታትን ኣብ ከተማ ኣኽሱም ርኽክብ ተኻይዱ ‘ዩ።
እቲ በዓል መዚ ምስ ኣማኻሪ ኩባንያ ብምዃን ምሉእ ዳህሳስ መፅናዕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣክሱም ቁፅሪ 3ን መቓብር ነገስታትን ከምኡ ‘ውን ብሪክ ኣርክን ምድላው ተገይሩ ‘ዩ:: ሰነድ ገምጋም ፅልዋ ፅገና ቅርስታት/Heritage impact Assessement/ ምድላው ከምኡ ‘ውን ኣብ እዋን ናይ ፅገና ስራሕ ስነ- ስርዓት ውዕል ምፍራም ናይ ምምኽኻርን ተግባር ክትትልን /Follow up and Supervision / ንምክያድ ዘኽእል ናይ ውዕል ስምምዕ ምስ ኤም ኤች እንጂነሪንግን ስትድዮ ክሮቺ ናይ ፌርማ ስነስርዓትን ናይ ሳይትን ርኽክብ ተሳሊጡ ‘ዩ::
ሓወልቲ ኣክሱም ቁፅሪ 3ን መሰረቱ እናተናህለ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ተዛመድቲ ጉድኣትን ስለ ዝተኻተቱ መሰረት ብምግባር በዓል መዚ ቅርሲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ኤምኤች ኢንጅነሪንግን ናይ ኢጣልያ ስቱድዮ ክሮቺ ኣማኻሪ ትካላትን ብምዃን ናይ ቕድመ ፅገና ፅንዓት ካብ 2008 ክሳብ 2010 ዓ.ም ክሰርሑ ብምፅናሕ ሰነድ ፅንዓት ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዝተገብረ መድረኽ ምኽክር ክፀድቕ ተገይሩ ‘ዩ::
ነቲ ስራሕ መፈፀሚ ፅንዓት ዝኸውን 115 ሚልዮን ብር ተመዲቡ እቲ ስራሕ ኣብዝቕፅሉ ከባቢ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝሳለጥ ‘ዩ ዝኸውን:: ብተወሳኺ እቲ መፅናዕቲ ብዩኔስኮ ክግምገም ተላኢኹ ተወሳኺ መብርሂታትን ሕቶታትን ናብቲ በዓል መዚ ቀሪቡ፣ እቲ በዓል መዚ ተወሳኺ መብርሂ ሰነድ ከዳሉ ክኢሉ ‘ዩ።
ስራሕቲ ፅገና ንምክያድ ካብ ሮማ ብምምፃእ ጠጠው ዘበሎ ንቁፅሪ 2 ሓወልቲ ላታንዚ ዝተባህለ ናይ ጣልያን ኩባንያ ብምቑፃር ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስራሕቲ ፅገና ንምዝዛም ውዕል ብምእታው ስራሕቲ ሓለዋን ክንክንን ቅርስታት ንምስላጥ ዝሕግዙ ንብረት ዝሓዙ ኮንተይነራት ናብ ከተማ ኣክሱም ሰዲዱ ‘ዩ።
እቲ መፅናዕቲ ካብ ዝፅናዕ ግዜ ኣትሒዙ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመት ዝፀንሐ ብምዃኑ፣ ኣብቶም ቕርስታት ዘሎ ኩነታት ጉድኣት ሰኒድካ ሳይንሳውን ቅቡልነትን ዘለዎ መፍትሒ ምቕማጥ ኣድላዪ ‘ዩ፤ ከምኡ ‘ውን ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ተወሳኺ ስግኣታት ብምፍጣሩ ቑፅሪ 3 ሓወልቲ ኣክሱምን ቤተ መዘክር መቓብር ነገስታትን ከምኡ ‘ውን ብሪክ ኣርክ (ካብ ጭቃ ዝተሰርሐ ንመንደቅ ዝጠቅም ጡብ) ብምኽንያት እንተይተፀገነ ብምፅንሑ ኣብ ከቢድ ጉድኣት ስለዝርከብ ነቲ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ስራሕ ፅገና ንምቕፃልን ቅልጡፍ ፍታሕ ንምሃብን ነቲ መፅናዕቲ ምኽላስ ኣድላይ ኮይኑ ተረኺቡ ‘ዩ::
ካብዚ ብምብጋስ ናብ ተግባር ንምእታው ቕድሚ ሕዚ ብኣማኸርቲ ኩባንያታት ቅድሚ ልዕሊ ሸሞንተ ዓመት ተፀኒዑ ዝነበረ መፅናዕቲ ብምምሕያሽ ስራሕቲ ፅገና ንምስላጥ ብምሕሳብ ናብ ስራሕ ተኣትዩ ‘ዩ::
ወጋሕታ፡– ንዝሃቡና ሓበሬታ የቐንየልና::
ኣይተ ፋንታ፡- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ::
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም