“ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ስራሕትና ሰሪሕና ንክንልወጥ መሰረቱ ሰላም እንተሃለዩ ‘ዩ” – ኣይተ ሓዱሽ ኣሰፋ፣ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ዘፈር ቁጠባን ከተማ ውቕሮ

ናይ ሎሚ ናይዚ ዓምዲ ጋሻና፤ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ዘፈር ቁጠባን ከተማ ውቕሮ ኮይኖም፤ ኣይተ ሓዱሽ ዝተወለዱ ኣብ ማእኸላይ ዞባ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ኮይኖም፤ ላዕላዋይ ብርኪ ትምህርቶም ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስቪል ሰርቪስ ዩኒቨርስቲ ብሕጊ ዲግሪ፤ ካብ ሸባ ዩኒቨርስቲ ድማ ብማናጅመንት ዲግሪ ዝተምሃሩን ክሳብ ሐዚ ኣብ ስራሕ ካብ ዘለዎም ልመዲ፤ ኣብ ምኽባር ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ፖሊስ ብሞያ ሕጊ ሓደ 5 ዓመት፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ብሕጊ ኣማኻሪነት 5 ዓመት፣ ብፖለቲካዊ ጉዳያት ኣማኻሪን ዋና ኣመሓዳርን ‘ውን 4 ዓመት፣ ሐዚ ኣብ ዘለውዎ ስራሕ ምድብ ድማ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ዘፈር ቁጠባን 2 ዓምት ዝገበሩን ብሓፍሻ ን26 ዓመታት ብመሪሕነትን ብኸኢላን ዝሰርሑን እናሰርሑ ዝረከቡ ‘ዮም።

ናይ ሎሚ ጋሻና ኣይተ ሓዱሽ ኣሰፋ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ቃለ መሕትት፤ ካብ ታሪኻዊ ኣመሰራርታ ከይዲ ዕብየትን ከተማ ውቕሮ ጀሚሩ፤ ብዋናነት ቁጠባዊ ምንቅስቃስ እታ ኸተማ መሰረት ዘኾኑን ኣብዚ እዋን ዘሎ ምንቅስቃሳት ልምዓት፣ ሰላምን ድሕንትን፣ ሰራሕ ፈጠራን ኣብ ዝኣምሰሉ ትኹረት ብምግባር ዘሕለፍዎ ሓበሬታን መልእኽትን ከምዚ ዘስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ታሪኻዊ ኣመሰራርታን ኸይዲ ዕብየትን ከተማ ውቕሮ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሓዱሽ፡- ታሪኻዊ ኣመሰራርታ ከተማ ውቕሮ ክንረኢ ከለና፤ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ምስ ምምፃእ ነገስታት ኣከሱም ኣብርሃ ወኣፅብሃን ምምስራት ገዳም ቂርቆስን ተተሓሒዙ ዘተመስረተት ‘ያ። ቅድሚ ውቕሮ ተባሂላ ምፍላጣ “ኣብላስ” ብዝብል ስም ‘ያ ትፅዋዕ ነይራ።

ኣብላስ ማለት ድማ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ መፀውዒ ለምለም ቦታ ‘ዩ ነይሩ። ደሓር ግና ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ምስ ምምስራት ገዳማት ኣብርሃ ወኣፅብሃን ቅዱስ ቂርቆስን ብፍላይ ካብ ውቕር ኣካውሕ ዝተሰርሐ ገዳም ቂርቆስን መሰረት ብምግባር ውቅር ካብ ዝብል ናብ ውቕሮ ዝብል ተሰጋጊሩ መፂኡ። ኣብዚ ቅድም ኢሉ መዕረፊ ነገስታት ኮይና ተገልግል ከምዝነበረትን ኣብ ሓራ ሓፂን ዝብሃል ነገስታት ዝሰርሑሉን ዝቕመጡሉን ዝነበረን ዓዲ ገረንችአል ዝብሃልን ንዕኡ ዝገልፅ ቦታ ‘ውን በኣካል ዝርኣይ ኣሎ ‘ዩ።

ድማ ናብ ከተማ ምኽታምን ናብ ዝሓሸ ብርክን ዝመፀትሉ ተባሂሉ ዝግለፅ ከዓ ጣልያን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ 1928 ዓ.ም ኣብ ውቕሮ 01 ዝብሃል ህንፃን መጋቢት 30 ዝብሃል ዓብይ ድልልን ሰሪሑ ነዚ ምስ ሰርሐ ናይቲ ከባቢ ሰብ እናተቀራረበ ከተማ ምምስራት ጀሚሮም። ጣልያን ባዕሉ ‘ውን ሰከንድ ሮማ ዘብል ስም ሂብዋ ብኡ ኣቢሉ ‘ውን ሰብ እናተኣኻኸበን እናሰፍሐትን መፂኣ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን ድማ ኣብ ትግራይ ኣለዋ ካብ ዝበሃላ 12 ኸተማታት ሓንቲ ኮይና ብኸተማ ምምሕዳር እትመሓደር ዘላ ኸተማ ‘ያ።

ወጋሕታ፡- ብዋናነት ወይ ብፍሉይ እታ ኸተማ ብምንታይ ትፍለጥ? ብዋናነት ምንቅስቓስ ልምዓት ኸ ኣብ ምንታይ መሰረት ዝገበረ ‘ዩ?

ኣይተ ሓዱሽ፡- ከም ከተማ ውቕሮ ፍሉይ መፍለይ ባህሪኣ ህዝባ ተቀባሊ ጋሻ ከምዝኾነ ዝውሰድ ‘ዩ። ኣብቲ ከተማ ናብ 6 ሃይማኖት ዝኾኑ ተኸተልቲ ተኸባቢሮም ዝነብሩላ ‘ያ። ካልኣይ ከተማ ውቕሮ ማእኸል ኪነ ጥበብን ሰፖርትን ‘ያ። ብዙሓት ከየንቲ ዝፈረዩላን ማዕኸል ኪነጥበብ ‘ያ።

ካልአይ ማእኸል መስሕብ ቱሪዝም ‘ያ። ኣብዝ ኸባቢ ብዙሓት መስሕብ ቦታት ቱሪዝም ኣለውዎ። ኣብ ውሽጣ ሓደ ኣርባዕተ ዝኾኑ ገዳማትን መስሕብ ቱሪዝማትን ዘለውዋ ከተማ ‘ያ። እዚኦም ድማ ቤተመዘክር ውቕሮ፣ ቂርቆስ ገዳም፣ ጉድባሕሪ ኣርኮሎጂን ብጣልያን ዝተሰርሐ ገዛ ጣልያን ዝበሃልን ኣብ ውሽጣ ካብ ዘለው መስሕብ ቱሪዝም ‘ዮም።

ካብ ናይ ባዕላ ወፃኢ ካብቲ ከተማ ውፅእ ኢሎም ኣብ ዙርይኣ ድማ ብክልተ ኣብላዕሎ ኣብ ዝፅዋዕ ብዙሓት ገዳማት ኣለዉ ‘ዮም። መድሃኔኣለም፣ ሚካኤል ምልሃይ ዘንጊ፣ መቃብር ጋዕዋ፣ ገዳም ኣብርሃ ወኣፅብሃ፣ ኣቡነ ኣብርሃም ደብረ ፅዮን ዝበሃሉ ገዳማትን ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሲ ‘ውን ኣብዚ ከባቢ ዝርከብ ስለዝኾነ ነዚኦም ክጉብንዩ ዝመፅኡ ጎብነይቲ ወሽጢ ዓድን ወፃእን ኣብ ከተማ ውቕሮ ‘ዮም ዝዓርፉ።

እዚ ድማ ከም ሓደ መለለይ እቲ ከተማ ማእኸል ቱሪዝምን ምድራዊት ገነት ተባሂላ ትፅውዐሉ ‘ዩ። ከም ራብዓይ መለለዪኣ ከተማ ውቕሮ ድማ ቆሎ ‘ዩ። ቆሎ ውቕሮ ፍሉይ ኣደላልዋ ዝግበረሉን ፍሉይ ጣዕሚ ዘለዎን ከም ኣብ ካሊእ ባታት ናይ ባዕሉ መለለይ ከምዘለዎ ከተማ ውቕሮ ‘ውን ቆሎ ሓደ ካብ ፍሉይ መለለዪኣ ‘ዩ። በዚኦም ዓበይቲ ድማ ውቕሮ ትፍለጥ።

ወጋሕታ፡- ከተማ ውቕሮ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ከተዕውቶም ካብ ዝተለመቶም ትልምታት እንታይ እነታይ ‘ዮም?

ኣይተ ሓዱሽ፡- ብመሰረቱ ቅድሚ ናብኡ ምእታውና መሰረት ንልምዓት እታ ኸተማ መበገሲ ፍልፍል ቁጠባ ዝኾንዋ ሓደ ምንቕስቃስ ንግዲ ‘ዩ። ካልኣይ ስራሕቲ ኮነስትራክሽን ‘ዩ። ሳልሳይ ድማ ከተማ ሕርሻ ኮይኑ ኣብ ምርባሕ ፀባ ከፍትን ደርሆን ዝበሉ ‘ዮም። ራብዓይ ድማ ቱሪዝም ‘ዩ። ሃወፅቲ ውሽጢ ዓድን ናይ ወፃእን ስለዝመፅኡ፤ እዚኦም ነታ ኸተማ ከም ደምሱር ኮይኖም ዘገልግሉ ‘ዮም።

ካብዚ ብምበጋስ ኣብ 2017 ዓ.ም ከነዕውቶም ኢልና ካብ ዝሓዝናዮም ትልምታት ውሽጢ፤ ሓደ ስራሕቲ መሰረተ ልምኣት ‘ዩ። ካብቶም መሰረተ ልመዓት ድማ ስራሕቲ ኣስፓልቲ እታ ኸተማ ‘ዩ። ካልኣይ ድማ ምስፍሕፋሕ መልክዐኛ እምኒ ኮይኑ፤ ሳልሳይ ድማ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልማዓት ማይ፣ መብራህቲ ‘ዩ። ከምራብዓይ ነዚ ዘንቀሳቅሶ ናይ ደኣንትን ማኒፋክቸሪን ስራሕቲ ‘ዮም።

ካብቶም ስራሕቲ ማኒፋክቸሪን ደኣንትን ዘንቀሳቅስዎ ብዋናነት ኣብ ዘፈር ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ንግድን ከተማ ሕርሻን ግልጋሎትን ከም መሰረት ወሲድና ኣብዚኦም መሰረት ዝገበረ ኣብዚ ዓመት ከም ከተማ ኣብ ዝረኣናዮ 5ሽሕን756 ስራሕ ስእነት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ሰራሕ ንምፍጣር ኮይኑ፤ ካብዚኦም ኣብዚ ዓመት ካብ 63 ክሳብ 65 ሚእታዊ ስራሕ ዕድል ክንፈጥረሉ ኣለና ኢልና ተበጊስና 3ሽሕን409 ብቀዋምን ግዝያውን ስራሕ ዕድል ክንፈጥረሉ 1ሺሕን220 ድማ ብኢተርፐራይዝ ደረጃ ስራሕ ከንፈጥረሎም ኢልና ትልሚ ሒዝና ከምዘልና ‘ዩ።

ነዚኦም ስራሕ ንምፍጣር ናይ መስርሒ ቦታ ብግዝያውን በቀዋምን ምዕዳል፣ ኣብ ንግድን ማንፋክቸራትን ማሕበራት ዘተወደቡን ብማሕበራት ዝተወደቡ ነባሪ ማሕበረሰብና ንመንበሪ ካሕሳ መሬት ከፊልካ መሬት ንክዕደል ብምግባር፣ በዚ ኣቢልካ ድማ ስራሕ ዘይብሎም ንኡሳት ብቀዋምን ብግዘያውን ስራሕ ክፍጠር ምግባር ዝሓዝናዮም ትልምታት ኣለውና።

እዚ እንትንሰርሕ ከጋጥሙና ዝኽእሉ ፈተናታት ‘ውን ኣለው ‘ዮም። ካብዚኦም ሓደ ካብ መንግስቲ ዝልቀቅ እኹል በጀት የለን፣ ናይ ስቪል ሰርቫንት ዝበሃል ‘ውን ናይ ሸውዓተ ወርሒ ደመወዝ ጥርሕ ‘ዩ ዘለዎ። እዚ ንምቕራፍ ድማ ኣብ ከባቢና ዘለው ነጋዶ ብምልዕዓል፣ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሃፍተ ገነት ብምጥቃም ናይ ባዕልና እቶት ብናይ ባዕልና ሰራሕተኛ ብዝብል ‘ዩ እቲ ምንቕስቓስ ሰራሕቲ ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ ስራሕቲ ኣስፓልት ‘ውን ብግልፂ ምስ ሱር ኮንስተራክሽን ውዕል ኣሲርና ጀሚርና ኣለና። ከምዚ እናበልና ክንሸጋገር ሒዝናዮም ዘለና ‘ዮም።

ወጋሕታ፡- ካብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ዓመት 2017 ዝሓለፈ ርብዒ ዓመት እንታይ ይመስል? ክሳብ ሐዚኸ እንታይ ስራሕቲ ተፈፂሞም?

ኣይተ ሓዱሽ፡- ዝበዝሕ ናይ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ ምድላውን መፅናዕቲ ምክያድን ንመስርሒ ዝኸውን ምድላው መሬትን ገንዘብን ብሓፈሻ ናይ ቅድመ ምድላዋት ‘ዩ ብበዝሒ ኣናተሰረሐ ነይሩ። እዚ እናተሰርሐ ከምዘለዎ ኮይኑ ድማ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ብቀዋሚ፣ ግዝያዊን ብእንተርፐራይዝን ዝተወሰነ ተፈጢሩ ‘ዩ።

ካብዚ ብቀዋሚ 263 ሰብ ዝኣኽሉ ብግዝያዊ ድማ 4 ኮይኑ ብብርኪ እንተርፐራይዝ ከዓ 251 ሰብ ሰራሕ ዕድል ተፈጢሩ። እንተርፐራይዝን ክንብል ከለና ኣብ ደኣንትን ማንፋክቸሪን ንግዲ ፍቃድ ኣውፂኦም ትካል መስሪቶም ሓደሽቲ ምንቅስቓስ ስራሕ ዝጀመሩ ‘ዮም። ብሓፈሻ ዝተፈጠረ ዕድል ስራሕ ናብ 519 ዝኣክል ብግዝያዊን ብቀዋሚን ብእንተርፐራይዝ ‘ዩ።

ከምዘፈር ቁጠባ እዚ ከረኣይ ከሎ ብዙሕ ኣይኮነን እቲ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ ምድላውን መፅናዕቲ ምክያድን ናይ ቅድመ ምድላው ምዃኑ ክርኣይ ከሎ ግና ከብዚ ተበጊስካ ናብ ካልኣይ ርብዒ ዓመትን መንጠሪ ዝሓሸ ንምስራሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ይኽየድ ‘ዩ ዘሎ። ብፍላይ ቀዋሚ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ዝለዓለ ግደ ሒዙ ኣብዚ ከተማ ለውጢ ንኽመፅእ ይስርሐሉ ዘሎ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ሰላምን ድሕንነትን እታ ኸተማ ኣብ ምውሓስን ምንቕስቃስ ኢንቨስትመንት ኣብ ምጥንኻርን እንታይ ዕድላትን ፈተናታን ኣለው?

ኣይተ ሓዱሽ፡- ንኹሉ መሰረቱ ሰላም እንተሃለዩ ‘ዩ። ማሕበራዊ ይኹን ኢኮኖሚያዊ ስራሕትና ሰሪሕና ክንልወጥ እንኽእል። ከም ከተማና ክርኣይ ከሎ ድማ ናይቲ ሰላምን ድሕንነትን በዓል ዋና ህዝቢ ስለዝኾነ፤ ቅድም ኢሉ ኣብ ሓምለ ከባቢ ዝተወሰኑ ፀገማት ነይሮምና ‘ዮም።

ብዝተገበረ ምንቕስቓስ ህዝብናን ምትዕርራይ ፀጥታናን ግና ሐዚ ዝሐሸ ኩነታት ኣሎ። እቲ ፀጥትኡ ‘ውን ዝተረጋግዐ ‘ዩ ዘሎ። ድሕሪ እቲ መዕናዋይ ኵናት ኣብዚ ኣብ ከተማና ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘይንቡር ተግባራት ይረኣዩ ኣለዉ ‘ዮም። ውላድ ነዲኡ ምቅታል፣ ሰብኣይን ሰበይትን ምቕታል ዝበሉ ዘይንቡር ኣብ ከተማና ዝተረእዩሉ ነይሩ ‘ዩ። ዋላ ‘ቶም ፈፀምቲ ገበን ኣየምልጡ፤ እቲ ተግባር ኣብ ተጋሩ ንባህሊናን ሃይማኖትናን ዘይምጥን ተግባር ‘ዩ።

ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ከይድገሙ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማት፣ ዓበይቲ ዓዲን እድራትን ብመትእኽኻብ መሰል ተግባራት ከይድገም ዝለዓሉ ስራሕቲ ተሰሪሕሉ ‘ዩ። ሐዚ ‘ውን በቢ ቤተክርስትያኑን መስጊዱን ከይድገም ብዝብል ፅቡቅ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣለዉ። ሐዚ ብድምር ፀጥታና እንትርአ ኣብ ዝሐሸ ብርኪ ኣሎ ኢልና፤ ይኹን እምበር ፀጥታ ሓደ ግዘ እንተተዓንቂፉ ምምላሱ ስለዘይተርፍ ዋና ትኹረቱ ገይሩ እቲ መሪሕነትን ህዝብን ይሰረሓሉ ኣሎ ‘ዩ።

ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ብዝምልከት ከም ከተማ ቅድም ኢሉ ዝጀመረ ምንቅስቓስ እምበር ሓደሽቲ ሐዚ ዝተሰርሐ የለን። ውሱን ናይ መሬት ሊዝ እኳ እንተተጀመሩ፤ እቲ ስራሕ ‘ውን ብብርኪ ክልል ዝውዳእ ስለዝኾነ ኣባና ኣብዚ ዓመት እንጅምሮ የለን። ናይ ምምቻው ስራሕቲ ግና መሬት ናይ ምድላው ምስ ኣብ ወረዳ ምምሕዳርን ክልተ ኣብላዕሎ እናተረዳዳእኻ ካሕሳ መሬት ኣብ ምድላው እናተሰርሐ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ክግለፅ ዘለዎ ዘይተገለፀ ዝብልዎን ወይ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃለዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ ሓዱሽ፡- ዘሕልፎ መልእኽቲ ከም ትግራይን ከም ከተማናን በሰንኪ እቲ ኵናት ብዙሕ ኣፀገምቲ ኩነታት፣ ሰዓታትን መዓልታትን ሓሊፍና መፂእና ኢና። ዉሱን ኣንፃራዊ ሰላማዊ ኣየር ኣብ ዝተረኸበሉ ‘ውን ብዘለና ሃፍተ ገነት ፈንጠርጠር እናበልና ስራሕ ጀሚርና ኣለና። እዚ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ከተማና ናብቲ ዝነረትሉ ማእኸል ቱሪዝም ንክንምለስ ነዚ ጋዜጣ ዘንብብን ዝከታተልና ዘሎ ደጋፊ ናይዚ ምንቕስቃስና ኮይኑ ክርከብ ‘ዩ ዘሕልፎ ምልእኽተይ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት የቕንየልና፡፡

ኣይተ ሓዱሽ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You