‹‹ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግደብ ህዳሰ ብዓወት ምስኻዕ ውፅኢት ጠንካራ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ እዩ›› ወይዘሮ መካ ኣደም

ወይዘሮ መካ ኣደም ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ይርጋለም ኣብ ኮሌጅ ሜዲካል መምህርት እንትትኸውን ሕዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፒ.ኤች.ዲ እናተማሃራ ይርከባ። ወይዘሮ መካ ኣብ ሱዳን ዝዓበየት ኮይና ምስ እዚ ተተሓሒዙ ቋንቋ ዓረብኛ ንምስማዕ ኣይፅገማን፡፡ በዚ ምኽንያት ብወገን ግብፅን ሱዳንን ብፍላይ ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝመሓላለፉ መልእኽቲታት ብዝግባእ ይከታተላ እየን፡፡ እምበኣርከስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኢትዮጵያ ዘካየድቶ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰን ካልኦት እዋናዊ ጉዳያትን ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ቅድሚ ሕዚ ግብፅን ሱዳንን ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ልዑል ፅዕንቶ እናገበራ ነይረን እየን።ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብሰላም ኣካይዳ እያ እዚ ከመይ ትሪእየኦ?

ወይዘሮ መካ ፡- ሓቒ እዩ ሱዳንን ግብፅን ፅዕንቶ ንምፍጣር ብዙሕ ፈቲነን እየን።ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ማለት እቲ ግድብ ክጅመር እንተሎ እዩ። ኢትዮጵያ መገዛ ማያ ገዲባ ከይትጥቐም ካብ ጥንቲ ኣትሒዘን ብዙሕ ፅዕንቶታት ዝገብራ ዝነበራ ሃገራት እየን።እዚ ግድብ እዚ ከይጅመር ብዙሕ ፃዕርታት ነይሮም እዮም። ካብ 2015 ኣ.ፈ ንድሓር ግብፅን ሱዳንን ብዩናይትድ ኔሽን ብዛዕባ ዶብ ተሳገርቲ ዝኾኑ ሩባታትን ኣጠቓቕመኦምን ዝወፀ ሕጊ ስምምዕ ፌርማ ፈሪሞም ነይሮም፤ ነዚ እንትፍርሙ እንተለዉ ግና ፈትዮም ኣይኮኑን ሕጊ ስለ ዘገደዶም እዩ። ስለዚ በዚ መሰረት ኢትዮጵያ ኣብ ግዝኣታ ዘሎ ሃፍቲ ማይ በቲ ሕጊ መሰረት ካብ ምጥቓም ዝኽልክላ ነገር የለን። ግብፅን ሱዳንን ተዘይፍርማ ‘ውን ኢትዮጵያ ከትግድብ ትኽእል እያ።

ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ገዲባ ከይትጥቐም ብፍላይ ግብፂ ብዙሕ ዕንቕፋታት እናሰርሐት መፂኣ እያ፤ ኢትዮጵያ ነዚ ግድብ እዚ ከትጅምር እንተላ ልቓሕ ይኹን ሓገዝ ገንዘብ ከይትረክብ ላዕልን ታሕትን እናበለት ነይራ እያ። ባንኪ ዓለም ሓገዝ ከይገብር ከይድካ ክሳብ ምኽልካል ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ንጉስ ሃፀይ ቐዳማዊ ሃይለስላሴ ነዚ ፕሮጀክት እዚ ጀሚሮሞ ነይሮም እዮም። ኮይኑ ግና ብምኽንያት ሕፅረት ገንዘብ እንተይተገደበ ፀኒሑ እዩ። ኣብቲ ግዜ ንሱ ሓገዝ ገንዘብ ክረኽቡ ኣይከኣሉን ነይሮም። ምኽንያቱ ናይ ግብፂ ፅዕንቶ ስለ ዝነበረ እዩ። ስለዚ ኣብ 2015 ዓ.ም ፈረንጂ ግብፅን ሱዳንን ኣጠቓቕማ ዶብ ተሳገርቲ ዝኾኑ ሩባታት ክፍርሙ ዝኸኣልሉ ምኽንያት ንሕና ፈረምና ኣይፈርምና ኢትዮጵያ ግድብ ምስርሓ ኣይቐርን ብዝብል እዩ። ምኽንያቱ ብሕጊ ዝተደገፈ ስራሕ ክሳብ ዝሰርሐት ግብፅን ሱዳንን ምንም ክገብራ ኣይኽእላን።

ዋላ እኳ ዩናይትድ ኔሽን ዘውፀአቶ ሕጊ ኣጠቓቕማ ዶብ ተሳገርቲ ሩባታት ኢትዮጵያ ግድብ ከትግድብ ዝፈቅደላ እንተኾነ፣ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ገንዘብ የብላን ከትግድቦ ኣይትኽእልን ብዝብል ተስፋ ብምግባር እናተንቐሳቐሰት ነይራ እያ። ኮይኑ ግና ንሳ ከምዝሓሰበቶ እንተይኮነ ተሪፉ ሳለ ሓቦኛ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተገዲቡ ኣብዚ ብርኪ እዚ ክበፅሕ ክኢሉ እዩ። እንደጋና ህዝቢ ኢትዮጵያ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ብር ኣዋፂኡ ምግዳብ እንትጅምር ፅዕንቶ ንምፍጣር ጀሚራ እያ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ንሕና ጥራሕ ንብላዕ’ምበር ብዛዕባ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንታይ ገደሸና ዝብል ዘይቕኑዕ ኣተሓሳስባ እዩ። ኣነ እናበላዕኹ ንስኻ ፆምካ ሕደር ኣይባሃልን እዩ ። ክኸውን ዘለዎ ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ሓቢርና ከመይ ገይርና ንጠቐም እዩ። ኢትዮጵያ ድማ ብፍትሓዊ ሓቢርና ንጠቐም እያ ትብል ዘላ፤ ፈፂማ ንተፋሰስቲ ሃገራት ናይ ምጉዳእ ኣጀንዳ ከምዘይብላ ብተደጋጋሚ እናገለፀት ፀኒሓ እያ።

ሱዳንን ግብፅን ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ዝግበር ዝነበረ ኣኼባታት ብዙሕ ፅዕንቶታት ንምፍጣር እናሰርሑ መፂኦም እዮም። ብፍላይ ኢትዮጵያ ነዚ ግድብ እዚ ምስራሓ ስለዘይቐረየ ኣብ ኣጠቓቅምኡ ንሕና እንደልዮ ስምምዕ ወሳኒ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ፀቒጥና ከንስርሕ ኣለና ብምባል ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናፈጠሩ ሓንሳብ እቲ ግድብ መጠኑ ይንኣስ ብኻሊእ ወገን ኣብ ኣጣቓቅምኡ ኢድ ክህልወና ኣለዎ እናበሉ ብዙሕ ፅዕንቶታት እናፈጠሩ መፂኦም እዮም። ብዙሓት ኣኼባታት እናተዓናቐፉ ጥራሕ እንተይኮነ ክጨንቖም እንተሎ ሓንሳብ ናብ ዋሽንግተን፣ ከምኡ ‘ውን ናብ ኣባል ሃገራት ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ብምውሳድ ዝተፈላለየ ፀቕጥታት ብምፍጣር ንምትዕንቓፍ እናፈተና መፂአን እየን- ብፍላይ ግብፂ።

ግብፂ ኮነ ኢላ ናብ ዋሽንግተን ኣብዝወሰደትሉ ኣሜሪካ ብወገና ናይ ግብፂ ድሌት ጥራሕ ተሓሳቢ ብምግባር ኣብ ዘርቐቐትሉ ሓሳብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይኣመነትሉ ንኽትፍርም ፀቕጢ ትገብር ከምዝነበረት ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ መጀመርያ ፈራሚት ዝነበረት ግብፂ እያ ምኽንያቱ ንዓዓ ጥራሕ ዘዋፅኣ ስለ ዝኾነ እዩ። ንመፃኢ ወለዶ እንተይተረፈ ኣብ ዝጎድእ ስምምዕ ኣይፈርምን ብምባል ኢትዮጵያ ኣብዚ ኩነታት እዚ ዘኹርዕ ስራሕ ሰሪሓ እያ።

ግብፂ ኣብ ቐዳማይን ካልኣይን ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣይስማዕማዕን ከምኡ ‘ውን ዝተፋላላዩ ናይ ምፍርራሕ ዝመስሉ ምንቕስቓሳት ኣብ ምርኣይ እያ ዘላ።ኮይኑ ግና ከምዚ ንሪኦ ዘለና እዩ፤ ኢትዮጵያ ብዝሓዘቶ ፕሮግራም መሰረት ክልተ ግዜ ምምላእ ማይ ኣካይዳ እያ። ስለዚ ግብፂ ትኹን ሱዳን ናይ ምኽልኻል ሓላፍነትን ሞራልን የብለንን።

ግብፂ ኣብ 2020ዓ.ም ፈረንጂ ናብ ቤት ምኽሪ ኣባላት ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ብምውሳድ ነዚ ጉዳይ እዚ ዓለም ለኻዊ ገፅታ ንምግባር ብዙሕ ክያዶ ከይዳ እያ። እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ብሕብረት ኣፍሪካ ክረአ ኣለዎ ብምባል መሊስዎ እዩ። ግብፅን ሱዳንን ብተደጋጋሚ ኣኼባታት እናሰናኸሉ መፂኦም እዮም። ኣብ 2021 ኣ.ፈ ኣብ ኮንጎ ብዝነበረ ኣኼባ ብዘይ ምንም ፍረ ክብተን ገይሮሞ እዮም። ግብፂ እቲ ጉዳይ ብሕብረት ኣፍሪካ ክረአ ድሌት ስለ ዘይብላ በተደጋጋሚ ብኣሜሪካ ወይ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ክረአ ኣለዎ እናበለት ሽምጣ ገቲራ እናሰርሐት ፀኒሓ እያ። ከምኡ ‘ውን ክሳብ ሕዚ እናፈጠረቶ ዝመፀት ፅዕንቶ ቐሊል ኣይነበረን።ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ብዙሕ ፅዕንቶታት ሓሊፋ ዝሓሰቦቶ ክተሳኽዕ ክኢላ እያ። እዚ ዓወት እዚ ንመላእ ኢትጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያውያንን ካብኡ ሓሊፉ ‘ውን ንኣፍሪካውን ዓብዪ ዓወት እዩ። ስለዚ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብዓወት ምዝዛማ ኣብ ዓብዪ ምዕራፍ ምብፃሓ እዩ ዘማላኽት። ብዘይካ ግብፅን ሱዳንን ብዙሓት ኣፍሪካውያን ኣብዚ ግድብ እዚ ተቓውሞ የብለንን እንድያውም ደገፍቲ እየን።

ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ባዕዳውያን ገዛእቲ ንኣፍሪካ ብዙሕ ኣበርክቶ ገይራ እያ። ንናፃነት ኣፍሪካውያን ኣብነት ብምዃን ብዙሕ ስራሕ ሰሪሓ እያ። ነዚ ታሪኻዊ ግድብ እዚ ምስርሓ ‘ውን ንኣፍሪካውያን ዘኹርዕ ታሪኽ እዩ። ብፍላይ ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ካብ ፅዕንቶ ግብፂ ናፃ ክኹኑ ገይራ እያ ምባል ይካኣል። ግብፂ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝነበራ ፍትሓውነት ዝጎደሎ ፀብለልታ ብመሪሕነት ኢትዮጵያ ተቐይሩ እዩ።

ወጋሕታ፡- ሕዚ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግደብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዓወት ምስኽዑ ብዓይኒ ዲፕሎማሲ ዝህልዎ ትርጉም ከመይ ይገልፀኦ?

ወይዘሮ መካ፡- ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብዙሕ ፀገማት እዮም ገጢሞማ ዘለዉ።ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እናፈጠሩ እዮም ዝርከቡ። እዚ ፀገም ምናልባት መበገሲኡ ኣብ ውሽጥና ብዘጋጠመና ዘይምስምዕማዕ እዩ ክኸውን ዝኽእል ኢለ እየ ዝኣምን። ሓድነት ብዝምልከት ድኽመት ኣለና እዩ። እዚ ከስተኻኸል እንተዘይክኢሉ ዘምፀኦ ፀገም ቐሊል ኣይኸውንን። ብፍላይ ኣብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ዘሎ ኵናት ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ነዚ ንምፍታሕ ተቓራሪብካ ምዝርራብ የድሊ እዩ። ምኽንያቱ ብውግእ ዕንወት’ምበር ፍታሕ ክመፅእ ኣይኽእል እዩ። ብኣንፃር ዲፕሎመሲ ‘ውን እንተሪእናዮ ዓብዪ ክሳራ ኣለዎ፡፡

ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ከንርኢ እንተለና ግና ተጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ዝኒሀናሉ ደረጃ ዝበፅሕ መንግስቲ ጠንካራ ዝባሃል ዲፕሎማሲ ርክብ እናሰርሐ መፂኡ እዩ።ሕዚ ‘ውን እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። ህዝባዊን መንግስታዊን ዲፕሎማሲ እናተሰርሐ እዩ። ከም ኣብነት ከንርኢ ንኽእል ኢና ፤ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ግዜ ግብፅን ሱዳንን ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናብ ፀጥታ ውድብ ሕቡራን መንግስትታት ክወስድዎ ክኢሎም እዮም።ኮይኑ ግና እዚ ጉዳይ እዚ እቲ ቤት ምኽሪ ብሕብረት ኣፍሪካ ክረአ ኣለዎ ብምባል መሊስዎ እዩ። ቅዋም ኢትዮጵያ ‘ውን ብሕብረት ኣፍሪካ ክረአ ዝብል ድሌት እዩ ነይርዋ። ኣብዚ ፅቡቕ ዲፕሎማሲ እናሰርሐት መፂኣ እያ። ቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት መንግስትት’ውን ጉዳይ ኣፍሪካ ብኣፍሪካ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ብምእማኑ እዩ ክምልሶ ክኢሉ።ኢትዮጵያ ‘ውን ኣፍሪካ ዝምልከት ብሕብረት ኣፍሪካ ክረኣ ኣለዎ እናበለት ብምፅናሓ ቕዋማ ድጋፍ ረኺቡ እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኢትዮጵያ ዝሰርሐቶ ዲፕሎማሲ ስራሕ ንኣባላት ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኢትዮጵያ ንሚኒስትር ማይን መስኖም ዶክተር ስለሺ በቀለ ብምልኣኽ ብዝግባእ ቅዋማ ብምግላፅ ዕዉት ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ሰሪሓ እያ። ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ስለሺ ብዘቕረብዎ ሓሳብ ኩርዓት ተሰሚዕዎ እዩ። ኣብዚ ዓብዪ ዲፕሎማሲ እዩ ተሰሪሑ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ።ከምዚ ዓይነት ዲፕሎማሲ ብምስራሕና እዩ ኣብ መበል ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ በፂሕና ዘለና። ንቕድሚት ‘ውን ብጉዳይ ኣባይ ኢትዮጵያ በፂሓቶ ዘላ ደረጃ ተሰማዕነት ክህልዋ ዝገብር እዩ። ስለዚ ግድብ ህዳሰ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሃፍቲ ስለዝኾነ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሐዚ ‘ውን እንተይተሳላቸወ ተሳትፍኡ ከጣናኽር ኣለዎ። እዚ ግድብ እዚ ዲፕሎማስያዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያውን ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ። ስለዚ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግደብ ህዳሰ ብዓወት ምስኻዕ ውፅኢት ጠንካራ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ እዩ ምባል ይከኣል፡፡

ወጋሕታ፡- ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ስርሑ ዕውት ከይኸውን ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እናሐደሩ ነይሮም እዮም።ንኣብነት ከም ኣሜሪካን ሃገራት ኣዕራብን ምጥቃስ ይከኣል እዩ። እዚ ካብ ምንታይ ዝፈልፈለ እዩ ይብላ?

ወይዘሮ መካ፡- ግብፅን ሱዳንን ንግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ኣንፈት ንምትሓዝ እዩ ድሌቶም።ኢትዮጵያ ነዚ ግድብ እዚ ክትሃንፅ እንተላ ንዕቤታ፣ ህዝባ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ኮይኑ እናሃለወ ብወገን ግብፅን ሱዳንን ግና ኮነ ኢሎም ብዓይኒ ፖለቲካ ክረአ እዮም እናሰርሑ መፂኦም። በዚ መሰረት ሃገራት ኣዕራብ ናይ ፀጥታ ፀገም እዩ ብምባል እዮም ኣብ ጎኒ ሱዳንን ግብፅን ክቖሙ ክኢሎም። ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣዕራብ ሃገራት ሓደ ናይ ቱኒዝያ ኣባል ዝኾነ ዘቕረቦ ሓሳብ ነይሩ። ከምዚድማ ይብል ‹‹ጉዳይ ግብፂ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ፀገም ፀጥታ ስለ ዝኾነ ንዓና ‘ውን ይምልከተና እዩ›› ብምባል እዩ ነይሩ ዘቕረቦ። ምኽንያቱ ግብፅን ሱዳንን ፖለቲካ ‘ምበር ብዛዕባ ልምዓት ኣየምሰልዎን ነይሮም። በዚ ሓሳብ እዚ እዮም ሒዞሞ ነይሮም።

ካሊእ ኣሜሪካ ‘ውን ተፅዕኖ ከትገብር ዝደለየትሉ ምኽንያት ብዙሕ ግዜ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ድሌት ኣሜሪካ እትሕሉ ግብፂ ስለ ዝኾነት እዩ። ስለዚ በዚ ምኽንያት እዩ ኣሜሪካ ኩሉ ግዜ ንግብፂ እትሕግዝ። ካብዚ ተላዒሉ ኣሜሪካ ንግብፅን ኢትዮጵያን ብማዕረ ዓይኒ ከትሪአን ኣይትኽእልን፡፡

ወጋሕታ፡- እዚ ግድብ እዚ ኣብ ተሓተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ጉሊሁ ጉድኣት ከብፅሕ ይኽእል እዩ ዶ ይብላ?

ወይዘሮ መካ፡- እዚ ግድብ እዚ ኩሉ ግዜ ብሰብ ሞያ ማይ ከምዝግለፅ ኣብ ተፋሰስቲ ሃገራት ጉድኣት ከምዘየብፅሕ ይግለፅ እዩ። ሕዚ ‘ውን እንሪኦ ኣለና ኢና ክልተ ግዜ ምምላእ ማይ ተኻይዱ ኣሎ እዩ፤ ኮይኑ ግና ግብፂ ትኹን ሱዳን ሕፅረት ማይ ኣየጋጠመንን። ቕድሚ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግብፅን ሱዳንን ሕፅረት ማይ ከጋጥመና እዩ እናበሉ ይዛረቡ ነይሮም እዮም። ኮይኑ ግና ከምዝበልዎ ኣይኮነን።ሓሶት ኮይኑ እዩ ተረኺቡ። ሕዚ ህዝቢ ኣበይ ደኣ ኣሎ ዝቐነሰ ከይብሎምን ካብ ትዕዝብቲ ንምምላጥን ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ኢትዮጵያ ኣይመልአትን ሓሶት እዩ፤ እናበሉ ብሚዲያ ፕሮፖጋንዳ እናነዝሑ እዮም ዝርከቡ። ሰበ ስልጣን እታ ሓገር እንተይቐረዩ ከምዚ ዓይነት ወረ እዮም ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ከጋውሑ ዝረአዩ። ሓሶቶም ንምሽፋን ኢትዮጵያ ዝተለመቶ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ውድቒ ኮይኑዋ እዩ እናበሉ ህዝቦም እናታለሉ እዮም ዝርከቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብወገን ሱዳን ፍልይ ዝበለ ሓሳብ እናሰማዕና ኢና፤ እዚ ግድብ እዚ ብኣፍሪካ ሕብረት ይረአ ኮይኑ ግና ናይ ግዜ ገደብ ክህልዎ ኣለዎ ክብሉ ይስምዑ እዮም፡፡ ግብፅ ‘ውን እንተኾነት ብሕብረት ኣፍሪካ እንተተራእየ ፀገም የብሉን ጀሚራ ኣላ እያ። ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ጥቕሚ ህዝባ ንምሕላው ከም ናይ ወትሩ ኣብ ቅዋማ ከትፀንዕ ኣለዋ።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ብግብፂ ይኹን ሱዳን ዝበፅሓ ዲፕሎማስያዊ ፅዕንቶ ብኸመይ ከትምክቶ ኣለዋ ይብላ?

ወይዘሮ መካ፡- ብወገን ሱዳን ብምኽንያት ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ወታደራዊ ጎንፂ ከትገብር ድሌት ከምዘይብላ ከትገልፅ ንሰምዕ ኢና። ሱዳንን ግብፅን ክልተኣዊ ወታደራዊ ልምምድ ዋላ ይግበሩ መራሕቲ ሱዳን ውግእ ከምዘይድግፉ ብመራሕቶም ኣቢሎም ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና። ግብፃውያን ግና ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋዕ ክህሉ ኣይደልዩን ጥራሕ ማለት እንተይኮነስ ንህወሓት፣ ቤንሻንጉልን ካልኦት ዓመፅ ዘልዕሉ ኣካላትን ከንሕግዝ ኣለና እናበሉ ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና። ብተግባር ‘ውን ውሽጢ ንውሸጢ እናሓገዙ እዮም ዝርከቡ።

 ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኢትዮጵያ ብፍላይ ምስ ናይ ትግራይ ግጭት ተተሓሒዙ ዓለምለኻዊ ፅዕንቶ እናጋጠማ እዩ ዝርከብ። ነዚ ፅዕንቶ እዚ ንምምካት እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብላ?

ወይዘሮ መካ፡– ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንፂ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። እዚ ፀገም እዚ ክፍታሕ ክኽእል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓብዪ ቚልውላው ወዲቑ እዩ። በዚ ዝተላዕለ ኢትዮጵያ ኣለምለኸ ፅዕንቶታት ይበፅሓ ኣሎ እዩ። ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማታ ብዝርርብ ከትፈትሕ ኣለዋ። እቲ ፀገም ፖለቲካዊ እንተኾይኑ ፖለቲካዊ መፍትሒ’ምበር ኵናት ኣይኮነን። ዘጋጥሙ ፀገማት ኮፍ ኢልካ ብምዝርራብ ናብ ስምምዕ ክብፃሕ ኣለዎ።ህዝቢ ትግራይ ከም ማንም ህዝቢ ሰላማዊ ኣየር እናተንፈሰ ክነብር እንተኾይኑ ፖለቲከኛታት ዘለዎም ፍልልይ ብልዝብ ክፈትሑ ኣለዎም።እዚ ፀገም እዚ በቕልጡፍ እንተዘይተፈቲሑ ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ምንዋሕ እዩ ዝኸውን። እዚ ኩነታት እዚ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ ኣሎ እዩ።

ካብ ትግራይ ወፃኢ ‘ውን ዘተኣማማን ሰላም የለን። መንግስቲ ኣብ ዙርያ ፀጥታ ፀቒጡ ክሰርሕ ይግባእ፤ ኣብ ተፈላላዩ ቦታታት ህፃናት ክዕገቱ ይረአ እዩ። ህዝቢ ተዘዋዊሩ ክስርሕን ናይ ሰላም ኣየር ከተንፍስን ኣይከኣለን። ሰላም ጉዳይ ቆላሕታ ክወሃቦ ኣለዎ። ህዝቢ መጀመርያ ሰላም እዩ ዝደሊ።

ወጋሕታ፡- ጁንታ ህወሓት ትሕቲ ዕድመ ብተደጋጋሚ ንውግእ እናሳተፈ ምዃኑ ሓበሬታታት እናማላኸቱ ይርከቡ፤ እዚ ከመይ ትሪየኦ?

ወይዘሮ መካ፡– መንግስቲ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ኣቢሉ ነይሩ እዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ብኵናት ተጎዲኡ ብምባል ብዙሕ ፃዕሪ ገይሩ እዩ። መንግስቲ በቲ ውግእ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብምስትኽኻል ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ። ኮይኑ ግና ህወሓት ኵናት ጠጠው ኣብ ክንዲምባል ኣብ ርእሲኡ ህፃናት ናብ ኵናት እናሰለፈ ይርከብ።እዚ ዓብዪ ገበን እዩ፤ ዓለምለኸ ገበን እዩ። ሃገርና ሰላማ ስኢና ኣብ ዓብዪ ፀገም ፀጥታ ወዲቓ ትርከብ፤ ናይዚ ኩሉ ጥፍኣት ተሓታቲ ህወሓት እዩ። ህወሓት ሰላም ዝደሊ ውድብ ኣይኮነን። ከምዚ ክብል እንተለኹ ግና መንግስቲ ሂወት ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነት የብሉን ማለተይ ኣይኮነን። መንግስቲ ብፍላይ ድሕንነት ህዝቢ ኣብ ምሕላው ኣብዪ ሓላፍነት ምህላዉ ፈሊጡ ፀቒጡ ክሰርሕ ይግበኦ። ምኽንያቱ ፀገም ፀጥታ ኣብ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ‘ውን ኣሎ እዩ። ስለዚ ሰላም ንሓንቲ ሃገር ካብ ኩሉ ንላዕሊ ወሳኒ ስለዝኾነ መንግስቲ ኣብዚ ኩነታት እዚ ብዕቱብ ክሰርሐሉ እየ ዝላቦ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕ ብጣዕሚ የቕንየለይ፡፡

ወይዘሮ መካ፡- ኣነ ‘ውን የቅንየለይ፡፡

 መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013

Recommended For You