ራዕዳዊ ህወሓት ብኣረኣእያ ተንተንቲ ወፃኢ ሀገራት

ፀሓፊ ጋዜጠኛን ተንታንን ጄፍ ፔርስ ‹‹ ዓለም ናብ ዕብደት እናምረሐ እዩ፤ ብተግባራት ግብረ ራዕዲ ዝፍፀመን መሰረተ ልምዓት ንምጥፋእ ኢሉ ‘ውን ተወሳኺ ቦታታት ንምውራር እናተንቀሳቐሰ ዝርከብ ኣካል ስልክን ዝኣመሰሉ ግልጋሎታት ንክምለሰሉ ንምሕታት እንታይ ዓይነት መሰል ኣለዎ፣ ብምባል ጠይቖም እዮም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምስ ኣወጀ ናይ ኣሜሪካ ተጠባባቒ ጉዳይ ወፃኢ ሓጋዚ ሚኒስትር ሮበርት ጎዴክ ንኮንግረሱ ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ ጉዳይ ወፃኢ ቀሪቦም ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምንም ለውጢ ኣየምፀአን ፤ እኳደኣስ እቲ ኩነታት እናተጋደደ እዩ፤ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሳኺ ስጉምቲ ክወስዱ ኣለዎም ኢሎም፡፡ መንግስቲ ናይ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምስ ኣወጀ ናይቲ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ብኣሶሾዬትድ ፕሬስ መሬት ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ምልቓቕ ዝዓግቶም ነገር ከምዘየለ፤ኣድላይ እንተኾይኑ’ውን ናብ ኤርትራ ኾነ ናብ ኣምሓራ ከምዝዘምቱ ምግላፁ ኹሉ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ከምዝኾነ እቶም ፀሓፊ ገሊፆም እዮም፡፡

እቲ ፀሓፊ ኣብ ግብረ ራዕዳዊ ዝርዝር ውሽጢ ዝኣተወ ጉጅለ ህወሓት ምንም ጥፍኣት ከምዘይፈፀመ ምምሕዳር ባይደን ከመይ ሱቕ ኢሉ ይምልከቶ ዝብል ሕቶ ንጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ቤት ዕዮ ተወከልቲ እንትቀርብሎም መልሲ የብሎምን ክብሉ ገሊፆም እዩ፡፡ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ምዕራባውያን ሚድያታት ብብዙሕ ገንዘብ ከም ኣሻንጉሊት ከምዝገበርዎ ዝገልፁ እቶም ፀሓፊ፣ ከም ኣሌክስ ዴዋል ፣ጄትል ትሮንቮልን ማርቲን ፕላውት ዝበልዎ ሓደ ሓደ ተንተንቲ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እናሳረጨዉ ምፅንሖም ኣብሪሆምእዮም፡፡ እዚ ሓሳብ ዝድግፍዎ ጉዳያት ተንታኒ ላወረንስ ፍሪማን Horn of Africa Endangered by Untrue Media Attacks on Ethiopia” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘውፀኦ ናይ ምዕራባውያን መራኸቢ ሓፋሻት ዘሰራጭውዎ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ፀብፃብ ንቀንዲ ኣፍሪካ ንሓደጋ ምቅላዑ ኣብሪሆም እዮም፡፡

ጀትል ትሮንቮል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘይሕጋዊ መረፃ ብሕታዊ ዓለምለኸ ተዓዛቢ ብምዃን ተረኺቡ ነይሩ፡፡ እዚ ውለቀ ሰብ ናይ ዓለም ፕሮግራም ምግቢ ኣብ ዘእተዎ ሳተላይት ስልኪ ምስቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣመራርሓታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን በቢመዓልቲ ብሳተላይት ስልኪ ከምዝራኸብ ጄፍ ፔርስ ፅሒፉ እዩ፡፡

ትሮንቮል ምስ ስነ ምግባር ሞያ ብዝፃባእ መልክዑ ናይ ሓደ ወገን ዝተዛበዐ ሓበሬታ በቢዕለቱ ኣብ ትዊተር ገፅ ካብ ምስርጫዉ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ሜላታት እናቐረበ ‹‹ኢትዮጵያ ናብ ዝፈልየሉ እርስበርስ ኹናት እናኣተወት እያ›› ብምባል ደጋጊሙ ተዛሪቡ እዩ፡ ፡ ኣብ ቀረባ ድማ ኩነታት ጥምየት መዓልታዊ ኣጀንዳ ገይሮምዎ እዮም፡፡ መንግስቲ ብዝወሰዶ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ውሳነ መሰረት መከላከያ ሰራዊት ካብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝወፀሉ እዋን ተሳዒሩ ከምዝወፀ ከምኡ’ውን መንግስቲ ‹‹እናተዳኸመ እዩ›› ብዝብል ኣብቲ ሃገር ዓመፅ ክቕስቀስ ከምዝኽእል ፅሒፉ እዩ፡፡

ኣሌክስ ዴዋል ምስ ክልል ትግራይ ኩነታት ፀጥታ ተደሓሒዙ ብዙሓት ፅሑፋት ፅሒፉ እዩ፡፡ ካብዚኦም እቲ ሓደ ኣብ ቐረባ ‹‹ጀነራል ፃድቃን ድሕሪ ሓይልታት ትግራይ ዘሎ ሞተር ››ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘንበቦ ፀብፃብ ናይቲ ጁጅለ ተዋጋእቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጣመሩ ሓይልታት ብዘረገርም ዓወት ምግባሮም ገሊፆም እዮም፡፡ ‹‹ዉሑዳት ዝተፀበይዎ ዘደንቕ ዓወት እዩ ዘመዝገበ፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓብይ መሰናኽል ገጢምዎ እዩ››በምባል ነይሩ እቲ ትንታነ ዘስፈሮ፡፡ ‹‹ብዙሓት መሳርሒ ኣፅዋር ዝሓዘ መከላኸሊ ሓይሊ ትግራይ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተጣሚሩ ምስ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ ስለዝገጥም ፕሬዝዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ሰሜን ትግራይ ምውፃእ ወይም ምውጋእ ዝብል ክውስኑ ይግባእ፡፡ ምናልባት ኻልእ ኹናት’ውን ከጋጥም እዩ ›› ክብል ናይቲ ጉጅለ ጀግንነት ንቅድሚት’ውን ማንም ክኽእሎ ከምዘይኽእል ንምርኣይ ፂዒሩ እዩ፡፡

ኣብዚ ክሕለፍ ዘይግኦ ነገር ክልል ትግራይ ከም ዝኾነ ክልል ፖሊስ ወይም ፍሉይ ሓይሊ’ንበር መከላኸሊ ሰራዊት የብሉን፡፡ እዚ እናፈለጡ ምዕራባውያን ተንተንቲን መራኸቢ ሓፋሽን ‹‹መከላኸሊ ሰራዊት ትግራይ ›› ብምባል ብባዕሎም ዘይሕጋዊ ኣፍልጦ ሂቦም እዮም፡፡ እዚ ምንም እኳ ንግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ጉጅለገፅ ንምሃብ ዕላማ ዝገበረ እንተኾነውን ቅጥፈቶም ኣበይ ከምዝበፅሐ ዘርኢ እዩ፡፡

ማርቲን ፕላውት ካብ ኻልኦት ብዝተፈለየ መልክዑ በቢሰዓቱ ኣብ ትዊተር ዘሰራጭዎም መልእኽቲ ካብ ሓቂ ዝራሓቑ እዮም፡፡ እቲ ውልቀ ሰብ ሓደ መዓልቲ መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ክልል ዝገበሮ ምኽባር ሕጊ ኣብ ህዝቢ እናገበሮ ዝነበረ ሓገዝ እንተልዕል ኣይተርኣየን፡፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ትዊተር ገፅ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ መንግስቲ ሓገዝ ትካላት ብቀጥታ በረራ ከምዘይፍቀድ ዝወሰነ ምቅዋሙ ዘርኣዮ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝተጋጨው ብምግላፅ እዩ ነይሩ፡፡

ማርቲን ፕላውት ከም ካልኦት ኹሉ መከላከያ ሰራዊት ካብ ትግራይ ኣብ ዝወፀሉ እዋን ተሳዒሩ ከምዝወፀ እናተንተነ ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብዚ ሰሙን እቲ ጉጅለ ኣላማጣ ከምዝተቆፃፀረ ማንም ከይቀደሞ እዩ ፀብፂቡ፡፡ መንግስቲ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣብ ዝገለፀሉ እዋን ድማ ‹‹ብመንግስቲ ቱርክ ድሮን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሰርሑ እዮም ›› ብዝብል ሓሶት ኣብ ትዊተር ገፁ ኣስፊሩ እዩ፡፡

እዚኦም ናይ ወፃኢ ተንተንቲ ጉጅለ ህወሓት ዘይማረኾ ሰራዊት ከምዝማረኸ ከምኡ’ውን ዝተሰረሑ ገበናት ኹሉ መንግስቲ ብዘዋፈሮም ሰራዊት ከምዝተፈፀመ ብምዃኖም ብኣንፃሩ ህወሓት ጉጅለ ካብቲ ደም ንፁህ ከምዝኾነ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምርኣይ ዝተፈላላዩ ትንታነ ሰሪሑ እዩ፡፡ እቲ ጉጅለ ዝሰርሖም ዝተቀነባባሩ ናይ ፎቶን ቪድዮን ምስልታት ብምስርጫው ዝተዛበዐ ምስሊ ንምፍጠር ሰሪሖም እዮም፡፡ ኣይተሳኸዐሎምን ‘ምንበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ባዕሉ ንባዕሉ ንክከፋፈል ብዙሓት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እዮም፡፡ እቶም ውልቀ ሰባት ባዕሎም ዘመርቲ ሰላም ፣ተሟገቲን ተኸራኸርቲ ሕግታት ዓለም ከምዝኾኑ ተተናገሩ’ውን ኣብ ተግባሮም ግና ነቲ ግብረ ራዕዲ ምብርትታዕ ስራሕ ተፀሚዶም እዮም፡፡

ጀፍ ፔርስ “Ethiopia: Mao, Mango and the Guerilla Playbook›› ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ፣ ጉጅለ ግብረ ራዕዳዊ ንፁሃን ተምሃሮ እንትቐትል ፣ መንገዲ ኣየር ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መሰረተ ልምዓት እንተዕንው ሱቕታ ዝመረፁ እዚኦም ሰባት እቲ ጉጅለ ዘስምዖ ጭርሖ ጥራሕ እናሰምዑ ሓሶት ሓበሬታ ምስርጫዎም ቀፂሎምሉ እዮም ኢሎም፡፡ እቲ ግብረ ራዕዳዊ ዝፍፅሞም ገበናት እንተይኾነስ እቲ ጉጅለ ተፈፂሙኒ ዝብል ጥራሕ ብምሓዝ ኣብ ኢዶም ዘሎ ስልኪ ናይ ውልቀ ማሕበራዊ ገፅ ብምጥቃም ማሽን ፕሮፖጋንዳ ኾይኖም እናገልገሉ ከምዝርከቡ ገሊፆም እዮም፡፡ እቲ ፀሓፊ ኣብ ቐረባ መከላኸሊ ሰራዊት በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ውሳነ መልዓሊ ብምግባር ካብ ትግራይ ካብ ዝወፀሉ እዋን ጉጅለ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ኣባላት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ ሰባት ከምዝቐተሉ እናፈለጡ ‹‹ፅቡቅ ገበርኻ ›› ካብ ምባል ዘይናኣስ ሱቕታ መሪፆም እዮም ክብሉ ወቒሶም እዮም፡፡

ኒዉዮርክ ታይምስ ኣብ ቐረባ ብፎቶ ግራፍ ኣደጊፉ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ጉጅለ ህወሓት ህፃናት ብረት ብምዕጣቕ ከምዘሰለፈ ፂሒፉ እዩ፡፡ ኒዮርክ ታይምስ እዚ ፀብፃብ ዝሰርሖ መናእሰይ ከምዝተነቃቅሑ ብምርኣይ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ንምሙጋስ እዩ፡፡ኾይኑ ግና እቲ ጉዳይ ብዓለም ለኸ ሕጊ ኲናት ገበን እዩ፡፡ ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ 2002 ጀሚሩ ኢትዮጵያ እውን ፈሪማ ዝተቐበለቶ ካብ ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ዕድሚኦም ትሕቲ 15 ዝኾኑ ህፃናት ንውትድርና ምምልማን ኣብ ኹናት ምስታፍን ብገበን ዘሕትት ተግባር እዩ፡፡ ኒዮርክ ታይምስ ፀብፃብ ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፅ ተሓታትነት ዘስዕብ ገበን ከምዝኾነ ንዓለም ኣስሚዑ እዩ፡፡ እዚ ስዒቡ እቶም ዝተወሰኑ ካብ ገፁ ዝሰረዞም እንተኾነ ‘ውን ምስቲ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ከምዝሰርሕ ብግልፂ ኣመስኪሩ እዩ፡፡ እዚ ተግባር ሰብኣዊ መሰል ተቖርቆርቲ ኢና ዝብሉ ምዕራባውያን ይኹኑ ተንተንቶም ክኹንንዎ ኣይተርኣየን፡፡

ንዓለምኸ ማሕበረሰብ መንነት ጉጅለ ህወሓት ንክግንዘብ ሚዛናውን ትኽክለኛን ሓበሬታ ንምስርጫው ፃዕሪ ዝገብሩ ተንተንቲ ወፃኢ ሃገር ኣብ ክልል ትግራይ ስለዝተፈፀመ ኩነታት ንምግላፅ ንድሕሪት ብምኻድ ዳህሰሳ ብምግባር ጥልቐት ዘሎ ትንታነ እናሃቡ ይርከቡ፡፡ ብኣንፃር ድማ ብዝተፈላላዩ መገዲ ምስ ጉጅለ ህወሓት ዝተኣሳሰሩ ተንተንቲ ሕልነኦም ሸይጦም ናይ ሓደ ወገን ስምዐታ ጥራሕ እናሳራጨዩ እዮም፡፡ እቲ ሓቂ ኣብ ከይዲ ግልፂ እናኾነ ምምፅኡ ኣይተርፍን እሞ ኹሉግዜ ምስ ሓቂ ጠጠው ምባል ካብ ታሪኽ ተወቃስነት የድሕን እዩ፡፡

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013

Recommended For You