ሃገርና ብፍላይ ከዓ ትግራይ ናይ ብዙሓት መግለፂ መንነት ዝኾኑ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ሓድግታት ዝርከበላ ከምዝኾነት ታሪኽ ዝምስከረሉን ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ‘ውን ዘረጋገፆ ‘ዩ። ሓድጊታት ድማ ንሓደ ሕብረተሰብ ወይ ንሓንቲ ሃገር መግለፂ መንነት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ መስሕብ ቱሪዝም፣ መህነፂ ፅቡቅ ምስሊ እቲ ሕብረሰብን ሃገርን ከምኡ ‘ውን ፍልፍል ቁጠባዊ እቶትን ከምዝኾኑ ዝፍለጥ ‘ዩ።
ብዙሕ ረብሓታት ዘለዎም ሓድግታትና ነቲ ሕብረተሰብን ሃገርን ልምዓትን ዕብየትን ዘለዎም ግደ ብግቡእ ንክፃወቱ ብግቡእ ክዕቀቡን ከፋለጡን ከምዝግባእ ኩሉ ዝረዳድአሉ ሓቂ ‘ዩ።በዚ መሰረት ኣብ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓድግታት ክንድቲ ዘለዎም ብዙሕ ረብሓታት ዝግባእ ትኹረት ተዋሂብዎም ናይ ምርማር ፣ ምዕቃብን ምልላይን ስራሕቲ ብግቡእ ይስርሐሎም ኣሎ እንተዘይተብሃለ ‘ውን ምንም ኣይስራሕን ዘሎ ካብ ምባል ዘተርፉ ስራሕቲ ግና ሓለሓሊፎም ዝስርሑ ከምዘለዉ ዘርእዩ ኣለው ‘ዮም።
እዚ ካብ ዝሰረሑ ዘለዉ ድማ ብብርኪ ሃገር ከም በዓል መዚ ቅርስታት ኢትዮጵያ፣ ብብርኪ ክልል ድማ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዝበሉን ብኣዋጅ ካብ መነጎ ዝተዋህብዎ ስራሕቲ ኣብ መላእ እዛ ሃገርን ክልልን ዝርከቡ ባህላውን ተፈጥራውን ሓድግታት ሰብ ስራሕን ተፈጥራውን ጉድኣት ከይበፅሖም ምሕላውን ምሕብሓብን ‘ዩ።
ከምኡ ‘ውን እቶም ሓድግታት ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ጉድኣት ክበፅሖም ከሎ ድማ ያታዊ ትሕዝተኦም ብዝሓለወ ብሳይንሳዊ መንገዲ ፅገናን መሊስካ ምስራሕን ከካይዱ ሓላፊነት ኣለዎም። ብመሰረት እዚ ‘ውን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ምስ ዝተፈላለዩ ተሓባበርትን መዳረግቲ ኣካላት ብሙዃን በቲ ዝነበረ ኵናት ዝዓነዉ ሓድግታትን ከምኡ ‘ውን ብዝተፈላለዩ ካልኦት ምኽንያታትን ፅገና ዘድልዮም ሓድግታት ናይ ምፅጋን ጀማሮታት ይረኣዩ ኣለው ‘ዮም።
ኣብዚ ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ድማ ክሳብ ሓዚ ተፀጊኖም ዝተዛዘሙ ሓድግታት ከም ጥንታዊ ገዳም ኣቡነ ኣብርሃም ደብረፅዮን ፣ ደብረማርያም ቆርቆር ኣብ ወረዳ ሓውዜን ዝርከብ ካልኦትን፤ ኣብ ከይዲ ፅገና ዘለዉ ድማ ከም ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ፣ ታሪኻዊ ቤተክርስትያን ማርያም ቆራር ኣብ ደጉዓ ተንቤን፣ ገዳም ኣባ ጰንጠሌወን ኣብ ላዕላይ ማይጨው ዝኣምሰሉ እንተኾኑ፤ ብሰንኪ እቲ ኹናት ተቛሪፁ ዝነበረ ፕሮጀክት ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም’ውን ከምዝጀምር ተገሊፁ ኣሎ።
ከም ፀብፃብ ሚድያታት እቲ ክልል ብ26 ጥቅምቲ 2017 ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ በዓል መዚ ቅርሲ ኢትዮጵያ፣ MH Engineering Company and Studio Crochi፣ ህዝብን ምምሕዳርን ኣኽሱም፣ ሊቃውንቲ ኣኽሱም ኣብ ዝተረኸብሉ ብሰንኪ ኮቪድ-19ን ዝነበረ ኲናትን ተቛሪፁ ዝነበረ ፕሮጀክት ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱምን ቁፅሪ 3 ን ሙዝየም መቓብር ነገስታትን ብመበገሲ 115 ሚልዮን ብር ፅገንኡ ከምዝሳለጥ ዕላዊ ኮይኑ ‘ዩ።
ብ115 ሚልዮን መበገሲ ዝገበረ ንሰለስተ ኣዋርሕ መፅናዕትን ቀፀልቲ ሹዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ፅገናን ብምግባር ኣብ ትሸዓተ ኣዋርሕ ዝጠናቐቕ ዓብዪ ሕቶ ትግራይ ፍታሕ ይረክብ ምህላው ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር ብምሕባር፤ እቲ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ቅርሲ ሓወልቲ ኣኽሱምን ሙዝየም መቃብር ነገስታትን ኣብ ዓለም ቅርስነቱ ሓልዩ ንክኸይድ ጠመተ ተዋሂቡ ክስራሕ ‘ዩ ክብሉ ሓቢሮም ‘ዮም።
ቦታታት ቅርሲ ሓወልቲ ኣኽሱምን ሙዝየም መቃብር ነገስታትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርትን ባህልን ሳይንስ (ዩኔስኮ) ብዓለም ቅርስነት ከምዘተመዝገቡ ዘዘኻኸሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ እቲ ብውሕጅን ካልኦት ፀገማትን ጉድኣት ዝበፅሖም ጥንታዊ መቃብር ነገስታትን ንምፅጋንን ንቱሪስት ‘ውን ብዝመችው መልክዕ ንምትዕርራይ እቲ ስራሕ ከምዝፍፀም ተዛሪቦም ‘ዮም።
ኣብ በዓል መዚ ቅርሲ ኢትዮጵያ ዋና ዳይሬክተር ሙዚየም ዝኾኑ ኤሊያስ ሽኩር (ዶ/ር) ብወገኖም፣ “ እቲ ዝዘመመ ሓወልቲ ኣኽሱም ቁፅሪ ሰለስተ ልዑል ጥንቃቀ ተገይረሉ ናይ ምቀናዕ ስራሕ ክሰራሕ ዩ ብምባል፤ እቲ ተሳነጣጢቁ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ቦታ መቓብር ነገስታት ብተመሳሳሊ ብልዑል ጥንቃቀ ከምዝስራሕ ገሊፆም ‘ዮም።
ከም ሓበሬታ በዓል መዚ ቅርሲ ኢትዮጵያ ሓወልቲ ኣክሱም ቁፅሪ 3 ምስ ምዝማም መሰረት ተተሓሒዙ ጉድኣታት ምብፅሖም መሰረት ብምግባር እቲ በዓል መዚ ምስ ኢትዮጵያዊ ትካል ኤምኤች ኢንጂነሪንግን ኣማኻሪ ትካል ጣልያን ስቱዱዮ ክሮቺ ኮይኖም መፅናዕቲ ቅድመ ፅገና ካብ 2008 ዓ.ም ክሳብ 2010 ዓ.ም ክሰርሑ ፀኒሖም እቲ ፅንዓት ሰነድ ድማ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዝተገበረ መድረኽ ምኽክር ንክፀድቅ ተገይሩ ‘ዩ። ብተወሳኺ እቲ ፅንዓት ብዩኔስኮ ንክግምገም ተላኢኹ ንዝቀረቡ ሕቶታት በቲ በዓል መዚ ናይ መብራህረሂ ሰነድ ኣዳልይሉን ሂብሉን ‘ዩ።
ስራሕቲ ፅገና ንምፍፃም ሓወልት ቁፅሪ 2 ን ካብ ሮም ኣምፂኡ ደው ዘበለ ላታንዚ ዝተብሃለ ኩባንያ ጣልያን ብምቁፃር ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዉሽጢ ስራሕቲ ፅገናኡ ንምዝዛም ዘኽእል ዉዕሊ ስምምዕነት ብምግባር ነቲ ስራሕ ንምስራሕ ዝሕግዙ ንሓለዋን ምዕቃብን እቲ ሓድጊ(ቕርሲ) ዝሕግዙ መሳርሒ ዝሓዙ ኮንቴይነራት ናብ ከተማ ኣኽሱም ተላኢኹ ምንባሩ ይዝከር።
ሐዚ እቲ ፅንዓት ካብ ዝፅንዐሉ እዋን ልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ዘቑፀረ ብምዃኑ፣ ኣብቶም ሓድግታት ዘሎ ኩነታት ጉደኣት ብምስናድ ንሳይንሳዊን ተቐባልነት ዘለዎ መፍትሒ ምቕማጥ ኣድላይ ብምዃኑ፤ ከምኡ ‘ውን ብዝተፈላለየ እዋናት ዝተርኣየ ምንቅጥቃጥ መሬት ተወሳኺ ስግኣታት ብምፍጣሩ ቁፅሪ 3 ሓወልቲ ኣክሱምን ሙዚየም መቃብር ነገስታትን ከምኡ ‘ውን ብሪክ ኣርክ ከይተፀገነ ብምፅንሑ ምኸንያት ልዑል ጉድኣት ዝርከብ ብምዃኑ ተቋሪፁ ዝነበረ ስራሕቲ ፅገና ንምቅፃልን ቅልጡፍ መፍትሒ ንምሃብ ክለሳ መፅናዕቲ ብምግባር ኣድላይ ኮይኑ ተረኺቡ በዚ መሰረት ‘ውን ናብ ተግባር ንምእታው ከምቲ ናይ ቅድሚ ሐዚ ብኣማኸርቲ ትካላት እቲ ልዕሊ ሾመንተ ዓመት ኣቢሉ ተፀኒዑ ዝነበረ ፅንዓት ብምምሕያሽ እቲ ስራሕቲ ፅገና ንምፍፃም ብምሕሳብ ናብ ስራሕ ተኣትዩ ኣሎ።
ብሓፈሻ ኣብዚ እዋን ተጀሚሮም ዘለዉ ስራሕቲ ፅገና ሓድግታት ይበል ይቐፅል ዘብል ኮይኑ፤ ኣብዛ ሃገር ብፍላይ ከዓ ኣብ ትግራይ ዘለው ብዙሓት መግለፂ መንነት ዝኾኑ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ሓድግታት መግለፂ መንነት ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ መስሕብ ቱሪዝም፣ ንህነፀት ፅቡቅ ምስሊ እቲ ሕብረሰብን ሃገርን ከምኡ ‘ውን ፍልፍል ቁጠባዊ እቶትን ብምዃኖም እቶም ሓድግታት ተዓቂቦም ናብ ትውልዲ ንክሰጋገሩ ናይ ሓደ ክልተ ትካላት ጥራሕ ዝሕደግ ስለዘይኮነንንፅባሕ ዘይብሃል ስራሕ ስለዘይኮነ ኩሎም ኣካላት ኣብዚ ግድኦም ብግቡእ ክዋፃኡ ይግባእ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 5 ሕዳር 2017 ዓ.ም