
6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሑ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 3ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣካይዱ ‘ዩ:: ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ 27 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝገበሩዎ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝቐርቡ ሕቶታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምላሽን መብርሂን ሂቦም ‘ዮም::
ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተፀዋዕቲ ዓለም ለኸ ትካላትን፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም ‘ዮም :: እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝተፈላላዩ ጉዳያት ሰፊሕ መልሲ ዝሃቡ እንትኾኑ ኣብ ኢኮኖሚ ኣድሂቦም ዘልዐልዎም ዓበይቲ ሓሳባት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና:: ‹‹ኣብ መጀመርያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ዓመታት ንነዊሕ እዋን ፀኒዑ ዝፀንሐ ስርዓት ኢኮኖሚ ፖለቲካ ኣንፃር ሪፎርም እናካየድና ከምዝፀናሕና ዝፍለጥ ‘ዩ::እቲ ሪፎርም ዘይነኽኦ ሴክተር የለን::
እዚኦም ሪፎርም ዘርከቦም ውፅኢት፣ ዝተረኸበሎም ትምህርቲ ፣ዝተረፉ ስራሕቲ ትፅቢት ከምዝተገበረሎም ኾይኖም ነዚ ዝተኸበረ ቤት ምኽሪ ምግላፅ ዝደሊ ካብዚ ዓመት ጀሚሩ ንኢትዮጵያ ከም ሃገር ሃገራዊ ምልዕዓል እንጅምረሉ ዓመት ‘ዩ:: ሪፎርምና ወዲእና ማሕበራዊ ምልዕዓል እንጅምረሉን ኣብ ታሪኽና ሪእና ዘይንፈልጦ ውፅኢት እናራእና ወለዶ ንምፅናዕ እንሸጋገረሉ ዘመን መጀመርያ ‘ዩ::
ኣብ ዓመታት ሪፎርም ናብ ምፍትሕታሕ ፣ሕጊ ኣኽበርቲ ትካላት ፣ስርዓት ፖለቲካ ፣ ስርዓት ፌደራል ትኽክለኛ ስርዓት ፌደራል ኾይኑ ክልላት ብናይ ባዕሎም ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ሃልይዎም ስረሖም ንክሰርሑ ናይ ምግባር ፣ሴክተራል ሪፎርም ናይ ምፍትሕታሕ ስራሕ እናሰራሕና ፀኒሕና ኢና:: ዝተኻየደ ምትእትታው መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ናይ መንግስቲ ኣታዊ ወሲኹ ‘ዩ ። ናይዚ መርኣያ ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017 ዓ.ም 180 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምእካብ ተኻኢሉ ። እዚ ምስ ሕሉፍ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ዝሓሸ ዝሓሸ ‘ዩ::
ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2016 ዓ.ም 109 ቢሊየን ብር ነይሩ፤ ይኹን ‘ምበር ኢትዮጵያ ብመንፅር ሓፈሻዊ ዓብዪ ፍሪያት ውሽጢ ዓዲ እንትረአ ሐዚ ‘ውን ትሑት ኣታዊ እትእክብ ሃገር ‘ያ:: ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ እዚ ንምምሕያሽ ፃዕሪ ክግበር ‘ዩ:: ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ 3 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ተረኺቡ:: ብተመሳሳሊ ኣብቶም ኣዋርሕ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብ6 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕብየት ከርኢ ክኢሉ ‘ዩ:: ብሓፈሻ ብመመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ 27 ቢሊየን ዶላር ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ይግበር::
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ 50 ሚኢታዊ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ንክተሓዙ ብምግባር ኣብ ተካእቲ ፍርያታት ዝለዓለ ውፅኢት ተመዝጊቡ ‘ዩ:: ንዕቤት ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሳለጡ ወፍርታት ኢትዮጵያ ተፍሪ ዝረአ ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ:: ልዑል ፍርያት ዘፍርዩ ፋብሪካታት ዘለዎም ፀገም ብምፍላይን ብምሕጋዝን መጠን ፍርያት ንክዓቢ ፃዕሪ ተገይሩ ‘ዩ።
ኣብ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ቀረብ መሬት፣ መንግስታዊ ግልጋሎትን ጉምሩኽን ዘለዉ ፀገማት እናተፈትሑ ይርከቡ። ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ‘ውን 72 ሓደሽቲ ልዕሊ ፋብሪካታት ዝኾኑ ፕሮጀክትታት ኢንዱስትሪ ስራሕ ስራሕ ጀሚሮም ‘ዮም:: ካብቶም ስራሕ ዝጅመሩ፤ 9 ኢንዱስትሪታት ጨርቃ ጨርቂ፣41 ኢንዱስትሪታት ምግብን መስተን፣ 4 ኢንዱስትሪታት ኮንስትራክሽንን ኬሚካልን፣ 15 ኢንዱስቱሪታት ቴክኖሎጅን 3 ወታደራዊ ኢንዱስትሪታትን ‘ዮም:: ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ 50 ሚኢታዊ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ንክተሓዙ ብምግባር ኣብ ተካእቲ ፍርያታት ዝተባብዑ ውፅኢታት ተመዝጊቦም::
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተድሓዘ በጀት ዓመት ሽዱሽተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚኢታዊ ወሰኽ ዘለዎ ቐጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብ ተኻኢሉ ‘ዩ:: ኢንቨስትመንት በዚ ልክዕ ምስሓብ ዝተኽኣለ ፋይናንሳዊ ስርዓት ሃገርና ብምምሕያሹ ውፅኢት ‘ዩ:: ኣብ ዓውዲ ግብርና ካብ 30 ሚልዮን ሄክታር መሬት 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ተተሊሙ ‘ዩ:: ኣብዚ ሓዱሽ በጀት ዓመት 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ፤ዓውዲ ግብርና ድማ 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝግብ ትፅቢት ይግበር ።
ስለዝኾነ ‘ውን ዝራእቲ፣ ጡጥን ሆርቲካልቸርን ሓዊሱ ኣብ እዋን ክረምትን ሓጋይን ካብ ዝተሓረሰ 30 ሚልዮን ሄክታር መሬት 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ተተሊሙ ። ኣብ 2017 ዓ.ም 8.4 ዕብየት ኢኮኖሚ ንምምዝጋብ ትፅቢት ኣሎ። ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ልምዓት ደኒ፣ ኣትክልትን ፍራምረን ከም’ውን ጥምር ግብርና ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ልዑል ውፅኢት ተመዝጊቡ ‘ዩ ። እዚ ውፅኢት ብብርኪ ዓለም እንትረአ ልዑል ዓወት ‘ዩ ፤ሎሚ ዘበን ‘ውን 8.4 ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዕብየት ክምዝገብ ትልሚ ተዳሒዙ ‘ዩ::
ብዓውዲታት እንትረአ፥ ግብርና 6.1 ሚኢታዊ እንትኸውን፥ 30 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብምሕራስ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ኩንታል ምህርቲ ትፅቢት ይግበር ። ዓውዲ ኢንዱስትሪ 12.8 ሚኢታዊ ንክዓቢ ትልሚ ተዳሒዙ ኣሎ፤ ኣብዚ ዓመት ናይ ኢንዱስትሪታት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ 67 ሚኢታዊ በፂሑ ‘ዩ ፤ኣብ 2017 ዓ.ም ብኹሎም ዓውዲታት ጭቡጥ ለውጢ እነመዝግበሉ ዓመት ክኸውን ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኣታተወ ሪፎርም ዘይተንከፎ ዓውዲ የለን ፤ኣብዚ ዓመት ሃገራዊ ምዕባለ ናይ ዝረኣየሉ እዋን ፈላማይ ዓመት ‘ዩ ።
ነዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመሰረት ዝነበረ ኩነታት መንግስቲ ንዘለዉ ሓሳባት ብተግባር ናይ ምግላፅን ውፅኢት ናይ ምርግጋፅን ስራሕ ክስራሕ ‘ዩ። ሐዚ ዘሎ ምዕራፍ ናይ ተግባር ምዕራፍ ‘ዩ፤ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ግብርና፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ርኡይን ዝጭበጥን ለውጢ ዝረአየሉ ‘ዩ። ኣብ ዓመት ክሳብ 130 ሚሊዮን መንገደኛታት ከተናኣናግድ ዝኽእል ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ምህናፅ ዘኽእል መፅናዕቲ ተዛዚሙ ‘ዩ:: ዓውዲ ቱሪዝምን ግልጋሎትን 7 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ዕቤት ከመዝግብ ‘ዩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 124 ሓደሽቲ ኣውሮፕላናት ንምግዛእ ብምእዛዝ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዎ ብርኪ ንምቕፃል ብቆራፅነት እናሰርሐ ‘ዩ። ሕዚ ዘለው መዐርፎ ኣውሮፕላናት ዋላ’ኳ ካብ 20 ክሳብ 25 ሚልዮን መንገደኛታት ዘተኣናግዱ እንተኾኑ ካብ 100 ክሳብ 130 ሚልዮን መንገደኛታት ከተናኣግድ ዝኽእል ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ መፅናዕቲ ተዛዛሙ ‘ዩ:: ምስቲ ሕዚ ዘሎ መዕርፎ ነፈርቲ ብመንገዲ ባቡር ብምርኻብ ክልቲኦም ብሓባር ምጥቃም ዘኽእል ኣሰራርሓ ትልሚ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ 20 ዝኾኑ ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስታት ተኻይዱ ‘ዩ::
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምሉእ ዓመት 20 ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስታት ኣየካየድናን፤ ሎሚዓመት ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ 20 ዝኾኑ ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስታት ኣካይድና ኢና። ኣብ ቐፃሊ ‘ውን ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስታት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየዱ ‘ዮም። ልምዓት ኮሪደርን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ዓውድን ዓለምለኻዊ ዑደተኛታትን ኮንፈረንስታትን ንምስሓብ ዕድል ፈጢሮም ‘ዮም:: ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ውልቃዊ ሴክተር ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት መኣዲ ውፅኢት ክርከብ እናገበሩ ‘ዮም ።
ማእድን ብዝምልከት ብወርቂ ፣ሓፂንመፂን ናይ እምኒ ከሰል ሓደሽቲ ፋብሪካታት ስራሕ ክጅምሩ ‘ዮም:: ኣብዚ ዓመት ምህርቲ ዝጅምሩ ኣለዉ:: ሲሚንቶ ብዝምልከት ሓደ ሓደ ፀገማት ከምዘለዉ ንግንዘብ:: እዚኦም ንምፋታሕ ስራሕቲ እናተሰርሑ ‘ዮም:: ናይ ወፃኢ ኢንቨስተራት ድልየት ኣሕዲሮም ‘ዮም:: ምህርቲ ሲሚንቶ ዝሕግዙ ጥረ ኣቅሓ ኣብ ሃገር ውሽጢ ስለዝርከቡ ሓደሽቲ ድልየት ‘ውን ስለዘሎ እዚ ኣስፋሕፊሕና ኣብ ዝቕፅል ዓመታት እንቅፅል ‘ዩ ዝኸውን::
ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ን700 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ወፃኢ ሃገር ንምፍጣር ትልሚ ተዳሒዙ ‘ዩ:: ኣብዚ ሓዱሽ በጀት ዓመት ዝተተለመ ምፍጣር ዕድል ስራሕ 4 ነጥቢ 3 ሚልዮን ዜጋታት ልዑል ቁፅሪ ስለዝኾነ ልዑል ስራሕ ዝሓትት ‘ዩ። ስለዝኾነ ‘ውን እቲ ትልሚ ንምዕዋት ን350 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ምፍጣር ዘኽእል ምንቅስቓስ ክንገብር ይግባእ ።
ግብርና 39 ሚኢታዊ፣ግልጋሎት 31 ሚኢታዊ ከምኡ ‘ውን ኢንዱስትሪ 29 ሚኢታዊ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩ ትፅቢት ይግበር። ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ውዕሊ ስራሕ ብምውዕዓል ኣብዚ ሓዱሽ በጀት ዓመት ን700 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ትልሚ ከምዝተትሓዘ ፤ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ 100 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ወፃኢ ሃገር ረኺቦም ‘ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም