
ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ጎንፅን ሽርሕን እንተዘይኮይኑ መሰል ደቒ ሰባት ምኽባር ዘይፈቱ፤ ንስልጣንን ክፍኣትን እንተዘይኮይኑ ንቕንዕናን ለውጥን ዘይተዓደለ ሰብ ኣሎ እንትብሃል ቑልጭ ኢሉ ናብ ሓንጎልካ ዝመፀልካ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወዲ 80 ዓመት ከባቢ ውልቀመላኺ ፕረዝደብት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ‘ዩ። እዚ ሰብ እዚ ናይ ኣፍሪካ ሰሜን ኮርያ ተባሂሉ ‘ውን ብመራኸቢ ብዙሃን ዓለም ዝፍለጥ ሰብ ‘ዩ። ንዜጋታት ሃገሩ ንቑልውላውን መከራን ምስጣሕ ከይኣኽሎ ንጎረባብቲ ሃገራት ‘ውን እናሓንፈሸ ዝርከብ ውልቐ መላኺ ‘ዩ።
እዚ ውልቐመላኺ ሰብ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 12 ሓምለ 2017 ዓ.ም ምስታ ብሕታዊት ቴሌቪዥን ሃገሩ ዝተፈላለየ ዓለምለኻዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ንምድህሳስ ኣብ ዝፈተነሉ ቃለመሕትት ብፍላይ ምስ ድሌት ኣፍደገ ባሕሪን ካልኦት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያን ኣድሂቡ ዘይዛመዱን ኣብዘይየእትዎ ጦብላሕ ኢሎ ሓሳባቱ ንምግላፅ ፈቲኑ ‘ዩ።
ኣብቲ ቃለመሕትቱ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከም ጉዳይ ዝለዓለሉ ዘሎ ኵነታት ናይ በዓላ ድሌት ዘይኮነስ ናይ ካልኦት ኣጀናዳ ‘ዩ ክብል ሰማይን መሬትን ንምርኻብ ፈቲኑ ‘ዩ። ነቲ ኢትዮጵያ ንቲ ዞባ ኣንፃር ሰላም ኮይኖ ዘሎ ስርዓት ኤርትራ ብዝምልከት ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝፀሓፈቶ ደብዳቤ ንናይ ኹናት ምድላዋታ ሽፋን ንምሃብ’ዩ ክብል ‘ውን ይገልፅ። ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብቲ ዞባ ሰፊኑ ዝነበረ ናይ ለውጢ ተስፋን ባህግን ስለ ዝበነነ ካብኡ ንምህዳም ተባሂሉ ዝተፈጥረ ኵነታት ‘ዩ ‘ውን ክብል ክልተ ዘይስማዕምዑ ሓሳባት ከም ምኽንያት ንምግላፅ ይፍትን።
ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ሓቒ ግና ከምዚ ‘ዩ፣ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኣተገባብራ ባጀት መንግስቲ 2017 ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪን ዲፕሎማሲን መብርሂን ምላሽን እንትህቡ ብግልፂ ከምዝስዕ ገሊፆሞ ‘ዮም።
ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብታ ተላዚባን ተሓጋጊዛን ናይ ምስራሕ ድሌት ‘ዩ ዘለዋ። ካብኣቶም ወፃኢ ህላወ የብላን። ንሳቶም ‘ውን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ህላወ የብሎምን።ኣብ ነንሕድሕድና ኣዚና ኣገደስቲ ኢና። ምስ ዝኾነት ሃገር ድሌትና ሰላም ‘ዩ፤ ኣብ መንጎ ኣባናን ኣብ ጎረባብትናን ዘሎ ርክብ ከምኡ ‘ዩ። ፅቡቕ ዘርኢ ንዘርእ። ንኣብነት ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሰላም፣ ስርዓት ንግዲ ንዛረብ ንትክል፤ እዚ ፅቡቕ ዘርኢ ‘ዩ። ድሕሪ ግዜ ድማ ናብ ኣግራብ ክዓብዩ ‘ዮም። ብግርጭትን ሓይልን ኣይንገብሮን ኢና። ብሰላም ብዘተ ክፍፀሙ ‘ዮም። ንምንታይ? ንረብሓ ኩሉ።
ኢትዮጵያ ሰላም ስኢና እንተተጎዲኣ ጎረባብትና ካብ ኢትዮጵያ ዘይንእስ መከራ ክወርዶም ይኽእል ‘ዩ። መብዛሕትኡ ቁጠባ ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰር ‘ዩ ክብሉ ገሊፆሞ ‘ዮም። እዚ ቁጠባ ብዙሕ ስለ ዝደከም ይጉዳእ። ንጎረባብትና ከይንጎድኦም ክንጥንቀቕ ኣለና፣ ሉኣላውነቶም ከነኽብር ይግባእ። ንኣብነት ኤርትራ ሉኡላዊት ሃገር ‘ያ፣ ብሓይሊ ኣካል ኢትዮጵያ ክትኸውን ኣይንደልን ኢና። ሃገር ምዃን መሰላ ‘ዩ። ጅቡቲ ሉኣላዊት ሃገር ‘ያ። ክትኽበር ኣለዋ። ሶማልያ ሉኣላዊት ሃገር ‘ያ፣ ክትኽበር ኣለዋ፤ ኣብዚ ሕቶ የለን ክብሉ ‘ዮም ዘብራህርሁ።
ኢትዮጵያ ሉኣላዊት ሃገር ‘ያ፤ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይረኺባ ግና ሃገር ክትከውን ኣይትኽእልን። እዚ ብኣታቶም ክኽበር ኣለዎ። ብሓባር ንምንባር ዘድሊ ምሃብን ምውሳድን ‘ዩ። እዚ ናይ ምዝርራብ ጉዳይ ‘ዩ። ብምዝርራብ ክኸውን ኣለዎ። ናብ ጣና ከይደ ሓንቲ ሑፃ እንተዝድርብይ ጣና ኣይርበሽን።
ጎረባብትና ክፈልጡ ዘለዎም ቓላይን ባሕርን ክፈልዩ ኣለዎም። ኢትዮጵያ ብንኣሽቱ ሑፃታት ኣይትርበሽን። ብኣናሽቱ ሑፃታት ኣይንበታተንን ኢና። ኢትዮጵያ ዓባይ ባሕሪ ‘ያ። ዓባይ ሃገር ‘ያ። እዚ ክንርድኦ ኣለና። ኣብ ዝደለይዎ ግዜ ክርብሹ ከምዝኽእሉ ገይሮም ክሓስቡ የብሎምን። እዚ ግቡእ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ነቶም ዝርብሹዋ ብምክልኻል ክተልምዕ ትኽእል ‘ያ። ምኽንያቱ ዓባይ ሃገር ስለ ዝኾነት እቲ ምርባሽ ዝጎድእ ነቶም ቐላያት ‘ዩ። ንባሕርታት ኣይኮነን፤ እዚ ምርዳእን የድሊ ክብሉ የርድኡ።
ብተወሳኺ እዛ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፣ ብተነፃፃሪ ልዑል ሃብቲ ዘለዋ ሃገር፣ ምስ ጎረባብትና ተወዳዳሪት ኣይኮነትን፤ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘለዋ ሃገር፣ ብቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐት ሃገር፣ ንኲናት ከም ኣማራፂ እንተቖፂራ ብዝኾነ መዐቀኒ ናብ ውድድር እትቐርብ ሃገር ኣይኮነትን። ግና ኲናት ሕማቕ ነገር ‘ዩ።
ንኣብነት ብወገን ኤርትራ ኹናት ክለዓል ‘ዩ ዝብል ወረ ይስማዕ ‘ዩ። ብወገንና ግን ሓንቲ ጥይት ኣይክትትኮስን ‘ያ። ምኽንያቱ ብዙሕ ዘገድሰና ነገራት ስለዘለና። ብዙሕ መሳጢ ፕሮጀክትታት ኣብ ኢድና ኣለና። ክንሰርሕ ኢና ንደሊ። ኣብ ጎንና ኩናት ክህሉ ኣይንደልን ኢና። ኤርትራ ሓው ህዝቢ ‘ዩ፤ ህዝቢ ሶማሊያ ሓው ህዝቢ ‘ዩ፤ ከምኡ ‘ውን ሱዳን ሓው ህዝቢ ‘ዩ ሓቢርና ክንዓቢ ኢና ንደሊ።
ድሌት ምኽባርን ሰላምን በኣኣቶም ወገን ‘ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ክርእይዎ ንደሊ። ዳርጋ ሰላማዊ ዝምድናና ምስ ኩሎም ጎረባብትና ክንሕሉ ንደሊ። ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ምስ ዝኾነ ጎረቤት ኣይተዋጋኣናን ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ውግእ ኣይንመርፅን። ምትሕብባር፣ ሰላም፣ ምዝርራብ፣ ዘተ ጥራይ ኢና ንደሊ።
ህዳሴ ንዓና ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሉ ‘ዩ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ኤርትራ ከንዝርግሕ ንደሊ፤ ናብ ሱዳንን ሶማሊያን ‘ውን ብተመሳሳሊ። ብሓባር ክንዓቢ ኢና ንደሊ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ናይ ኩሉ ስምዒት ክኸውን ተስፋ ንገብር። ብኣና ወገን ኣብ ለውጢ ኢና ዘለና፤ ልምዓት እናመዝገብና ኢና። ንዓቢ ኣለና ኢና፤ እዚ ከይበላሸወና ምስ ኩሎም ኣሕዋትና ብሰላም ክንነብር ንደሊ።
ብሰላም ክንነብር ዘየኽእለና ጉዳይ እንተሃልዩኸ? ንነብስና ክንከላኸል ኢና። ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ብዙሕ ዘፍርሕ ነገር የለን። ዓርሳ ንምክልኻል እኹል ዓቕሚ ኣለዋ። ኢትዮጵያ ከትብልፅግ ‘ያ። ንምብልፃግ ዘኽእል እኹል ዓቕሚ ኣለዋ። ኢትዮጵያ ፀላእቲ ነይሮማ ‘ዮም። ሕዚ ‘ውን ኣለዋ። ኮይኑ ግና ዓይኖም እናረኣየ ከንብልፅግ ኢና ይብሉ። እዚ ኢትዮጵያ እንኽተሎ ዓለም ዝፈልጦ ዲፕሎማስያዊ መትከል ‘ዩ። ስለዚ ናይ ኤትርትራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩናት ከምእትደሊ ገይሩ ዋላ እንተገለፆ፤ እቲ ሓቒ ግና እዚ ‘ዩ ብዝርዝር ኣረዲኦም ‘ዮም።
መንግስቲ ኤርትራ ቀንዲ ሕማም ኣፍሪቃ ምዃኑ ሕዚ ‘ውን ካብ ዘረብኡን ተግባሩን ምዕዛብ ይከኣል፤ ብዓሉ ዝፈጥሮ ፀገም ከይፈለጠ ኣብቲ መግለፂኡ፣ ፀገም ኤርትራ ይኹን ፀገም ኣፍሪካ ካብ ደገ ዝመፅአ ‘ዩ፤ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ “መግደፍን ድጐማን” ከይተገላገላ ፀገማተን ይኹን ፀገማት እቲ ኣህጉር ክፍታሕ ኣይክእልን ክብል ይዛረብ።
ስለዚ ኩሉ ግዜ ናይ ውሽጢ ፀገሙ ደጋዊ ከምዝኾነ ምኽንያት እናደርደረ ዝነብር ‘ዩ። ዝህቦ ቓለ መሕትት ንህዝቡን ሃገሩን ዝጠቕም ከምዘይኮነ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፣ ከምዝስዕብ ገሊፀሞ ‘ዮም።
በዙይ ዓይነት ኣገላልፃ ኣሕዋተይ የህዝኑኒ፤ ናዚ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነገሩናን እቲ ዝኸውን ዘሎን ዝተፈላለየ ‘ዩ። ድሌት ህዝቢ ዘይምስኽዑ ዘሕዝን ‘ኳ እንተኾነ እቲ ዝመረፅክምዎ መንገዲ ስለ ዝኾነ ፅንዓት ይሃብኩም ይብሉ።
ንሕና ሓቖፍቲ ኢና፤ ንቕድሚት እናጠመትና ኩሉ ዝፍፀም ዘሎ ብትዕግስቲ ሓሊፍናዮ ኢና። ንዜጋታትና ጥራሕ ዝኽበር መሰላት እናኽበርና ኣለና ማለት ‘ዩ። ግን ድሕሪ ሰማንያ ዓመት ተመሳሳሊ ዘረባ ኣየስልችን ድዩ? ሕገ መንግስቲ፣ መረፃ፣ ናፃ ፕረስ፣ ሓጋጊ ኣካል ወዘተ ዘይብሉ ነዚ ክፈቅድ ዘይደፈረ ሰብ፣ ነቶም ተኣምራት ዝሰርሑ ጀጋኑ ብምንታይ ሞራልን ኣንደበትን ‘ዩ ዝነቅፎም? ክብሉ ብምግራም ይገልፁ።
ብተመሳሳሊ ተናሕናሕቲ እናወገዱ፣ ፍፁም ስልጣን ብምቁፅፃር፣ ግጭትን ከበባን ከም ኣፅዋር ብምጥቃም፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ባርነት ብምጥቃም (de facto slave economy)፣ኣፍረይቲ ሃገሮም ገዲፎም ከም ዝሃድሙ እናገበረካ፣ ንጎረባብቶም እናበፅበፁ፣ ንሕና ጥራይ ቅዱሳን ኢና ምባል ይከኣል? ኣረ እዚ ነውሪ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ።
ኣፍደገ ባሓሪ እንተኾነ ብመሰረት ሕጊ ዕዳጋ ብዝኾነ ኣንፈት ዝኽልክል ምድራዊ ሕጊ የለን። መንገድና ምድማር፣ ዕላማና ብልፅግና ‘ዩ ክብሉ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ይገልፅዎ።
ኤርትራ ክንደየናይ ፀገም ከምዘለዋ ግልፂ ‘ዩ፤ ኣብ ዝሓለፈ 28 ሰነ 2017 ዓ.ም ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብ27 ሰነ ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ ነቲ ብኽኢላ ሕጊ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ዝምራሕ ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምርምር ፍሉይ ልኡኽ ዕማሙ ከቋርፅ ንዘቕረበቶ ሕቶ ነፂጉ ‘ዩ።
እዚ ብኤርትራ ዝተወስደ ስጉምቲ ዝውቱር ብዘይምዃኑ ንገለ ተዓዘብቲ የግርም። ምርመራ ዝካየደላ ዘሎ ሓንቲ ሃገር ብወግዓዊ ድምፂ ኣቢላ ዕማሙ ክትኮልፎ ምፍታን ኣብዚ ናይ ልዕሊ 20 ዓመት ታሪኹ ‘ዩ ተራእዩ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ነቲ ውፅኢት ብሓጐስ ብምቕባል፡ “ኤርትራ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ መሰላት ፀብፅቡ ንዘቕርብ ፍሉይ ልኡኽ ከተሰናኽልን ሽሙ ከተፀልምን ብእትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ንማሕበረሰብ ዓለም ከተዐሹ ከም ዘይትኽእል ዘርኢ ኣገዳሲ መልእኽቲ ‘ዩ” ኢሉ።
ኤርትራ ነዚ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኣተኩሩ ምርመራ ዘካይድ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትቃወሞ ፀኒሓ ‘ያ።ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ንውልቀ-ሃገራት ዒላማ ዝገበረ መርመራታት ደው ክብል ንዝገልፅ እማመኣ ዝማጐቱ ልኡኻት ብምስዳድ ተቓውሞኣ ኣስሚዓ ምንባራ ይዝከር።
ኣቐዲሙ ‘ውን ሱዳናዊ ፕሮፌሰር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክከታትል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ፣ ብ16 ሰነ ድሕሪ ዘቕረቦ ብዓል 19 ገፃት ፀብፃብ ወከልቲ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮፖን መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍፅሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብልን ለውጢ ክገብርን ፀዊዖም ነይሮም ‘ዮም።
ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መግለፂኡ፣ “ሃለዋት ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተሰዊሮም ዘለዉ ሰባት ክግለፅ ኣለዎ። እቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ’ውን ብህፁፅ ክፍትሑ ኣለዎም” ኢሉ።
‹‹ብፍላይ በቲ ኣብ ልዕሊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቓወምቲ መንግስትን ዝፍፀም ዘሎ ስግረ ዶባዊ ፀቕጢ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ።›› ክብል ገሊፂ ገይሩ ‘ዩ። ኤርትራ ነቲ ትቕፅሎ ዘላ፤ “ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ዕስክርናን’ውን፡” ደው ከተብሎ ተማሕፂኑ ‘ዩ።
ኣብዚ ዓመት ኤርትራ፣ ናብ ዝተወሰና ሃገራት ዒላማ ዝገበረ ‘ዩ ብምባል ዕማሙ ጠቕሊሉ ደው ከብል ‘ያ እማመ ኣቕሪባ ነይራ። ሃገራት ኣውሮፓ ግን ስልጣን ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ድምፂ ብምሃብ ንጠለባ ውዱቕ ገይረንኦን ውሳነ ሓሊፉን ‘ዩ።
ፈፃሚ ዳይረክተር ዲፈንድ-ዲፈንደርስ (ፓን- ኣፍሪካዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት) ሓሳን ሽረ፣ “ፍሉይ ልኡኽ ንግዳያት (ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ) ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ ዳያስፖራ ኤርትራ’ውን ዘይትካእ ግደ ‘ዩ ዘለዎ” ኢሉ።
እዚ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ፡ “ፍሉይ ልኡኽ ምዕባለታት ምስናድ፣ ገበነኛታት ምቅላዕ፣ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ድማ ሰብኣዊ መሰላት ዝመሓየሸሉ ፍኖተ-ካርታ ብምድላው ክቕፅል ‘ዩ” ክብል ገሊፁ ‘ዩ።
ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፣ ኤርትራ ምስቲ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሕ ልኡኽ ኣብ ክንዲ ብሰላም ምስራሕ ዘይተለምደ ስጉምቲ ብምውሳድ ደው ከተብሎ ብምፍታና ኣዝዩ “ተስፋ ከም ዝቘረፀ” ብምግላፅ፤ “እቲ ዝኸደቶ ኣገባብ ንኣሰራርሓ ቤት ምኽሪ ዝሃስን ኣብ መፃኢ ብዛዕባ ሃገራት ወይ ጉዳያት ንዝካየድ ተግባራት ሕማቕ ኣብነት ዝኸውንን ‘ዩ” ኢሉ።
ቀፂሉ ነቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ዝገበረቶ ለውጢ ብቕንዕና ተገይሩ ኢሉ ከም ዘይኣምን ይገልፅ። “ምስ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንምስራሕ ዘቕረቡዎ ዕድመ ቅንዕና ዘይብሉ ምዃኑ’ውን ስክፍታ ኣለና። ብሓቂ ክተሓባበሩ እንተ ዝደልዩ ክልተ መዓልቲ ቅድሚ ድምፂ ምሃቡ ዘይኰነ ኣቐዲሞም ነዚ ለውጢ ምተፀንበሩዎ ነይሮም። ቤት ፅሕፈት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ንምሕጋዝ ብዙሕ ግዜ ሕቶ ኣቕሪቡ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣይተቐበሉዎን።”
እቲ ውሳነ ኣንፃር ኤርትራ ከምዘይኮነ ዝገለፀ ሕብረት ኣውሮፓ “ንዅሉ ኤርትራዊ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ንምሕጋዝ ብሓቀኛ መንገዲ ብሓባር ምስራሕ’ዩ። ኤርትራ ነቲ ቀንዲ ሕጊ ቤት ምኽሪ ከተኽብር ማለት ክትተሓባበርን ሃናፂ ዝርርብ ክትገብርን ሰብኣዊ መሰላት ናይ ኵሉ ሰብ ክሕሎን ክሰፍሕን ብቐፃሊ ንሓትት” ክብል ገሊፁ ‘ዩ።
ኮይኑ ግና ህግደፍ ኩሉ ግዜ ምቕዋም ስለዝኾነ ስርሑ ወኪል ኤርትራ ዝኾነ ሃብቶም ዘርኣይ ነቲ ውሳነ ብትሪ ብምንቃፍ፣ ሕብረት ኣውሮፓ ከም “መግዛእታዊ መድሓኒ” ኰይኑ ይውሳእ ከም ዘሎ ወቒሱ ‘ዩ። እዚ “neo-colonial savior mentality complex” ክብል ዝተጠቕመሉ ኣምር ገለ ሃገራት ወይ ጕጅለታት ዝሕግዙ ወይ ዘድሕኑ ተመሲሎም ዝዋስኡ ኰይኖም ኣብ ግብሪ ግን ንምቍፅፃር ዝዓዩ ‘ዮም።
ብሓፈሻ ብሰንኪ ብልሽው መራሒ ድሕሪ 30 ዓመታት ኩናት ስዒቡ ሃገር ከትኸውን ‘ኳ እንተኸኣለት ኮይኑ ግና ንተወሳኺ 30 ዓመታት ኣብ ኲናት ክትፅመድ ክኢላ ‘ያ። ቁጠባኣ ተሃስዩን ብጉድለት ሰብኣዊ መሰላትን ዜጋታታት ብኣማኢት ኣሽሓት ናብ ስደት ውሒዞም ‘ዮም።
ዜጋታት ኤርትራ ሰላም፣ ራህዋን ቅሳነትን ብልፅግናን ሓሪምዎም፤ ኤርትራ ምስ ኩለን ጐረባብታ ናብ ውግእ ምእታው ኩሉ ግዜ ቐዳማይ ሕርያኣ ገይራ እናሰርሐትሉ ትርከብ። ዜጋታታ ኣብ ክንዲ ናብ ዩኒቨርስቲ ምልኣኽ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ወይ ብስም ‹‹ሃገራዊ ድሕነት›› ድሕሪ ሃይስኩል ውትድርና ክስልጥኑ ብምግባር ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን እናፅነተት ትርከብ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 17 ሓምለ 2017 ዓ.ም