ኣብ ወፍሪ ዓፂድ ምህርቲ ንረባረብ

ኣብ ዝሓለፈ ኽራማት ኣብ ትግራይ ምህርቲ ሕርሻ ከደንፍዑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ተሰርሖም’ዮም::ብዝነበረ ፅቡቕ ዝናብ’ውን ፅቡቕ ኣዝመራ ኣሎ::ገባር ትግራይ ሕርሻኡ ብዝግባእ ብምንክብኻም ስለዝኸረመ ሐዚ ምህርቲ ኣብ ዝሓፍሰሉ ኹነታት ይርከብ::

ኣብ ኢትዮጵያ ኾነ ኣብ ትግራይ ዝሓሸ ምህርቲ ንምርካብ እቲ ሕርሻ ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ፤ ምሩፅ ዘርኢ ብምቕራብ ኣብቲ ልምዓት ኣንበጣን ኣዕዋፍን ተፈጢሩ ብምክልኻል፤ ንዕቤት ምህርቲ ዕንቅፋ ከይኸውን ንምክልኻል ዘኽእል ቅድመ ምድላው ብምግባር እናተሰርሐ ከምዝመፀ ዝፍልጥ ‘ዩ::

እንድሕር ኣጋጢሙ ድማ ነቲ ሕርሻ ግቡእ ቁፅፅርን ሓላዋን ንምግባር ስራሕ ክስራሕ ቅድመ ምድላዋት ክግበሩ ግድን ስለዝኾነ እዚኦም ስራሕቲ ተሰርሖም’ዮም:: ምህርቲ ሕርሻ ትግራይ ብዙሕ ዝተለፍዓሉን ትኹረት ዝዋሃበሉን ብምዃኑ ውፅኢታዊ ንምግባር ድማ ብእዋኑ ምዕፃድና ናብ ገዛ ምእታውን የድሊ::

ዘራእቲ ተዛሪኡ ክሳብ ንዓፀዳ ዝቐርብ ዝተፈላለየ ፀገማት ከጋጥምዎ ከምዝኽል ዝፍለጥ ‘ዩ:: እዚ ንምክልኻል ድማ ብግብርና ባዓል ሞያ ኾነ ካብቲ ሞያ ወፃኢ ዘሎ ማሕበረሰብ ዝምልከቶ ጉዳይ ‘ዩ:: ኣብ ሕርሻ ዝበፅሕ ጉድኣት ቀዲሙ ዝበፅሓሉ መንእሰይን ነቲ ኸባቢ ቀረባ ዝኾነ ኣካል ‘ዩ:: ቅድሚ ኸዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ገጠራማ ኸባብታት ዘጋጠመ ዕስለ ኣምበጣ ንምጥፋእ ኣብዝሓ ርብርብ ዝገበረ ነባራይ ማሕበረሰብ እቲ ኸባቢ ከምዝኾነ ዝዝከር ‘ዩ::

ኸዚ ድማ እዚ ሕብረተሰብን መንእሰይን ሓገዝ ዝደልየሉ ጉዳይ መፂኡ ኣሎ:: እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ዘራእቲ ዓብይ ፀገም ንከይፈጥር እናተሰግአ ‘ዩ:: እዚ መሰረት ብምግባር ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ዝባፅሑ ዘራእቲ ጉድአት ከየብፀሐ ንክእከብ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፃውዒት ከምዝቕረበ ዝዝከር ‘ዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናወቕዐ ዝርከብ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ረብሓን ጉድኣትን ከምዘለዎ ዝፍለጥ እንተኾነ ‘ውን፤ ኣዝመራ ክረምቲ ኣብ ዝባፅሐሎምን ፍርያት ምእካብ ኣብ ዝተጀመረሎምን ከባቢታት ጉድኣት ከብፅሕ ከምዝኽእል ‘ውን ናይ ብዙሓት ሓረስቶት ስግኣት እናኾነ ‘ዩ::

ኣብዞም ከባቢታት ኩሎም ኣማራፂታት ብምጥቃም ዝራእቲ ጉድኣትን ብኽነትን ከይበፅሖም ብእዋኑ ምእካብ ይግባእ :: ኣብ እዋናዊ መደባት ምእካብ ምህርቲ ሓረስታይ ትግራይ ኣመልኪቱ ቤት ምኽሪ ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዘሕለፎ ውሳነ ክልላዊ ወፍሪ ዓፂድ ኣብ መላእ ትግራይ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ ::

እዚ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ክልላዊ ወፍሪ ዓፂድ ብመሰረት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝወሰኖ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ፀገም ከየስዕብ ዝባፅሑ ዘራእቲ ቀልጢፍካ ብምልዓል ናብ ልምዓት መስኖ ንምእታውን ዘኽእል’ዩ::ስለዚ ንዚ ፃውዒት ኣወንታዊ መልሲ ብምሃብ ምርብራብ ይግባእ::

ኣብ ክልል ትግራይ እዚ ፃውዒት ብምቕባል ዘራእቲ እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ከይጉዳእ ብብርኪ ክልል ዕላዊ ኣብ ዝተገበረ ወፍሪ ዓፂድ ፤ ዝራእቲ እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ከይጉዳእ ብብርኪ ክልል ዝሳለጥ ወፍሪ ዓፂድ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ዝተዘርኡ ዝራእቲ ምዕፃድ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኸዚ ኣብ ሕርሻ ዘጋጠመ ጉድኣት ቀሊል ኣይኮነን:: እዚ ጉድኣት ኣሽንኳይዶ እዚ ተወሲኽሉ ብዘይ ምንም ዕንቅፋት ተዝኸይድ ‘ውን ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ብዙሕ እዋን ዝወስድ ‘ዩ:: ኣብ ሕርሻ ከምዚ ዓይነት ጉድኣት እንተበፅሕ መንእሰይ ትግራይ ካብ ምስታፍ ንድሕሪት ከምዘይብል ዝዝከር ‘ዩ:: ቅድሚ ኸዚ ኣብ ዕስለ ኣንበጣን ኣብ ዓፂድን ብሕብረት ብምውፃእ ብዙሕ ስራሕቲ ሰሪሑ ‘ዩ::

ኸዚ ድማ እዚ ሕብረት ዝድለየሉ እዋን መፂኡ ኣሎ:: ብብዙሕ ፃዕሪን ልፍዓትን ዝተዘርአ ዘራእቲ ኣብዘይ እዋኑ ብዝመፅ ዝናብ ጉድኣት ኣብፂሑ ኣብ ሓረስታይን ማሕበረሰብን ቅድሚ ጉድኣት ምብፅሑ ክንበፅሐሉ ይግባእ:: እዚ ካብ መንግስቲ ጥራሕ ትፅቢት ዝግበር ሓገዝ ኣይኮነን:: ዓብይ ማሕበረሰባውን ሕብረት ቆራፅነትን ዝደሊ ሰራሕ ‘ዩ:: ስለዚ መንግስቲ ብዝገበረና ፃውዒት ዘራእትና ነድሕን ፤ፍረ ፃማ ሓረስታይ ባኺኑ ከይተርፍ ንሓግዝ::

ሓረስታይ ትግራይ ዝራእቱ ብእዋኑ ንክእክብ÷ ማሕበራት፣ ሓይልታት ፀጥታ፣ ኣብ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ዝርከቡ መምህራንን ተምሃሮን፣ ሰራሕተኛታት መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ግቡኦም ንኸበርክቱ ኣብ ስነ ስርዓት ምጅማር ሃገራውን ክልላዊ ወፍሪ ዓፂድ ፃውዒት እናቐረበ ይርከብ ። ዝራእቲ ብእዋኑ ምዕፃድ ጥራሕ ዘይኾነ ዝተኣከቡ ዝራእቲ እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ብዘይጉዳእን ዉሕስ ብዝኾነ መልክዑ ክእርምን ብቑልጡፍ ናብ ገዝኡ ዘእትወሉ ኩነታት ክመዓራረን ይግባእ።

ወጋሕታ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You