ካብ ኢትዮጵያ ኢድኹም ኣልዕሉ!

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣጀንዳ ራዕዳዊ ህወሓት ፅልኢ ምፅሓሩ እናቐፀለሉ ኣብ ዘለዎ ኣብዚ እዋን መራኸቢ ሓፋሽ ብፍላይ ኣሜሪካ እቲ ጉዳይ ብምግናን ትኹረት ንምስሓብ ዝገብርዎ ፅድፍያ ዝቕድሞም ስኢኖም

እዮም፡፡ እዚኦም መራኸቢ ሓፋሽ ኣብዚ ኹሉ ፈተና ውሽጢ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተካየደ ሰላማዊ መረፃ ሓንቲ መስመር ንምፅሓፍ ኣይፈቐዱን ይብለና ኣሎ ግራሃም ፔብልስ ዝተብሃለ ፃሓፊ፡፡

ከይዲ እቲ መረፃ ፍፁም እዩ ማለት ተዘይተኽኣለ’ውን እቲ መረፃ ተኸቲሉ ናዕቢ ብዛዕባ ምፍጣሩ ዝቐረበ ሓደ ሪፖርት የለን፡፡ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ እቲ ከይዲ ፅቡቕ ከምዝነበረ እንተፍልጥ ሓደ ሓደ ተናሓናሕቲ ፓርታት ከይዲ ድምፂ ኣወሃህባ ፀገም ከምዝነበረ ስምዐታ ኣቕሪቦም እዮም፡፡

ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብወገኖም እቲ መረፃ ብስርዓት ብዝተቐመጠሉ ስርዓት ሰላማውን ተኣማንን ብዝኾነ መገዲ ከምዝተወደአ አፍሊጦም እዮም፡፡ኣብ ሓደ ሓደ ኸባብታት ኣብ ዝነበሩ ጎንፅታት ብናውቲ ኣቕርቦት ፀገም ሚኢቲ ዝፅግዑ ጣብያታት መረፃ ዘይተሰርሑ እንትኾኑ እቲ ከይዲ ብምስትኽኻል ኣብ ወርሒ ጳጉሜን መጀመርያ ድምፂ ዝዋሃብሉ ኩነታት ተስተኻኺሉ እዩ፡ ፡ ብሓደ ውልቀ ተናሓናሒ ሰምዐታ ምኽንያት ቦርድ መረፃ ዘቋረፆ መረፃ ነገሌ ሓምለ ኽልተ ተኻይዱ እዩ፡፡ መተሓባባሪ መረፃ ክልል ነጌሌ ከይዲ እቲ መረፃ ኣብ 30 መረፃታት ጣብያ ከምዝተካየደ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም እዮም፡፡ ኩነታት ትግራይ ዝፍለጥ ስለዝኾነ ከይዲ መረፃ ኣብዚ ኸዚ እዋን ንምፅብፃብ ኣፀጋሚ እዩ ዝኸውን፡፡

ከይዲ እቲ መረፃ ኣብ ሃገርና ውሽጢ ቀረባ ታሪኽ ዓብይ ቦታ ዝዋሃቦ እንትኸውን ኣብ ቐፃሊ ዲሞክራሲ ዝሓዘ መንግስቲ ንምህናፅ መሰረት ዝሓዘ እዩ ክባሃል ይካኣል፡፡ፓርቲ ብልፅግና ሓዊሱ ንቡዙሓት ብዝደንቕ ገዛኢ ፓርቲ ሰዓሪ ኾይኑ እዩ፡፡ እቲ መረፃ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝበልዎ ዝንጉርጉር ቤት ምኽሪ ምርኣይ ዕድል ተዘይሃለወ’ውን ኣብ ኣወዳድባ መንግስቲ ስራሕ ሓለፍነት ኣባላት ተናሓናሕቲ ፓርቲ ከምዘካትት ኣፍሊጦም እዮም፡፡ እዚ መንግስቲ ዓብይ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦ ፈሊጡ እዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ንህዝቢ ከም ታሪኽ ኣቐሚጡ ክሓልፍ

ኣለዎ፡፡

ኢድ ኣታውነት ወፃኢ እዛ ሃገር ብኣፃዳፊ ፀገማት ተወጢራ ኣብ ዘላቶ ኣብዚ ኸዚ እዋን ናይ መንግስቲ ትኹረት ኣንፈት እንታይ ከምዝኾነ ብግልፂ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ብቐዳምነት ኩነታት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ዝግባእ እንትኸውን እዚ ዕውት ንክኾን ድማ ተሓባባርነት ሓይልታት ህወሓት ወሳኒ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ሐዚውን በቢቦትኡ ዝራኣዩ ጎንፂ ብሄራት ጠጠው ንክብልን ኢኮኖሚ ናብ ቅድሚት ክራመድ ምግባር ወሰንቲ ተልእኾ እዮም፡፡

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንክዝሕል ምግባር መንግስቲ ብባዕሉ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ተግባራዊ ንምግባር እናፃዓረ እንተኾነ’ውን ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናብ ዝባኣሰ ፀገም ዘእቱ ከምዝኾነ ግና እናርኣየ እዩ፡፡ እቲ ጉጅለ ብጎራብቲ ክልላትን ሃገራትን ንኲናት ምድላው ከምዝገበረ ብዕሊ እናገለፀ እዩ፡፡

ሰብኣዊ ሓግዝ ብዝምልከት መንግስቲ ዘፍለጦ ቑፅሪ ተረዳቲ ዓለም ለኸ ውሃብቲ ትካላት ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ምግቢ ሓዊሱ ዘውፅእዎ ቁፅሪ ዝጋጮ እዩ፡፡ እዚ ንምስራጫው ድማ መራኸቢ ሓፋሽ ምዕራባውያን ዝቐደሞም ኣይተረኸበን፡፡

ምክትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ደመቀ መኮንን እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፣መጀመርያ ዙር ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቅርቦት ን 4ነጥቢ5 ሚልየን ዜጋታት ንክባፃሕ ዝተገበረ እንትኸውን ፤ብኻልኣይን ሳልሳይን ዙር ሓገዝ ድማ ን 5ነጥቢ2 ሚልየን ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም እዮም፡፡

 ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ምስ ኹናት ተደሚሩ ዝተረጋገፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ እናፈለጠ መራኸቢ ሓፋሽ ምዕራባውያን ወሃብቲ ቃል ዘውፅእዎ ሓበሬታ ካብይ ከምዘምፅእዎ ንምፍላጥ ኣፀጋሚ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላላዩ ሃገራት ዝርከቡ መራኸቢ ሓፋሽ ምዕራባውያን ኣብቲ ቦታ ከይተረኸቡ ሓሶት ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ክሰራጭዉ ይራኣዩ፡፡ ኾይኑ ግና እዚ ተግባሮም ንምንታይ ከምዝፍፅምዎ ካብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝተሰወረ ኣይኮነን፡፡

ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮምሽን ምስ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰል ላዕለዋይ ኮምሽን ብምትሕብባር ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ዘፅንዕ መርማሪ ከምዝጣየሸ ዝፍልጥ እዩ፡፡ መንግስቲ ዝወሰዶ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ንሰላማዊ ዘተ በሪ ዝኸፍት እንተኾነ’ውን ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ግና ተመሳሳሊ መልሲ ክረከብ እዩ ኢልካ ትፅቢት ኣይግበረን፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ኢድ ኣእታውነት ብምቅዋም ሓሳቦም ገሊፆም እዮም፡፡

ካብ ማርች21/2021 ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ሃገር ኮምቴ ርክብ ወፃኢ ኣብ ዝገብርዎ ዝርርብ ‹‹ጉዳዩ ብዝምልከት ዘየሻራዊ ዝኾነ ምፅራይ ምግባር ንደሊ ኢና፣ ከምኡ’ውን ናይ ኽልቲኦም ስምምዕነት ክግባር ኣለዎ›› ብምባል ተዛሪቦም እዮም፡፡ ስምምዕነት ዝግበር እዛ ሃገር 27 ዓመታት ብውልቀመኽነት ዘማሓደር ዝነበረን ሃገር እናዘረፈ ምስ ዝነበረ ህወሓት ድዩ ?በምባል እቲ ፀሓፊኡይጥይቕ፡፡

ማዕቀብ ኣሜሪካ ተኸቲሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ‹‹ኣብ ሃገር ውሽጢ ኢድ ንምእታው ሙከራ ዝግበር እንኾይኑ ናይ ኽልቲአን ንዘመናት ዝፀንሐ ሕውነታዊ ርክብ ንምንፃግ ዝተሞከረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ዘለዎ ርክብ መሊሱ ክምልከት የግደድ እዩ ››ኢሎም፡፡ ኣሜሪካን መሰላታን ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ኢትዮጵያ እናርኣይዎ ዘለዉ ኢድ ኣእታዉነት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን እናኾረየ ዘሎ እዩ፡፡

ብኢትዮጵያ መንግስትን ህዝብን ብግብረ ራዕዳዊ ዝተፈረጀ ህወሓት ኸዚውን ብምዕራባውያን ተኣማናይ ኣገልጋሊ ኾይኑ ተቐሚጡ እዩ፡፡ ን27 ዓመታት ሃገር ብኢህወዴግ ስም እናተገዝአ ዝነበረ ውልቀመላኺ ጉጅለ ብህዝቢ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ተወጊዱ እዩ፡፡ ኹሉ ጠቕሊሉ እናገዝአ ዝነበረ ማንም ይቅር ዘይብሎ ህወሓት ሃገር ብፍርሓት እናገዝአ ዝነበረ ካብ ምዃኑ ዝላዓለ ህዝብን ብብሄር ብምክፍፋል እናናቖረ ከምዝነበረ ምስጢር ኣደባባይ እዩ፡፡

ሙሰና መግለፂኡ እኾነ ጉጅለ ህወሓት ናይ መንግስቲ ወፃኢ ብምውሳድ ፣ህዝቢ ብብሄር ብምክፍፋል ፣መንግስታዊ ሽብር ብምፍፃምን ኣብ ዝተፈላላዩ ከባብታት ኣብ ብሄራ ሰብኣዊ ገበን ብምብፃሕ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ህወሓት እዚ ኹሉ ግፍዒ እናብፀሐ ሃገር እናማሓደረ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓገዝ ምዕራባውያን ዘይተፈለዮ እንትኸውን ብፍላይ ድማ ኣሜሪካን እንግሊዝን ክሳብ መወዳእታ ካብ ጎኑ ኣይተፈለዩን፡፡

ኸዚ እዚ ጉጅለ ናብ ስልጣን ንምምላስን ኢትዮጵያ ነፃን ሃገር ንምዃን ዝጀመረቶ ፃዕሪ ንምዕንቃፍ ድቃስ ስኢኖም እናሰርሑ ይርከቡ፡፡ ኣብ መላእ ሃገርን ኣብ ወፃእን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ደጋጊሞም ‹‹ኣብ ሉኣላዊነት ሃገር ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ጠጠው ይበል›› ብምባል ድምፆም እናስምዑ ይርከቡ፡፡ በዚ’ውን ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ኣብ ለንደል ዝገበርዎ ኣኼባ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተቃውሞኦም እንተስምዑ’ውን ምዕራብያውን ሚድያታት ሽፋን ክህብዎም ኣይካኣሉን፡፡ ብኣንፃሩ ድማ ‹‹ሰብኣዊ ኩነታት ›› ብዝብል ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣጋኒኖም ንምውፃእ ፃዕሪ ገይሮም እዮም፡፡

ከም ቢቢሲ፣ሲኤን.ኤን፣ዘ ጋርዲያን ፣ኣልጀዚራን ቪኦ ኤን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መራኸቢ ሓፋሽ ናይ ምዕራባውያን መንግስታት ማሽን ፕሮፖጋንዳ ብምዃን እናገልገሉ ይርከቡ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መረፃ ብዝምልከት ዝሰርሕዎ ዘገባ ኣብዝሓ ኣሉታዊ ነገራት ዘተኮረን ምዕራባውያን ኣሜሪካውያንን ኣጀንዳ ንምስርጫው ዝዓለመ ከምዝኾነ ተፈሊጡ እዩ፡፡ ናይዚ ድምፂ ኣጠቃላሊ መጨረሽኡ ንኢትዮጵያ ግልፂ እዩ፡፡ እዚ ኣሉባልታ ኣብ ምስርጫው ዝርከቡ ፤ሱዛን ራይስ ብሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበሩን ጉዳይ ፀጥታ ኣማኻሪ ባራክ ኦባማ ብምዃን ዝሰርሑ እዮም፡፡ ኸዚ ድማ ጉጅለ ህወሓት ብምውካል ምምሕዳር ባይደን ንምእማን እናሰርሑ እንትኾኑ እዚ ጉጅለ ንሶምን ኦባማን ዝድግፍዎ ከምዝነበረ ይፍለጥ እዩ፡፡

ዓቕሚ ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ብኣፀጋሚ መገዲ ብምሕላፍ ብዝደንቕ ከይዲ ውሽጢ ትርከብ፡፡ በዚ’ውን ካብ ውልቀመላኺ መግዛእቲ ናብ ዲሞክራስያዊ ብርሃን እናተጉዓዘት ትርከብ፡፡ ኣብ ዘመን ህወሓት ዘይነበረ ነፃነት ምዝራብ ሰብኣዊ መሰል ኣተሓላልዋ ተግባራዊ ንምግባር ብዘይ ምስልቻው እናሰርሐት ትርከብ፡፡

ኣብ ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ተግባር ከይዲ ውሽጢ ኣፀገምትን ፈተንቲ ኩነታት ዘይጠፍእ ብምዃኑ መንግስቲ በዚኦም ዕንቅፋት ንምሕላፍ ብባዕሉ መገዲ መመራፂ ዘርጊሑ እናሰርሐ እዩ፡፡ ግብፅን ሱዳንን ዓብይ ግዳብ ህዳሰ ህንፀት ካብ ምጅማሩ ብምቅወም ሃገርና ንምድኻም ቆሪፆም ዝተልዓሉ

 እንትኾን ፤ምኽንያቱ ድማ ናይ ሃገር ዕብየትን ለውጥን መርሒነት ሓይሊ ንኢትዮጵያ ከምዘጎናፅፍ ብምርደኦም እዩ፡፡

ካብዚ ዝሓለፈ እዛ ሃገር ብባዕዳዊ ብዘይምግዛኣ ፣ብዙሓት ዝፀንሐ ባህል ዘለዋ ብምዃናን ምስ ቻይና ዝመስረተቶ ሕውነታዊ ኣብ ዓይኒ ንክትኣቱ ገይርዋ እዩ፡፡ ዝቐደሙ ኣውሮፓውያን ባዕዳዊ ገዛእቲ ግዜ እናሓለፈ ዝመፆ ሓይሊ ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ንክትምዕብል ዘይደልዩ እንትኾኑ ኹሉ ግዜ ፅግዕተኛ ሓገዝ ኣውሮፓ ኾይና ምርኣይ እዮም ዝደልዩ፡፡ሃገር ንቅድሚት እትገብሮ ጉዕዞ ሓገዝ ዘድልያ ከምዝኾነ ዘይካሓድ እንተኾነ’ውን ከም ኣሜሪካ ፣ እንግሊዝን ኣውሮፓን ሕብረት ብባዕሎም ድልየት ዝተሓፀሩ ሙሰኛታት ግና ኣይትደልን፡፡

 እዚኦም ሃገራት ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ህወሓት መቕተልቲ፣ስቃይን ዘረፋን ተግባር ሪኦም ከምዘይራኣዩ ዝነበሩ እዮም፡፡ ህወሓት ንሓሙሽተ ግዘ መረፃ ብምጭብርባር ሕጋዊ ኣምሲሉ እንተቕርብ ኣይተንፈሱን፡፡ ኸዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንለውጢ ፣ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ንምስራሕ ካብ ልቡ ተላዒሉ እዩ፡፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብዝተፀንዐ መገዲ እናተኸፋፋለት ዝፀንሐት ሃገር ናብ ሓደነት ንምምፃእ ግዜ፣ፍልጠትን ክእለትን ከምኡ’ውን ትዕግሰቲ ይሓትት እዩ፡፡ ኣብዚ ከይዲ ውሽጢ ቅንዕናን ተኣማንነትን ምንፅብራቕ እንተተኻኢሉ ኣብ ከይዲ ምትእምማን እናሰፈነ ምክፍፋል ክጠፍእ እዩ፡፡ (ግዜኢ)

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 22 ሓምለ 2013

Recommended For You