ኣዲስ ኣበባ፡- መለለዪ መንነት ፋይዳ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝነበሩ መለለዪ መንነታት ብዝሐሸ ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቂሶም ኣብ ምስራሕ ዓብይ ረብሓ ከምዘለዎ ኣብ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፕሮግራም ሓላፊ ርክብ ህዝብን ኮሙዩኒኬሽንን ኣይተ ኣቤኔዘር ፈለቀ ገሊፆም።
ከም ገለፃ ኣይተ ኣቤኔዘር፤ መለለዪ መንነት ፋይዳ ካብ ካልኦት ዓይነታት መለለዪ መንነት ዝተፈለየ ረብሓ ከምዘለዎን ኩሉ ከተኣሳስር ዝኽእል ሓደ መሰረታዊ መለለዪ መንነት ተገይሩ ዝውሰድ ‘ዩ። እዚ ማለት እቲ መለለዪ መንነት ምስ ኩሎም ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ዘተኣሳስር ብምዃኑ ብመለለዪ መንነት ፋይዳ ዝደለይዎ ግልጋሎታት ክረኽቡ ዘኽእል ‘ዩ ክብሉ ኣብሪሆም።
ኣብዚ እዋን ኣብዛ ሃገር እናተተግበሩ ዘለው መለለዪ መንነታት ብመንነትን ብከባቢን ዝተገደቡ ምዃኖም ዝገለፁ ኣይተ ኣቤኔዘር ፤ እዚ ድማ ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከምልቦም ንምንቅስቃስ ፈተና እናኾኑ ፀኒሖም ‘ዮም። ንቀፃሊ ግና መለለዪ መንነት ፋይዳ ዝሓዘ ዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ ኣብ ዝደለዮ ክፋል እዛ ሃገር ተንቀሳቂሱ ንምስራሕ መንነቱ ብዝገልፅ መለለዪ መንነት ይበፅሖ ዝነበረ ፀገም ክቀርፈሉ ‘ዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ መለለዪ መንነት ፋይዳ ልዕሊ ኹሉ ኣብ ኢኮኖሚ ዝህልዎ ብፅሒት ዓብይ ከምዝኾነ ዝሓብሩ ኣይተ ኣቤኔዘር፤ ይኹን ‘ምበር ኣብዚ እዋን ኣርብዓ ሚእታዊ ዝኾን ኢትዮጵያዊ ትኽክለኛ መለለዪ መንነት የብሉን። ስለዝኾነ መለለዪ መንነት ፋይዳ ምሉእ ንሙሉእ ተግባራዊ ምዃን እንትጅምር እዚ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ዝበፅሐሉ ተረባሒ ንምግባር ከምዘኽእሎ ኣረዲኦም።
ከም ገለፃ ኣይተ ኣቤኔዘር፤ ልምዲ ካልኦት ሃገራት መሰረት ብምግባር ቅድሚ ሐዚ ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ ከም ሃገር ምትግባር ብሄራዊ መለለዪ መንነት ኣብ ኢኮኖሚ ልዑል ለውጢ ንምምፃእ በሪ ዝኸፍት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብተመሳሳሊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ምክልኻል ገበን ልዑል ግደ ከበርክት ከምዝኽእል ዝሓበሩ ኣይተ ኣቤኔዘር፤ ብሓፈሻ መለለዪ መንነት ፋይዳ ምህላው ንምንቅስቃስ ኾነ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ውልቀውን ግልጋሎታት ብዝተቀላጠፈ መንገዲ ንምርካብ ዘኽእል ብምዃኑ ዜጋታት ትኹረት ብምሃብ ብከባቢኦም ኣብ ዘለው መመዝገቢ ጣብያታት ብምርካብ ክምዝገቡ ከምዝገባእ ኣረዲኦም።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም