ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 93ሽሕ ወገናት ብሕማም ዓሶ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 2017 ዓ.ም ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት ጥራሕ ልዕሊ ቴስዓን ሰለስተን ሽሕ ወገናት ብሕማም ዓሶ ክተሓዙ ከምዝኸኣሉን ካብዚኦም ትሻዓተ ዝኾኑ ወገናት ድማ በቲ ሕማም ህይወቶም ክስእኑ ከምዝኸኣሉ ቢሮ ጥዕና ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ክኢላ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ዓሶ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣይተ ገብረመድህን ክንፉ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዝነበሮም ፃኒሕት ከምዝገለፅዎ፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ዝተታሕዙ ከባቢ 93 ሽሕ ዝኾኑ ወገናት መብዛሕተኦም ተሓኪሞም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም ‘ዮም፡፡

እቲ ሕማም ብጀካ ኣብ ውሱናት ከም ደጉዓ ዝበላ ከባቢታት መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ማለት ዳርጋ ኣብ ከባቢ 27 ዝኾና ወረዳታት እናተራእየ ‘ዩ፤ እቲ ምኽንያት ድማ ብፍላይ ምስቲ ዘለናዮ ወቕቲ ተተሓሒዙ ንምርባሕ ጣንጡ ዝምችው ብምዃኑ፤ ፅሬት ከባቢ ዘይምሕላውን ከምኡ ‘ውን ግቡእ ጥንቓቐ ካብዘይምግባር ኮይኑ እዚ ዘርእየካ ድማ በቲ ዝውስኾ ዘሎ መጠን ዝርገሐ ብዙሕ ስራሕ ከንሰርሕ ከምዘለና ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ዝርገሐ ሕማም ዓሶ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2017 ዓ.ም ኣዝዩ ናይ ምውሳኽ ኩነታት ብምርኣዮ ሓገዝ መዳርግቲ ኣካላት ስለዘድሊ፤ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ነዚ ብምርዳእ ምስ ከም ፌዴራልን ካልኦት መንግስታዊን መንግስታዊ ዘይኮኑን መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ብርክት ዝበላ ወረዳታት ንምክልኻል ዘኽእል ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

ብተወሳኺ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ላምስያ ን36 ወረዳታት ብምክፍፋል ልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ንዝኾኑ ነበርቲ እቲ ሕማም ንክከላኸሉ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ብኸምዚን ካልኦትን ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ንኽስራሕ ትልሚ ወፂኡ እናሰራሕና መፂኢና ኢና ዝበሉ እቶም ክኢላ፤ ሕዚ ምስ ምክልኻልን ምቑፅፃርን ተተሓሒዙ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡ ብኡ መሰረት ‘ውን ከባቢ 3ሚኢቲ ሊትሮ ኬሚካል ናብ 26 ወረዳታት ልኢኽና ኢና ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኮይኑ ግና እዚ እኹል ስለዘይኮነ ካብዚ ንለዓሊ ምስራሕ ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ ሕብረተሰብ ‘ውን ክንድዝኸኣሎ እንተተጠንቒቑ፣ ብዝኸኣሎ ኩሉ ክሰርሕ እንተኽኢሉን ማዕዳ ሰብ ሞያታት ብምስማዕ ግቡዕ ጥንቓቐ እንተገይሩን በዝሒ ዝተሓዝ ዘሎ ሰብ ምቕናስ ከምዝኣካል ኣገንዚቦም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You