ግደ ኢትዮጵያ – ካብ ጥምየት ነፃ ዝኾነት ዓለም ንምፍጣር

ትንታነ ዜና

ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህመት፤ኣብ 2025 ፕሮግራም ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ ጥምየት ንምጥፋእ ብርቱዕ ዝኾነ ዕላማ ዝተሓንጊጠት እንተኾነት ‘ውን ኣፍሪካ ግና ብመንፅር እቲ ትልሚ ብዙሕ ዝተርፋ ጉዳይ ከምዘሎ የመላኽቱ:: ይኹን’ምበር ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን ኾነ ንዝተረፉ ሃገራት ዓለም ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ልምዓት ግብርና ምርኣያ ይገልፁ::

ኣፍሪካ 60 ሚእታዊ ዝኾን ናይ ዓለም መፍረያይ መሬት ሒዛ ክትጠሚ ከምዘይብላ ዘገልፁ እቶም ኣቦ ወንበር፤ ይኹን ‘ምበር ኣብዚ እዋን 230 ሚሊዮን ኣፍሪካውያን ውሕስና ምግቦም ከምዘየረጋገፁ የመላኽቱ::ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተዳለወ ዝተዋደደ ፕሮግራም ልምዓት ግብርና ብዝድለ ልክዕ ለውጢ ዘይምምፃኡ ብምልዓል፤ እዚ ድማ ነታ ኣህጉር ኣጨናቂ ጉዳይ ከምዝኾነ ‘ዮም ዝዛረቡ:: ኣብዚ ዝፍጠሩ ፀገማት ንምፍታሕ ተሓባበርቲ ልምዓትን ካልኦት ዋና መዳርግቲ ኣካላት ምስታፍ

ከምዝግባእን፤ ከምኡ ‘ውን ቴክኒክን ሃፍቲ ገንዘብን ከምዘድሊ ብምዝራብ፤ ነዚ ድማ ስትራቴጂካዊ መርሃ ግብሪ ብምትግባር ኣብ ስርዓት ምግቢ ለውጢ ምምፃእ ንፅባሕ ዝብሃል ጉዳይ ከምዘይኮነ ይሕብሩ:: ሉዓላዊነት ምግቢ ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ፅርየት ዘለዎ ስራሕቲ ብምትግባር ኣፍራይነት ምስፍሕፋሕ ከምዝገባእ ብምሕባር፤ ብፍላይ ኢትዮጵያ እናተግበረትሉ ዘላ ሞዴል ስራሕቲ ትራንስፎርሜሽን ግብርና ንኹሉ ልምዲ ከምዝኸውን ኣፍሊጦም::

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝተዛረብዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ካብ ጥምየት ነፃ ዝኾነት ዓለም ንምፍጣር ናይ ባዕላ ግደ እናተዋፅአት ትርከብ:: ንኣብነት ዝሓለፉ ዓመታት ብልዑል ብርኪ ፍርያትን ኣፍራይነት ምዕባይ ክኢላ ‘ያ:: ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ካብ ወፃኢ ተእትዎ ዝነበረት ፍርያት ስንዳይ ካብ ምትራፍ ሓሊፋ፤ ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ጀሚራ ‘ያ::

ኢትዮጵያ ኣብ 2016 ዓመት በጀት ጥራሕ ልዕሊ 230 ሚሊዮን ኩንታል ስንዳይ ምፍራይ ክኢላ ‘ያ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንስራሕቲ ግብርና ዓለም ለኸ ፈተና ዘኾነ ተፅዕኖ ለውጢ ኣየር ንብረት ንምክልኻል ብፍላይ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ልምዓት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 40 ቢሊየን ፈልስታት ምትካል ምኽኣሉ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ፍርያት ግብርና ንምውሳኽ ክኢላ ‘ያ ክብሉ ገሊፆም።

ጥምየት ንምክልኻል ብዙሓት ሰብ ስራሕን ተፈጥሯዊን ፀገማት ምህላዎም ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፤ በዋናነት ኣቅርቦት ምሩፅ ዘርኢ ዘይምህላው፣ ሕፅረት ኣቅርቦት እታወታት ግብርና፣ ጎንፂ፣ ምንሽርታት መሬት፣ ድርቂ፣ ሓደጋ ውሕጅ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣቅርቦት ቴክኖሎጂ ዘይምንባር ዋና ዋና ምዃኖም ኣልዒሎም:: እዚ ድማ ካብ ጥምየት ነፃ ዓለም ንምፍጣር ዝግበር ቃልሲ ኣኽቢድዎ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ይኹን ‘ምበር ኢትዮጵያ ነዞም ፀገማት ተኸላኺላ ጥምየት ምጥፋእ ዘኽእል ዓቅሚ መፍጣር ምኽኣሉ ኣብሪሆም::

ከም መብርሂ ቀዳማይ ሚኒስትር ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኣፍራይነት ግብርና ስትራቴጂካዊ ለውጢ ብምምፃእ ሰፋሕቲ ዓወት ዘመዝገበት እንትኾን፤ ብፍላይ ዝሕረስ መሬት ብዕፅፊ ብምውሳኽ ኣብ ምምሕያሽ መፍረያይነት ዝተረኸቡ ውፅኢታት ሓደ ‘ዩ ኢሎም:: እዚ ድማ ኣብ ፍርያት ስንዳይ፣ ጣፍ፣ ዕፉንን ስገምን ዝበሉ ዝተጨበጠ ለውጢ ኣምፂኡ ‘ዩ ክብሉ ኣረዲኦም::

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ልመዓት 40 ቢሊየን ፍልስታት ምትካሎም፤ ኣብ ዘፈር ግብርና ምህርቲ ንምውሳኽ ዓብይ ግደ ክፃወት ከምዘኸኣለ ተዛሪቦም። ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒዶ)፤ ዳይሬክተር ጄኔራል ገርድ ሙለር ከምዝብልዎ፤ ጥምየት ናይ ዓለም ሓበራዊ ፀገም ‘ዩ:: ስለዝኾነ ሓበራዊ ፍልጠት፣ ልምድን፣ ሽግግር ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ካብ ጥምየት ነፃ ዝኾነት ዓለም ምፍጣር ይክኣል::

ኣፍሪካ ናይ ዓለምና በዓልቲ ፀጋ ኣህጉር ‘ያ፤ ይኹን ‘ምበር ኣብዚ ኣህጉር ዝስትውዓሉ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮን ሓደጋታት ካብ ጥመየት ነፃ ዓለም ንምፍጣር ዓብይ ፈተና ኮይኑ ክብሉ የብራህርሁ:: ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብምህርቲ ፍርያት ምግቢ ዘመዝገበቶ ዓወት ካብ ጥምየት ነፃ ዝኾነት ኣህጉር ምፍጣር ከምዝክኣል ካብ ኣፍሪካ ሓሊፉ ንዓለም ሃገራት ትምህርቲ ዝህብ ‘ዩ ኢሎም::

ኣፍሪካ ብዙሕነት ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘለዋ ኣህጉር እንተኾነት ‘ውን ሐዚ ‘ውን ውሕስና ምግቢ ክተረጋፅ ኣይከኣለትን ዝበሉ ሙሳ ፋኪ ብወገኖም፤ ጥምየት ካብ ኣፍሪካ ናይ ምጥፋእ ጉዳይ ብኹሉ ወገን ትኹረት ዝወሃቦ ምዃኑ ገሊፆም። ስለዝኾነ ኢትዮጵያ እናወሰደቶም ዘለው ስጉምቲ ብምድናቅ፤ እታ ሃገር እናርአየቶ ዘላ ዓለምለኸ ተልእኾ ናይ ምውፃእ ብቅዓት ኣብ ዝብል ናይ ገርድ ሙለር ተመሳሳሊ ሓሳብ ይካፈሉ::

ውሕስና ምግቢ ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ዝቕመጡ ውሳነ ሓሳባት ብቆራፅነት ናይ ምትግባር ክፍተት ምዃኑን ብምግላፅ፤ ኣፍሪካ ካብ ጥምየት ነፃ ንምግባር ዝቕመጡ ውሳነታት ሃገራት ብቆራፅነት ክትግበሩ ከምዝግባእ ‘ዮም ዘረድኡ:: ጥምየት ካብ ገፅ ምድሪ ኣፍሪካ ምጥፋእ ናይታ ኣህጉር ናይ ዝኾነ እዋን ስትራቴጂክ ትልሚ ከምዝኾነ ብምልዓል፤ እዚ ዕላማ ንምስኻዕ ብሓዱሽ መንፈስ ምሰራሕ ካብ ኩሉ ትፅቢት ዝግበር ግደ ምዃኑ ይዛረቡ::

ኣብ ቐፃላይ ኣካታቲ ብዝኾነ መንገዲ ምብርትታዕ ፈጠራ ስራሕ፣ ሰንሰለት ንግዲ ምፍጣር፣ ምዕባይ ኢንቨስትመንት፣ ቀፃልነት ዘለዎ ምውሳኽ ኣፍራይነት፣ ግብርና ብፋይናንስ ምድጋፍ፣ ምምሕዳር ስርዓት ምግቢ ምጥንኻርን ካልኦትን መሰል ዕላማታት ካብ ጥምየት ነፃ ዝኾነት ዓለም ንምፍጣር ዓብይ ብፅሒት ዘለዎም ምዃኖም እቶም ኣቦ ወንበር ኣልዒሎም::

ኣፍሪካ ብሃፍትታት ተፈጥሮ ዝበልፀገት ምዃና ዘለዋ ዓሚቕ ሃፍቲ ብግቡእ ብምጥቃም ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ትኽእል ‘ያ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፤ ካብ ጥምየት ነፃ ዝኾነት ዓለም ንምፍጣር ኣብ ዘፈር ግብርና ፍርያትን ኣፍራይነትን ከዕብዩ ዝኽእሉ ብልሓታት ምኽታል ከምዝገባእ ይመኽሩ:: ብፍላይ ዘመናዊ እታወታት ግብርና ምጥቃም፣ ምክልኻል ለውጢ ኣየር ንብረት፣ ስግግር ፍልጠት ቴክኖሎጂ ምግባር፣ ድርቂ ዝከላኸሉ ኣዝርእቲ ምዝራእ፣ ጎንፂ ደው ምባልን ምስፍሕፋሕ መሰረት ልምዓት ዋና ኣንፈታት ትኹረት ክኾኑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ምግቢ ናብ ሃገር ውሽጢ ካብ ምእታው ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ተሸጋጊራ ‘ያ:: እዚ ኣብ ኩሉን ሃገራት ኣፍሪካ ክትግበር ይክኣል ‘ዩ። “ነዚ ድማ ኢትዮጵያ መርኣያ ‘ያ” ብምባል ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍራይነት ምግቢ ንዘመዝገበቶ ለውጢ ኣድናቆቶም ይገልፁ::

ከም ገለፃ እቶም ዳይሬክተር፤ ኣፍሪካ ካብ ዘለዋ መንፅር ሃፍቲ ተፈጥሮ ጥምየት ደው ምባል ትኽእል ‘ያ:: ኣፍሪካ ንግብርና ዝውዕል ሰፊሕ ዝሕረስ መሬት ኣለዋ። ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ድኽነት ናብ ዕብየት ጎዳና እናመፅኡ ‘ዮም፤ ኢትዮጵያ ድማ ነዚ ሓንቲ መርአያ ‘ያ::

እቶም ዳይሬክተር ከምዝበልዎ፤ ካብ ጥምየት ነፃ ዝኾነት ዓለም ንምፍጣር ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት ጥራሕ 50 ቢሊዮን ዶላር ተወሳኺ ሓገዝ ፋይናንስ የድልያ::

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You