ወፈራ ወይ ወፍሪ ሓገዝ ሓደ ካብ ፀጋታት ባህሊ ምትሕግጋዝ፣ ምትሕብባርን መርኣያ ሓድነትን ሕብረተሰብ ‘ዩ እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይኸውንን። ወፈራ ብሕብረትን ብምትሕግጋዝን ዝስራሕን ካብ ወለዶ ናብ ውለዶ እናተሰጋገሩ ካብ ዝመፅኡ ባህሊ ስራሕ ‘ዩ። እዚ ባህሊ ምትሕግጋዝ ንህዝቢ ትግራይ መናብርቱን ባህሉን ከምዝኾነ ‘ውን’ዩ ዝግለፅ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኣብ ኸባቢና ዘለውን ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህዝቢታት ናብራ ሂወት ንምምችቻውን ንምምዕርራይን ኩሉ ግዘ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ዘድልዮ ስራሕ ብምትሕግጋዝ ዝፍፅምዎ ስራሓቲ የዘውትሩ። ኣብ ዓድና ድማ ብወፈራ ዝፍለጥ ሓባራዊ ስራሓቲ ዝከናወነሉ ሰናይ ባህሊ ኣለና። ወፈራ ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝውዕል ኮይኑ ካብ ስራሕቲ ሕርሻ ክሳብ ምስራሕ ገዛን ካልኦት ከበድቲ ስራሕቲን ብምትሕግጋዝ ዝስረሐሉ ሜላ ‘ዩ።
ወፈራ ንሰለጤን ዓበይትን ከበድትን ስራሕቲ ከም ናይ ስራሕቲ ቀውዒ ዝበሉ ግዘ ዘይህቡ ከም ዓፂድን ምእካብን ዝበሉ ስራሕቲ መናእሰይ ሓደ ከባቢ ተኣኪቦም ብሓባር ብባህላዊ ደርፍታት እናዓጀቡ ዘካይድዎ ክቡር ባህሊ ‘ዩ፡፡ ወፈራ ብዝተፈላለየ ሽም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝካየድ እንትኾን፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝነብር ሓረስታይ ድማ ዝተለመደ ‘ዩ።
እዚ ባህላዊ ስራሕቲ ወፈራ ብፍላይ ኣብ እዋን ፃህያይ ዓፂድን መኼዳን ዝስራሕ ኮይኑ ሰሓቢ፣ ሰሌጠን ስራሕ፣ ምዝንጋዕን ፅቡቅ ማሕበራዊ ርክባትን ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ዘጠናኽር ኸይዲ ስራሕ ‘ዩ። ኣብዚ ዝግበር ስራሕቲ ካብ ባህሊ ምትሕግጋዝ፣ ምትሕብባርን ምንፅብራቕ ሓሊፉ ሰሓብነት ዘለዎን ንገለ ባህላዊ ደርፍታትን ስነቃላትን ‘ውን መድረኽ ኮይኑ ዘገልግለሉ ‘ውን ‘ዩ።
እዚ ባህሊ ወፈራ ዓፂድ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይን ከምኡ ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዝተለመደ ‘ዩ። ንኣብነት ሓደ ኣካል ማሕበረሰብ ዝኾነ ሓገዝ ዝጠልብ ስራሕ ምስዝህልዎ፤ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ብምምኽኻር መዓልቲ ይቁረፆ እሞ መዓልቱ ኣብ ዝኣኸለ ድማ እክለማይ ብምድላው ናብቲ ዝዕፀድ ቦታ ይውሰድ፡፡
ኩሎም ግዱሳት ንዝተመደበ ስርሓት (ወፈራ) ዘድሊ ናውቲ (ናይ ውልቆም ናውቲ) ሒዞም ይወፍሩ። እቲ ስራሕ ማሕረስ፣ ዓፂድ፣ ዝብጣ፣ ህድሞ ምህዳም (ገዛ ምስራሕ)፣ ኣብ መርዓ ኾነ ሓዘን ንፅጉማት ደቂ ዓዲ ንምሕጋዝ ዝዓለመ መደብ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ካልእ ከም ስፍሓት እቲ ስራሕ ንሙሉእ ጣብያ ወረዳን ዞባን ዝምልከት ጉዳያት ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።
ንኣብነት ከም ምትኻል ምግዳብ፣ ፈልሲ ምትኻል ዝኣመሰሉን ከምኡ ‘ውን ከም ሃገር ምክልኻል ኣምበጣን ካልኦት ባልዓት ኣዝርእትን ወይ ናይ ህልውና ሓደጋ እንተጋጥምን ብሓባራዊ ወፈራ ይካየድ።
ኣብዚ እዋን ድማ ከከም ኣድላይነቱ ነቲ ስራሕቲ ንምስላጥን ንምንቅቓሕን ዝሕግዝ ባህላዊ ደርፍታት እናተደረፈ፣ ከበሮን ጭራ ዋጣን እናተወቕዐ እቲ ስራሕቲ ክካየድ ይግበር፡፡ ኣብዚ ካብ ባህላዊ ደርፍታት ብተወሳኺ እኽለማይ ዘቕርቡ መናእሰይን ደቒ ኣንስቲዮን ደድሕሪ እቶም ወፈርቲ እናሰዓቡ ብምሕጋዝ ስራሕቲ ወፈራ ንኽቃላጠፍ ይገብሩ፡፡
ንኣብነት ተጋዳላይ፣ድምፃውን ተዋሳእን ገብረስላሰ ብርሃነ (ሽሙየ) ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዓፂድ ዝዝውተሩ ባህላዊ ደርፍታት ከምዝስዕብ ይገልፆም:-
“ገናየ ኣለና ገናየ..ያ ሆሆ
ዓፃዳይ ባርጌዶ ያ ሆሆ..ንቅድሜኻ ኺዶ ያ ሆሆ …
ጎልጎል ክየ ማዕዶ በዓል ማዕፂድ ጣዛ ያሆሆ .. ተጠንቂቅካ ሓዛ ያሆሆ … ኢድካ ከይትቖርፃ ከይመስለካ ዋዛያ ሆሆ..
ገናየ ኣለና ገናየ ያ ሆሆ.. እናበሉ ጥንቓቐ ብዝተመልኦን ብቅልጣፈን ስራሕቶም ንክኽውኑ የበራታትዑዎም።ከምኡ ‘ውን ደቂ ኣንስትዮ ነቶም ኣብ ወፈራ ዝነጥፉ ሰባት ከምዚ ክብላ የበራታትዓ፣ “ደስ ይብለና ኣሎ ደስ ይብለና ኣሎ ኣታ ዝዕማምኩም ደስ ይብለና ኣሎ” ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝፍለጠሎም ፀጋታትን ክብርታትን ኣብ ጥንኩር ኩነታት (መከራን ፀበባን) ነኒባዕሉ ዝገብሮ ኣብ ሓድነት ዝተመስረተ ባህሊ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ሓደ ‘ዩ።
እዚ ወፈራ ተባሂሉ ዝካየድ ስርሓቲ ቀንዲ ሃብታም ባህሊ መርኣያ ሓባራዊ ስርሓት ህዝብናን ከይዱ ከይዱ ድማ ዓሌት፣ ሃይማኖትን ፆታን ኣፈላላይ ብዘይብሉ ዘሳትፍ መሰረት መግለፂ ምትሕግጋዝ ሓድነት ክበሃል ይክኣል። ከምዝፍለጥ ሓድነት ድማ ሓይሊ’ዩ። ባህሊ ወፈራ መርኣያ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ሓድነትን ‘ዩ ካብ በልና ኣብዚ እዋን ሃገርና ብፍላይ ድማ ትግራይ ብዙሓት ወፈራታት እትጠልበሉ እዋን ‘ያ ትርከብ።
ኣብዚ ወርሒ ‘ዚ ስራሕቲ ዓፂድ ዝራእቲ ዝበዝሑሉ ግዜ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ዝድለየሉ እዋን ‘ዩ ክብሃል ይክኣል። ህዝብና ካብ ዘለውዎ ብዙሓት ልምድታት ባህልታትን ናይ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ከምኡ ‘ውን መርኣያ ሓድነት ክብሃል ዝኽእል ንሓደ ውልቀ ሰብ ዝኸብዱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ብሓባር ኮይንካ ንምስራሕ ዝሕግዝ ባህሊ ስራሕ ከማዕብል ክኢሉ ‘ዩ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ከም ሓበሬታ ሜትሮሎጂ ኢንስቲትዩት ኣብ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያ ትግራይ ሓዊሱ ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብ ከም ዝህሉ ብተደጋጋሚ ይሕበር ኣሎ። እዙይ ሓበሬታ ከም ትግራይ ከምዚ እዋን ዓሚ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለናን (50% እኽሊ ትግራይ በቲ ዝናብ ከምዝረገፈ) ብሰብ ሞያ እቲ ዓወዲ ተገሊፁ ‘ዩ።
ነዚ ስዒቡ ዝመፅአ ጥምየትን ፀገምን ‘ውን ብቐሊሉ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ መሊሱ ክድገም ስለዘይብሉ ባህሊ ምትሕግጋዝ ዘሃበና ፀጋ ተጠቂምና፤ ዝበፅሐ እኽሎም ክዓፅዱ/ክእክቡ ምጉስጓስን ክዓፅዱ ዘይኽእሉ ዓቕመ ደካማታትን፣ መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮን ተሓባቢርና በቢኸባቢና ተወዲብና ብወፍሪ ክንዓፅደሎም ይግባእ።
ብሓፈሻ ወፈራ ንሕውየት ዝተጎድኣ ኢኮኖሚኣን ማሕበራዊ ሂወትን፤ ወፈራ ንሕውየትን ዕብየትን ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ዘድሊ ሙዃኑ ብዘይምዝንጋዕ ኣብ ዝሃለወ የሃልው ኩሉ ግዱስ ፈታዊ ህዝቡን ዓዱን ዝኾነ ዜጋ እዚ ወፈራ ንኽካየድ ከበራብርን ንቁሕ ተሳታፊ ንክኸውንን ዜግነታዊ ሓላፍነቱ ክዋፅእን ይግባእ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም