ንተግባራዊነት ሓዱሽ ፖሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኩሉ ይረባረብ

ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ዝመርሖ ፖሊሲ፣ ስትራቴጂን መፈፀሚ ሜላታትን ልምዓት ገጠርን ኣብ 1994 ዓ.ም ተሓንፂፆም ኣብ ስራሕ ከም ዝወዓሉ ዝዝከር ‘ዩ። ኮይኑ ግና ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ፖሊሲ እዚ ምስ ጠለባት ምግብን ዕቤትን እዛ ሃገር ክመጣጠን ስለ ዘይከኣለ መንግስቲ ውሕስና ምግቢ ዕቤት ንምርግጋፅ ሓዱሽ ፖሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣፅዲቑ ኣብ ምንቕስቓስ ይርከብ።

እቲ ናይ ቀደም ፖሊሲ ግብርናን ልምዓት ገጠርን ኣብ ጉልበት ሰብን መሬትን ጠመተ ዝገበረ እንትኸውን እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ኮይኑ ውሕስነት ምግቢ ዘየረጋገፁ ዝለዓለ ቑፅሪ ዘለዎም ዜጋታት ምህላዎምን ኢንዱስትሪ ዘድልዮ ጥረ ኣቕሓ ብዓይነት፣ መጠንን ፅርየትን እኹል ብዝኾነ ኩነታት ምቕራብ ዘይምኽኣልን ነቲ ፖሊሲ ንምቕያር ሓደ ከም ምኽንያት ኮይኑ ተረኺቡ ‘ዩ።

እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ሓደሽቲ ኣረኣእያታት ዝሓዘን ኣብ ቐፃሊ ኣብ ዘፈር ግብርና ክብፃሕ ንዝተሓሰበ ደረጃ ኣብ ግምት ዘእተወን ናብ ገጠር ወሪዱ ንሓረስቶት ዓቕሚ ፋይናንስ ዝውስኽ ‘ዩ። ፍርያትን መፍረያይነትን ግብርና ብዘላቕነት ብምዕባይን ውሕስነት ምግቢ ምሉእ ብምሉእ ንምርግጋፅን ዝሕግዝ ምዃኑ ተኣሚንሉ ናብ ስራሕ ክኣቱ ድማ ተሳትፎ ኩሉ ሕብረተሰብ ወሳኒ ‘ዩ።

ካሊእ ቐረብ ንንግዲ ወፃኢ ዝቐርቡ ፍርያታት ሕርሻ ምዕባይን ተወዳዳራይነት ምርግጋፅን ከምኡ ‘ውን ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ሕ ርሻ ብፍርያታት ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ዘይምኽኣል ሓደ ምኽንያት ኮይኑ እዚ ዕላምኡ ክወቕዕን ተጣናኺሩ ክቕፅልን ድማ ኩሉ ክረባረብ ግድን ይኸውን።

ዕንቅፋታት ዕቤት ሕርሻንን ልምዓት ገጠርን ንምቕራፍ፣ ብብርኪ ሃገር እናተኻየዱ ንዝርከቡ ስራሕቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃምን ንዘፈር ሕርሻ ምስ ኻልኦት ዘፈራት ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ንምትእስሳርን ኣብ ስራሕ ዝነበረ ፖሊሲ ስትራቴጂን ሜላታትን ልምዓት ገጠር በቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ንምትካእ ኣድላዪ ኮይኑ እዚ ንምስኻዕ ግና ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብንቕሓት ክሳተፉ ክኽእሉ እንተሎ ‘ዩ።

እዚ ሓዱሽ ፖሊሲ እዚ ኣብ ገጠር ዘሎ ሓይሊ ሰብ ጉልበቱ ኣብ ሕርሻ ጥራሕ ዘይኾነስ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ናብ ኢንዱስትሪታት ዝሰጋገረሉ ዕድል ዘመቻችው ‘ዩ። ብፍላይ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ገጠር ዘሎ ይኹን ኣብ ከተማ ምግቢ ውሕስንኡ ኣብ ግብርና ዝተንጠልጠለ ስለዝኾነ ነዚ ፖሊሲ እዚ ንምስኻዕ ለይትን ቐትርን ተጊሁ እንተሰሪሑ ካብቲ ፖሊሲ ትፅቢት ዝግበር ውፅኢት ክርከብ ይኽእል ‘ዩ። ኩሉ ተተረባሪቡ ቐፃልነት ዘለዎ ፍርያትን መፍረያይ ንምዕባይን ዘፅግም ኩነታት ኣይህሉን።

ናይ ሓረስታይ ኣታዊ ክውስኽ ዝኽእልን በዚ ኣቢሉ ‘ውን ነባራይ ሕብረተሰብ ከተማ ናይ ምግቢ ፀገም ይኹን ብፍላይ ምስ ምኽባር ናብራ ተተሓሒዙ ክቓለል ዝኽእል ንኹሉ ዜጋ ዘሳትፍ ፖሊሲ እንትህሉ ስለ ዝኾነ እዚ ፖሊሲ ድማ ነዚ ዘመቻችው ስለ ዝኾነ ተሳትፎ ብተግርባር ክህሉ ይግባእ።

እቲ ፖሊሲ ንኽትግበር ዝሕግዙ ኣዋጃት፣ ደንብታትን ማዕቀፋት ሕግን ፀዲቖም ናብ ስራሕ ክኣትዉ መንግስቲ እናሰርሐ ዝርከብ ዋላ እንተኾነ ኮይኑ ግና ኩሉ በቢዝኸኣሎ ደረጃ ክሳተፍ ተዘይክኢሉ በዚ ሓዱሽ ፖሊሲ ክሳኽዑ ዝተሓሰቡ ነገራት ሙሉእ ብሙሉእ ክሳኽዑ ኣይኽእሉን።

ብሓፈሻ እቲ ፖሊሲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምሕላው ብዘላቕነት ንምጥቓም፣ ምህርቲ ሕርሻ ንምዕባይን ተወዳዳራይነት ንምርግጋፅን ከምኡ ‘ውን ሓፈሻዊ ዕቤት ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ንምርግጋፅ እቲ ፖሊሲ ዝፃወቶ ግደ ግልፂ ኮይኑ ነቲ ፖሊሲ ንምፍፃምን ውፅኢዊ ንምግባርን ግና በቢደረጅኡ ዘሎ ናይቲ ዘፈር ኣማራርሓን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን እኹል ርድኢት ብምሓዝን ብምፍላጥን ንተግባራውነቱ ክረባረቡ ይግባእ።

ወጋሕታ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You