‹‹ልምዓት ግብርና ንምዝማን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ››  – ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ክልል ትግራይ ልምዓት ግብርና ንምዝማን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣተሓሳሲቦም። ፍርያትን መፍረያይነትን ዘዕብዩ ቴክኖሎጅታት ናይ ምፍራይ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ‘ውን ኢሎም።

ብኣሰናዳኣይነት ኢንስቲትዩት ምርምር ግብርና ክልል ትግራይ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ግብርና ንምግምጋምን ንምፍላጥን ዝዓለመ መድረኽ ምኽክር ኣብ መቐለ ተኻይዱ። ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ልምዓት ሕርሻ እቲ ክልል ንምዝማን ፍርያትን መፍረያይነትን ንምርግጋፅ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ካብ ምጥቃም ወፃኢ ኻልእ መማረፂ የለን ኢሎም።

ስራሕቲ ሕርሻ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምምላስን ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን፣ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል እንተተደልዩ ብጥበብን ብሳይነስን ምስራሕ ግድን ከምዝኾነ ኣልዒሎም። ስራሕቲ ግብርና ንኽሓዊ ምግባር ቐንዲ ጠመተ ቢሮ እቲ ክልልን ትካል ምርምር ግብርና ትግራይን ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ልምዓት መስኖ ከምኡ ‘ውን ስራሕቲ ሜካናይዜሽን ክጠናኸሩ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ላዕለዎት ኣባላት ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ተመራመርቲ፣ ሰብሞያ ግብርናን ኻልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተሳቲፎም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You