ኣዲስ ኣበባ፡-ኣብዚ ዓመት ዝሓሸ ምህርቲ ንምእካብ ዝተዋደደ ስራሕ ከም ዝጠልብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ገሊፁ።
ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ነዚ ዝገለፀ መፍረያይነት ሕርሻ 2016/17 ዓ.ም ክጎድኡ ዝኽእሉ፤ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ፣ ልዕሊ ዓቐን ድግስ፣ ወራር ባልዓት፣ ተላበድቲ ሕማማት እንስሳ፣ ብርሰት ደኒ ሓዊሱ ምስ መድርግቲ ኣካላት ሓበራዊ ዘተ 18 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ‘ዩ።
ኣብቲ ዘተ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ከምዝበልዎ፣ ኣብዚ ዓመት ኣብ ትግራይ ክዝራእ ካብ ዝግበኦ 1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ሄክታር መሬት ልዕሊ 700 ሽሕ ሄክታር መሬት ምዝራእ ከም ዝተኽኣለ ብምግላፅ፤ ግና እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ካልኦት ሓደጋታትን ስለዘለዉ ኣብ ምክልኻል ርብርብ የድሊ ኢሎም።
እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ከም ሓደጋ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ፀጋ ምርኣይ ከም ዘድሊ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፤ ብሓደ ገፅ ኣብ ዝራእቲ ሓደጋ ከይበፅሕ መናእሰይ፣ ሓይልታት ፀጥታ፣ ተምሃሮን ኩሉ ኣካል ማሕበረሰብን ብምትሕግጋዝ እኽሊ ብግቡእ ብምእካብ ናብ ዓዲ ምባል እንተድሊ በቲ ካልእ ገፅ ድማ እቲ ዝናብ ኣብ ረብሓ ስራሕቲ መስኖ ተጠናኺሩ ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።
ምስ ጎናጎኒ ምክልኻል እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ናብ ረብሓ መስኖ ምውዓልን ድማ ኣብ መዳይ ምክልኻል ብኽነት፣ ተላበድቲ ሕማማት እንስሳ፣ ብርሰት ደንን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ዝርአ ዘሎ ኦም ኣምበጣ ንምክልኻል ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተመረፁ ቦታት ብማሽነሪ ንምሕራስ ከም ጅማሮ ምህላዉን እዚ ተጠናኺሩ ከምዝኸይድን ሓቢሮም።
ተሳተፍቲ ብወገኖም እቲ ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ሓደጋ ናብ ፀጋ ምቕያር ግድን ‘ዩ። ምኽንያቱ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኩልሻብ ዋላ እንተሃለየ ማዕረ ማዕርኡ ምድላው ስለዘይንገብር ፀገም ይገጥም ‘ዩ። ብምዃኑ ኣብ ምህርቲ ዝበፅሕ ሓደጋ ንምቕናስ ብህፁፅ ምትሕግጋዝ ከምዘድልን ብፍላይ ቀረብ ማዕፂድ ‘ውን ብመልክዕ ሓገዝ ክልገስን እቲ ዝርካቡ እኽሊ ብኣግባቡ ብምእካብ ናብ ዓዲ ከብልን ብድግስ ኣቢልካ ብኽነት ኣብ ክንዲ ምክያድ ተመዛበልትን ዝተፀገሙ ወገናትን ክንሕግዝ ይግባእ ኢሎም።
ከም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይ ወራር ባልዓት፣ ተላበድቲ ሕማማት እንስሳ፣ ብርሰት ደኒ ሓዊሱ ኩሎም ፀገማት ኣብ ምምካት ተናቢብካን ተዋዲድካን ብምውፋር ዘራእቲ ካብ ሓደጋ ኣብ ምክልኻልን ኩሎም ሓደጋታት ብምክልኻል ለውጢ ኣብ ምምፃእ ኩላትና በብንኽእሎ ኢደይ ኢድካ ኢልና ክንወፍር ኣለና ክብሉ ሓቢሮም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም