
ከምዝፍለጥ ቱሪዝም ሰፊሕ ቢዝነስ ‘ዩ። ቱሪዝም ክብሃል ከሎ ዓርስኻ ንምሕዳስ ወይ ከዓ ንኻሊእ ዕላማ ዝግበር ዓይነት ጉዕዞ ‘ዩ። ተጎዓዚ ወይ ጎብናይ ማለት ድማ ሓደ ሰብ ካብ ዝተለመደ መንበሪ ቦትኡ ብምውፃእ ብተኸታታሊ ንልዕሊ 24 ሰዓታትን ትሕቲ 1 ዓመት ዝፀንሕን ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ ከምዝኾነ ይግለፅ።
ዝጉዓዘሉ ምኽንያት ዝተፈላለየ ዕላማ ክኸውን ዝኽእልል ኮይኑ ንምሕዳስ፣ ንሕክምና፣ ንኣኼባ፣ ንስፖርታዊ ንጥፈታትን ሃይማኖታዊ ወይ ኣምልኮን ንኻልኦት ዕላማታት ክኸውን ክኽእል ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ተፈጥሮኣዊ ኣከባቢ ከም እምባታት ምውፃእ ሃይኪንግ፣ ትሬኪንግ እንብሎ ምህዳስ ዝበሉ ኩሎም ቱሪዝም ቢዘነስ ‘ዮም።
ሃይማኖታዊ ጉዕዞ እነተሪእና ብፍላይ ኣብ ትግራይ እዚ ዓይነት ቱሪዝም ምስቲ ዘለና ሃፍቲ ገና ዘይተንኽአን ዘዋፅእን ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃይማኖታዊ ጉዕዞታት ናብ ብዙሓት ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ከምኡ ድማ መስጊዳትን ኣዝዩ ልሙድ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ። እዚ ኣዝዩ ዝተባባዕን ብመሰረቱ ድማ ኣብ ሕውየት ሕብረተሰብና ‘ውን ዓብይ ግደ ዘለዎን ‘ዩ።
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ከም ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ከም ትግራይ ባህሉ፣ ሃይማኖቱ፣ ክብርታሩን ዓቂቡ ዝነብር ማሕበረሰብ፤ ከምኡ ‘ውን ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአ ማሕበረሰብ ብኻሊእ ኣበሃህላ ምዕራባዊ ባህሊ ሒዙ ዘይመፅአ ማሕበረሰብ ንናይ ወፃኢ ቱሪዝም ዓብይ ዕድል ከምዝህልዎ ‘ዩ ዝዝረብ። በዚ መሰረት ከም ትግራይ ዝበለ ብባህሊ፣ ብሃይሞኖት፣ ብታሪኽን ሃፍታም ተፈጥሮ ፀጋን ዘተዓደለ ማሕበረሰብ ሰፊሕ ፍልፍል ቱሪዝም ዘለዎ ሙዃኑ ርዱእ ‘ዩ።
ስለዚ ከም ኢትዮጵያ ኮይኑ ከም ተጋሩ ንባህልና፣ንሃይማኖታትና፣ ንክብርታትና፣ ብሓፈሻ ንባዕልና መሲልናን ናብ ዕዳጋ ዓውዲ ቱሪዝም ክንቀርብ እንተኽኢለና፤ ኣብ ካልኦት ዘየለ ፍሉይ ዝበለ ሒዝና ብምቕራብና ብጎብነይቲ ተማራፃይን ንዕብየት ቱሪዝም እንዱስትሪ ድማ ናይ ባዕሉ ልዑል ግደ ክህልዎ ዝገብር ‘ዩ።
በዚ መሰረት ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ሰፊሕ ምንቅስቃስ ውሽጢ ዓዲ ቱሪስት ንክህልው ከምዝገበረን ዳርጋ ኣብ መላእ ከተማታት ትግራይ ዝተኸበረ በዓል ኣሸንዳ ሰፊሕ ፍሰት ምንቕስቓስ ቱሪዝም ‘ዩ ተራእዩ፡፡ ኣብ በዓል መሰቀል ‘ውን ብተመሳሳሊ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዓዲግራትን ካልኦትን ካባቢታት ብዙሕ ቱሪስታት ውሽጢ ዓዲን ዲያስፖራን ከምዝነበሩን፤ ኣብዚ ወርሒ ‘ውን ዝተፈላለዩ ንግስታት ከም በዓል ነገስታት ኣኩሱም ኣብርሃ ወ ኣፅብሃን ካለኦት በዓላትን ሰፊሕ ዘኾነ ቁፅሪ ከምዝተንቀሳቐስ ‘ዩ ዝግለፅ፡፡
ሐዚ ‘ውን ንግሲ በዓል ኣቡነ ኣርጋዊ ደብረዳሞ ኣብ ዝበዓለሉ ዘሎ፤ ብርክት ዝበለ ቱሪስት ወሽጢ ዓዲ ንክርከብ እናተሰረሓሉ ‘ዩ ዝርከብ፡፡ ኣብዚ በዓል ብዙሕ በፃሒ ንክርከብን ደሚቁ ንክብዓልን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ምፍላጥን ጎስጓሳትን እናተገበረ ‘ዩ ቀንዩ። ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘተሳተፉሉ መድረኽ ዘተ ብሰንበት ዕለት 10 ተዳልዩ ነይሩ ‘ዩ።
ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር ኣፅብሃ ገብረእዝግኣብሄር ከም ዝበልዎ፤ ንገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ዳሞ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ባህላውን ሃይማኖታውን ቅርሲታት ሃወፅቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ክህውፅዎም ብምግባር ፍልፍላት እቶት ክኾኑ ኣብ ምስራሕ ክንዲ ዝድለ ኣይሰጎመን ብምባል፤ ስለዝኾነ እቶም ሃይማኖታውን ባህላውን ቅርሲታት ብዝግባእ ንዓለም ብምልላይ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝሓሸ ኣታዊ ንምርካብ ብቐፃልነት ከም ዝስራሕ ተዛሪቦም ‘ዮም።
ብተወሳኺ ደብረዳሞ ካብቶም ታሪካውያን ቅርስታት ትግራይ ምስ ዓለም ዘወዳድረናን ከምዝኮነን ብምሕባር ይኩን እምበር ደብረ ዳሞ ሓዊሱ ብዙሓት ሃፍትታትን ፀጋታትን ትግራይ ክንድቲ ዝድለ ትኩረት ከም ዘይረከቡ ብምሕባር ኣብ ዩኔስኮ ንክምዝገቡ ዝተዋደዱ ስራሕ ከምዝጠልብ ምሕባሮም ተገሊፁ ‘ዩ፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብዚ ዝተረኸቡ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ጉለመኸዳ ኣይተ ሃፍቶም ባራኺ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ድማ ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ዳሞ ኣብ 537 ዓ/ም ብሃፀይ ገብረመስቀል ዝተሃነፀን ብርክት ዝበሉ ዕድመ ፀገብ ንዋየ ቅዱሳን ዘለውዎ ዋላ እንተኾነ እቲ ገዳም ኣብ ዩኔስኮ፣ ዓለም ለኸ ቅርሲ ኮይኑ ዛጊድ ኣይተመዝገበን ብምባል፤ ስለ ዝኾነ እቲ ገዳም ብቕርስነት ኣብ ዩኔስኮ ብምምዝጋብ፣ ብዝለዓለ ብርኪ ክብሪታት እቲ ገዳም ንዓለም ክፋልጥ ምስራሕ ከም ዘድሊ ከምዘረድኡ ተሓቢሩ ‘ዩ።
ብተወሳኺ ኣቡነ ኣረጋዊ ደብረዳሞ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ኩናት ተዳኪሙ ከምዝነበረ ብምሕባር ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተወሰነ ምንቕቓሕ ከምዘርኣየ ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ፡ኣብቲ ዝሳለጥ መድረኽ ዘተ ኣብ ዙርያ እቲ ገዳም፣ ፀጋታት ቱሪዝም ዞባ ምብራቕን ኢሉ ‘ውን ትግራይ ብምሁራን ዩኒቨርስቲ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዝቀረበ ኾይኑ፤ ብመምህር ስነ ኳዕትን ኣርኪየሎጅን ኣይተ ሃይላይ ኣፅብሃ ኣብ ዝቀረበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ፤ ኣቡነ ኣረጋዊ ደብረዳሞ ኣብ ዩኔስኮ ከመዝግብ ዘኽእል ረቋሕታት ከምዘማልእ ብምሕባር እቲ በዓል 14 ጥቅምቲ ጥራሕ ሓሊካ ክክበር ከምዘይብሉን መስሕብ ቱሪዝም ኮይኑ ዝቅፅለሉ ክስራሕ ከምዝግባእ ምፍላጦም ተፀብፂቡ ‘ዩ፡፡
ብሓፈሻ እዞም ታሪኻዊ ቕርስታት ኣዝዮም ፍሉይ ዝኾነ ጥበብ ወለድና ዝዓረፎም ኮይኖም ንዓለም ከምህሩ ዝኽእሉ ዕድመ ፀገብ ጥበባት ‘ዮም፡፡ እዚኦም ካብ ሃይማኖታውን ባህላውን እሴት ሓሊፎም ፍልፍል ቱሪዝም እቶት ውሽጢ ዓዲ ኮይኖም እናገልገሉ ይርከቡ፡፡ ስለዚ ጥበብን ቱሪዝምን ኣዝዮም ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ‘ዮም ምባል ይከኣል፡፡
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም